ኣምባሳደር ቲቦር ናጂን ኤርትራን እንታይ'ዩ ኣራኺቡዎም?

ቲቦር ናጂ ሰመያዊ ባድላ፡ ጻዕዳ ካምቻን ቀይሕ ካራቫታን ገይሩ እናሰሓቐ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መግለጺ ስእሊ, ቲቦር ናጂ
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ መንግታዊ ጽፍሒ ኣመሪካ ዝሰርሐ ቲቦር ናጂ ብ20 ለካቲት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል ብሽሙ ኣብ ዝወጽአ ዓንቀጽ ኣብ ዝምልከት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን መልሲ ሂቡሉ።

እቲ ኤምባሲ ሓሙስ 26 ለካቲት "ቲቦር ናጂ፡ ወትሩ ኣንጻር ኤርትራ ዝሰርሕ ፖለቲከኛ፡" ብዝብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣመሪካዊ ብትሪ ነቂፉ።

ቲቦር ናጂ "ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምስቲ ቀንዲ ጠንቅታትን ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ዝጋጮ ወገናውን ትዕቢተኛን ግምታት ንምሽፋን ንኤርትራ ንምንእኣስ" ከም ዝጸሓፈ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ "ኣብዚ ቅንያት እዚ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝገብሮ ዘሎ ውዕዉዕ ድፍኢት፤ ኣብ ኵነታት ሱዳን ዘለዎ ኣሉታዊ መርገጺታት ንመርገጺ ዘርእዩ ተወሰኽቲ መርመማት'ዮም" ይብል።

እስራኤል ኣብ መወዳእታ 2025 ነታ ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ካብ ብዙሓት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ውድባትን ከቢድ ኵነኔ ኣስዒቡላ'ዩ።

ኣቐድም ኣቢላ'ውን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዘኽእላ ምስ ሶማሊሊላንድ ምፍርራማ ዝተቖጠዐት ሶማልያ ክሳብ ኤምባሲኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ትስሕብን ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ትሰጕግን ኰይና'ያ።

እቲ ሰለስተ ዓመት ዝደፍን ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ዝምልከት'ውን ንሰራዊት ሱዳን - ስዑድ ዓረብን ግብጽን፡ ንሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ከኣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝድግፋኦም'ዩ ዝግለጽ። ክልቲኤን ሃገራት ግን ነዚ ዝቐርበለን ክስታት ይነጽገኦ'የን።

ኣመሪካ ከኣ ምስ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጥቡቕ ርክብ ስለዘለዋ፡ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ብመንግዲ ክልቲኤን ሃገራት ዘይቀጥታዊ ምትእትታው ትገብር ምህላዋ ተንተንቲ ይገልጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቲቦር ናጂ ኣብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ርሱን ኲናት ዝነበራሉ እዋን ካብ 1999 ክሳብ 2002 ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቲቦር ናጂ ኢትዮጵያ፡ በቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውዕል ኣልጀርስ ንኸይትቅየድን ንልዑላዊ መሬት ብምሓዝ ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተውሃበ ብይን ንኽትጥሕስን ይድግፋ ከም ዝነበረ'ዩ ዝኸስስ።

ኣመሪካ ሓንቲ ካብተን ኣውሓስቲ ውዕል ኣልጀርስ ምንባራ ብምዝኽኻር ከኣ፡ ቲቦር ናጂ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ ንቀንዲ ሱር ምስሕሓብ ክልቲኤን ሃገራት ዝዀነትን ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ዝተፈርደት ባድመ ትርከቦ ንልዑላዊ መሬት ኤርትራ ሒዛትሉ ኣብ ዝነበረት፡ ንተግባር ኢትዮጵያ ንምሽፋን ይሰርሕ ከም ዝነበረ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።

ናጂ፡ ክሳብ 2018 ኣብ ኤርትራ 'ስርዓት ብምቕያር' ይሰርሕ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ብይንን ውዕልን ድሕሪ 16 ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ዶብን ምቕባሉ ዝሃቦ ናእዳ ነቲ ዝተኸሰረ 16 ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ዘይምንባሩ ጠቒሱ።

ኣምባሳደር ቲቦር፡ ቀንዲ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ ካብ 27 ሕዳር ክሳብ 8 ታሕሳስ 2018 ናብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ጀርመንን ኤርትራን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።

ኣብቲ ናብ ኤርትራ ዝኸደሉ እዋን ከኣ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ርክባት ኣመሪካን ኤርትራን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዝነበረ ሰላም ኣመልኪቱ ምዝታዩ ምኒስተር ጉዳያት ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ እዋን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ነቲ ቲቦር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል፡ ኤርትራ ቅድሚ ኣብ 1993 ነጻ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመታት ኣካል ኢትዮጵያ'ያ ነይራ ምባሉ'ውን ንታሪኽ እዚ ዞባ ካብ ዘይምፍላጥን ኮነ ኢልካ ዝተባህለን ምዃኑ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ኣብሪሁ።

እቲ ኤምባሲ ነዚ ከብርህ እንከሎ ኸኣ፡ ኤርትራ ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን፡ እቲ ምዕራባውን ምብራቓውን መታሕታት ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ [ኦቶማን ኢምፓየርን ካልኦትን] ይግዛእ ከምዝነበረን፡ ኣብ ዝተፈለለየ ክፋላት ከኣ ደቀባት ነንኸባቢኦም የመሓድሩ ምንባሮም ይገልጽ።

ኤርትራ ብሓያሊ ብኢትዮጵያ ኣብ ዝተጎበጠትሉ "ብቃላት ቲቦር ናጂ ካብ 1951 ክሳብ 1991 ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ'የን ነይረን" እዩ ዝብል ድሕሪ ምባል፡ ንኤርትራ ምንኣሳ ንምግላጽ ክንዲ ፔንሲልቨንያ'ያ ትኸውን ንዘበሎ ከኣ "ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኣህዛብ ምስ ጂኦግራፍያዊ ስፍሓት መሬት ዝዀነ ይዅን ምትእስሳር የብሉን" ዝብል መልሲ ሂብሉ።

ቲቦር፡ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምንኣድ "ንርእሱ ከም መሲሓዊ መራሒ ኣብ ምድሪ ዕዮ ኣምላኽ ዝሰርሕ ውፉይ ወንጌላዊ ክርስትያን እዩ" ዝብል ቃላት ምጥቃሙ ከኣ "ፍጹም ሓሶትን ዘስሕቕን ኰይኑ፡ ንገለ ትካላት ኣመሪካ ንምስሓብ ዝተሃንጸ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብዓቢኡ ቲቦር ናጂ ዝዀነ ስነ ምግባር ዘይብሉ ሎቢስት [ተኸፊሉ ንስርዓታትን ንውልቀሰባትን ዘቈናጁ] ምዃኑ'ዩ ተቓሊዑ" ይብል።

ንኢትዮጵያ፡ እታ ካልኣይቲ ክርስትያን ዝተቐበለት ሃገር ምዃን ምግላጹ ከኣ እቲ ኤማባሲ፡ እምነታት ክርስትናን እስልምናን ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ብኤርትራ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተወ ሞጒቱ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንገተን ኣብ መወዳእታ፡ " ዕላማኡ ካብቲ ሱር ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ጸገም ማለት ስርዓት ኢትዮጵያ ነቲ ልዑላዊ ግዝኣቱ ብምውራር "ልዑላዊ ተበጻሕነት ናብ ባሕሪ" ዝብሎ ንምስጓም ዝገብሮ ዘሎ ድልየትን ዘሕዝንን ኣጀንዳ ኲናትን ግጭትን ንምስሓብ'ዩ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ "እዚ ሓደገኛ ተግባር ብኻልእ ስሕተት ምስምስን ትረኻታትን ክምኽነ ኣይክእልን እዩ። ቲቦር ናጂ ኣብ ትሕቲ ምልከትን ጻውዒትን ፋይናንሳዊ መወልቱ ስለዘሎ፡ ነዚ ከቕርብ ኣብ ዝኽእል ኵነታት ከምዘየለ ርዱእ እዩ" ብምባል ኵሉ እቲ ዝበሎ ቃና ናይቶም ልኣኽቱ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ንጽሑፍ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኤክስ ምስ ኣካፈሎ፡ ቲቦር ናጂ ንጽሑፍ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ብምክፋል ኣብ ልዕሊኡ "ብዛዕባ ጭካነ ስርዓቱ፡ ቍጠባዊ ዘይብቕዓት፡ ወይ ዲሞክራሲ ዘይምህላዉ " ኣብ ቅድመይ ክከራኸር ኣይክእልን'ዩ ብምባል ነቲ ምኒስተር ዜና 'Minister of (Dis)Information' ኢሉ ገሊጽዎ።

ቲቦር ናጂ፡ ንልዕሊ 32 ዓመታት ኣብ ጽፍሒ መንግስታዊ ስርሓት ዝዓየየ ኰይኑ ካብዚ እቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ እዩ።

ካብ 1999 ክሳብ 2002 ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ 1996-1999 ኣምባሳደር ኣብ ጊኒ፣ 1993-1995 ምክትል ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ናይጀርያ፣1990-1993 ኣብ ካሜሮን፣ 1987-1990 ካብ ቶጎ ከምኡ ከኣ ኣብ ዛምብያ፡ ሲሸልስን'ውን ሰሪሑ።

ጥሮታ ድሕሪ ምውጽኡ ኸኣ ካብ 2003-2018 ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ከም ላዕለዋይ መምህር ኰይኑ ሰሪሑ፣ ብተወሳኺ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል ኣበርካቲ ጽሑፋት'ዩ።

ቲቦር ናጂ ኣብ 1957 ካብ ሃንጋሪ ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ ስደተኛ እዩ።