ኣደ እትጾሮ፡ ጥዕና ክልተ ደቃ ከተናዲ ዝተሰደደት ኤርትራዊት

ጁምዓ ምስ ወዳ
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ጁምዓ፡ ካብ ቃላት ንላዕሊ ዓው ኢሉ ዝዛረብ ህዱእ ጸጋ ናብ ዝዓሰላ ንእሽቶ ገዛኣ መሪሓትና ክትኣቱ እንከላ ኣብ ደቃ ዝርኣናዮ ስምዒት ንሓይላ ዝነግር ነበረ።

እቲ ዝነኣሰ ወዳ - መሓመድ - ነታ ስንፍ ዝበለት ስንክልቲ ጸጋመይቲ ኢዱ ብሓይሊ ብየማነይቱ ደጊፉ እናልዓለ ኣብ ሕቝፋ ከመይ ከም ዘዕርፋ ለሚድዎ እዩ - ጥምጥም በላ።

እቲ ድሮ 10 ዓመት ኰይንዎ ዘሎ፡ ዘረባን ምንቅስቓስን ዝጽገም ምሉእ ብምሉእ ሓገዝን ኣልያን ኣደኡ ዝጽበ ምዕባዩ ሙባረክ ድማ ኣብታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራቱ ኰይኑ ሓጐሱ ነቲ ክፍሊ - ብቛንቋኡ - መልኦ፤ እቲ ኣደኡ ጥራይ እትርድኦ ዓገግ ዝብል ድምጺ፡ ልኡም ምንቅስቓስ ኣዕይንቲ - ኣብቲ ደቂስሉ ዝነበረ ሳሎን ኰይኑ ህላወኣ ከረጋግጽ ናብ ዝኸደቶ ምስኣ ይንቀሳቐስ።

ጁምዓ ዓሊ፡ ካብ ኤርትራ ዝተሰደት ከም ብዙሓት ናብራኣ ንምቕያርን ዝሓሸ ዕድል ንምድላይን ዘይኰነስ፡ ጥዕና ደቃ ንምድላይ'ዩ።

ክልተ ደቃ ምስ ስንክልና ይነብሩ፣ እቲ ሓደ ጸጋመይቲ ኢዱ ለሚሳ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ዓራት እዩ - ክዛረብን ክንቀሳቐስን ኣይክእል።

ስድራኣን ክልተ ዝዓበዩ ደቃን ንድሕሪት ገዲፋ ዶብ ሃገራትን ሰጊራ ኣብ ካምፓላ - ኡጋንዳ ሓድሽ ህይወት ክትጅምር ከላ፡ ክግመት ዘጸግም ጾርን ሓላፍነትን፣ ውሑዳት ዝውንንዎ ጽንዓትን ውሳነን ተሰኪማ እያ።

ኣብ ካምፓላ መዓልቲታታ ኣብ መንጎ ምብጻሕ ሆስፒታል፡ ክንክን ቈልዑ ኣብ ገዛን መዓልታዊ ሽቕለታን ይምቀል።

ኣብ ምሕጻብ ክዳውንቲ ትሰርሕ፣ ንገዛእ ደቃ ንምድጋፍ ክዳውንቲ ካልኦት ትሓጽብ፣ ብተፈጥሮኣ ግን ፍሉይ ምቕሉልነትን ናይ ኣደ ጽንዓትን ዝተዓደለት እያ - ምስዚ ዅሉ ጾር ግን ምምራር ትኣቢ፣ "ኣየማርርን እየ!"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብቐሊሉ ዝፍርሻሕ ሰሓቓ፡ ፍሕሹው ገጻን ምዉቕ ዘረባኣን ኣቀራርባኣን ርኢኻ ንዝተሰከመቶ ክትግምት'ውን ኣይከኣልን፤ ነፍሲ ወከፍ ዘረባ ብዓሚቝ ምስጋና ዝተሰነየ እዩ - "ኣልሓምዱሊላህ" ትብል - ምስጋና ንኣምላኽ ይዅን።

እዚ ግን ንጸገምካ ምኽሓድ ዘይኰነስ፡ ጽንዓት ንምርግጋጽ እዩ፤ ጥዕና ምስኣን ውሉዳት፡ ስደት፡ ሕጽረት ዓቕሚ - ንዅሉ ክእኢልካ ድማ መስዋእቲ ምኽፋል ዝልለ ህይወት ጁምዓ፡ ታሪኻ ሓንቲ ንስለ ደቃ ጸኒዓ ከቢድ ዋጋ እትኸፍል ኣደ እውን እዩ።

"ዓለመይ ደቀይ እዮም!" ብምባል ኣብ ዕላማኣን ናይ ኣደነት ተራኣን ሓላፍነታን ጸኒዓ ዕጫኣ ተቐቢላ ክትስዕሮ ጥራይ ትቃለስ።

ጁምዓ ንዅነታት ሙባረክ ወዳ ከተረድእ እንከላ፡ ኣብ ግዜ ሕርሲ ብዘጋጠመ ጸገም - "ቫኩም ደሊቨሪ" ምዃኑ እያ ትገልጽ። እዚ ማለት ድማ ብመሰረት ሓካይም ዝሃቡዋ ሓበሬታ ክትሓርስ እንከላ ሕጽረት ኦክሲጅን ኣጋጢምዎ ማለት እዩ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ኣብ ዓንዲ ሕቘኡን መሰረታዊ ጸገም ከጋጥሞ እንከሎ፣ ካልኦት ተወሰኽቲ ሕማማት'ውን ኣለውዎ።

እታ ካልኣይ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ግዜ ሕርሲ ብዘጋጠመ ጸገም እታ ጸጋመይቲ ኢዱ ለሚሳ፣ ኣይትሰርሕን እያ።

እታ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኤርትራ ተቐዳዳሚት ብሽክልታ ዝነበረት ጁምዓ ዓሊ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ - ዕባይ ደበዚቶ እያ።

እቲ ግዜ ምውላዱ ጥዕና ዘይረኸበ ሙባረክ፡ "ኣይዛረብን እዩ፣ ሓፍ ኣይብል ኮፍ ኣይብል፣ ክበልዕ'ውን ኣይክእል እዩ ብናተይ ሓገዝ እዩ ዝንቀሳቐስ፡" እያ ትብል።

ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናታት ፈቲና ምዃን ከም ዝኣበያ ድማ ተዕልል።

"ንዕኡ ሒዘና ኣብ ኣስመራ ሕክምናን ፊዝዮቴራፕን ንከታተል ነይርና። ካብኡ ቀጺልና ናብ ቸሻየር ክሊኒክ ጐዳይፍ ሕክምና ንከታተል ነይርና፣ እዚ ኵሉ ክኸውን ኣይከኣለን፡" ኢላትና።

እቲ ጸገም ምስ ዓንዲ ሕቈ ዝተኣሳሰር ምዃኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ብሓይሊ እናተዳህየ ዓይኒ ዓይኒ ኣደኡ ዝጥምት ዝነበረ ሙባረክ፡ ኵነታቱ ርኢኻ ክፍለጥ'ውን ይከኣል እዩ።

ኣብቲ ተከታተሎ ዝነበረት ሕክምና፡ "ዓንዲ ሕቘኡ ከርቭ [ጉብጥ ዝበለት] ኰይና ስለ ዘላ፡ ዓቕሚ እንተለኪ ንዝለዓለ ሕክምና ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ ተባሂለ፡" ትብል፡ ብዘይካ'ዚ፡ "ሙባረክ ኢፒለፕሲ [ዘውድቕ ሕማም] ስለ ዘለዎ ድማ ኣብቲ ዝከታተለሉ ዝነበርኩ ሕክምና ንዶ/ር ዘሚኪኤል ኣማኺረዮ፡" ብምባል ቅድሚ ናይ መወዳእታ ውሳነኣ ዝሓለፈቶ መስርሕ ተዕልል።

ጁምዓ ምስ ወዳ

እዚ እናዀነ ግን፡ እቲ እዋን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ ተኸፊቱሉ ዝነበረ ስለ ዝዀነ፡ "ኣብቲ እዋን ድማ ኣጋጣሚ ጀርመናውያን ሓካይም ናብ ዓይደር ሆስፒታል መቐለ ይመጽኡ ከም ዘለዉ ሰሚዐ፡" ኢላ ናብ ትግራይ ክትሰግር ወሲና።

ናብ መቐለ እምበር ናብ ወጻኢ ሃገር ዓቕሚ ስለ ዘይብላ ድማ፡ ናብ መቐለ ወሲና፤ እንተዀነ ኣብ ከምዚ ኵነታት እንከለና ድማ እቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶብ ስለ ዝተዓጽወ ንኽልቲኦም ደቃ ሒዛ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደት ተዘንቱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን እንተዀነ፡ "ሙባረክ ኢፒለፕሲ ስለ ዝበርትዖ ተጸጊምና፣ ሽዑ ሓደ ዶ/ር በረኸት ዝበሃል ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዝነበረ ናይ ካንሰር ክኢላ ኤርትራዊ ነይሩ፣ ንብዙሓት ዝሕግዝ ስለ ዝነበረ... ንዓይ'ውን ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸሐክሞ ዝሕግዘኒ ምሉእ ናይ ሕክምና ቦርድ ተዋሂበ ነይረ፡"

እናበለት፡ ኣብ መንጎ ዕላልና ናፍቘት ናይታ ገና ዘይጸገቡዋ ኣላዪት ኣደኦም ክዕንገሉ ደቃ እናተበራረዩ ይደልዩዋ። በብናቶም ኣቢዳ ወግዓ ቀጸለት፤ "ነዚኣ ሒዝኪ ወይ ንጥልያን ወይ ንጀርመን ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ ኢሎምኒ፣ ካብኡ ንላዕሊ ግን ክቕጽል ኣይከኣልኩን።"

ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ከም ስደተኛ ስለ ዘይተመዝገበት እውን፡ ብመንገዲ ትካላት ስደተኛታት ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣይነበረን።

በዚ መንገዲ ሓገዝ እንተ ረኸበት ድማ ናብታ ከም ስደተኛ ክትምዝገብ እትኽእለላ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብምቕባል ስደተኛታት ዝተፈልጠት ሃገረ ኡጋንዳ ኣምሪሐ - ናብራኣ ኣብ ካምፓላ ከም ሓድሽ ጀመረት።

"ኣብዚ'ውን ናይ ኸጠል ኸይራ [ገበርቲ ጽቡቕ] ማሕበረኮም ሙስሊም፡ ከምኡ'ውን ማሕበራት ኦርቶዶክስ ኪዳነምሕረት ክገብርዎ ዝኽእሉ ሓገዛት ገይሮምለይ፡" ብምባል በቲ ከመስግን ዘይርብርብ ኣንደበታ ንዅሉ ተመስግን።

"ኢስላሚክ ኮሙኒቲ ድማ - ብወኪል ኣይዳ መሓመድሓጐስ - ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ጐድነይ ኰይኖም ናይ ዊልቸር ይዅን ካልእ ደገፋት ገይሮምለይ፣ ኣብ ርእሲ'ዚ ማሕበራት መተዓብይቲ ደቦዚቶ፡ ገዛ ከንሻ፡ ኣርባዕተ-ኣስመራ ክሳብ ኢምግረይሽን ዝዓበኹሉ ከባቢታት..." ሓጊዞምኒ እዮም ኢላ ንዅሎም ዘርዚራ።

እዚ እናዀነ ግን ጁምዓ ተጸባይት ኰይና ስቕ ኣይበለትን፡ ነቲ ብዅሉ ሸነኻቱ ከቢድ ህይወት ካምፓላ ንምስዓር ላዕልን ታሕትን ክትብል ጀሚራ።

ፈለማ ኣብ ገዛ ኰይና ክዳውንቲ ናይ ሰብ ብምሕጻብ እያ ዕዮ ሕጽቦ ጀሚራቶ። ፈለጥታን ሰናይ ክገብሩ ዝነቐሉን ሰብ ኬር ድማ ሓጊዞምዋ ንእሽቶ ትካል ላውንድሪ ከፊታ።

ብኸምዚ ብዝተወሰነ ደረጃ ንናብራኣ እናሸፈነት ድማ ንደቃ ትኣሊ።

ብዙሓት ብዙሕ ጸገም ዘለወን ሰባት ዘይዛረባ ከም ዘለዋ፡ ክዛረባ ዘይከኣላ - ሰባት ምህላወን ትዛረብ። "ኣነ ክዛረብ ... ክወጽእ ዕድል ስለ ዝረኸብኩ ንበይነይ ሓገዝ ክረክብ ኣይደልን፡" ትብል።

ጁምዓ

ኵልና እተን ተመሳሳሊ ጸገማት ቈልዑ ዘለና ኣደታት ብሓባር ሓገዝ ክንረክብ እየ ዝደሊ እትብል ጁምዓ "ንኸምኡ እየ ድማ ዝጽውዕ፤ ክሓቱኒ ክመጽኡ ከለዉ ብዛዕባ ኵልና እየ ዝዛረብ" ትውስኽ።

ኣብ ርእሲ ጾር ናብራ ስደት፡ ዝተፈላለየ ጸገማት ቈልዑ ዘለወን፡ ንናብራን ሕክምና ዝሽገራ፡ ወጺአን ድማ ንኽዛረባ ምትእምማን ዝስእና - ኵነታተን ዘሰክፈን ብዙሓት ኣደታት ከም ዘለዋ'ውን ተዘኻኽር።

ኵነታት ጥዕና ሙባረክ ወዳ ግን ዛጊት ብዙሕ ለውጢ ከም ዘይብሉ እያ ትገልጽ።

ፍሉይ ኵነታት ዘለዎም 'ስፐሻል ኪድስ' ዝበሃሉ ቈልዑ ዘለውዎ ሕክምና ከይዱ ፊዝዮተራፒ ይገብር ነይሩ፤ ንግሆ ከይዱ ምሸት ይምልስ ነይሩ። ደሓር ግን ናብ ካልእ ቦታ ቀይሮም እቲ ወርሓዊ ክፍሊት ልዕሊ ዓቕማ ስለ ዝዀነ ኣይቀጸለን።

መሓመድ ይመሃር እዩ፣ "ንሕክምና ኢዱ ፕላስቲክ ሰርጀሪ ክግበረሉ ከም ዝከኣል እዮም ሓካይም ዝሕብሩ፡" ኣብ ርእሲኡ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ኣሎ። እቲ ካብ ዓራቱን ኣብ ሳሎንን እናበራረየ ዝውዕል፡ መድሃኒትን ፓምፐርን ዘይፈሊ፡ ኣብ ገዛ እትኣሊ ሰራሕተኛ ወሲኽካ ዝእለ ስለ ዝዀነ ድማ ብዅሉ ዅሉ ናብራ ከም ዝጽግማን ትገልጽ።

እቲ ናይ ዓንዲ ሕቘ ሕክምና ገና ከም ዘይተጸንቀቐ እውን ኣዕሊላትና። ኵሉ ግን ምስ ዓቕሚ ገንዘብ፡ ርክባትን ተገዲሱ ዝከታተልን ዘሳልጥን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ክንርዳእ ክኢልና። "ሕክምና ዝህቡ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ምርካብ" ድማ እቲ ኻልእ ኣማራጺ እዩ።

እቲ ዘጸግማ ግን ሕጂ፡ ሙባረክ ምስቲ ኵሉ ዘለዎ ጸገም እቲ ዝኸፍአ ሕማም ኢፒለፕሲ ዘለዎ ምዃኑ'ውን እዩ፤ "ናብቲ ብኤርትራውያን ሓካይም ዝውንነ ትካላት ሕክምና ዙምን ዙላን እየ ዝኸይድ፤ ጽቡቕ ምትሕብባር እዮም ዝገብሩለይ፡" ኢላ ነቲ ዝወሃብ ሕክምና ምስጋና ሓዊሳ ተረድእ፤ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣብ ዝዀነሉ ግን ናብ ዝለዓለ ሕክምና ምኻድ ግድነት ዝዀነሉ ሰዓታት ኣሎ።

"ከምቲ ንቡር እንፈልጦ ኤፒለፕሲ ኣይኰነን፡ ነዊሕ ሰዓታት እዩ ዝጸንሕ፣ ክሳብ ሰለስተ ሰዓትን ልዕሊኡን... ኣብ ርእሲኡ ክሳብ ደም የምስል... ዝበዝሕ ዝሓመሉ እዋን ድማ ኣብ ለይቲ እዩ፡" ሰባት ርድኡኒ ኢልካ መኪና ጸዊዕካ ሕክምና ምውሳድ ዘሎ ሽግር ክትገልጽ እንከላ ድማ እታ ዘይትጸዓ ኣደ ንብዓት እዩ ቀዲሙዋ።

ዕድመ እናወሰኸ ክብደት ሰብነቱ እናኸበደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ድማ ኣብ ርእሲ'ቲ ካልእ ኵሉ ይኸብድ።

ነቲ ዝሃበካ "ኣልሓምዱሊላህ ኢልካ እንተዘይተቐቢልካዮ ግን ጐይታ ምጽዳፍ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ - ኣልሓምዱሊላህ!"