ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ሃገረ እስራኤል ብኸመይ ተመስሪታ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝካየድ ግጭት ዘበናት'ኳ እንተ ኣቝፀረ፡ ኣብ ክንዲ መዕልቦ ዝረክብ ዝያዳ እናተሓላለኸ ንዓለምና ዘሻቕል ጉዳይ ኰይኑ ዘበናት ሓሊፎም።
ቅድሚ 75 ዓመታት ዝተመስረተት እስራኤል ናይቲ ከባቢ ሓያል ብምዃን ልዕልና ክትሕዝ እንከላ፡ ፍልስጤማውያን ድማ ኣብ ስደትን ኵናትን ተሸሚሞም ናይ ባዕሎም ሃገር ክምስርቱ ኣይከኣሉን።
ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈፀሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተወልዐ ኵናት እስራኤል ኣብ ቓዛ፡ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት እስራኤል ንስቓይን መከራን ፍልስጤማውያን ካብ ምግዳድ ሓሊፉ፡ ንህላወኦም'ውን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትይዎ ኣሎ።
ሰበስልጣን እስራኤል ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ንምቍፅፃር ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ምዕራባዊ ገማግም ሰፈራታት ኣይሁዳውያን ንምስፍሕፋሕ ምውሳኖም፡ ኣብ ፍልስጤማውያን ካልእ ዙር ምምዝባልን ስደትን ከስዕብ እዩ ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።
ንምዃኑ ፍልስጤም ንኽልተ ተኸፊላ፡ ናይ እስራኤልን ፍልስጤምን መንግስታት ንኽምስረት ብኸመይ ተወሲኑ? ሃገር ኣይሁዳውያን ዝዀነት እስራኤልኸ ብኸመይ ተመስሪታ?
14 ግንቦት 1984 ልክዕ ሰዓት 10፡00. . . ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኣይሁዳውያን ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ኣፍ ደገ ቤተ-መዘክር ስነጥበብ ተኣኻኺቦም።
ዴቪድ ቤን-ጎሪዮን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-መዘክር ኰይኑ ታሪኽ ማእከላይ ምብራቕ ንሓዋሩ ዝቕይር ዘረባ ተዛሪቡ።
እዚ ድማ ኣብ ፍልስጤም ኣቦመንበር ናይ እስራኤል ውድብ ዝዀነ ዴቪድ ቤን-ጎሪዮን ብዛዕባ ምስረታ ሃገርነት እስራኤል ዝኣወጀሉ መደረ የስምዕ ነበረ። ቅድሚ እዚ ክስተት ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ወተሃደራት ብሪጣንያ ነቲ ከባቢ ለቒቖም ወጺኦም።
እዛ መዓልቲ ኣይሁዳውያን ኵሉ ግዜ ብሓጐስ ዝዝክርዋ፤ ኣዕራብ ድማ "መዓልቲ ጥፍኣት" (ናቅባ) ብምባል ዝሓዝኑላ እያ።
ሎሚ ብወተሃደራዊ፡ ቍጠባውን ዓውዲ ቴክኖሎጅን ሓያላት ካብ መንጎ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ ንምዃን ዝበቕዐት እስራኤል'ምበኣር፡ ብኸምዚ ዓይነት ኵነታት እያ ተመስሪታ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽዮናዊነትን ኣለሻ ሃገር ኣይሁዳውያንን
ኣብ 1880ታት፡ ፍልስጤም ኣካል ዑስማናዊ ኢምብራጦርያን "ዓባይ ሶርያ" ተባሂላ እትፅዋዕ ከባብን እያ ነይራ።
ዝበዝሕ ህዝቢ ፍልስጤም ሙስሊም ክኸውን ከሎ፡ ውሑድ ቍፅሪ ክርስትያንን ኣይሁዳውያንን'ውን ነይሮም። ኣይሁዳውያን ካብ ጠቕላላ እቲ ህዝቢ ከባቢ 5 ሚእታዊት ከም ዝሽፍኑ ይግመት።
ኣብ መላእ ዓለም ዝተበተኑ ኣይሁዳውያን ናይ ባዕሎም ሃገር ንምምስራት ኣብ ዝፅዕርሉ እዋን፡ ትዅረቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነይሩ።
ካብኡ አሊያህ ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ምንቅስቓስ ፍልሰት ኣይሁዳውያን ምድረ-ተስፋ ኢሎም ናብ ዝፅውዕዋ ፍልስጤም ክፈልሱ ጀሚሮም። ሽዑ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቍፅፅር ዑስማናውያን እዩ ነይሩ።
ናይ መብዛሕትኦም ኣይሁዳውያን መበገሲት ፍልሰት ድማ ሩስያ ነይራ። ኣብ ሩስያ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ንንጉስ እታ ሃገር ዛር ኣሌክሳንደር ካልኣይ ንምቕታል ፈቲንኩም ብዝብል ተኸሲሶም ዝበዝሑ ዝተፈረዱ እዮም።
ብሰንኪ እዚ ብዝበፅሖም ልዑል ጸረ-ሴማዊነት መጥቃዕትን ምህዳንን ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ 'ፖግሮምስ' ተባሂሉ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን ናብ ፍልስጤም ዝበፅሑ ኣይሁዳውያን ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ንምርካብን ንእሽቶ ሰፈር መንበርን ክምስርቱን ክኢሎም። እዚኦም ድማ 'ኪቡትዝ' ተባሂሎም ይፅውዑ።
እዞም ቀዳሞት ፍልሰታት፡ ብጽዮናዊነት ድጋፍ ገንዘብ ዝግበረሎም እዮም ነይሮም። ጽዮናዊነት፡ ንኤውሮጳ ዘዕለቕልቕ ንዝነበረ ፀረ-ሴማዊነት ምላሽ ክኸውን ከሎ፡ ደሓር ድማ ብኣይሁዳውያን ተቐባልነት ዝረኸበ ምንቅስቓስ ክኸውን በቒዑ።
ቀንዲ መራሒ እዚ ምንቅስቓስ ድማ ኦስትሮ ሃንጋሪያዊ ጋዜጠኛ ቴዎዶር ሄርዝል እዩ ነይሩ።
ምሁር ታሪኽ ዮርጌ ራሞስ ከም ዝብሎ፡ ሄርዝል "ፈተና ኣይሁዳውያን ሃይማኖታዊ ዘይኰነስ ናይ መንነት ከም ዝዀነ ይኣምን ነይሩ። ምንቅስቓስ ጽዮናውያን ኣይሁዳውነት ተቐባልነት ንኽረክብን ኣይሁዳውያን ከም ህዝቢ ተቘፂሮም ኣብ ኤውሮጳ ንዝበፅሖም ፈተና ዝሓልፍሉ ካልእ መሰጋገሪ ሃገር ንምፍጣርን ኣኽኢሉ።"
ጽዮናዊነት ዓለምለኻዊ ሓገዝ ኣድለዮ። ኣብቲ እዋን ዝነበራ ዓበይቲ ሃገራት ድማ እታ ሓዳስ ኣይሁዳዊት ሃገር ንምምስራት ንብዙሓት ቦታታት ኣብ ግምት ኣእትዮም። ካብ ኣርጀንቲና ክሳብ ዩጋንዳ፣ ካብ ማዳጋስካር ክሳብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ንዘለዉ ቦታታት ተዓዚቦም።
እንተዀነ፡ ኣይሁዳዊነት ምስ ፍልስጤም ታሪኻውን ሃይማኖታውን ፅኑዕ ምትእስሳር ነይርዎ። ብምኽንያት እዚ፡ እቲ ፍልሰት ወይ አሊያህ ክሳብ መፈለምታ 20 ክፍለ ዘበን ቀፂሉ። ኣብዚ እዋን እያ ድማ ቴል ኣቪቭ ዝተመስረተት።
ቀዳማይ ኵናት ዓለም ግና፡ ንመፃኢ ዕጫ ፍልስጤም ዝወሰነ ክስተት ኰነ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ዑስማናውያን ናብ ብሪጣንያ ዝተሰጋገረት ፍልስጤም
ካብ 1914 ክሳብ 1918 ኣብ ዘሎ ግዜ ብሚልዮን ንዝቝፀሩ ሰባት ኣብ ዝቐዘፈ ደማዊ ቀዳማይ ኵናት ዓለም፡ ማእከላይ ምብራቕ ፍሉይ ጠመተ ረኺቡ።
ኣንጻር ዑስማናዊ ኢምብራጦርያ ዝተሰለፈት ብሪጣንያ ኣብ ኢድ ዑስማናውያን ዝነበረ ከባቢ ንምምንዛዕ ልዑል ድሌት ነበራ። ኣብቲ እዋን ብሪጣንያ ገንዘብ ንትእክበሉ መትረብ ስወጽ'ውን ትቈፃፀር ነይራ።
ተመራማሪ ታሪኽ ዮርጌ ራሞስ፡ "ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ እዋን ቀዳማይ ኵናት ዓለም ኣብ ሰበስልጣን ዑስማናውያን ውሽጣዊ ናዕቢ ብምንዕዓብ ንግዝኣትን ሓይልን ዑስማናውያን ንምድኻም ፈቲና፡" ይብል።
ምእንተ እዚ ድማ ብሪጣንያ ኣብቲ ከባቢ ዓቢይ ዓረባዊ መንግስቲ ንኽምስረት ድጋፍ ከም ትህብ ብምግላፅ፡ ገፃ ናብ ኣዕራብ ኣዚራ።
ኣብ 1915 ከምኡ'ውን 1916 ኣብ ዝነበሩ ገዛኢ መካ ሑሴን ቢን ዓሊን ኣብ ካይሮ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ዝነበረ ሄንሪ ማክማሆንን ኣብ ዝተኻየዱ ምልውዋጣት ደብዳበ እዩ፡ እዚ ሓሳብ ቀሪቡ።
ኣብቲ እዋን ፍልስጤማውያን ካልኦትን ዓረብን፡ ንዘበናት ነቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝተቘፃፀረ ሰራዊት ዑስማናውያን ክቃለሱ ጀሚሮም።
ብሪጣንያ ድማ ደብዳበ ብምፅሓፍ፡ ንኣይሁዳውያን ሓደ ሓሳብ ኣቕሪባ።
ኣብ 1917፡ ስምምዕ ባልፎር ተባሂሉ ዝፅዋዕ ደብዳበ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኣርተር ጀምስ ባልፎር፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መንበሪኡ ናብ ዝገበረ መራሒ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ባሮን ሊዮኔል ዋልተር ሮትሽልድ ተላኢኹ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ፍልስጤም "ሃገር ኣይሁዳውያን" ንኽምስርቱ ድጋፍ ከም ዝገብር ኣብዚ ደብዳበ እዚ ብግልፂ ገሊፁ።
ጐድኒ ጐድኒ እቶም ምስ ኣዕራብን ኣይሁዳውያንን ዝካየዱ ዘተታት፡ ብሪጣንያ ኣብ 1916 ብሕቡእ ምስ ፈረንሳ ንስምምዕ ሳይክስ-ፒኮት ከቲማ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ኣብቲ ኵናት እንተ ተዓዊተን፡ ኣብ ግዝኣታት ዑስማናውያን ንዘለወን ፅልዋን ቍፅፅርን ዝምልከት እዩ።
እዘን ሃገራት ኣብ 1918 ዓወት ተጐናፂፈን። ግዝኣት ዑስማናውያን ንዝነበረ ማእከላይ ምብራቕ ድማ ብመሰረት እዚ ስምምዕ ተኸፋፊለንኦ።
ኣብ ፈለማ ፍልስጤም ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ቍፅፅር ፀኒሓ። ደሓር ግና ብሪጣንያ ንፍልስጤም ንምምሕዳር ድልውቲ እየ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ።
እቲ ገና ኣብ ምጥያሽ ዝነበረ ማሕበር ሃገራት ዓለም (ሊግ ኦፍ ኔሽን) ድማ ኣብ 1922 ብሪጣንያ ንፍልስጤም ንምምሕዳር ንዘቕረበቶ ሓሳብ ተቐበሎ።
ሓላፍነት ምምሕዳር ምውሳድ ናይ ባዕሉ ትርጉም ነበሮ። ሓደ ምምሕዳር ነቲ ካልእ ምስ ሰዓረ ነቲ ከባቢ ንምምሕዳር ተረኪቡ ማለት፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንርእሶም ምምሕዳር ኣይኽእሉን ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ።
ኣብቲ እዋን ከኣ ዝበዝሑ ነበርቲ ፍልስጤም ሙስሊም'ዮም ነይሮም። ቍፅሪ ኣይሁዳውያን ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ኣስታት 11 ሚእታዊት በፂሑ ነበረ።

ምንጪ ስእሊ, Bettmann via Getty Images
ዓመፅን ወጥርን
ኣብ 1931 ኣብ ፍልስጤም ዝተኻየደ ቈፀራ ህዝቢ ብዝሒ ኣይሁዳውያን ይዛይድ ከም ዘሎ ኣርእዩ።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ኤውሮጳ እናዛየደ ዝመፅአ ንኣይሁዳውያን ዒላማ ዝገበረ ምንቅስቓስ ፀረ-ሴማዊነት ክኸውን ከሎ፡ ብዝሖም ድማ ናብ 16 ሚእታዊት ኣዛይድዎ።
ቍፅሮም እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ኣዕራብን ኣይሁዳውያንን ዘሎ ወጥሪ እናሓየለ መፅአ።
ኣብ 1936 ድማ ንብሪጣንያ ዝቃወም ዓረባዊ ቃልሲ ኣብ ፍልስጤም ተወልዐ። እዚ ንሽድሽተ ወርሒ ዝፀንሕ ዓመፅ፡ ኣድማ ስራሕ ደው ምባል'ዩ ነይሩ። ነፃነት ዓረባትን ኣይሁዳውያን ኣብቲ ከባቢ ዝገብርዎ ሰፈራ ንኸብቅዕን ዝጠልብ ነበረ።
እንተዀነ እዚ ዓመፅ ፈሺሉ። ህይወት ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰባት ካብ ምሕላፉ ብተወሳኺ፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ፍልስጤም'ውን ድሒሮም ብሰንኪ ዝተፈጠሩ ክስተታት ኣዝዩ ተዳኺሙ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣይሁዳውያን ናብ ፍልስጤም ዝገብርዎ ምስጋም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወሲኹ። ብፍላይ መዐጐሪ ካምፕታት ናዚ ነፃ ምውፅኦም ስዒቡ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ከም ዝተፈፀመ ምስ ተፈለጠ፡ ቍፅሪ ዝሳግሙ ኣይሁዳውያን ክብ ኢሉ።
ፀገም ፍልስጤም ዕልባት ንኽረክብ፡ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ዝግበር ዓለምለኻዊ ፀቕጢ'ውን እናሓየለ መፂኡ። ብሪጣንያ ኣብቲ ከባቢ ምህላዋ፡ ኣብ ኣይሁዳውያን ኰነ ኣዕራብ ዘሎ ተቐባልነት ነክዩ።
22 ሓምለ 1946 ኣብ ፍልስጤም መደበር ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሆቴል ኪንግ ዴቪድ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድማ ናይዚ ፅቡቕ መርኣያ ዝኸውን እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ 'ኢርጉን' ብዝበሃል ጽዮናዊ ዕጡቕ ውድብ ዝተፈፀመ ክኸውን ከሎ፡ ህይወት 92 ሰባት ዝቐጠፈ፡ ንብሪጣንያ ድማ ዘሰምበደ ክስተት ኰነ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንፍልስጤም ኣብ ክልተ ዝገምዐ ውሳነ
ኣብቲ ከባቢ እናጠንከረ ዝመፅአ ወጥሪ፡ ብሪጣንያ ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት መንግስታት ክትወስዶ ደሪኹ። ነዚ ስዒቡ 11 ዘይሻራውያን ሃገራት ዝሓቘፈ ፍሉይ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ ፍልስጤም ተጣይሹ።
እቲ ኮምሽን ነቲ ግዝኣት ኣብ ክልተ ብምግማዕ፡ እቲ ሓደ ንኣዕራብ እቲ ካልእ ድማ ንኣይሁዳውያን ሃበ። ንሓድሕዶም ሰለስተ ዞባታት ዝህልዎም ክኸውን ከሎ፡ እየሩሳሌም ድማ ብፍሉይ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ቍፅፅር ክትኸውን ሓሳብ ኣቕሪቡ።
'ፕሮፖዛል 181' ዝተሰየመ እዚ ሓሳብ፡ 55 ሚእታዊት እቲ ግዝኣት ንኣይሁዳውያን ዝተረፈ 45 ሚእታዊት ድማ ንኣዕራብ ሃበ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ቍፅሪ ኣይሁዳውያን፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኣስታት ሓደ ስልሲት ጥራሕ እዩ ነይሩ።
እዚ ሓሳብ፡ 29 ሕዳር 1947 ኣብ ዝተኻየደ ጠቕላላ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ድምፂ ተዋሂብሉ።
ኣብቲ እዋን ኣካቢ እቲ ጉባኤ ዝነበረ ኦስቫልዶ ኣራንያህ ፍሉይ ኮሚቴ ፍልስጤም ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ፡ "ብ 33 ድጋፍ፣ 13 ተቓውሞን 10 ድምፂ ተዓቅቦን፡" ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ብምፍላጥ፡ ነቲ ውፅኢት ወግዓዊ ገይርዎ።
ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ሓዊሱ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳን ላቲን ኣመሪካን፡ ፍልስጤም ኣብ ክልተ ተገሚዓ ናይ ኣይሁዳውያንን ኣዕራብን ሃገራት ክምስረታ ድጋፈን ሂበን።
ንግብጺ ሓዊሱ ሃገራት ዓረብ ነዚ ውሳነ ነፂገንኦ። ኢትዮጵያ፡ ብሪጣንያን ጃፓንን ሓዊሱ 10 ሃገራት ድምፀ ተዓቅቦ ክገብራ መሪፀን።
እዚ ውሳነ ኣብ ኣይሁዳውያን ዓቢይ ሓጐስ ዝፈጠረ ነይሩ። ኣዝየን ንዝሓረቓ ሃገራት ኣዕራብ ግና እዚ ውሳነ ዝወሓጠለን ኣይነበረን።
እዚ ውሳነ ድማ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መዘክር ስነጥበብ ብ14 ግንቦት 1948 ንዝተኻየደ ምስረታ እስራኤል ምኽንያት ኰነ።
ኣብቲ ዕለት ንግሆ ሰዓት 5፡00፡ ናይ ርብዒ ክፍለ ዘበን መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብቂዑ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ንፍልስጤም ለቒቖም ወጺኦም።
ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓታት ድማ ፈላማይ ቀዳማይ ምኒስትር እስራኤል ዴቪድ ቤን-ጎሪዮን፡ እስራኤል ሃገር ኣይሁዳውያን ኰይና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝተመስረተት ብወግዒ ኣዊጁ።
እዛ ዕለት፡ ንፍልስጤማውያን 'ናቅባ' ናይ ጥፍኣት መዓልቲ መጀመርታ ኰይና። ነዚ ስዒቡ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ክባረሩ ወይ ክሃድሙ ፈላማይ ምኽንያት ከም ዝዀነ ይሕሰብ።
እነሆ ድሕሪ 70 ዓመታት፡ እስራኤል ብወተሃደራውን ናይ ቴክኖሎጅን ዓቕማ ካብ መንጎ ሓያላት ሃገራት ዓለም ክትከውን ከላ፡ ፍልስጤማውያን ኣብዚ ግዜ'ዚ እውን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ።
ኣብዚ መስርሕ፡ እቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝካየድ ተደጋጋሚ ኵናት ዝፅለወሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰባት ዝሞትሉን ሚልዮናት ስደተኛታት ዘለዎን ኰይኑ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







