መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሚልዮናት ስኢኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ንዘካየድኦ ዘለዋ ኲናት ስዒቡ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዓሰርተ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ በረራታት ከም ዝሰረዘ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ መንገዲ ኣየር፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሙን ክሳብ 137 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይስእን ከም ዘሎ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ዋና ፈፃሚ ሰራሕ ንግዳዊ ጉዳያት'ቲ መንገዲ ኣየር፡ ለማ ያዴቻ፡ እቲ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝፀንሐ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መንገዲ ኣየር ልዑል ፅልዋ ከም ዘሕደረ ገሊፁ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጓዓዝትን ኣቝሑትን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ የጓዓዕዝ።
ቅድሚ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልታዊ ሰለስተ በረራታት ናብ ዱባይ፡ ሓንቲ ድማ ናብ ሻርጃ (ኢማራት ዓረብ) ይበርር ከም ዝነበረ ይንገር።
እቲ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናብ እስራኤል፡ ሓደ ግዜ ናብ ኣቡዳቢ ዝበርር መንገዲ ኣየር፡ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ጥራይ ናብ ዖማን ተጓዓዝቲ የመለላልስ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ "ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 15 በረራታት ንስርዝ ኣለና" ክብል ሓላፊ እቲ ንግዳዊ ጉዳያት እቲ ኩባንያ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ ማለት ድማ፡ "ኣብ ሰሙን ልዕሊ 101 ናይ ተጓዓዝቲ በረራታት ንስርዝ ኣለና፡" ኢሉ።
ብዛዕባ ናይ ጽፅነት በረራታት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ድማ መዓልታዊ ናብ ነፍሲወከፍ መዕርፎ ነፈርቲ ሓደ በረራ ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ።
"ብሓፈሻ፡ ናይ ተጓዓዝትን ናይ ፅዕነትን በረራታት፡ ኣስታት 160 በረራታት ክንስርዝ ክንግደድ ኢና" ኢሉ።
እቲ መንገዲ ኣየር፡ ኣብቲ ዞባ ብዙሓት ተጓዓዝቲ ከም ዘግልግል ዝዛረብ'ቲ ሓላፊ ፡ "ኣብ ሰሙን ካብ 45,000 ክሳብ 50,000 ተጓዓዝቲ የመላልስ። ስለዚ፡ ብመንጽር እቶት ሰፊሕ ጕድኣት ከስዕበልና'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ኲናት እንተ ቀፂሉ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ሰሙን ካብ ተጓዓዝቲ "ኣስታት 135 ሚልዮን ዶላር" ክስእን ምዃኑ ዝገለፀ ለማ ያዴቻ፡ ከምኡ ድማ ካብ ኣገልግሎት ፅዕነት "ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ክንስእን ንኽእል ኢና" ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊፁ።
ብማእከላይ ገምጋም ካብዚ መስመር "ካብ 130 ክሳብ 137 ሚልዮን ዶላር ክንስእን ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ኣቶ ለማ ወሲኹ፡ እዚ ማለት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክንድኡ ዝኣክል ክኸስር እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።
ነዚ ክገልፅ ከሎ፡ ኣብዚ መስመር ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ነፈርቲ ንግዚኡ ናብ ካልኦት መስመራት ዳግማይ ይምደባ ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ መብዛሕትኡ ካብዚ መስመር ዝኸስሮ ካብ ካልእ መስመራት ከካሓሕሶ ከም ዝኽእል ገሊፁ።
ኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ብዂናት ማእከላይ ምብራቕ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ ዝገልፅ እቲ ብዓል ስልጣን፡ ብተወሳኺ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳዲ ብምዃነን፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ልዑል ፅልዋ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ።
ዋጋ ነዳዲ እንተ ወሲኹ፡ ዝዀነ መንገዲ ኣየር፡ ልዑል ወፃኢ ክሓቶ ምዃኑን እዚ ድማ ነቲ ኢንዱስትሪ ዝፀልዎ ምዃኑን ገሊፁ።
እቲ ፀገም ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕን ተስፋ ከም ዘለዎ ዝገለፀ እቲ ሓላፊ፡ እዚ ክሳብ ዝኸውን ግን ብሰንኪ ምዕፃው እቲ መስመር ዘጋጠመ ወፃኢታት ንምክሕሓስ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊፁ።
ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይዳኦ ዘለዋ ኲናት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ጕዕዞ ኣየር ብምዝራጉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቐጸሩ ሰባት ተኣጓጒሎም ይርከቡ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብዘን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ክቕየር ምዃኑ ርግፀኛ ኴንካ ምዝራብ ኣይከኣልን - ይብሉ ተንተንቲ።
ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታትን ሰሙናትን በረራታት ምቍራፅ ክቕፅል ከም ዝኽእል ክኢላታት ንኤኤፍፒ ሓቢሮም።
ብፍላይ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ እንተ ፈድየን፡ እቲ ኲናት ክጋደድን ንዓለማዊ በረራታት ክፀልዎን ይኽእል እዩ።
ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክሊ ኣየረን እንተ ዓፅየን እቲ ውግእ እንተ ቀፂሉን፡ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ናብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃን እስያን ዝጓዓዙ ሰባት ተወሳኺ ብድሆታት ከጋጥሞም ምዃኑ ይግመት።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



