ንምንታይ'ዮም መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኢራን ሓደ መርገጺ ዘይሓዙ?

 ፍረደሪክ መርዝ፡ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ፔድሮ ሳንቸዝን ኢማንኤል ማክሮንን
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣውሮጳውያን መራሕትን ሓገግቲ ኣካላትን፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከተኻዕብቶ ዝጸንሓት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ብምርኣይ እዚ ክመጽእ ከም ዝኽእል ገሚቶም ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኩሉ ናይ ንዩክለሳዊ መደባታ ከተረክብን ከተዕኑን ከቕርቦ ዝጸንሐ መደባት ናብዚ ከም ዘምርሕ'ውን ኣይስሓትዎን።

ኣመሪካን እስራኤልን ብሓባር ንኢራን ምስ ኣጥቅዕዋ፡ ኣውሮጳ ኣብ ሓደ ውሁድ ሓሳባት ክትመጽእ ኣይክኣለትን።

ኩለን ሃገራት ኣውሮጳ ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዜጋታተን ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም'ዮም፡ ነቶም ዓሰርተታታት ኣሽሓት ዝዀኑ ዜጋታት ኣውሮጳ ከመይ ገይሮም ካብቲ ዞባ ከውጽእዎም ከምዘለዎም ግን ኣብ ሓደ ደምዳሚ ሓሳባት ኣይበጽሑን።

መራሕቲ ኣውሮጳ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ሃገራቶም ከምጸኦ ዝኽእል ጽልዋ'ውን ገሚተሞ'ዮም።

ንኣብነት ኣብ ዋጋ ጸዓት፡ መግብን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ድሮ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

ዋጋ ነዳዲ ድሕሪ እቲ ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ምፍጻማ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣዝዩ ከቢሩ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብፖለቲካ መዳይ እንተርኢና'ውን፡ ኣውሮጳ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ምዕባለታት ሓባራዊ ውሁድ ድምጺ ንምሃብ ተጸጊማ'ያ ዘላ።

እተን ኣብ ኣውሮጳ ሰለስተ ጸለውቲ ወይ ዓበይቲ ዝብሃላ ሃገራት፡ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሓባራዊ መግለጺ ከውጽኣ ክኢለን'የን።

እዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺአን፡ ንኢራን መጠንቀቕታ ብምሃብ፡ ነቲ ኢራን ብኣልማማ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ትፍጽሞ ዘላ ናይ ሚሳኤልን ድሮንን መጥቃዕትታት ደው ከተብሎ እንተዘይክኢላ፡ ናይ 'ምክልኻል ስጉምቲ' ክወስዳ ከም ዝኽእላ ኣነጺረን።

ብድሕሪ'ዚ ብሪጣንያ፡ ነቲ ኣመሪካ ንክልተ መዓስከራታ ክጥቐመሉ ዘቕረበትላ ሕቶ ብኣወንታ መሊሳ፡ ኣመሪካ ክትጥቐመሉ ፈቒዳትላ።

ዶናልድ ትራምፕ ግን ካብ ብሪጣንያ ልዕሊ'ዚ ትጽቢት ከም ዝነበሮ ብምሕባር፡ ንብሪጣንያ ነቒፍዋ።

ኢራን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ መዓስከር ፈረንሳ ድሕሪ ምውቓዓ፡ ፈረንሳ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ህላወኣ ተሓይል ኣላ።

ጀርመን ድማ ወተሃደራታ መጥቃዕቲ እንተበጺሖምዎም "ናይ ምክልኻል ስጉምትታት" ክወስዱ ድሉዋት ምዃኖምን ብምሕባር ካብኡ ሓሊፉ ግን ዝዀነ ውጥን ከም ዘለዋ ኣየፍለጠትን።

ሰለስቲኤን ሃገራት ግን እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመረኦ መጥቃዕቲ፡ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጥሕስ ድዩ ኣብ ዝብል ዛዕባ ቃለን ኣይሃባን።

ኣብቲ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ ኣብ ኤክስ ክዝርግሖ ዝጸንሐ ሓሳባት'ውን ነዚ ዛዕባ እዚ ጎስይዎ'ዩ ሓሊፉ።

ናይዞም ኩሎም መራሕቲ ኤውሮጳ ዝለዓለ ቆላሕታ ዝግበረሉ ነገር እንተሃልዩ ንዶናልድ ትራምፕ ከርሕቕዎ ወይ ክኸስርዎ ዘይምድላይ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ በዚ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኩነታት ሓሳቡ ተገዚኡ፡ ነቲ ቀንዲ ንሃገራት ኣውሮጳ ጸሚዱ ሒዝወን ዘሎ ጉዳይ ዩክረይን ከይጎስዮ ስክፍታ ኣለዎም።

ሰማያት ታህራን ብትክን ደሮናን ተዓብሊኹ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካይድኦ ደብዳባት ሕጂ'ውን ይቅጽለኦ ኣለዋ[ስእሊ ታህራን]

ገለ ገለ መራሕቲ ኣውሮጳ ግን ነቲ ኣመሪካ ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ቬነዝወላ ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጸረር'ዩ ብምባል ምዕዝምዛማት የስምዑ ኣለዉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንጹር ዝዀነ መርገጺ ሃገሩ ኣፍሊጡ።

ንሱ "ሓደ ኣንጻር ሓደ ስርዓት ንኣብነት ከምዚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል'ዩ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ወተሃደራዊ ምትእትታውን መጥቃዕትታትን ዘይፍትሓውን ኣንጻር ዓለምኻዊ ሕግታትን ምዃነ ምዝኽኻር የድሊ፡" ኢሉ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ስጳኛ ዘለዉዋ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣይውዕሉን'ዮም ስለዝበለት፡ ኣመሪካ ኣብ ማድሪድ ዝነበራኣ ወተሃደራውያን ነፈርታ ብሰኑይ ኣውጺኣተን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣውሮጳዊ ሕብራት'ውን ኣብ ፍጹም ዘይውህደት'ዩ ኣትዩ ዘሎ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ኢራን ናይ ስርዓት ለውጢ ንምክያድ ምጉስጓስ ደው ክብል ክጠልቡ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮ ደር ለይን ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ኣብ ኢራን ተኣማንነት ዘለዎ ምስግጋር ብህጹጽ የድሊ፡" ኢላ።

 ዶናልድ ትራምፕ፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ክንድቲ ትጽቢት ዝግበረላ ኣይትዋሳእን'ያ ዘላ ብምባል ክነቕፋ ተሰሚዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ክንድቲ ትጽቢት ዝግበረላ ኣይትዋሳእን'ያ ዘላ ብምባል ክነቕፋ ተሰሚዑ

እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓደ ዓይነት መርገጺ ክወስዳ ተጸጊመን ከምዘለዋ ዘርኢ'ዩ።

ከምኡ'ውን ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳን ወጻእን፡ እንተላይ ዓባይ ብሪጣንያ - ኣብዛ ዕግርግር ዝመልኦን ዓለም፡ ሓባራዊ ረብሐአን ንምሕላው ሓባራዊ መርገጺ ምውሳድ ዝብል ስምምዕ ኣለወን።

እዚ ከኣ ኣብ መድረኽ ጸጥታን ምክልኻልን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎም መዳያትን ብዝበለጸ ብሓባር ምስራሕ ተባሂሉ ተሰሚርሉ'ዩ።

ሕጂ እዚ መትከል እዚ'ዩ ዝፍተን ዘሎ፡ ብሓቂኸ ከምኡ ክገብሩ ይኽእሉ ድዮም?

ኣብ ንዩክለራዊ መደባት ዘሎ ለውጥታት

ዓመተ 2026 ገና ክልተ ወርሒ ጥራይ ምስ ተለዓላ፡ ብጉዳይ ቬነዝወላ፡ ግሪንላንድን ኢራንን ክትሕቖን ጀሚራ ኣላ።

ኣውሮጳ'ውን ጉዳይ ምስፍሕፋሕ ሩስያ ኣብ ጉንዲ እዝና ዀይኑ ይፋጺ'ሎ።

ብመዳይ ቑጠባ ምስ ቻይናዶ ምስታ ክትግምታ እተጸግም ብትራመፕ እትምራሕ ኣመሪካ ዝብል ወጣሪ ዛዕባ'ውን ንመራሕቲ ኣውሮጳ ርእሶም ሓከፍ ሓከፍ ዘብል በዳሂ ሕቶ'ዩ።

ትማሊ ሶኑይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ፈረንሳ ንኒኩለራዊ ሰረተ እምነታ ክትቅይርን ቁጽሪ ኒዩክለራዊ ኣጽዋራታ [nuclear warheads,] ክትውስኽን ምዃና ኣፍሊጡ።

ነቲ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ "እቶም መወዳድርትናን መሻርኽትናን ከምኡ'ዮም ዝገብሩ ዘለዉ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን ሃገሩ ንዩክለራዊ ሰረተ እምነት ክትቅይር ምዃና ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን ሃገሩ ንዩክለራዊ ሰረተ እምነት ክትቅይር ምዃና ኣፍሊጡ

ሩስያ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ዝበዝሐን ንዩክለራዊ ኣጽዋር ዘለዋ ሃገር'ያ።

ቻይና ከኣ ብቅልጡፍ ንዩክለራዊ ኣጽዋራት ኣብ ምስፋሕ ክትርከብ።

እታ ብብዝሒ ዓጢቓቶ ዘላ ንዩክለራዊ ኣጽዋራት ንሩስያ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ እትስራዕ ኣመሪካ ከኣ ንሃገራት ኣውሮጳ ንዩክለራዊ ቀረባተን ከተማልእ ጸኒሓ'ያ፡ ሕጂ ግን ዋሽንግተን መርገጺኣ ምቕያራ ንሃገራት ኣውሮጳ ኣቖጢዕወን ኣሎ።

ስዊድን፡ ጀርመንን ፖላንድን ኣብ ልዕሊ እቲ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዝህበን ከለላ፡ ንፈረንሳ'ውን ክትከላኸለለን ሕቶ ኣቕሪበናላ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን፡ ኣውሮጳ ኣብ ናይ ምክልኻል ስትራቴጂ ካብ ዝዀነት ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ዘላ ሃገር [ኣመሪካ ንዘይምባል'ዩ] ክትምርኮስ የብላን ይብል ስለዝነበረ፡ ካብ ስዊድን፡ ጀርመንን ፖላንድን ሕቶ ምስ ቀረበሉ "ብቐደሙ'ውን ኢለኩም እንድየ" ዝዓይነቱ መልሲ'ዩ ሂቡ።

እንተዀነ ነዚ ኩሉ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝቐርብ ዘሎ ጠለባት ኣብ ምውህሃዱ ዓቢ ብድሆ'ዩ።

 ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሮድሪገዝ ንስርዓት ኢራን ክንጽልኦ ንኽእል ኢና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ 'ዘይፍትሓውን ሓደገኛን ወተሃገራዊ ምትእትታው ግን ንነጽግ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሮድሪገዝ ንስርዓት ኢራን ክንጽልኦ ንኽእል ኢና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ 'ዘይፍትሓውን ሓደገኛን ወተሃገራዊ ምትእትታው ግን ንነጽግ" ኢሉ።

ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንኹለን እተን 32 ሃገራት ኣብ ገዳ

ይ ምክልኻል ሓባራዊ ኣረኣእያ ንኽልወን ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ዘካየዶ ኣኹባ፡ ብጀካ ስጳኛ ኩለን ኣባላት እቲ ኪዳን ኩለን ኣብ ምሉእ ጸቕጢ ዶናልድ ትራምፕ'የን ኣትየን ነይረን።

ኩለን እተን ሃገራት ከኣ ዶናልድ ትራምፕ ብዝገበረለን ጸቕጢ ኣብ ምክልኻል ዘውጽአኦ ባጀት ክውስኻ ተሰማሚዐን።

እቲ ኣብዚ ዝልዓል ሕቶ ከኣ እቲ ዝወጽእ ገንዘብ ብግቡእ ኣብ ዝግበኦ መዓላ ድዩ ዝውዕል ዝብል'ዩ።

ቀዳምነታት ኣብ ምስራዕ

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ምስ ጀመራ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቅልውላው ኣብ ዝተላዓለሉ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ብታሪክን በቶም መራሕቶም ዝመረጹ ህዝበንን ነናይ ገዛእ ርእሰን ቀዳምነታትን ነናይ ገዛእ ርእሰን ድኻምን ጸብለልታን ጸኒሕወን'ዩ።

ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ጉዳይ ንጹር መርግጺ ብምውሳድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ተወሳኺ ሓይሊ ናይ ምውፋር መደብ ከምዘይብላ ዝገለጸት ጀርመን'ያ።

ጀርመናውያን ኣብ ሕሉፍ ታሪኾም ብምምርኳስ ናብ ዝዀነ ዞባዊ ግርጭት ናይ ምእታው ድሌት የብሎምን።

ሩስያ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ምስ ጀመረት፡ ጀርመን ናብ ዩክረይን ታንክታት ንምስዳድ ደንጕያ ተባሂላ ዓቢ ዓለምለኻዊ ኵነኔ'ዩ በጺሕዋ።

ብሰንኪ'ዚ ቻንስለር ጀርመን ነበር ኦላፍ ስኮልስ ኣብ ማዕከናት ዜና ጀርመን 'ቻንስለር ሰላም' ዝብል ሳጓ'ዩ ተዋሂብዎ ነይሩ።

ዝበዝሑ ጀርመናውያን ንካልኣይ ኵናት ዓለም ብምዝካር፡ ነቲ ታንክታት ጀርመን ኣንጻር ሩስያ ክዋግኣ ዝብል ሓሳብ ኣይተቐበልዎን።

ብኣንጸሩ እቲ ንዕኡ ተኪኡ ቻንስለር ጀርመን ዝዀነ ፍረደሪክ መርዝ ግን ንጀርመን እታ ዝበዝሐ ናብ ዩክረይን ወተሃደራዊ ኣጽዋር እትምጡ ሃገር ገይርዋ ኣሎ።

ቻንስለር ጀርመን ፍረደሪክ መርዝ ኣብ በይጂንግ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ እዋን ንዩክረይን ዝበዝሐ ወተሃደራዊ ንዋት እትህብ ዘላ ሃገር ጀርመን'ያ

ንዓሰርታተት ዓመታት ጀርመን ከም ኩለን ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ጸጥታዊ መዳይ ኣብ ኣመሪካ'ያ ክትምርኮስ ጸኒሓ።

እንተዀነ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣውሮጳ ኣብ ምዳይ ምክልኻል ዝልዓለ እጃም ክህልዋ'ዩ ዝደፍእ ዘሎ።

ጀርመን'ውን ኣብ 2029 ኣብ ኔቶ ልዕሊ ድምር ናይ ፈረንሳ ዓባይ ብሪጣንያን ባጀት ክትስልዕ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

ጀርመን ኣብ ኣውሮጳ ዝልዓለ ሓይሊ ሰራዊት ክህልዋ'ያ ትሰርሕ ዘላ፡ እዚ ከኣ ድሕሪ 80 ዓመታት ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም ትገብሮ ዘላ'ዩ።

ካልኦት ኣባላት ኣውሮጳ ሕብረት ከኣ፡ ምድላብ ሓይሊ ጀርመን ብስግኣት ኣይርኣየኦን፡ ሓንጎፋይ ኢለን'የን ተቐቢለንኦ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ጆርጅያ ሜሎኒ'ውን ንኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ብስቕታ'ያ ሓሊፋቶ ዘላ።

ንሳ ሓንቲ ካብቶም ምስ ዶናልድ ትራምፕ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ውሑዳት መራሕቲ ኣውሮጳ'ያ።

ሓንቲ ካብተን ካብ ኣውሮጳውያን ሃገራት ብቁጠባ ኣብ ሳልሰይ ትስራዕ ምዃና መጠን፡ ኣብታ ጸጥታ እታ ኣህጉር ዓቢ ግደ ክትጻወት'ዩ ትጽቢት ዝግበረላ።

እንተዀነ ክሳብ ሕጂ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ምክልኻል ውሑድ ባጀት ዝስልዓ ሃገራት ኣውሮጳ'ያ።

ነዚ ንምንታይ ትመርጾ ኣላ ንምርዳእ ከኣ ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልካ ምድህሳስ ኣገዳሲ ይገብሮ።

ጣልያን ከም ሃገር ኣብ 1861 እያ ሓድነታ ኣረጋጊጻ፡ ቅድሚኡ ግን ዓውደ ውግእ ናይ ሃገራት ኣውሮጳ'ያ ነይራ፡ ዶባታ ብዙሕ ግዜ ብባዕዳውያን ሃገራት ተጣሒሱ'ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ክንዲ ንብዙሓት ንውሑዳት ኣሚና ክትጓዓዝ ከም ዘለዋ ታሪኽ ምሂርዋ'ዩ።

ጣልያን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ጀመረት ኣብ ጎኒ ምዕራባውያን ሃገራት ደው ኢላ ንዩክረይን ኣየጣቓዓትላን።

ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት ዝበዝሐ ህዝቢ ጣልያን፡ ሃገሩ ናብ ዩክረይን ወተሃደራዊ ንዋት ክትሰድድ ኣይደለየን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ጂርጅያ ሜሎኒ ምስ ፕረዚደንት ቖጵሮስ ኒኮስ ክሪስቶዶሊደን ንምርኻብ ናብታ ሃገር ኣብ ዝገሸትሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ሓንቲ ካብቶም ምስ ዶናልድ ትራምፕ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ውሑዳት መራሕቲ ኣውሮጳ'ያ

ኢጣላውያን ምስ ዩክረይን ምድንጋጽ ኣለዎም፤ ሃገሮም ኣብቲ ኵናት ኢዳ ክትሕውስ ግን ድላይ የብሎምን።

እቲ ምክንያት ከኣ መንግስቶም ካብ ሩስያ ንዝመጽኦ ናይ ሕነ ምፍዳይ ቁጠባዊ ስጉምቲ ክከላኸለልና ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት የብሎምን።

ብመሰረት ካብ 'ስታዲ ኦፍ ኢንተርናሽናል ፖለቲክስ' ዝሃቦ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ኲናት ሩሰያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዘቑጸረሉ'ውን ካብ ብዝሒ ህዝቢ ጣልያን እቲ 15 ምኢታዊት ጥራይ'ዩ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ንዩክረይን ከዕጥቕዋ ኣለዎም ዝብል እምነት ዘለዎም።

ካብዚ ብምብጋስ ብዙሓት ኢጣልያውያን፡ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምክልኻል ትስልዖ ዘላ ባጀት ከተበርኽ ኣለዋ ዝበሎ ብጽቡቕ ኣይተቐበልዎን።