መወዳእትኡ ኣብ ዘይፍለጥ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ተስፋ ዝጸለምቶም ፍልስጤማውያን

ብሰንኪ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ተስፋ ዝጸልመቶም ፍልስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኻን ዩኒስ መጥቃዕታ ኣሐይላ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ስግኣት ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ከተማ ቓዛ፡ ከበድቲ ውግኣት ’ዩ።

ተመዛበልቲ ስድራቤታት ናብቲ ዝዓበየን ክሳብ ሕጂ ኣብታ ግዝኣት ስርሑ ቐጺሉ ዘሎን ሆስፒታል ናስር ክሃድሙ ጸኒሖም ኣለዉ።

እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ምላሽ ካብ እትጅምር ኣብ ቓዛ ልዕሊ 24 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ካብ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ እቶም ዝበዝሑ ክመዛበሉ እንከለው፡ መግቢ፡ መስተን መድሃኒትን ንምርካብ መዓልታዊ ይቃለሱ።

ካብ ከተማ ቓዛ ዝተመዛበለ ኣቦ ክልተ ቆልዑ መሓመድ ኣል-ካልዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ገዛይ፡ ድኳነይን ምንጪ ኣታዊታተይን ስኢነ። ድሕሪ ሕጂ ንደቀይ መሰረታዊ ናይ ህይወት ጠለባት ከቕርብ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሔ" ክብል ገሊጹ።

"እስራኤል ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ሰፊሕ ዕንወት ተሓታቲት እየ ዝገብራ፡ እንተኾነ ግን ሓማስ’ውን ነጻ እዩ ማለት ኣይኮነን” ኢሉ።

ሓማስ ካብ 2007 ጀሚሩ ንቓዛ ዘመሓድር ዘሎ ፍልስጤማዊ ጉጅለ እዩ። ወተሃደራዊ ክንፊ ብርጌዳት ኢዘዲን ኣልቃሳም ቅድሚ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 30 ሽሕ ኣባላት ከምዝነበሮም ይግመት ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"እቲ ዝኸፍአ ከጋጥም ዝኽእል ነገር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰለስተ ዓመት ናብ ኲናት ምምላስ'ዩ። እቲ ኩነታት ቅድሚ እቲ ኲናት ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ፡ ሕጂ ድማ ኣዕናዊ ኮይኑ'ሎ" ይብል ካልድ።

ኣስዒቡ'ውን "ዋጋታት ኣቑሑት ብዓሰርተ ዕጽፊ ወሲኹ፡ መብዛሕትኦም መሰረታዊ ሓለኽቲ ነገራት ድማ ኣይርከቡን። ንደቀይ ዓይኒ ዓይኖም እንዳጠመትኩ እሞ ድማ መግቢ ከቕርብሎም ከምዘይክእል ካብ ምርኣይ ሞት እምነ” ይብል።

መብዛሕትኦም ኣብ ኻን ዩኒስ ዘዘራረብክዎም ሰባት ሰራዊት እስራኤል ናብ ማእከል ከተማ ገጹ ይግስግስ ከምዘሎ ይዛረቡ።

ካብ ልዕሊ መሬት ንላዕሊ ኣብ ትሕቲ መሬት ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓደ ካብቶም ካብ ከተማ ቓዛ ዝተመዛበሉ ናጂ ማሕሙድ ገሊጹ።

ማሕሙድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ዝተፈጸመ ዓቢ መጥቃዕቲ እስራኤል ርእዩ፤ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐን ተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስተበጽሐ ድማ ናብ ኻን ዩኒስ ተበጊሱ።

"ከምዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ መርየት ኣብ ትሕቴና ዝንቅጥቀጥ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓና። እዚ ድማ ዳርጋ ምሸት ምሸት’ዩ ዝድገም፡ እቲ ቦምባ ነቶም በዓቲታት ዒላማ ዝገበረ ይመስል" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ ቓዛ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ መጥቃዕቲ ኣየር እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ምብትታን ጸጥታ ኣብ መላእ ቓዛ ይርአ ኣሎ፡ ሰባት ድማ ብዛዕባ ተርእዮታት ስርቅን ብዕጥቂ ዝተደገፈ ዝምታን የማርሩ ኣለዉ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ራፋሕ ኣጋ ምሸት ካብ ስርሐይ ይምለስ ነይረ። ሰለስተ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ሰባት ደው ክብል ኣገዲዶምኒ። ካራ ሒዞም ነይሮም፡ ሓደ ካብኣቶም ድማ ጠበንጃ ዝሓዘ ነይሩ" ኢሉ።

እቲ ጋዜጠኛ ኣስዒቡ “ኣብታ መኪና ክቡር ኣቕሓ እንተረኸቡ ኢሎም ፈቲሾም። ሓደ ካብኣቶም ጋዜጠኛ ምዃነይ ኣስተብሂሉ ክኸይድ ፈቒዱለይ" ኢሉ።

ኣብ ጎደናታት ራፋሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ፖሊስ ብመካይን ተጻዒኖም ክንቀሳቐሱ’ኳ ዝረኣዩ እንተኾኑ ሰባት ግን ነቶም ኣቑሑት ብሒቶም ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ሰማይ ዘዕረጉ ነጋዶ ንምዕጋት እኹል ስራሕ ከምዘይሰርሑ የማርሩ ኣለዉ።

ካልእ ነባሪ ቓዛ ዝኾነ መሓመድ ሸኽ ካሊል ብወገኑ “ንስደተኛታት ፍልስጤም ተባሂሉ ዝመጽአን ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኣርማ ዝተዓሸገ ርስናይ ካብቲ ልሙድ ዋጋኡ ዓሰርተ ዕጽፊ ከፊለ ዓዲገ። ፖሊስ ስለምንታይ ድኣ ነቶም ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝተለገሱ ኣእኻል ዝሰርቁ ዘለዉ ነጋዶ ዘይኣስሮም?” ክብል ይሓትት።

ንሕሱም ጭንቀት ዝተዳረጋ ፍልስጤማውያን ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ንውላደይ ጸባ ክረክብ ኣይክእልን እየ፡ ወደይ ኦቲዝም ኣለዎ፡ ንኣዋርሕ ድማ ሕክምና ኣይረኸበን። ኩነታት ጥዕናኡ እናተጋደደ ይኸይድ ስለዘሎ ከህድኦ ኣይክእልን እየ” ኢሉ።

ሰራዊት እስራኤል ንመንግስታዊ ስርዓት ኣፍሪሱ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ቀቲሉ፡ ዋና ቤት ጽሕፈታት ጸጥታን መደበራት ፖሊስን ብምዕናዉ ተራ ገበን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ቓዛ ካብ ዝነበራ ገዛ ተመዛቢላ ሕጂ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕ እትነብር ኣደ ነቨን ኢማደዲን፡ "እቲ ኲናት ከብቅዕ ኢና እንደሊ ግን ድማ ብዘላቒ ናይ ነዊሕ ግዜ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክዛዘም ንደሊ። ሃገርና ንደሊ ኢና። ናብ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ክንምለስ ኣይንደልን ኢና” ኢላ።

"እንታይ ከምዘጋጠመና ተመልከት፡ ሸፋቱ ካብ ገዛይ፡ ክዳውንተይ፡ ኣቑሑት ገዛይን ኩሉ ሰሪቖሞ።"

"ገዛይ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ከተማ ቓዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ነቲ ከባቢ ዝቈጻጸራ ብዝነበራ ታንክታት እስራኤል ተወቒዑ።"

"ኣብዚ ኣብ ራፋሕ ተመዛቢልና ኣለና፡ ቅድሚኡ ድማ [ኣብ ኻን ዩኒስ ኢና ነይርና። ገንዘብን ገዛን የብልናን፡ እቲ ዘየቋርጽ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተወልዐ ኲናት ህይወትና ኣጥፊኡዎ'ዩ።"

መሓመድ ዝተባህለ ነጋዳይ'ውን ብሓሳብ እታ ኣደ ይሰማማዕ።

"ንልዕሊ 16 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ኢና ንነብር ዘለና። ሓማስ ከቢድ ግብሪ ኣንቢሩልና ሕጂ ድማ ንብረትና፡ ገንዘብናን ገዛውትናን ዝሰኣንናሉ ኣዕናዊ ኲናት ኣእትዮምና ኣለዉ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ቀደም ኣብ ጽቡቕ ገዛ ይነብር ነይረ፡ ብንግዲ እየ ዝመሓደር ነይረ። ሕጂ እንታይ ክንገብር? መሳገሪታት ተዓጽዮም፡ እቲ ትካል ዓንዩ፡ እቲ ገዛ ድማ ብሰንኪ እቲ ዝበጽሖ ዕንወት ክትነብረሉ ኣይከኣልን እዩ።"

"እቲ ዝኸፍአ ከጋጥመና ዝኽእል ነገር፡ እቲ ኲናት ምስተወድአ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሓማስ ምምላስና'ዩ።" ክብል ተዛሪቡ።