ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣባልነት ፍልስጤም ኣፅዲቑ

ባንዴራ ፍልስጤም ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤም መበል 194 ኣባል እቲ ውድብ ንምግባር ዝቐረበ እማመ ብልዑል ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣባልነት ንዝውስን ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ኣባልነት ፍልስጤም ዳግማይ ክግምግሞ ሓቲቱ።

ብሃገራት ዓረብን ፍልስጤምን ዝተደገፈ እዚ ናይ ውሳነ እማመ፡ ብ143 ድጋፍ፣ 9 ተቓውሞን 25 ድምፂ ተዓቅቦን ፀዲቑ ኣሎ።

ንኣሜሪካ ሓዊሱ እስራኤል፣ ኣርጀንቲና፣ ቼቺያ፣ ሃንጋሪ፣ ማይክሮኔዥያ፣ ናኡሩ፣ ፓላውን ፓፑዋ ኒው ጊኒን ተቓዊመንኦ።

ፍልስጤም ካብ 2012 ጀሚሩ ናይ ተዓዛብነት ቦታ ጥራሕ ዝተውሃባ እንትትኾን፡ እዚ ድማ ኣባል ሃገራት ኣብቲ ውድብ ካብ ዘለወን መሰል ዝተገደበ እዩ።

ኣባልነት እቲ ውድብ ብባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥራሕ እዩ ዝውሰን́።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ነዚ ሕቶ ተቐባልነት ከይረክብ ዝገበረት ኣሜሪካ፡ ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ ድምፂ ናይ ምሃብ ከይዲ ነዚ መሰላ ኣይተጠቐመትን።

ፕረዝደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስ፡ ነዚ ናይ ውሳነ ሓሳብ ብሓጎስ ብምቕባል፡ እዚ ክስተት ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዝግበር ውሳነ፡ ድምፂ ከም ዝኸውን ገሊፁ።

“ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምልእቲ ኣባል ንምዃን ትገብሮ ፃዕሪ ኣበርቲዓ ክትቕፅል እያ” ኢሉ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊላድ ኤርዳን ብወገኑ፡ “ራዕዳዊ መንግስቲ” ምቕባል ክብል ነዚ ክስተት ኰኒንዎ።

ንቅዳሕ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝቐደደ እቲ ኣምባሳደር፡ ነዚ ውሳነ ንዘሕለፋ ኣባል ሃገራት ከሲሱ።

ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ንምሃብ ከም ዘንቀዳ ይግለፀሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣባልነት ፍልስጤም ኣፅዲቑ ዘሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ስፔን ኣብዚ ወርሒ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ትህብ ንሓደ መራኸቢ ሓፋሽ ስፔን ገሊፁ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣየርላንድ፣ ስሎቬኒያን ማልታን ነዚ ስጉምቲ ከም ዝወስዳ ምግላፀን ይዝከር።

እዚ ብዓርቢ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ፍልስጤም ኣብ ክትዓት ንክትሳተፍ፣ ኣጀንዳታት ክተቕርብን ተወከልታ ብኮሚቴነት ክምረፁን ዘኽእል ተወሳኺ መሰል ዘጐናፅፍ እዩ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ዋላ’ኳ ነዚ ውሳነ እንተሕለፈ፡ ፍልስጤም ብኣባልነት ንምቕባል ግና ድጋፍ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትረክብ ኣለዋ።