ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር እስራኤል ኣበጊሳቶ ዘላ ክሲ 'ምጽናት ዓሌት ፍልስጤማውያን' እንታይ እዩ?

ዝበኽያ ዘለዋ ኣደታት ፍልስጤም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ዶ? ንዝብል ጉዳይ ክምርምር ተሓቲቱ።

ነዚ ጉዳይ ናብቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረበቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትከውን እንከላ፡ እስራኤል ግን ነቲ ክሲ “መሰረት ዘይብሉ” ክትብል ብትሪ ነጺጋቶ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ እንታይ እዩ?

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ኣብ ሄግ ኔዘርላንድስ እዩ መደበሩ።

እዚ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጐ ሃገራት ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕን ኣብ ሕጋዊ መዳይ ምኽሪን ርእይቶን ንምሃብ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተመስረተ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ እስራኤል ግብራዊ ክኸውን ዝሕተት ዘሎ እዩ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ዘይከም ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ከም ምጽናት ዓሌት ብዝኣመሰሉ ከበድቲ ገበናት ንውልቀሰባት ብቐጥታ ክኸስስ ኣይክእልን እዩ። ዝህቦ ርእይቶታት ግን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ሚዛን ዝወሃቦ እዩ።

ምጽናት ዓሌት እንታይ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝለዓል ዘሎ ጉዳይከ እንታይ እዩ?

እስራኤል፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ እተካይዶ ዘላ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ከምዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ ትኸስስ።

ኣማኢት ዕጡቓት ሓማስ ካብ ቓዛ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ብምስጋር ኣስታት 1200 ሰባት ብቐንዱ ሲቪላት ቀቲሎም ኣስታት 240 ጅሆ ሒዞም።

እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ኣብ ቓዛ፡ መብዛሕትኦም ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ 23 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

ኣብዚ ወፍሪታት እስራኤል ምርኩስ ብምግባር ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቕረበቶ መርትዖታት፡ "ተግባራትን ምጽራይ" እስራኤል "ባህሪ ምጽናት ዓሌት'ዮም፤ ምኽንያቱ ንብዙሕ ክፋል ዓሌታውን ብሄራውን ጕጅለ ፍልስጤም ንምዕናው ዒላማ ዝገበረ እዩ” ይብል።

እዚ ድማ፡ እቲ እስራኤል ብንጥፈት ኣተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብኣንጻሩ ድማ ክትገብሮ ዘይከኣለት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከይበጽሕ ምክልኻል ዝብሉ ነጥቢታት ብደቡብ ኣፍሪቃ ተጠቒሱ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ጉዳይ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ዝሃቦ ርእይቶታት ኣትሒዝካ ብእስራኤል ዝስማዕ ዘረባታት ከም መርትዖ "’ዕላማ ምጽናት ዓሌት" ምዃኑ የነጽር።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ምጽናት ዓሌት ማለት፡ ንሓደ ሃገራዊ፡ ብሄራዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ንምጥፋእ ሓሊንካ ዝፍጸም ተግባር እዩ።

እቶም ተግባራት ድማ፤

• ንኣባላት እቲ ጕጅለ ምቕታል ወይ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጕድኣት ምውራድ

• ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ኵነታት መነባብሮ ሓደ ጕጅለ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል

ዕንወት ከም ዘውርድ ሓሲብካ መጥቃዕቲ ምፍጻም

• ኣብቲ ጕጅለ ንዝፍጠር ወሊድ ንምክልኻል ዝዓለመ ስጕምትታት ምግባር

• ህጻናት ሓደ ጕጅለ ብሓይሊ ናብ ካልእ ጕጅለ ምትሕልላፍ

እስራኤል ንዝቐረበላ ክሲ ምጽናት ዓሌት እንታይ ግብረመልሲ ትህበሉ?

እስራኤል ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ክሲ ብትሪ'ያ ነጺጋቶ።

ነታንያሁ፡ “ኣይፋልን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምጽናት ዓሌት ክንፍጽም ዝተበገስና ንሕና ዘይኰነስ፡ ሓማስ'ዩ” ኢሉ።

“ሓማስ እንተዝኽእል ንዅላትና ምቐተለና።”

“ብኣንጻሩ፡ ሰራዊት እስራኤል ብዝተኻእለ መጠን ብሞራል እናተዋስአ፡” ጉድኣት ኣብ ሲቪላት ንኸይወርድ ብዙሕ ስጕምትታት ከም ዝወስድ ገሊጹ።

እዚኦም ድማ፤

• መጥቃዕቲታት ዘጠንቅቝ ብነፋሪት ዝብተኑ በራሪ መልእኽታት

• ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ካብ ዝተገብሩ ህንጻታት ክወጹ ተሌፎናት ምድዋል

• ሲቪላት ኣብ ዘለዉሉ ከባቢታት መጥቃዕቲ ከይፍጸም ምግባር

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ መንግስቲ እስራኤል ዕላማኡ ንህዝቢ ፍልስጤም ዘይኰነስ ንሓማስ ንምጥፋእ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ካሜሮን ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሳ ከይትኸውን "ስክፍታ" ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ክሲ ኣመልኪቱ ግን፡ “እዚ ሓጋዚ ኣይመስለንን” ብምባል፡ "ኣነ ምስኡ ኣይሰማማዕን እየ፤ ቅኑዕ ከኣ ኣይመስለንን” ኢሉ።

ደገፍ ፍልስጤም ዘረጋግጽ ሰልፊታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደገፍ ፍልስጤም ዘረጋግጽ ሰልፊታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ እዩ

ቤት ፍርዲ፡ ንእስራኤል ደው ከብላ ይኽእልዶ?

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብቕጽበት ደው ከተብል ክእዝዝ ትደሊ።

እንተዀነ እስራኤል ንኸምዚ ዝበለ ትእዛዝ ከም እትነጽጐን፡ ብኡኡ ከምዘይትቕየድን ክግመት ይከኣል እዩ።

ብመትከል ደረጃ፡ ዝወሃብ ትእዛዝ ንኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ - እስራኤልን ደቡብ ኣፍሪቃን ዘለዋኦ - ቀያዲ ክኸውን እዩ ዝግባእ። ብግብሪ ግን ከምኡ ኣይኰነን።

ኣብ 2022፡ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ንዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ብቕጽበት ደው ከተብል ትእዛዝ ሂቡ ነይሩ እንተዀነ ተነጺጉ ተሪፉ።

መዓስ እዩ ውሳነ ክህሉ?

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ንሕቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ምርኩስ ገይሩ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከተቋርጽ ክውስንን ትእዛዝ ክህብን ይኽእል እዩ።

እዚ ብመትከል ደረጃ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ እዩ ተባሂሉ ክእወጅ ዝኽእል ክጠቕሞም ይኽእል እዩ።

እንተዀነ እስራኤል ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ዶ ኣይፈጸመትን ዝብል ናይ መወዳእታ ውሳነ ሓያለ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ስለምንታይ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ጉዳይ ኣልዒላቶ?

ደቡብ ኣፍሪቃ ንወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ኣብ ቓዛ ብትሪ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

ከምኡ’ውን ከም ፈራሚት ሰነድ ምጽናት ዓሌት ሕቡራት ሃገራት 1948፡ ነዚ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ንኽትወስዶ ግዴታ ከምዘለዋ እያ ትገልጽ።

መንግስትነት ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ኤ-ኤን-ሲ)፡ ምስ ጉዳይ ፍልስጤም ነዊሕ ታሪኽ ምትሕግጋዝ ኣለዎ።

ኤ-ኤን-ሲ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 1994 ዲሞክራሲያዊ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ኣንጻር ኣፓርታይድ- ብውሑዳት ጸዓዱ ኣብ ልዕሊ ዝበዝሑ ጸለምቲ እታ ሃገር ዝትግበር ዝነበረ ፖሊሲ ዓሌታዊ ምፍልላይን ኣድልዎን - ዝገበሮ ቃልሲ ብምንጽጻር እዩ ዝርእዮ።

እታ ሃገር፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ብምኹናን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ጸዊዓ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ንመራሕቲ ኣይሁድ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ "ነቲ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ኣፓርታይድ ዝመሳሰል ኣረሜናዊ ጐበጣ ንዝተጻወረ ህዝቢ ፍልስጤም ይድግፍ” ክብል ኣፍሊጡ እዩ።

እዚ ዛንታ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩሉ ኣሎ።