ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃብ እንታይ ማለት እዩ?

ባንዴራ ፍልስጤም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ እንከለዋ፡ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣፍልጦ ክህባ እየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ እቶም ውሳነታት "ንኣሰቃቒ ግብረሽበራ ሓማስ ሽልማት፡" ምሃብ እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣሜሪካ እውን ነቲ ስጒምቲ ብትሪ ተቓዊማቶ ኣላ።

መብዛሕትአን ሃገራት - ካብተን 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት እተን 147 - ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ይህባ።

ኣፍልጦ ሃገርነት ምርካብ እንታይ ማለት እዩ? እንታይ ዝተፈለየ ነገር ይህበካ?

ትርጕም ኣፍልጦ ሃገርነት ፍልስጤም እንታይ'ዩ ?

ህላወ ፍልስጤም ከም ሃገር ሓቂ'ኳ እንተዀነ፡ ብተግባር ልኡላውነታ ዝተረጋገጸን ምሉእ ተቐባልነት ዘይረኸበትን ብምዃና ግን፡ ከም ሃገር ዘየላ'ውን እያ።

ፍልስጤም ልዑል ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዋ ኰይና፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ልኡኻት ዲፕሎማሲ፡ ከምኡ'ውን ንኦሎምፒክ ሓዊሱ ኣብ ውድድራት ስፖርት ዓለም ዝሳተፋ ጋንታታት ዘለዋ እያ።

እንተዀነ ፍልስጤማውያን ምስ እስራኤል ንነዊሕ እዋን ኣብ ምስሕሓብ ስለዘለዉ ግን፡ እታ ሃገር ዓለምለኸ ስምምዕነት ዘለዎ ዶብ፡ ርእሰከተማን ሰራዊትን የብላን።

እቲ ኣብ 1990ታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ዝቘመ ምምሕዳር ፍልስጤም'ውን፡ እስራኤል ዛጊድ ንመራባዊ ገማግም ብሓይሊ ስለዝተቘጻጸረቶ ኣብ መሬቱን ህዝቡን ምሉእ ምሕደራ ክህልዎ ኣይከኣለን። ቓዛ'ውን፡ ኣብ ሕሱም ኣዕናዋይ ኲናት እያ ዘላ።

ኣብዚ እዋን ነታ ምልእቲ ሃገር ዘይኮነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ካብ ምሕላፍ ሓሊፉ፡ ምሉእ ስልጣን ዝህባ ኣይኰነን።

ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ንመሰላ ድጋፍ ካብ ምርኣይ ዝሓለፈ፡ ኣብ ባይታ ንመዓልታዊ ሂወት ፍልስጤማውያን ግና ብቐጥታ ኣይልውጦን።

መልእኽቱ ግና ረዚን እዩ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዴቪድ ላሚ ብሰሉስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ "ብሪጣንያ ንኽልተ ሃገራት (እስራኤልን ፍልስጤምን) መፍትሒ ንምንዳይ ፍሉይ ጾርን ሓላፍነትን ተሸኪማ ኣላ።"

እቲ ጸሓፊ ጉዳያት፡ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ "ኣይሁዳውያን ኣብ ፍልስጤም ክነብሩ ዝሓገዘትሉን" ኣርተር ባልፎር ዝፈረመሉን ኣብ 1917 ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ ጠቒሱ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ሰላማዊ ፍታሕ ንምምጻእ ግዴታ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ወተሃደራት ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, Bettmann via Getty Images

እንተኾነ እቲ ኣዋጅ፡ "ንሲቪላዊን ሃይማኖታውን መሰላት ናይቶም ዘይኣይሁዳውያን ማሕበረሰብ (ዓረብ ፍልስጤማውያን) ዝጐድእ ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘይፍጸም" ምስ ዓበይቲ መብጽዓታት ዝመጽአ እዩ ኢሉ።

ደገፍቲ እስራኤል ግን ሎርድ ባልፎር ብንጹር ንፍልስጤማውያን ኰነ ብዛዕባ መሰላቶም ከም ዘይገለጸ እዮም ዘመልክቱ።

ቅድሚ ሕጂ ፍልስጤም ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ግዝኣት፡ ብሪጣንያ ብሊግ ኦፍ ነሽንስ ካብ 1922 ክሳብ 1948 ዝገዝኣቶ ኰይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ድማ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ 1948 ካብ ትምስረት ኣትሒዙ፡ ሃገርነት ፍልስጤም ዝተሓላለኸ ብድሆ ከጋጥሞ ደሪኹ።

ላሚ ከም ዝበሎ፡ ፖለቲከኛታት "መፍትሒ ክልተ ሃገራት" ንዝብል ካብ ምድግጋም ሓሊፉ ተግባራዊ ፍታሕ ከምጽኡ ኣይከኣሉን።

እዚ ሓሳብ፡ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት እስራኤልን ፍልስጤምን ኣፍልጦ ኣብ ዘለዎም ዶባተን ብሰላም ንኽነብራ ካብ ዝብል ዝተበገሰ እዩ።

ኰይኑ ግን ፍታሕ ንምንዳይ ዝተገበሩ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ዝዀነ ውጽኢት ኣየምጽኡን።

እስራኤል ንዝዓበየ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ብሓይሊ ትገዝእ ብምህላዋ ድማ ነዚ "መፍትሒ ክልተ ሃገራት" ዝብል ሓሳብ ናብ ባዶ ጭርሖ ቀይርዎ ኣሎ።

ረድኤት ዝወስዱ ፍልስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃባ ብዓል መን እየን?

ካብ 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት እተን 147 ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂበን እየን።

ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት "ቀዋሚት ተዓዛቢት ሃገር" ተባሂላ ዝተሰየመት ክትከውን እንከላ ተሳትፎ ክህልዋ ይፍቀደላ፤ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰላት ግን የብላን።

ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ኣፍልጦ ከም ዝህብኣ ምእዋጀን፡ ፍልስጤም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኣርባዕተ ሃገራት ኣባላት ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድጋፍ ክትረክብ ዘኽእላ እዩ።

ሩስያን ቻይናን'ውን ኣቐዲመን ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃባ እየን።

እዚ ድማ ኣመሪካ እንኰ መሻርኽቲ እስራኤል ክትከውን ዘገድድ እዩ።

ዋሽንግተን ካብ 1990ታት ጀሚራ ነቲ ብማሕሙድ ዓባስ ዝምራሕ ምምሕዳር ፍልስጤም ኣፍልጦ ትህብ'ኳ እንተዀነት፡ ንፍልስጤም ግን ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ኣይሃበትን።

ብዙሓት ፕረዚደንታት ኣመሪካ፡ ንምስረታ ፍልስጤም ድጋፎም ገሊጾም እዮም። ዶናልድ ትራምፕ ግን ካብኣቶም ኣይኰነን።

ኣብ ክልተ እብረ ዘበን ስልጣኑ፡ ፖሊሲ ኣመሪካ ንእስራኤል ኣድልዎ ዝገበረ እዩ።

ሓገዝ ናይታ ሓያል መሻርኽቲ እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ እንተዘይሃልዩ ግን፡ ትርጕም ዘለዎ መስርሕ ሰላምን 'መፍትሒ ክልተ ሃገራትን' (ልኡላውያን ሃገራት እስራኤልን ፍልስጤምን ኣፍልጦ ኣብ ዘለዎም ዶባተን ብሰላም ንኽነብራ) ምግሃድ ዘይሕሰብ እዩ።