እስራኤልን ኣመሪካን ስለምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን፡ እቲ ኲናትከ ክሳዕ መዓስ ክጸንሕ ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ብዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ድሕሪ ምቕታሉ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራናውያን ነቲ መንግስቲ ክዓልውዎ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሚሳይላትን ድሮናትን ብምውንጫፍ ንእስራኤል፡ ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቆጵሮስን ብመጻብቦ ሕርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብን ዒላማ ብምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ሂባ።
ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ዝዀነ ሺዓ ኣስላም ዝኽተል ሕዝቦላህ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ናብ እስራኤል ሮኬታት ብምውንጫፍ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሩ። እስራኤል ድማ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ሂባ።
እዚ ጽሑፍ፡ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ከመይ ከም ዝተጋህደ፡ ኣብቲ ዞባ ብኸመይ ጽልዋ ከም ዘሕደረን ክሳዕ ክንደይ ክጸንሕ ከም ዝኽእልን መብርሂ ኣካቲቱ ኣሎ።
መጀመርታ ኣብ ኢራን እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ኣመሪካን እስራኤልን ብቐዳም፡ ንመሰረተ ልምዓት ሚሳይላት፡ ወተሃደራዊ ቦታታትን ላዕለዎት መራሕትን ኢራን ዒላማ ብምግባር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም።
ካብ 1989 ጀሚሩ ንኢራን ዝመርሕ ዝነበረ ኻመኒ፡ ኣብ ቀዳማይ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣብ ቴህራን ተቐቲሉ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓያል ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ (IRGC) ዝርከቡ ዓሰርተታት ላዕለዎት ፖለቲካውያን ፍሉጣት ሰባትን መራሕትን ኢራን እውን ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።
እዚኦም፡ ጸሓፊ ካውንስል ምክልኻል ዓሊ ሻምኻኒ፡ ምኒስተር ምክልኻል ብርጋደር ጀነራል ዓዚዝ ናሲርዛደህን ኮማንደር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጀነራል መሓመድ ፓክፑርን ይርከቡዎም። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሓድሽ ዋና ኣዛዚ ኣሕመድ ቫሂዲ ተመዚዙ።
ክሳዕ ሰኑይ 2 ለካቲት 2026፡ ቀይሕ ወርሒ ኢራን ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 130 ቦታታት 555 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ኢራን፡ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ጥቓ መደበር ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ ኢራን ኢንተርነት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተገዲቡ፣ ክሊ ኣየር ድማ ተዓጽዩ ይርከብ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ስጕምቲታት ቀጺሉ'ዩ።
ኣመሪካን እስራኤልን ብሰንበት ተወሳኺ መጥቃዕቲ ብምፍጻመን ንርእሰ ከተማን ካልእ ቦታታትን ወቒዐን። ትራምፕ፡ ዋና ቤትጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከም ዝዓነወ ገሊጹ።
ትማሊ ሰኑይ ድማ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም) 11 መራኽብ ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዖማን ከም ዘጥሓለን ኢራን ኣብቲ ከባቢ ዝዀነት መርከብ ከም ዘይተረፋን ገሊጹ።

ክልቲአን ሃገራት ስለምንታይ'የን ንኢራን ኣጥቂዐን?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዕላማ እቲ ስርሒት "ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይትውንን፡" ንምግባር ዝዓለመ'ዩ ይብል።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሶሻል ትሩዝ ኣብ ዝለጠፎ ናይ ሸሞንተ ደቓይቕ ቪድዮ፡ "ሚሳይላቶም ከነጥፍእን ኢንዱስትሪ ሚሳይላቶም ከነፍርሶን ኢና። ፍጹም መሊኡ ክድምሰስ'ዩ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን "ምሉእ ምሕረት" ንኽወሃቦም ዕጥቆም ከውርዱ ወይ "ሞት ክስዕብ፡" እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ትራምፕ፡ ህዝቢ ኢራን ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ክዳሎ ድማ ኣተሓሳሲቡ።
ንሱ፡ "ምስ ወዳእና መንግስትኹም እለዩ። እዚ ምግባር ናትኩም ክኸውን'ዩ። እዚ ምናልባት ንወለዶታት እንኰ ዕድልኩም ክኸውን'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒት - ኣመሪካ ስርሒት ቅያ ቍጥዐ ኢላ ዝሰመየቶ - ድሕሪ'ቲ ትራምፕ ኢራን ብሰንኪ ንዩክለሳዊ ፕሮግራማ ሓድሽ ስምምዕ እንተ ዘይተሰማሚዓ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ እየ ዝብል ንሰሙናት ዝቐጸለ ምፍርራሕ ዝስዓበ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኢራን ብተደጋጋሚ ንዩክለሳዊ ንጥፈታታ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ምዃኑ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢራን ክሳዕ ሕጂ ዝሃበቶ ምላሽ
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ምስ ኣመሪካ ርክብ ዘለወን ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ቆጵሮስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝርከባ መራኽብን ብባሊስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ሃሪማ።
ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ፡ ኣብ ተልኣቪቭን ካልእ ቦታታትን ንዝርከቡ መንግስታውን ወተሃደራውን ቦታታት እስራኤል ዒላማ ከም ዝገበረ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ቤት ሸመሽ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ከባቢ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ቆጵሮስ ዝርከብ መደበር ብሪጣንያ፡ ብድሮን ከም ዝተሃረመ ኣረጋጊጹ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ወይ ዝቘሰለ ሰብ የሎን፤ እንተዀነ ገለ ሰባት ካብቲ መደበር ይግዕዙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ቐጠር፡ ባሕሬን፡ ዮርዳኖስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኩዌትን - ኵለን ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዘለወን - ከምኡ'ውን ዖማንን ስዑዲ ዓረብን ዒላማ ኰይነን ኣለዋ።
ትማሊ ሰኑይ ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ከተማታት ዱባይ፡ ዶሓን ማናማን ሓዊሱ ተወሳኺ መጥቃዕቲታት ተፈጺሙ።
ሰራዊት ኢራን ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣየር ኣመሪካን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዝርከባ መራኽብን ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ 15 ክሩዝ ሚሳይላት ከም ዝተጠቐመ ገሊጹ።
ኣብ ዱባይ ዝርከቡ ሆቴላት ሓዊሱ ስቪላዊ ቦታታት ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ትካላት ከም ዝተሃርሙ ተገሊጹ።
መሻርኽቲ ኣመሪካን ዓረብን ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ዝዅንን ሓባራዊ መግለጺ ብምውጻእ "ንስቪላትን ኣብ ተጻብኦታት ዘይተዋፈራ ሃገራትን ዒላማ ምግባር፡ ሸለልትነትን ናይ ዘይምርግጋእ ባህሪን'ዩ፡" ኢሎም።
ብሰኑይ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ምሕዝነታዊ ይመስል ብዝበሎ ሰለስተ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩዌት ተሃሪመን። እቶም ኣብረርቲ ሓደጋ ከም ዘይበጽሖም ድማ ተገሊጹ።
ክሳዕ ሰኑይ 3 ለካቲት፡ ኣብ ዝተወስደ ስጕምቲ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዝተቐትሉ ሰራዊት ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ፡ 18 ኣመሪካውያን ኣባላት ሰራዊት ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉ ወሃቢ-ቓል ሴንትኮም ንሲቢኤስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ግጭት ሓድሽ ግንባር ብሰኑይ ተኸፊቱ ኣሎ፤ ሕዝቦላህ ንእስራኤል ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ በይሩትን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ዒላማታት ሕዝቦላህ ዝበሎም ሃሪሙ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ምስ መንግስቲ ኢራን ምሕዝነት ዘለዎ ኰይኑ፡ ሕነ ቅትለት ኻመኒ ንምፍዳይ ይጽዕር ከም ዘሎ ገሊጹ'ዩ።
ሰበስልጣን ሊባኖስ ክሳዕ ሕጂ በቲ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ወይ ከም ዝቘሰሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ እስራኤል ድማ "ንሓያሎ መዓልታት" ክጸንሕ ዝኽእል ተወሳኺ ስርሒታት ከም ዝህሉ ብምግላጽ ኣብ 50 ዓድታት ዝነብሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ኣዚዛ።
እዚ ኲናት ክሳዕ መዓዝ ክቕጽል ይኽእል?
ኢራን ብቕልጡፍ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ክትሸይም ምዃና ገሊጻ ኣላ።
ኣብታ ሃገር ንግዚኡ፡ ኣመራርሓ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ተጣይሹ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብፕረዚደንት ማሱድ ፔዘሽክያን፡ ሓላፊ ቤትፍርዲ ጎላምሆሴን ሞህሰኒ ኤጀይን ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ዓሊረዛ ዓራፊን ዝሓቘፈ እዩ።
ወግዓዊ ምምራጽ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ብጉባኤ ክኢላታት ዝፍለጡ 88 ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ዝውሰን።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፡ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ክመርጹ ኣለዎም። እዚ ግን እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ እንከላ ብምኽንያት ስግኣት ድሕነት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብቐዳም ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ "ንምሉእ ሰሙን ወይ ኣድላዪ ክሳዕ ዝዀነ ብዘይ ምቍራጽ ክቕጽል'ዩ፡" እኳ እንተ በለ፡ ድሕሪኡ ንዝነውሐ ግዜ ክቕጽል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካን እስራኤልን ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሓሙሽተ ሰሙን ብሓደ ናህሪ ስርሒታት ክቕጽላ ይኽእላ እየን ኢሉ።
ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ "መጀመርታ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሓሙሽተ ሰሙን ትጽቢት ገይርና ነይርና፤ ግን ካብኡ ኣዝዩ ዝነውሐ ናይ ምኻድ ዓቕሚ ኣለና፡" ኢሉ።
ኣመሪካ ድሮ ካብቲ ዝሓሰበቶ ናይ ግዜ ትንበያ "ብዓቢዩ ቀዲማ" ከም ዘላ ወሲኹ ገሊጹ።
ብቐዳም፡ ቀዳማይ ምኒስትር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ "እዚ ወፍሪ፡ ኣድላዪ ኰይኑ ክሳዕ ዝተረኽበ ክቕጽል'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ቅልውላው ካብን ናብን እቲ ዞባ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ በረራታት ተቛሪጾም ይርከቡ፤ እዚ ድማ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዓለማዊ ጕዕዞ ካብ ዘጋጠሙ ከበድቲ ምዝንባላት ሓደ እዩ።
ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ መንገዲ ኣየር ኢማራትስ ካብን ናብን ዱባይ ዝገብሮ ዝነበረ ስርሑ ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ - እንተዀነ ብሰኑይ ምሸት "ብውሱን ቍጽሪ በረራታት" ስርሑ ከም ዝጅምር ገሊጹ።
ክሊ ኣየር ቐጠር ዕጹው ስለ ዝዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብ ዶሓ ዝብገስ ወይ ዝዓልብ በረራ የሎን።
መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ናብ ተልኣቪቭን ባሕሬንን ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ከም ዝሰረዘን፡ "ነቲ ኵነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎን፡" ገሊጹ።
ዊዝ ኤየር ክሳዕ 7 መጋቢት ናብ እስራኤል፡ ዱባይን ኣቡዳቢን፡ ዖማንን ስዑዲ ዓረብን ዝገብሮ በረራታት ኣቋሪጹ።
ብዓልመዚ ኣቭየሽን ኩዌት ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳዕ ዝወሃብ ኵሉ ናብ ኢራን ዝግበር በረራታት ደው ከም ዘብሎ ገሊጹ።
ሉፍታንዛ፡ ኤየር ህንዲን መንገዲ ኣየር ቱርኪን እውን በረራታቶም ከም ዝሰረዙ ኣፍሊጦም።
ገለ ሃገራት እቲ ዞባ - ዒራቕን ዮርዳኖስን ሓዊሱ - ክሊ ኣየረን እውን ዓጽየን ኣለዋ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



