ኢትዮጵያ፡ ዑደት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣዘርባዣን ብዛዕባ እንታይ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, EBC
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሓሙስ 27 ለካቲት ናብ ኣዘርባጃን ከም ዝገሸ ማዕከናት ዜና ክልተአን ሃገራት ገሊጸን።
ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኣዘርባዣን ሰሚር ሸሪፎቭን ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ያልቺን ራፍያቭን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሄይዳር ኣሊየቭ ተቐቢሎሞ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር ንኽንደይ መዓልታት ከም ዝጸንሕ ኣይተፈልጠን። ኣብ ምንታይ ጉዳያት ከም ዝዛራረብ'ውን ኣቐዲሙ ዝወጽአ ሓበሬታ የሎን።
ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ርክብ ክልተአን ሃገራት እናሓየለ ምምጽኡ መርኣያ ዲፕሎማስያዊ ርክበን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ዑደት ቀዳማይ ምኒስተር ዓቢይን ልእኹን ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣዘርባዣንን ንዝጸንሐ ርክብ ዝያዳ ክብ ከብሎ ትጽቢት ከም ዝግበር ወሲኹ ገሊጹ።
ዕላማ ዑደት ኣቢይ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, PMO
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዕደቱ ምስ ፕረዚደንት ኢልሃም ኣሊየቭ ተራኺቡ ክዘራረብን ርክብ ክልተአን ሃገራት ዝያዳ ንምጥንኻር ዝዓለመን ምዃን ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቅድሚ ምስ ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ምርኻቡ፡ ኣብ ባኩ ኣብ ዝርከብ 'ሓወልቲ ሓበንን ዓወትን' ሕቋፍ ዕንባባ ኣንቢሩ።
ንዕላማ መገሻ ኣቢይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ርክባት ግን ዝህቦ ኣመት ኣለዎ።
እዚ ዑደት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ኣብ ዘለወሉ፣ ከምኡ'ውን ምስ ሓይልታት ትግራይ ኮነ ኤርትራ ወጥሪ ዓሲልሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣን፡ ክልቲአን ሃገራት ብ1992 ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከም ዝመስረታ ይሕብር።
እቲ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንርክብ ክልተአን ሃገራት ዝከታተል ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2017 ኣትሒዙ ግን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባዣን ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ከፊታ።
ቅድሚ ሕጂ ፕረዚደንትን ሰበስልጣን ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ዑደት ኣካዪዶም ነይሮም።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፕረዚደንት ኢልሃም ኣሊየቭ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናብ ባኩ ተጓዒዙ ተዘራሪቡ ነይሩ።
ኣብ መጋቢት 2025 ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣዘርባዣን ኤልቺን ኣሚርባየቭ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምግባር፡ ኣብ ወፍርን ካልኦት ጉዳያትን ተመያዪጦም።
እታ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ንግዲ፡ ትምህርቲ፡ ዕደና፡ ማኑፋክቸሪን፡ ቱሪዝምን ሕርሻን ዘለዋ ርክብ ከተጠናኽር ከም እትደሊ ይግለጽ።
ኣብ ሕዳር 2025 ሰበስልጣን ሓይልታት ምክልኻል ኣዘርባዣን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምጓዓዝ ኣብ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ከም ዝዘተዩ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን፡ ክልተአን ሃገራት "ወተሃደራዊ ምትሕብባር፡" ንምክያድ ከም ዝተሰማምዓ ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓይሻ መሓመድ ሙሳ ገሊጻ ነይራ።
እቲ ስምምዕ፡ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምድልዳል ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣዘርባዣን ኣብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ዘለዋ ፍልጠት ንምክፋል ድልውቲ ምዃና ምግላጻ ይዝከር። እንተዀነ፡ ዝርዝር ናይቲ ስምምዓት ኣይተገልጸን።
ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ሃገሩ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ንምሕያል ኣተኵሮ ትገብር ከም ዘላ ብምግላጽ፡ "ካብ ሪፓብሊክ ኣዘርባዣን ኣብ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ፡ ኢንዱስትሪያዊ ሓይልን ተዛመድቲ ጉዳያትን ተመኵሮ ንምቕሳም ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።
ኣዘርባዣን ምስ ከም ብዓል ሶማልያን ጅቡትን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ እውን ዝምድና ኣለዋ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን፡ ኤርትራ ነተን መራኽብን ምስአን ዝነበሩ 18 ዜጋታት ኣዘርባዣንን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒላቶም ምንባራ ይዝከር።
ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ድማ እቶም ሰባት ተፈቲሖም ናብ ዓዶም ተሰዲዶም።
እተን መራኽብ ኣጽዋር ኢትዮጵያ ሒዘን ምንባረን ዝግለጽ እኳ እንተዀነ፡ ቢቢሲ ግን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, FDRE DEFENSE
ብዛዕባ ኣዘርባዣን ብሓጺሩ
ኣዘርባዣን ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ኰይና፡ ምስ ሩስያ፡ ጆርጅያ፡ ኣርመንያ፡ ቱርኪን ኢራንን ትዳወብ።
እዛ "መሬት ሓዊ" ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ጥሉል እሳተ-ጐመራ ኣብታ ሃገር ይርከብ።
ኣዘርባዣን ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት እያ። ምዅዓት ነዳዲ ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ንፈለማ እዋን ኣብዛ ሃገር እዩ ጀሚሩ።
ኣብ ባኩ ዝርከብ ምዕቡል ስነህንጻ ድማ በጻሕቲ ዝስሕብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ናብ ዞባዊት ሓያል ሃገር ክትሰጋገር በቒዓ። ኣብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ብዘርኣየቶ ገስገስ ድማ ብፍርያትን መሻጣታትን ኣጽዋር እናተፈልጠት መጺኣ።
ይዅን'ምበር፡ ድኽነትን ብልሽውናን ካብቶም ዝብድሁዋ ዘለዉ ጸገማታ እዮም።
እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ምምሕዳር፡ ተቓወምቲ ውድባት ብምድኻምን ምጭፍላቕን፡ ከምኡ'ውን ንመራኸቢ ብዙሓን ብጽኑዕ ብምቍጽጻሩ ይንቀፍ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



