ኵሎም ወገናት 'እንዋግኣሉ ምኽንያት ኣለና' ዝብልሉ ኣዕናዊ ኲናት ሱዳን

- Author, ባርባራ ፕሌቲ ኣሸር
- Role, ጋዜጠኛ ኣፍሪቃ
- ንባብ: 9 ደቓይቕ
ሰንበት 1 ለካቲት 2026፡ ብጫ፡ ሰማያውን ጻዕዳን ነፋሪት መንገዲ ኣየር ሱዳን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዓሪፋ።
160 ተሳፈርቲ ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ከለዉ፡ ዓሊሎም፡ ተሓቛቚፎምን ስእሊ ተሳኢሎምን።
እዚ ኣብታ ብዂናት ሓድሕድ ዝተበታተነት ሃገር ቀጻሊ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሕሪ 2023 ናብታ ከተማ ዝኣተወ ካልኣይ በረራ ጥራይ እዩ ነይሩ።
ቅድሚ ሰሙናት ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን፡ 2026 "ዓመት ሰላም" ምዃና ኣዊጁ ነይሩ።
ካሚል እድሪስ ኣብ ጥሪ፡ እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ምኒስትሪታቱ ናብታ ዝተበታተነት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከም ዝምለሱ ኣብ ዝሓበረሉ እዋን እዩ ነዚ ዝገለጸ።
ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊት ሱዳን ካብ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዳግማይ ንኻርቱም ምስ ሓዛ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ባዕለይ ርእየያ እየ።
ሽዑ፡ ኣብ ጽርግያ ዘይተፈንጀረ ተተኰስቲ ከይረግጽ ብጥንቃቐ መኪና እናዘወርኩ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝነበረ ዝፈራረሰ ኣዳራሻት እናሓለፍኩ እንታይ ከም ዝመሰለት ርእየያ።
እታ ከተማ፡ ማእከል ናይቲ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣብ ሚያዝያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኰይና፡ ብዙሕ ዕንወት ወሪዱዋ፤ መንግስቲ ድማ ናብታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ውሑስ መዕቈቢት ፖርት ሱዳን ተሰዲዱ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እቲ ዕንወት ዘሰንብድ'ዩ ነይሩ፤ መንግስታዊ ምኒስትሪታት: ባንክታትን ኣብያተ ጽሕፈትን ተቓጺሎምን ዓንዮምን ይርኣዩ ነይሮም
ሕጂ'ውን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዘይኽእል ዝነበረ ዝዓነወ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንትን ኤምባሲ እንግሊዝ ድማ ዑደት ገበርኩ፤ እዚ ህንጻታት ምስክር እቲ ጽዑቕ ውግእ ዝዀኑ ምልክታት ብሳዕ ጥይት ኣለዎ፤ ኣብቲ ክፍሊታት ቤተመንግስቲ ዝነበሩ ኣቝሑ ተዘሚቱ'ዩ።
ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ዕንወት፡ ሞት፡ ጥሜትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘስዓበ ኲናት፡ ሱዳን ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ዘይግመት" ዝበሎ ዓዘቕቲ ዘጥሓለ ኲናት ኰይኑ ይስምዓካ።
ድሒረ ኣብ ዝገበርክዎ መገሻ፡ ምስቶም ኣብ ጥቅምቲ ኤል-ፋሸር ኣብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ክትኣቱ እንከላ ክእሃድሙ ዝኸኣሉ ሰባት ንምዝርራብ ናብ ሓደ ሰራዊት ዝተቘጻጸሮ መሬት ዝርከብ መዓስከር ከይደ፡ ዛንታታት ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ድማ ሰሚዐ።
ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ምውሳድ ንሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ ዓቢይ ዓወት እዩ ነይሩ። በቶም ዕጡቓት ዝተፈጸመ መርትዖታት ግፍዒ ግን ኣህጉራዊ ሻቕሎት ዘስዓበ እዩ ነይሩ።
ሽዑ ንሓጺር እዋን እውን እንተዀነ፡ ሃገራት ዓለም ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ መከራ ደው ንምባል ኣብ መወዳእታ ጣልቃ ክኣትዋ ዝኽእላ እዩ ዝመስል ነይሩ።
ይዅን እምበር ዋላ እኳ ውግዘትን ራዕዲን እንተሃለወ፡ ዝተቐየረ ነገር የሎን፤ ካብ ርእሰ ከተማ ርሒቑ እቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።
ዝተረፈ ኣቓልቦ ዓለም ከኣ ኣብ ካልእ ቦታታትን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝግበር መጥቃዕቲ ነፈርትን ዘተኰረ እዩ ዘሎ።
ምጅማር እቲ ዘስካሕክሕ ግጭት ሱዳን ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዝሕዘሉ ዘሎ እዋን፡ መንገዲ ኣየር ሱዳን በረራ ምግባሩ ባና ተስፋ ሂቡ ክኸውን ይኽእል።
እንተዀነ፡ እቲ መሰረታውያን ነቲ ውግእ ዝጸልዉ ነገራትን ኣይተተንከፉን።
ስለዚ፡ ኣህጉራዊ ጸቕጢ እኹል እንተ ዘይኰይኑ፡ ብሓቂ ንኽልቲኦም ወገናት ነቲ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዑ ዘገድዶም ነገር እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ቀጻሊ ውግእ
ሱዳን ኣብ 1956 ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ዝበዝሕ ግዜ ብገለ መልክዕ ኣብ ኲናት እያ ጸኒሓ - እዚ ማለት ካብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት 58 ዓመታት እዩ።
እቶም ዝሓለፉ ግጭታት ግን ካብ ካርቱም ርሒቖም ኣብ ወሰን ከባቢ እዮም ተኻይዶም።
እዚ ናይ ሕጂ ንሕመረት እታ ሃገር በቲዑ፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ህዝቢ ኣመዛቢሉ፣ ኣፈላላያት ኣስፊሑ፣ እታ ሃገር ከይትብተን ዘስግእ ኰይኑ።
እዚ ብ2019 ዝተላዕለ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ነታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝገዝኣ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሱዳንን እሙናት ኣልበሽር ዝነበሩ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ናይ ስልጣን ንሕንሕ ተላዒሉ።
በሽር ነቲ ብሰፊሑ ብሕሜቲ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ካብ ውሽጢ ሰራዊት ክመጽእ ካብ ዝኽእል ብድሆታት ንምክልኻል፡ ከም ሓለዋ ኰይኑ ንዳዕመ-ሰሪዕ ክመርሕ ስልጣን ሂብዎ ነይሩ።
ድሕሪ ምእላይ በሽር፡ ኣብ መንጎ ሕሜቲን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ዝነበረ ወጥሪ ናብ ዝሰፍሐ ዓመጽ ዓሪጉ።
ኣብ መጀመርታ፡ "እዚ ኲናት ሱዳን ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ዝካየድ ኲናት እዩ ዝብል ርድኢት ነይሩ፡" ትብል መስራቲ ትካል ኣማኻሪ ኮንፍሉየንስ ሱዳናዊት ተንታኒት ፖለቲካ ኮሉድ ካይር።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ድሕሪኡ ግን ክልቲኦም ወገናት ጥምረታቶም ኣስፊሖም ትረኻታቶም ኣብ ክንዲ ሰረት መንግስቲ ዝኣረገ ቅሬታታት ገበሩ።
እዚኦም፡ ኣብ ሓደ ባህሊ ብምሕዝነትን ምጥቕቓምን፡ ፖለቲከኛታት ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዘገልግሉ ጸጋታት ህዝብን መንግስትን ብምዝማት ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ንሰፊሕ ቍጠባ እታ ሃገር ክቈጻጸር ዝገበረ እዩ።
ሕመቲ ነጋዳይ ኣግማል - ዕዉት ነጋዳይ ንምዃን በቒዑ'ዩ፤ ሓላፊ ዳዕመ-ሰሪዕ ኰይኑ ብዙሕ ሃብቲ ኣዋህሊሉ።
ከም ሓደ ካብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዝመጽአ ሰብ ግን ንነብሱ ሻምፕዮን ናይቶም ዘይዕጉባትን ናይቶም ካብ ርእሰ ከተማ ወጻኢ ዝርከቡ ልምዓት ዝተሓረሙን ከባቢታት ገይሩ የቕርብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ንሱ፡ ነቲ ግጭት ናይ ህላወ ውግእ ገይሩ'ዩ ዝቐርጾ። ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ፡ ነቲ "ናይ 1956 መንግስቲ" - ናይቲ ብወተሃደራዊ ኣገባብ ዝዕብለል መንግስታዊ ስርዓት - ንምፍራስን ኣብ ዳርፉር ዋና ቤትጽሕፈት ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ተነሓናሒ መንግስቲ ንምጅማርን ዝዓለመ ሰውራዊ ሓይሊ ምዃኑ ይእውጅ።
ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን እውን ነቲ ኲናት ከም ናይ ህላወ ቃልሲ እዮም ዝርእዩዎ፤ እዚ ድማ "ሽበራዊ ምልሻ" ንምድምሳድ ዝዓለመ ብምባል ይገልጹዎ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ትካል ቻታም ሃውስ ላዕለዋይ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኣሕመድ ሱሌማን፡ "ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ንዳዕመ-ሰሪዕ ሕጋውነት ንምሃብ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ሓያል ተቓውሞ ኣሎ፤ እንተላይ ብውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ኣቢሉ ንመሬት ዝቈጻጸሮ ቦታ ብምቕባል፡" ይብል።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ደቡብን ምዕራብን ዝርከቡ ኣርባሕቲ እንስሳ ዓረብን - ሕመረት ደገፍ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዀኑ - ካብ ከተማታትን ሕርሻን ዝመጽኡ ዓረብ ሽንጥሮ ኣባይን ዘሎ ነዊሕ ዝጸንሐ ዓሌታዊ ምክፍፋል ተበሊጾም ነቲ ውግእ የጓሃህሩዎ።
ኣብ ዳርፉር ዝነበረ ታሪኽ ዓሌታዊ ዓመጽ'ዉን ዳግማይ ተለዓዒሉ ኣሎ፡ ምልሻታት ዓረብ ኣርኤስኤፍ ንዓረብ ዘይኰኑ ህዝቢ ብምጭፍጫፍ፡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት "መለለዪ" ምጽናት ዓሌት ዘርኢ እዩ ዝብሉዎ ግፍዕታት ፈጺሞም።
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ኲናት ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝገብርዎ ዘለዉ ምትእትታው ዝጉሃሃር ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ውጽኢት ቀጥታዊ ብጽሒት ዘለዎም ወይ ድማ ነቲ ግጭት ጽልዋኦም ዘስፍሑሉ መገዲ ጌሮም እዮም ዝርእይዎ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኣርኤስኤፍ ኣጽዋር ከም እተቕርብ ብሰፊሑ ዝተሰነደ መርትዖታት ኣሎ - እዚ ኣቡዳቢ ብወግዒ እትኽሕዶ ነገር እዩ።
ሰራዊት ሱዳን ናይ ቱርኪን ኢራንን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣዋፊሩ፡ ካብ ግብጺ፡ ቐጠርን ስዑዲ ዓረብን ፖለቲካውን ካልእን ደገፍ ረኺቡ ኣሎ።
ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ
ብዙሓት እቲ ዝበለጸ ዲፕሎማስያዊ ተስፋ እተን መላፍንቲ ዝበሃላ ሃገራት - ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራትን ግብጽን ዘካይድኦ ዝርርብ እዩ ዝመስሎም።
እዚ "ካብቶም ተዋጋእቲ ወገናት ንላዕሊ ኣብ መንጎ ዞባዊ ተዋሳእቲ ንምሽምጋል" ዝዓለመ ኣገባብ'ዩ ይብል ሱሌማን።
ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ግን ዓበይቲ ዕንቅፋታት ኣለዉ።
ዳዕመ-ሰሪዕ ብሰብኣዊ መቍራጽ ተጻብኦታት ዝጅምር ንሰላም ዝኸውን ፍኖተ-ካርታ ብቓላት ተቐቢሉ'ኳ እንተ ነበረ፡ ክልቲኦም ወገናት ግን ብወግዒ መልሲ ኣይሃቡን፤ እቲ ውግእ ኣብ ክንዲ ዝሃድእ ድማ ተጋዲዱ።
ሓላፊ ሰራዊት ኣልቡርሃን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኢድካ ምሃብ ዝበጽሕ ቅድመ-ዅነት እንተ ዘይተቐቢሉ፡ በቲ ውጥን ክሰማማዕ ከም ዘይክእል ይዛረብ።
እቲ ሰራዊት ነቲ ንዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ብምባል ዝኸሳ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ዝርርብ ትሳተፍ ምህላዋ'ውን ይቃወም።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ፍኖተ-ካርታ ኣብ መጻኢ ሱዳን ዝዀነ ይዅን እስላማዊ ጽልዋ ክህሉ የብሉን ብምባል ይነጽጎ።
ከም ብዓል ሱሌማን ዝኣመሰሉ ተንተንቲ ኣብዚ ኢድ ኣቡዳቢ ይርእዩ፤ ምኽንያቱ፡ ኢማራታውያን ኣብ ልዕሊ ሓደ ብእስላማውያን ዝቈጻጸር መንግስቲ ዘለዎም ጸረ-ጽልኢ ብንጹር ገሊጾም ኣለዉ - እዚ ስምዒት እዚ ብዙሓት ጸረ-ኲናት ዝዀኑ ሱዳናውያን ስቪላት ዝካፈልዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ክትድግፍ ካብ ዝደረኹዋ ምኽንያታት ሓደ፡ እዚ ምዃኑ ብሰፊሑ ይእመን።
እስላማውያን ምልሻታት ኣገዳሲ ኣካል ኲናት ሰራዊት እዮም። ከምኡ'ውን እቲ እስላማዊ ምምስራት፡ ዋላ'ኳ ብሰውራ 2019 እንተ ተዳኸመ፡ ሕጂ'ውን ጽልዋ ኣለዎ።
እዚ ድማ ንቡርሃን ነዞም ውዕላት ንምቕባል የጸግሞ።
ልኡኽ ኣመሪካ ማሳድ ብሉስ ዝተመሓየሸ ውጥን ከም ዘለዎን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ክብጻሕን "ተስፋ ከም ዘለዎ" ይዛረብ።
ተዅሲ ደው ምባል
ምቍራጽ ተዅሲ ንኽግበር ግን ዞባዊ ደገፍቲ፡ ነቶም ተራጸምቲ ወገናት ምዕጣቕ ደው ከብሉ ኣለዎም ዝብል ስምምዕ ክግበር ኣለዎ - እዚ ድማ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
"ኵሉ ሰብ ናብታ ሃገር ኣጽዋር ኣብ ዘውሕዘሉ ዘሎ እዋን ተዅሲ ደው ምባል ምፍታን ከም ዘይሰርሕ ርዱእ'ዩ፡" ይብል ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ኣላን ቦስዌል።
ኣብ ተራ ኢማራት ዓረብ ዘሎ ዘይንጹርነት፡ ኣጸጋሚ ክፋል ናይቲ ኲናት ሱዳን ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ እዩ።
ንሓበሬታ በረራን ምስልታት ሳተላይትን ብምጥቃስ ብዙሓት ጸብጻባት መርመራ፡ ኢማራት ኣጽዋርን ዕሱባት ተዋጋእትን ናብቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝቈጻጸሮ መሬት ኣብ ምስግጋር ዝነበራ ተሳትፎ ዝሰነዱ ኰይኖም፡ ሕቡራት ሃገራት ተኣማንነት ኣለዎ ዝበሎ መርትዖታት ኣለዉ።
ኣቡዳቢ ግን ነዚ ብትሪ ትነጽጎ - ንቢቢሲ ድማ፡ "ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ዝዀነ ይዅን ኣጽዋር፡ ተተኰስቲ፡ ድሮናት፡ ተሽከርከርቲ ወይ ካልእ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣቕሪባ፡ መዊላቶ፡ ኣጓዒዛ ወይ ኣመቻቺያ ዝብል ክሲ ብፍጹም ትነጽጎ፡" ኢላ።
ኢማራት ዓረብ ኣብ መላእ ሱዳን ምሉእ እገዳ ኣጽዋር ክግበር ጸዊዓ፤ እዚ ድማ ደገፍቲ ሰራዊት ኣብ መንጎ ሓደ ምልሻን ሃገራዊ መንግስትን ምዕሩይነት ዝፈጥር'ዩ ብምባል ይነጽግዎ ይብል ቦስዌል።
"እዚኦም'ዮም ኣብ መወዳእታ ጸገም ዝፈጥሩ ዘለዉ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ዕጽዋ ኤል-ፋሸር ኣብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ተራ ኣቡዳቢ ጸቕጢ ክብርትዖ ጀሚሩ።
እቶም ዕጡቓት ንገዛእ ርእሶም ብምስሊ እናቐድሑ ጃምላዊ ቅትለት ክፍጽሙ ተራእዮም እዮም።
እታ ከተማ ኣብ ኢዶም ምስ ኣተወት ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣዘራሪበ ነይረ።
ፕረዚደንት ስደተኛታት ኢንተርናሽናል ጀረሚ ኮኒንዲክ፡ "ኢማራት ዓረብ ዓለምለኻዊ ምስላ ብኸመይ ከም እተሕውዮ እያ ትግደስ። ዋሽንግተን ወይ ዝዀነ ሰብ ዘለዎ ዝሓየለ ዕድል ከኣ ነዚ ምስሊ ምጥቃም'ዩ። ስለዚ ድማ ኣመሪካ ነዚ ክትጥቀመሉ ይግባእ፡" ኢሉ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ከምኡ ክገብር ቀሪቡ።
"እቶም (ኣብ ቀረብ ኣጽዋር) ዝሳተፉ ወገናት መን ምዃኖም ንፈልጥ ኢና፡" ክብል ኣብ ሕዳር ገሊጹ።
"ስለዚ ድማ እዮም ምስ ካልኦት ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፋ ሃገራት ኣካል ናይቲ ዝርርብ ዝዀኑ። ኣብ ልዕሊ ዝምልከቶም ወገናት ድማ ጸቕጢ ይግበር ኣሎ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩቢዮ ግን ስም ናይቲ ኣጽዋር ዘቕርብ ዘሎ ኣካል ኣይረቑሐን።
ከምቲ ጕጅለታተት ተጣበቕቲ መሰሳት ዝሕብርዎ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣሽንኳይዶ ንሃብቲ ኢማራት ዓረብ ዒላማ ብምግባር ጸቕጢ ክገብር፡ ከምኡ ክገብር ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ተንተንቲ ይሰማምዑ።
"ንዓኣቶም ዒላማ ክትገብር ኣዝዩ ከቢድ ዓንኬል'ዩ፡" ትብል ሱዳናዊት ተንታኒት ፖለቲካ ኻይር።
"ኣመሪካ ስክፍታታት ናይቶም ኣብዚ ኲናት ብንጥፈት ዝሳተፉ ወጻእተኛታት መሓዙታ፡ ብፍላይ ድማ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብኸመይ ከም እተህድኦ ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጠትን።"
ሱሌማን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስተን ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፋ ሃገራት፡ "ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንሓዲአን ክመርጽ ስለ ዘይደሊ፡" ላንጋላንጋ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ ይብል።
ነዚ ኲናት መፍትሒ ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣብ ቀረባ ዝርከባ ሓይልታት ብዘርእይኦ ዘለዋ ምትህልላኽ ዝያዳ እናኸበደ ይመጽእ ኣሎ፤ ገለ ተንተንቲ ንዂናት ሱዳን ምስ ዘመናዊ ታሪኽ ምምቕቓል ኣፍሪቃ የነጻጽርዎ ኣለዉ።
ከምኡ'ውን ካልኦት ኣባላት እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርባት ኣብቲ ኲናት ብዝያዳ ብንጥፈት ስለ ዝሳተፉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዝተፈለየ ኰይኑ ኣሎ።
ግብጺ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ምዕራብ ዶባታ ምስ ሱዳን ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብሓያል ሞዴል ናይ ውግእ ድሮን ቱርኪ ንዳዕመ-ሰሪዕን ካልኦት ዒላማታትን ምድብዳብ ጀሚራ ምህላዋ ኒውዮርክ ታይምስን ማዕከን ዜና ሮይተርስን ዘካየድዎ መርመራታት ይሕብር - እዚ ድማ ካይሮ ርእይቶ ዘይሃበትሉ ነገር እዩ።
እዚ፡ እቲ ውግእ ናብ ዶብ ግብጺ ምስ ቀረበ ዝስዓበ እዩ።
ርያድ ኣብቲ ዞባ ንዝነበረ ጽልዋ ኢማረታውያን ንድሕሪት ክትደፍእ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝመጽእ ዝያዳ ጽልዋ ዘለዎ ደገፍ ሰራዊት እውን ተጸልዩ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ወጥሪ ክዓርግ ጸኒሑን ኣብ ታሕሳስ ድማ ዝምድና ክልቲአን ሓይልታት ወሽመጥ ዓረብ ብሰንኪ ኣብ የመን ዝነበረ ግጭት ተዘሪጉን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሱዳን ንዝዀነ ይዅን ዕድል ፍታሕ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ሰላም ብኸመይ'ዩ ክመጽእ?
ክልቲኦም ወገናት እቲ ኲናት ክቕጽል ክጥዕሞም ዘኽእል ምኽንያታት ስለ ዘለዎም ሰላም ንምርግጋጽ፡ እቶም ዝካየዱ ዝርርባት መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ግጭት ዝትንክፉ ክዀኑ ክኽእሉ ኣለዎም።
ተዅሲ ደው ንምባል እንተ ተሰማሚዑ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቶም ኣብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም ተዓጽዮም ዘለዉ ሰለማውያን ሰባት ገለ ዕረፍቲ ክህቦም ይኽእል እዩ - 25 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዘጋጠሞምን 12 ሚልዮን ሰባት ድማ ከም ዝተመዛበሉን ይፍለጥ።
ብዙሓት ግን እዚ ናብ ነባሪ ሰላም ዘይከምርሕ ይኽእል እዩ ኢሎም ይሰግኡ።
"ብሓቂ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ውጽኢታዊ ክኸውን ርእየዮ ኣይፈልጥን'የ፡" ይብል ቦስዌል።
"ሕጂ ጉዳይ ህልውና ኰይኑ'ሎ፡ ኣካል ናይቲ ድሕሪኡ እንታይ ክመጽእ'ዩ ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ዝፈትሕ ሰፊሕ ስምምዕ እንተ ዘይኰይኑ ክልቲኦም ወገናት ውግእ ደው ከብሉ ኣይሰማምዑን'ዮም፣ ምኽንያቱ ንሓድሕዶም፡ ሓዲኡ ብጭቡጥ ደው ከብል'ዩ ዝብል ምትእምማን የብሎምን።"
ከምኡ'ውን እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ሓያላት ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ'ኳ እንተዀነ፡ ብደረጃ ከባቢ ግን ብገለ ዝተገለሉ ብሄራት – ምስ ዳዕመ-ሰሪዕፍ ተሓባበርቲ – ዝሓሸ ተበጻሕነት ጸጋታትን ዝሓሸ ውክልናን ንምርካብ፡ ወይ'ውን እቲ ኲናት ካብ ዝፈጥሮ ቍጠባ ተረባሕቲ ንምዃን ጥራይ ዕድሎም ገይሮም ኣብ ዝርእዩዎ ዕጡቓት'ውን ዝድረኽ እዩ።
ማዕረ ማዕሪኡ እቲ እስላማዊ ምምሕዳር ዝበሃል ኣብቲ ኲናት ዕድል ርእዩ እዩ።
እዚኦም ናብ ማእከል "ንምምላስ ዘኽእሎም ቦታ ምህላው ቅድሚ ምርኣዮም እቲ ኲናት ክውዳእ ኣይደልዩን እዮም፡" ትብል ኮሉድ ካይር።
ካልእ ጉዳይ ተሓታትነት እውን ኣሎ።
ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ መሻርኽቶም ምልሻታት ብምዃን ብገበናት ኲናት፡ ብዓሌት ዒላማ ዝገበረ ግፍዕን ጃምላዊ ቅትለት ሰለማውያን ሰባትን ይኽሰሱ፤ እዚ ድማ ድሕሪ ኲናት ንወተሃደራዊ መራሕቲ ክኽሰሱ ዝኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ስለዚ ፖለቲካዊ ዘተታት፡ ዕጡቓት ተዋሳእቲ ገለ ካብቲ ዝረኸብዎ መኽሰብ ክዕቅቡን ገለ ካብቲ ዕጥቂታቶም ምውራድ ዘስዕቦ ሳዕቤናት ፍዅስ ንኽብለሎምን ዝሕግዝ ቀመር ከጠቓልል ምተገብአ። እዚ እውን እንተዀነ እኹል ዘይክኸውንን ይኽእል እዩ።
ስቪላዊ ምሕደራ፡ ንሓይልታት ጸጥታ ዝረኽቡዎ ኣታዊ ዘቕህም ክኸውን'ዩ ትብል ኻይር።
"እቲ ግጭት ብቐዋሚ ምቍራጽ፡ ሱዳን ካብ ወተሃደራዊ ስርዓት ክትወጽእን መሰላትን ተበጻሕነት ጸጋታትን ዘጽንዕ ሓድሽ ቅዋምን ክህልዋ ምግባር እዩ፡" ትብል።
እዚኦም ግን፡ "ብልክዕ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጸጥታዊ ሕልኽላኽ ዘይደልዮም ነገራት'ዮም፡" ኢላ።
ውጽኢታውን ውፉይን ሽምግልና እውን ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ ዕቱብ ጻዕርታት እኳ እንተ ገበረ፡ ነዚ ዝህቦ ትዅረት ግን ዘተሓትት እዩ።
"ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ኣብ መስርሕ ሰላም ክትሳተፍ ኣይትኽእልን እያ፡" ይብል ሱሌማን።
"ካልእ ውሁድ ናይ ምክትታል ኣገባብ ዘቕርብ ኣካል ድማ የሎን።"
እቲ ዝዓበየ ስግኣት
ኣብ መስከረም 2024 ንሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምክልኻል ሱዳን እቲ ኲናት ክሳብ ክንደይ ክጸንሕ እዩ ኢለ ሓቲተዮ።
እቲ ዝገርም ነገር፡ ነቲ ግጭት ምስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ጣሊባን ን20 ዓመታት ዝገበረቶ ውግእ ኣነጻጺርዎ።
ክንድኡ ርሑቕ ምጥማት ኣየድልዮን ነይሩ። ኵሉ ኲናት ሱዳን ነዊሕ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይሕብር - ሓደ ካብኣቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝወሰደ እዩ።
ካልእ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ግን ሓድሽ ሓደጋታት ሒዙ ክመጽእ ይኽእል እዩ - እንተላይ እታ ሃገር ክትመቓቐል፡ ወይ ክትበታተን ትኽእል።
"ኣብ ሳልሳይ ዓመት ናይዚ ኲናት ኢና ዘለና። ከምቲ ታሪኽ ዝነግረና ንተወሳኺ 10፡ 15፡ 20 ዓመታት እንተቀጺሉ፡ ሽዑ ምብትታን ሱዳን ክንርኢ ንኽእል ኢና።"
እዚ ንመላእ ዞባ ዘተሓሳስብ ክስተት እዩ ክኸውን።
ድሮ እቲ ግጭት ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ስሒቡ'ሎ - ሸውዓተ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት፡ ንሱዳናውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ኣለዋ።
ገሊኦም ከም መተሓላለፊ ኣጽዋርን ካልእ ቀረብን ዳዕመ-ሰሪዕ ኰይኖም የገልግሉ ከም ዘለዉ መርትዖታት ኣለዉ፣ ከምኡ'ውን እቲ ዓመጽ ዶባት ሰጊሩ ውሽጣዊ ወጥሪ ከጋድድ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ኣለዉ።
ምናልባት ሓደጋታት ኣዕናዊ ምትዕንቓፍ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ መወዳእታ ንሓያላት ደገፍቲ ተዋጋእቲ ውድባት ሱዳን ስትራተጂታቶም ዳግማይ ክሓስቡ ክገብሮም ይኽእል ይኸውን ይብል ሱሌማን።
"ዝተበታተነት፡ ውሕስነት ዘይብላን ኣዝያ ዘይርግእትን ሱዳን ንዓኣቶም እትጠቅም ኣይኰነትን። እዚኣ እያ እታ ንዞባዊ ተዋሳእቲ ኣብ ሓደ እዋን ተኣኪቦም ገለ ሕድገታት ክገብሩን ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ክሕንጽጹን ክትደፍኦም ተስፋ ዝገብረላ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



