ኣምባሳደር ቲቦር ናጂን ኤርትራን እንታይ እዩ ኣራኺቡዎም?

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ጽፍሒ ኣመሪካ ዝሰርሐ ቲቦር ናጂ ብ20 ለካቲት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል 1170 ቃላት ብዘለዎ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይባራዕ ዝፍራሕ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታትን እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኵናትን ብዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓተታ ኣቕሪቡ።

ቲቦር ናጅ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ይመጽእ ምህላው፡ ኣብ ሞንጐ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን ከምኡ እውን ምስ ኤርትራ ኵናት ከይልዓል ከምዘስግእ። ሃገሩ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ንዝውላዕ ግጭት ደው ኣብ ምባል ልዑል እጃም ከምዝነበራ፤ እቲ ናይ ኖቬል ሽልማት ዝተቐበለ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ተቓወምቱ ከም ውለቀመላኽን ፈላሊዩ ዝገዝእ ፈታው ስልጣን ክገልጹዎ እንከለው ደገፍቱ ከኣ ቍጠባዊ ለውጢ ኣተኣታትዩ ብምባል ከምዝንእድዎ ጠቒሱ።

ንመራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝምልከት ከኣ፡ ንቓልሲ ንናጽነት መሪሑ እኳ እንተዐወተ፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ዝዀነ ምርጫ ኣካይዱ ዘይፈልጥ፡ ኣሳሪ፡ ኣሳቓዩ ወላ ነቶም ኣብ እዋን ቃልሲ ብጾቱ ዝነበሩ ዘህለቐ፣ ንኤርትራ ናብ ከም ሓንቲ ቤት ማእሰርቲ ዝቐየረ እዩ ክብል እዩ ገሊጹዎ።

ብድሕር'ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሓሙስ 26 ለካቲት፡ "ቲቦር ናጂ፡ ወትሩ ኣንጻር ኤርትራ ዝሰርሕ ፖለቲከኛ፡" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት መልሲ ሂቡሉ።

እቲ ጽሑፍ፡ ቲቦር ናጂ፡ "[ኣብ ጽሑፉ] ንኤርትራ ብምንቃፍን ወገናዊ ግምታት ብምቕራብን እቲ ልሙድ ሜላኡ ይጥቀም። እዚ ሕጂ ዝብሎ ዘሎ ከኣ ምስቲ ቀንዲ ምኽንያታትን ኣንፈትን ናይቲ ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዝሰማማዕ ኣይኰነን ይብል።

"እዚ ተሓጋጋዚ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ኣብ ኣፍሪቃ ጽኑዕ ዝዀነ ኣካዳሚያውን ትንተናውን መረጋገጺታት የብሉን። ብሕልፊ ድማ ውልቃዊ ጭውነትን ቅንዕናን ይጐድሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ኣረኣእያ ብሰንኪ ንኽጕስጕስ ዝኽፈሎን ዘይልሙድ ፖለቲካዊ መርበባትን ወገናዊ ዝገበሮ ይመስል።"

ወሲኹ፡ "ኣብዚ ቅንያት እዚ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝገብሮ ዘሎ ሓያል ድፍኢት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኵነታት ሱዳን ዘለዎ ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ንመርገጺኡ ዘርእዩ ተወሰኽቲ መርመማት'ዮም፡" ይብል።

እስራኤል ኣብ መወዳእታ 2025 ነታ ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ካብ ብዙሓት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ውድባትን ከቢድ ኵነነ ኣስዒቡላ'ዩ።

ኣቐድም ኣቢላ'ውን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዘኽእላ ምስ ሶማሊላንድ ምፍርራማ ዝተቘጠዐት ሶማልያ፡ ኤምባሲኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ስሒባን ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ሰጒጋን ነይራ እያ።

ቲቦር ናጂ ኣብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ርሱን ኲናት ዝነበራሉ እዋን ካብ 1999 ክሳዕ 2002 ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቲቦር ናጂ ኢትዮጵያ፡ በቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውዕል ኣልጀርስ ንኸይትቅየድን ንልዑላዊ መሬት ብምሓዝ ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ብይን ንኽትጥሕስን ይድግፋ ከም ዝነበረ'ዩ ዝኸስስ።

ኣመሪካ ሓንቲ ካብተን ኣውሓስቲ ውዕል ኣልጀርስ ምንባራ ብምዝኽኻር፡ ቲቦር ናጂ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ ንቐንዲ ሱር ምስሕሓብ ክልተአን ሃገራት ዝዀነትን ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ዝተፈርደትን ባድመ ትርከቦ ንልዑላዊ መሬት ኤርትራ ሒዛትሉ ኣብ ዝነበረት፡ ንተግባር ኢትዮጵያ ንምሽፋን ይሰርሕ ከም ዝነበረ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።

ናጂ፡ ክሳዕ 2018 ኣብ ኤርትራ 'ስርዓት ብምቕያር' ይሰርሕ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ብይንን ውዕልን ድሕሪ 16 ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ዶብን ምቕባሉ ዝሃቦ ናእዳ፡ ነቲ ዝተኸሰረ 16 ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ዘይምንባሩ ጠቒሱ።

ኣምባሳደር ቲቦር ናጂ፡ ቀንዲ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ ካብ 27 ሕዳር ክሳዕ 8 ታሕሳስ 2018 ናብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ጀርመንን ኤርትራን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።

ኣብቲ ናብ ኤርትራ ዝኸደሉ እዋን ከኣ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ርክባት ኣመሪካን ኤርትራን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዝነበረ ሰላም ኣመልኪቱ ምዝታዩ ምኒስተር ጉዳያት ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ እዋን ገሊጹ ነይሩ።

ነቲ ቲቦር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል፡ ኤርትራ ቅድሚ ኣብ 1993 ነጻ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመታት ኣካል ኢትዮጵያ'ያ ነይራ ምባሉ'ውን ንታሪኽ እዚ ዞባ ካብ ዘይምፍላጥን ኮነ ኢልካ ዝተባህለን ምዃኑ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ኣብሪሁ።

እቲ ኤምባሲ ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ ኤርትራ ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን፡ እቲ ምዕራባውን ምብራቓውን መታሕታት ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ (ዑስማናውያንን ካልኦትን) ይግዛእ ከም ዝነበረን ኣብ ዝተፈለለየ ክፋላት ከኣ ደቀባት ነንኸባቢኦም የመሓድሩ ምንባሮምን ይገልጽ።

ኤርትራ ብኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣብ ዝተጐበጠትሉ፡ "ብቓላት ቲቦር ናጂ ካብ 1951 ክሳዕ 1991 ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ'የን ነይረን፡" እዩ ዝብል ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራ ንእሽቶ እያ ንምባል ክንዲ ፔንሲልቨንያ'ያ ትኸውን ንዘበሎ ከኣ፡ "ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኣህዛብ ምስ ጂኦግራፍያዊ ስፍሓት መሬት ዝዀነ ይዅን ምትእስሳር የብሉን፡" ክብል መልሲ ሂብሉ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መወዳእታ፡ "ዕላማኡ ካብቲ ሱር ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ጸገም፡ ማለት ስርዓት ኢትዮጵያ ነቲ ልዑላዊ ግዝኣቱ ብምውራር፡ "ልዑላዊ ተበጻሕነት ናብ ባሕሪ" ዝብሎ ንምስጓም ዝገብሮ ዘሎ ድልየትን ዘሕዝንን ኣጀንዳ ኲናትን ግጭትን ንምስሓብ'ዩ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ "እዚ ሓደገኛ ተግባር ብኻልእ ስሕተት፡ ምስምሳትን ትረኻታትን ክምኽነ ኣይክእልን እዩ። ቲቦር ናጂ ኣብ ትሕቲ ምልከትን ጻውዒትን ፋይናንሳዊ መወልቱ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ከቕርብ ኣብ ዝኽእል ኵነታት ከም ዘየሎ ርዱእ እዩ፡" ብምባል ኵሉ እቲ ዝበሎ ቃና ናይቶም ለኣኽቱ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ንጽሑፍ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኤክስ ምስ ኣካፈሎ፡ ቲቦር ናጂ ንጽሑፍ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ብምክፋል ኣብ ልዕሊኡ፡ "ብዛዕባ ጭካነ ስርዓቱ፡ ቍጠባዊ ዘይብቕዓት፡ ወይ ደሞክራሲ ዘይምህላዉ፡" ኣብ ቅድመይ ክከራኸር ኣይክእልን'ዩ ብምባል ነቲ ምኒስተር ዜና 'ምኒስተር መጋጋዪ ወይ ምጥምዛዝ ሓበሬታ' 9Minister of (Dis)Information) ክብል ገሊጹዎ።

ቲቦር ናጂ፡ ንልዕሊ 32 ዓመታት ኣብ ጽፍሒ መንግስታዊ ስርሓት ዝዓየየ ኰይኑ፡ ካብዚ እቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ እዩ።

ካብ 1999 ክሳዕ 2002 ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ 1996-1999 ኣምባሳደር ኣብ ጊኒ፣ 1993-1995 ምክትል ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ናይጀርያ፣1990-1993 ኣብ ካሜሮን፣ 1987-1990 ካብ ቶጎ ከምኡ ከኣ ኣብ ዛምብያ፡ ሲሸልስን'ውን ሰሪሑ።

ጥሮታ ድሕሪ ምውጽኡ ከኣ ካብ 2003-2018 ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ከም ላዕለዋይ መምህር ኰይኑ ሰሪሑ፣ ብተወሳኺ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል ኣበርካቲ ጽሑፋት'ዩ።

ቲቦር ናጂ ኣብ 1957 ካብ ሃንጋሪ ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ እዩ።