ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርቀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ተቐተለ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ።
ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሚሳይላትን ድሮናትን ብምውንጫፍ ንእስራኤል፡ ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቆጵሮስ፡ ኣዘርባዣንን ብመጻብቦ ሕርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብን ዒላማ ብምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ሂባ።
ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ዝዀነ ሺዓ ኣስላም ዝኽተል ሕዝቦላህ፡ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ናብ እስራኤል ሮኬታት ብምውንጫፍ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሩ።
እስራኤል ድማ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ትህብ ኣላ።
ይዅን'ምበር፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ሃስያ ይወርድ ከም ዘሎ እዮም ጸብጻባት ዘመልክቱ።
ኣብቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እውን ግዳያት እቲ ረጽሚ ይዀኑ ኣለዉ።
ብፍላይ ኣብ ሊባኖስ፡ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ገለ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብሰንኪ ዝወረደ ስብርባር ሚሳይላት፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ሰባት መጕዳእቲ ወሪዱዎም ኣሎ።
ኣብ ሊባኖስ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጀኑድ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ብርቱዕ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ካብ መንበሪኦም ክስደዱ ከም ዘገደዶም ሓንቲ ካብቲ ቦታ ዝሃደመት ዜጋ ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ኵነታት እቲ ዞባ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ከባቢ ጅኑድ ብርቱዕ ደብዳብ ሚሳይላት ተኻይዱ፡" ብምባል ብሰንኪ እቲ ዘይተሓሰበ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን፡ ህይወትና ንምድሓን ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ከም ዝተገደዱ ሓቢራ።
"እቲ ናብ ውሑስ ቦታ ዝወስድ መንገዲ ብኣሽሓት ብዝቝጸሩ ሰባትን ተሽከርከርትን ተዓጻጽዩ ስለ ዝነበረ፡ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ጽንኩር እዩ ነይሩ፡" ትብል።
ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣብቲ መንገዲ ተዓጽዮም ከም ዝርከቡ ሓቢራ።
ቢቢሲ ዘዘራረባ ሓንቲ ካልእ ኣብቲ ሓደጋ ተዓጽያ እትርከብ ኢትዮጵያዊት ብወገና፡ እቲ ብርቱዕ ደብዳብ ስዒቡ፡ "ገለ ኢትዮጵያውያን ተወቒዖም ኣለዉ። እንተዀነ ክሳዕ ሕጂ ዝሞተ ሰብ የሎን፡" ኢላ።
"ኵነታትና ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ኰይኑ ዘሎ።"
ካብቲ ከባቢ ንምህዳም እውን ካልእ ፈተና ብምዃኑ፡ ከምኣ ዝኣመሰሉ ኣብ መንጎ እቲ ሓደጋ ተዓጽዮም ክተርፉ ዝተገደዱ ብዙሓት ከምዘለዉ፡ ወሲኻ ሓቢራ።
"ካብዚ ቦታ ክንወጽእ ኢና ንደሊ። እቲ ዘሕዝን ድማ ክሳዕ ሕጂ መሃያና ስለ ዘይተኸፈለና፡ ንመጓዓዝያ ዝኸውን ሓንቲ ሳንቲም'ኳ የብልናን፡" ክትብል እቲ ጸገም ተብርህ።
ወሲኻ ድማ፡ "ገለ መካይን ክንሓትት እንከለና፡ ነፍሲወከፍ ሰብ 100 ዶላር ክኸፍል ኣለዎ ይብሉና ኣለዉ። እዚ ገንዘብ እዚ ካበይ ክነምጽኦ? ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኢና ዘለና፡" ኢላ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ርእሰከተማ ኣቡ-ዳቢ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን "ኣድላዪ ጥንቃቐታት" ክገብሩ ተማሕጺኑ ኣሎ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ፡ ዜጋታት በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ከይተሰናበዱ፡ ብምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወሃብ መምርሒታት ጥራይ ክስዕቡ ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣሳእል ይዅን ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ምልጣፍ ክቝጠቡ ጽኑዕ መዘኻኸሪ ሂቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብወገን ቐጠር ዘሎ ኵነታት ብዝምልከት ድማ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኵሎም መንግስታዊ ትካላትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጽዮም ይርከቡ።
ንኣሽቱ ውልቃዊ ንግድታት ይሰርሑ እኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ጐደናታት ዝርአ ምንቅስቓስ ህዝቢ ግን ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ኪኖኡን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብምሕያሉ፡ ድሮ ርኡይ ምምዝባል ህዝቢ ከም ዘስዓበ ይገልጽ።
ኣብ ኢራን፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝነበራ ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ጥራሕ ኣስታት 100,000 ሰባት ካብ ቴህራን ከም ዝወጽኡ እቲ ትካል ሓቢሩ።
ኣብ ሊባኖስ 58,000 ሰባት ኣብ ናይ ሓባር ቦታታት ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣስታት 10,000 ሶርያውያንን ኣስታት 1,000 ሊባኖሳውያንን ብ2 መጋቢት ካብ ሊባኖስ ናብ ሶርያ ከም ዝሰገሩ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሊባኖስ፡ ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝወርደን ዘሎ ሃስያ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኢራን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ክሳዕ 3 መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፡ ልዕሊ 1,000 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ሞት ብኣማኢት ናይ ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ድማ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።
እዚ ግጭት፡ ነቲ ድሮ ዕግርግር ዝመልኦ፡ ዞባ ኮነ ንኻልእ ዓለም ዝወጽእሉ ሰፊሕን ሓደገኛን ኵነታት ከስዕብ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ገለ ተንተንቲ ይገልጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



