ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?

ኣእዳዉ እናወዛወዘ ዝዛረብ ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎን ዝዛረብ ታደሰ ወረደን
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ "ብሓይሊ" ዝተኻየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ "ኣኼባ ካቢኔ" ኮኒኑ።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንክልል ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ስልጣኑ ከምዘሎ ዝምጉት ታደሰ፡ "ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ዝተፈጠረ ኩነታት ሰዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤን ጉድኣትን ንምትራፍ፣ እቲ ሽግር ብናይ ተጋሩ ልዝብን ሓበራዊ ምርድዳእን ክፍታሕ" ዘቕረቦ ጻውዒት ከምዘይሰመረ ኣሚቱ።

"ተመሪፀ እየ ዝብል ኣካል ሎሚ ሚያዝያ 30/2018 ዓ/ም ብናይ ፀጥታ ኣካላት ሓለዋ ተገይርሎም፣ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ካቢኔ ኣኼባ ጀሚሮም ኣለው።

"እዙይ ከዓ ናይ ቀፃሊ ሓደገኛ መንገዲ ዝተጀመረሉ ዕለት ስለዝኾነ፣ በዙይ ምኽንያት ንዝስዕብ ሳዕቤን ተሓታቲ ፣ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብጉልበት ዝሕዝ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ክገልፅ ይደሊ" ይብል ጀነራል ታደሰ ኣብቲ ብስም "ፕረዚደንንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ" ሎሚ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት "ተወንዚፉ" ዝነበረ ቤት ምኽሪ ትግራይ ናብ ስልጣኑ ከምዝተመልሰ ዝሓበረ ህወሓት፡ ንኣቦመንበር እቲ ውድብን መራሒ እታ ክልል ዝነበረን ደብረጽዮን ሓድሽ ፕረዚደንት ገይሩ ከምዝሸሞ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሓደስቲ "ኣባላት ካቢኔ" ዝመዘዘ ደብረጽዮን ፈላሚ ኣኼባኡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ትግራይ ከምዘካየደ'ዩ እቲ ጸብጻባት ዝሕብር ዘሎ።

መንግስታዊን ሓውሲ መንግስታዊን ማዕከናት ዜና ትግራይ ነቲ ብህወሓት ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃባ'የን ዝመስላ።

"27 ሚያዝያ 18 ዓ.ም ብዕሊ ስርሑ ዝጀመረ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል ፕሬዚደንት መንግስቲ ትግራይ ጌሩ ድሕሪ ምምራፁ ካቢኔ ምንግስቲ ትግራይ ሎሚ ፈላማይ ኣኼቢኡ ኣካይዱ እዩ" ይብል ምስ ህወሓት ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ድምጺ ወያነ ትግራይ ዘውጽኦ ዜናዊ ጸብጻብ።

ተለቪዢን ትግራይ ብወገኑ፡ "ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሎሚ ዕለት 30/08/2018 ዓ/ም ኣብ ደጀን ቢሮ ንካቢኔ እቲ ምምሕዳር ፈላማይ ኣኼባ ብምክያድ ስራሕ ጀሚሮም ኣለው።

"እቲ ብፕረዚደንት ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ዝተመርሐ ፈላማይ ኣኼባ ካብኔ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከምዝዘተየ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ" ይብል ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ ሓጺር ጸብጻብ።

ህወሓት በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ብመንገዲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ስልጣን ከምዝመንዝዐ ምፍላጡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ'ዩ።

እንተኾነ፡ ህወሓት ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደ እቲ ስምምዕ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ስለዝተጣሕሰ ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።

ዛጊት ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ'ዚ ኣብ መቐለ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ናብ ስልጣን ከምዝተመልሰ ዝኣወጀ ደብረጽዮን ኣብ ፈላሚ 'ኣኼባ ካቢኔ'

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television

መግለጺ ስእሊ, ናብ ስልጣን ከምዝተመልሰ ዝኣወጀ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ፈላሚ 'ኣኼባ ካቢኔ'

እዚ ሕጂ ሓድሽ መንግስቲ ከምዝመስረተ ዝንገረሉ ዘሎ ክልላዊ ቤት ምኽሪ (ባይቶ)፡ ኣብቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደን ብፈደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ዝተባህለን ምርጫ ዝተመረጸ እዩ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ምስ ምውላዕ ኲናት ክልተ ዓመት ካብ መቐለ ወጺኡ ምስተበተነ ንፈለማ እዋን'ዩ ተኣኪቡ።

ገለ ክኢላታት ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ነቲ "ነባር" ቤት ምኽሪ ከምዝፈረሰ ብምቊጻር፡ ሓቋፊ ግዝያዊ ምሕደራ ክምስረት ከምዘለዎ'ዩ ዝእዝዝ።

እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ምክፍፋልን ቊርቊስ ስልጣንን ኣብ መንጐ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝነበረ ዘይምትእምማን እናንቆልቆለ ከይዱ ናብ ምትፍናን ኣትዩ ጸኒሑ።

ኣማኒኤል ኣሰፋ ዝርከቦም ኣባላት 'ካቢኔ' ዶ/ር ደብጽዮን

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television

መግለጺ ስእሊ, እቶም ደብረጽዮን ዝሸሞም ኣባላት 'ካቢኔ'፡ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ይርከቦም

ኣብ ኲናት ክልተ ዓመት ኣንጻር ሰራዊት ማእከላይ መንግስቲን መሻርኽቱን ዝተዋግኡ ሓይልታት ትግራይ'ውን ምግምማዕ ተፈጢሩ'ዩ።

ዝበዝሑ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቶም ዕጡቓት ምስ ህወሓት ክውግኑ እንከለዉ፡ ሓያሎ ጀነራላት ዝርከብዎም ካልኦት ግን ነቲ ውሳነ ብምቅዋም "ሓይልታት ሰላም ትግራይ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ባዕሎም ተቓዋሚ ጉጅለ ብምቛም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ሰብመዚ ፈደራል፡ ህወሓት ምስ ኤርትራን ሰራዊት ሱዳንን ብምዃን ኣንጻር ኢትዮጵያ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል'ዩ ዝኸሶም። ህወሓት ብወገኖም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ምንጪ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ይወቕሱ።

እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናናት ደግሲ ካልእ ኣዕናዊን ደማዊን ኲናት ከየስዕብ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ኣኼባ ዝርከቡ ብደብረጽዮን ዝመዘዙ ኣባላት 'ካቢኔ'

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television