እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንጸት ፕሮግራም ኒዩክሌር ኢራን ኣብ ምንታይ ደረጃ'ዩ ዝርከብ፤ ብሓቂ ስግኣት ድዩ?
ፕሮግራም ኒዩክሌር ኢራን፡ ዳግም ኣብ ዓይኒ ኣመሪካ ኣትዩ ኣሎ። ኣመሪካ፡ ናብቲ ዞባ ናይ ውግእ መራኽብን ነፈተቲ ኣጸጊዓ እያ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ19 ለካቲት 2025፡ "ጭቡጥ ስምምዕ፡" እንተ ዘይተበጺሑ፡ "ሕማቕ ነገር ክፍጠር እዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ'ዩ።
ሎሚ ሓሙስ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስዊዘርላንድ ሳልሳይ ዙርያ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖምን እዚ ድማ ብፕረዚደንት ትራምፕ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ከትርፍ ከም ዝኽእልን ይግመት።
"ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህልዎም ኣይክእልን'ዩ፤ ኣዝዩ ቀሊል ጉዳይ'ዩ። . . ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተሃልይዎም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን'ዩ፡" ኢሉ።
ኢራን ብተደጋጋሚ ኒዩክለሳዊ ቦምባ ክህልዋ ከም ዘይትደሊ ገሊጻ እያ። ዓለማዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ግን ንቃል ኢራን ኣሚነን ክወስዳ ፍቓደኛታት ኣይኰናን።
ስለዚ፡ ፕሮግራም ኒዩክሌር ኢራን ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?
ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት (2025) ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ን12 መዓልታት ዝጸንሐ ኲናት ድሕሪ ምክያዱ፡ ኵነታት ኒዩክለሳዊ ፕሮግራም ኢራን ንጹር ኣይኰነን።
ኣመሪካ ኣብቲ ግጭት ንሓጺር እዋን ጣልቃ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ትካላት ኒዩክለር ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ።
እቶም ዒላማ ዝተገብረሎም መሳለጥያታት፡ ኣብ ኢስፍሃን ዝርከብ ኢንስቲትዩት ምርምር ኒዩክለር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ናታንዝን ፎርዶውን ዝርከብ ትካላት ምህብታም ዩራንየም እዮም።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ትራምፕ እቶም መሳለጥያታት "ካብ ጥቕሚ ወጻእ ኰይኖም፡" እዮም ኢሉ።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም መሳለጥያታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ'ኳ እንተዀነ "ምሉእ" ከም ዘይኰነን ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዳግማይ ምህብታም ክጅምር ከም ዝኽእልን ገሊጹ።
ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት፡ እስራኤል ዝሓለፈ ዓመት ብ13 ሰነ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን፡ ኢራን 440 ኪሎ ዝምዘን ዝተሃብተመን 60 ሚእታዊት ዕቝርን ዩራንየም ከም ዝነበራ ይገልጽ።
እዚ ድማ ካብቲ ንሓደ ኣጽዋር ንምፍራይ ዘድሊ ክፋል ጥራይ'ዩ።
ግሮሲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ መጠን ዝያዳ እንተ ሃብቲሙ፡ ዓሰርተ ኒዩክለሳዊ ቦምባታት ንምፍራይ እኹል ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ሕዳር፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ንዘ-ኢኮኖሚስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምህብታም ዩራንየም "ሕጂ ደው ኢሉ እዩ" ኢሉ።
"እወ፡ ነቲ መሳለጥያታት፡ ነተን ማሽናት ኣዕነኻየን...እቲ ቴክኖሎጂ ግን ክዓኑ ኣይክእልን፤ ቈራጽነትና ድማ ክትሃርሞ ኣይትኽእልን፡" ክብል ዝሓለፈ ወርሒ ንፎክስ ኒውስ ተዛሪቡ።
ግሮሲ ኣብ ጥሪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዓለማዊ ተቘጻጻሪ ኒዩክለር፡ ኣብ ኢራን ዘይተሃርመ 13 ኒዩክለሳዊ ቦታታት ክምርምር ከም ዝኸኣለ ገሊጹ። ሰለስተ ወሰንቲ ቦታታት ግን ክምርምር ኣይከኣለን።
እቲ ትካል ንመወዳእታ ግዜ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ'ዩ ኣብ ኢራን ኣዝዩ ዝተሃብተመ ዕቝር ዩራንየም መርሚሩ።
ብዛዕባ ኣቀማምጣን ኵነታትን እቲ መኽዘን፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኵነታት ናይተን ዩራንየም ዘማዕብላ ትካላት ርግጸኛ ኣይኰነን።
ኣብዚ ብኸመይ በጺሕና?
መንግስቲ ኢራን፡ ናይ ኒዩክሌር መደባቱ ንሰላማዊ ዕላማ ጥራይ ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እታ ሃገር ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ኒዩክለሳዊ ቴክኖሎጂ ንሕክምና፡ ሕርሻን ጸዓትን ጥራይ ንምጥቃም ዘፍቅድ ኰይኑ፡ ምምዕባል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝኽልክል እዩ።
ይዅን እምበር፡ ብኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ መርመራ፡ ኢራን ካብ መወዳእታ 1980ታት ክሳብ 2003 "ምስ ምምዕባል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝተኣሳሰር ዝተፈላለየ ንጥፈታት፡" ከም ዝተዋፈረት ኣረጋጊጹ።
እቲ ትካል፡ እቲ ብ'ኣማድ' ዝፍለጥ መደብ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከም ዝተቛረጸ ይገልጽ።
ይዅን እምበር ኣብ 2009 ምዕራባውያን ትካላት ስለያ፡ ህንጸት መሳለጥያ ፎርዶ ረኺቦም።
እቲ ትካል ኣብ 2015 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ኢራን ምስ ምምዕባል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝተኣሳሰር ርኡይ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ዘርኢ መርትዖ የለን፡" ኢሉ።
ኣብ 2015 ኢራን ምስ ሽዱሽተ ሓያላን ሃገራት ዓለም ስምምዕ ፈሪማ። በዚ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝግበሩ እገዳታት ሩፍታ ንምርካብ፡ ኣብ ልዕሊ ኒዩክለሳዊ ንጥፈታታ ጽኑዕ ገደብ ክትገብር ተሰማሚዓ።
እቲ ስምምዕ፡ ንፍርያት ኒዩክለሳዊ ሓይሊ ዝምችእ ብ3.67 ሚእታዊት ብምብልጻግ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፎርዶ ዝግበር ምብልጻግ ዩራንየም ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ደው ምባል ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 2018 ግን ፕረዚደንት ትራምፕ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምህናጽ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ደው ከተብሎ ከም ዘይከኣለት ብምግላጽ ካብቲ ስምምዕ ወጺኡ፤ ዳግማይ እገዳ ኣንቢሩ።
ኢራን ዩራንየም ብ60 ሚእታዊት ብምህብታም፡ ምዕቡል መሳርሒታት ምብልጻግ ዩራንየም ብምጥቃም፡ ከምኡ'ውን ንመሳለጥያ ፎርዶ ዳግማይ ብምጅማር መልሲ ሂባ።
ብ12 ሰነ 2025 ቦርድ ኣመሓደርቲ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኢራን ነቲ ስምምዕ ከም ዝጠሓሰቶ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ንጽባሒቱ ድማ እስራኤል መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዳ።
ሕጂ ኢራን ኣብቲ መሳለጢያታት ኒዩክሌር እንታይ ትገብር ኣላ?
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መሳለጥያታት ኒዩክሌር ናታንዝን እስፋሃንን ገለ ስራሕቲ ይካየድ ከም ዘሎ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ኣሳእል ይሕብሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኵሎም መእተዊታት ኣብ ኢስፍሃን ዝርከብ ህንጻ ታንለ ዝተዓጽው ይመስሉ።
ነቲ ምስልታት ዝገምገመ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ሳይንስን ኣህጉራዊ ድሕነትን (ISIS) ድማ፡ ሓድሽ ናሕሲ ከም ዝተሰርሐ ገሊጹ።
ኣብ መሳለጥያ ናታንዝ ናሕሲ ከም ዝተሰርሐ እውን እቶም ምስልታት የርእዩ።
ፈለማ እቲ ኢንስቲትዩት ዝተንተኖ ዳሕረዋይ ምስልታት ሳተላይት፡ ኢራን እምባ ኮላንግ ጋዝ ላ ኣብ ዝተባህለ ትሕተ-ምድራዊ መሳለጥያ ተሐይል ከም ዘላ ይሕብር።
እቲ ብእምባ ፒካክስ ዝፍለጥ ቦታ፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ይዅን ኣመሪካ'ውን ኣይተሃርመን። እዚ ካብ መሳለጥያ ኒዩክለር ናታንዝ ንደቡብ ክልተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ይርከብ።
ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ንኽትሃንጽ ክንደየናይ ግዜ ይወስደላ?
ኣጽዋር ንምስራሕ ዘኽእል ዝበልጸገ ዩራንየም ምፍራይ፡ ምስ ምህናጽ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝመሳሰል ኣይኰነን። ነዚ ንምግባር ተወሳኺ ቴክኒካዊ ስጕምትታት ይሓትት።
ኣብ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ገምጋም ትካል ስለያ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኢራን ቅድሚ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን "ምናልባት ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ" ንፈለማ እዋን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምፍራይ እኹል ጽሬት ዘለዎ ዩራንየም ከም ዘፍረየት ኣረጋጊጹ።
ይዅን እምበር፡ ኢራን ብደረጃ ኣጽዋር ዝሃብተመ ዓቕሚ ዩራንየም ከተማዕብል ትፍትን ድያ ዝብል ገምጋማት ይፈላለ እዩ።
ገምጋም ትካል ስለያ ምክልኻል ኣመሪካ ብተወሳኺ "ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ተፍሪ ከም ዘየላ ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ይዅን እምበር ኢራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከምኡ ክትገብር ዘኽእላ ንጥፈታት ኣካይዳ እያ፡" ክብል ደምዲሙ።
እንተዀነ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ሰነ "መንግስቲ ኢራን ንቦምባ ኒዩክሌር ዝኸውን ኣጽዋር ንምምዕባል ዝገብሮ ጻዕሪ፡" ዘርእዩ "ጭቡጥ ስጕምቲታት፡" ከም ዝገበረ ዘርእዩ ሓበሬታታት ኣለው ኢሉ።
ዶክተር ፓትሪሻ ሉዊስ ዝተባህለት ናጻ ክኢላ ምቍጽጻር ኣጽዋር፡ "ኢራን ክሳብ 2003 ኣብ ቅዲ ኣጽዋር ገለ ዓቕሚ ኣማዕቢላ ነይራ፡" ትብል።
ይዅን እምበር፡ "ድሕሪ ምፍራስ ስምምዕ ኒዩክሌር 2015ን ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ክወዕት ብዘይምኽኣሉ፡ ኢራን... ኣጽዋር ናይ ምስራሕ ዓቕማ ዳግማይ ንምዕባይ ከም ዝወሰነት ገሊጻ ኣላ፡" ኢላ።
ግሮሲ፡ ብ18 ለካቲት ንናይ ፈረንሳ ቴሌቪዥን 'EF1'፡ እቲ ትካል ኢራን ኣጽዋር ከተማዕብል ትፍትን ከም ዘላ ዘርኢ ምልክት ርእዩ ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ኣይፋል" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ ብኽልቲኡ ወገን "ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ" ድልውነት ከም ዝረኣየ ሓቢሩ።
ኣጽዋር ኒዩክሌር ኢራን ስለ ምንታይ የገድስ?
መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ከም ዘይግባእ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክምጕቱ ጸኒሖም እዮም።
ትራምፕ ኣብ ግንቦት 2025 ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተ ዓጢቓ፡ "ዓለም ክትጠፍእ እያ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ 2024፡ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተወኒና፡ "ፍጹም ዝተፈልየት ዓለም... ፍጹም ዝተፈልየ ዝርርብ" ክህሉ'ዩ፤ እስራኤል ድማ "ክትጠፍእ፡" እያ ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ኒዩክሌር ዝዓጠቐት ኢራን "ንዞባዊ ምርግጋእ ዝዓበየ ሓደጋ፡" ክትከውን ምዃና ገሊጹ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት (RUSI) ክኢላ ማእከላይ ምብራቕ ዶክተር ኤች ኤ ሄሊየር፡ "ኣብቲ ዞባ ዝህሉ ወጥሪ ክውስኽ'ዩ፤ ብፍላይ ንእስራኤልን ኣመሪካን ዝፈጥሮ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪታት ክሓላልዀ'ዩ፡" ይብል።
ገለ ተንተንቲ፡ ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ክትዓጥቕ ምፍቃድ፡ ኣብቲ ዞባ ጽልዋኣ ክሕይል ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ርክብ ከሐይልን ምስ ስዑዲ ዓረብ ውድድር ኣጽዋር ከበግስን ከም ዝኽእል ይምጕቱ።
እስራኤል ዋላ'ኳ ብግልጺ እንተ ዘይኣመነትሉ ወይ እንተ ዘይክሓደቶ፡ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ይፍለጥ።
ሄሊየር፡ እዚ ማለት ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ምዕጣቓ፡ "ዝግሃድ እንተዀይኑ፡ ብኡ ንብኡ ናብ ውጥጥ ካብ ምእታው፡ ሓበራዊ መከላኸሊ ክኸውን'ዩ፡" ማለት እዩ ክብል ይምጕት።
መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ዞባ "ሓይሊ እስራኤል፡ ከምቲ ግምታዊ ቦምባ ኢራን ዘይኰነ፡ ከም ሓቀኛን ኣዕናዊን ጸጥታዊ ስግኣት ገይረን እየን ዝርእያኦ፡" ይብል።
ዓቢይ ሓደጋ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምዕጣቕ፡ "ኣብ ማእከል ግጭት ዝግበር ግጉይ ቅማረ፡" ምዃኑ ይዛረብ።