ኣመሪካ ንኢራን እንተኣጥቂዓ ክስዕቡ ዝኽእሉ ሸውዓተ ተኽእሎታት

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣመሪካ ንኢራን ከተጥቅዓ ዝተዳለወት ትመስል። ዋሽንግተን ንሰሙናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓይላ ከተደልድል ጸኒሓ'ያ።

ሕጂ ድማ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2003 ዝነበረ ወራር ዒራቕ፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ሓይሊ ኣየር ዝሃነጸት ትመስል።

እዚ ብርግጽ ሕጂ'ውን ንስርዓት ኢራን ናብ ዘይደልዮ ናይ ስምምዕ ጸቕጢ ንምእታው ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መሓዙት ኣመሪካ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ እቲ ዘይተገማቲ ውጽኢት ክህልዎ ዝኽእል መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከይፍጸም ኣጠንቂቐን ምህላወን ይፍለጥ።

ስለዚ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዒላማ ክገብሮም ዝኽእል ብዓቢኡ ክግመት ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ውጽኢቱ ግን ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ መንጐ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘተ እንተዘይተዓዊቱ እሞ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መጥቃዕቲ ክፍጸም ክእዝዝ እንተ ወሲኑ፡ እንታይ ክስዕብ ይኽእል?

1. ዒላማኡ ዝጸበበ፡ ውሑድ ክሳራ ሲቪላት፣ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ

ሓይልታት ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ኣመሪካ፡ ንወተሃደራዊ መዓስከራት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ኣሃዱ ባሲጅን - ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቲ ሰውራ ዝርከብ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ - ብባሊስቲክ ሚሳይል ምውቃዕን ናይ መኽዘን ቦታታት ከምኡ'ውን ንመደብ ኒዩክለር ኢራን ዒላማ ብምግባር ውሱንን ዘነጻጸረን መጥቃዕቲ የካይዱ።

ድሮ ተዳኺሙ ዘሎ ስርዓት ኢራን ድማ ይዕሎ፤ ኣብ መወዳእታ ኢራን ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ናብ እትራኸበሉ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ትሰጋገር።

እዚ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ እዩ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ዒራቕን ሊብያን ዝተራእየ ወተሃደራዊ ምትእትታው ምዕራባውያን ግን ናብ ዲሞክራሲ ስሉጥ ምስግጋር ክህሉ ኣይሓገዘን።

ኣብ ክልቲኡ ምልካዊ ስርዓታት'ኳ እንተብቅዐ፡ ንዓመታት ዝጸንሐ ቅልውላውን ምፍሳስ ደምን እዩ ኣስዒቡ።

2. እቲ ስርዓት ይቕጽል፡ ፖሊሲታቱ ግን የለሳልስ

እዚ ብሰፊሑ "ሞዴል ቬነዝወላ" ክበሃል ይከኣል፤ እዚ ቅልጡፍን ሓያልን ስጕምቲ ኣመሪካ፡ ነቲ ስርዓት -ቬነዝወላ- ከየፍረሰ ፖሊሲታቱ ምልስላስ ከርኢ ገይሩ'ዩ።

ኣብ ጉዳይ ኢራን፡ እዚ ማለት እስላማዊት ሪፓብሊክ ይቕጽል ማለት እዩ።

እዚ ንብዙሓት ኢራናውያን ዕግበት ዝፈጥረሎም እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ምልሻታት እትህቦ ደገፍ ከተጕድል፡ ውሽጣዊ መደባት ኒዩክለርን ባሊስቲክን ሚሳይላትን ከተቋርጽ ወይ ክትቅንሶ ከምኡ'ውን ተቓውሞታት ምዕፋን ለውጢ ክትገብር ትግደድ።

ሕጂ'ውን እዚ ኣብ ሚዛን ናይቲ ቅልውላው እዩ ዘሎ።

መሪሕነት እስላማዊት ሪፓብሊክ ን47 ዓመታት ንለውጢ ዝጻረርን ዝጻወርን ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ሕጂ መገዲ ክቕይር ዓቕሚ ዘይብሉ ይመስል።

እቲ ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድመ ዝርከብ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ ብፍላይ ለውጢ ከምጽእ ወይ ሕድገታት ክገብር ድልየት ዘለዎ ኣይኰነን።

3. ስርዓት ይወድቕ፡ ብወተሃደራዊ ስርዓት ይትካእ

ብዙሓት እዚ እቲ ዝያዳ ክስዕብ ዝኽእል ተኽእሎ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

እቲ ስርዓት ብዙሓት ተደናገጽቲ ከም ዘይብሉ ይርአ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኻየደ ተኸታታሊ ማዕበል ተቓውሞታት ዝያዳ ከዳኽሞ እንከሎ፡ እቲ መንግስቲ ግን በቲ ዝጸንሐ ኵነታት ፍሉይ ረብሓ ዘለዎ ገዚፍን ስፍሕ ዝበለን ጸጥታዊ ዓቕሚ ይቕጽል ኣሎ።

ንኣብነት፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ብዕምቈት ይሳተፍ።

እቲ ተቓውሞታት ክሳብ ሕጂ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ዘይከኣለሉ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ብወገኖም ርኡይ ዝዀነ ውድቀት ስለ ዘይተራእየ፡ እቶም ኣብ ቍጽጽር ዘለዉ ድማ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ደረት ኣልቦ ሓይልን ጭካነን ክጥቀሙ ድልዋት ስለ ዝዀኑ እዩ።

ኣብቲ ድሕሪ ዝዀነ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝመጽእ ምድንጋር ኢራን፡ ኣብ መወዳእታ ብዓቢኡ ብኣዘዝቲ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብዝቘመ ሓያልን ወተሃደራዊን መንግስቲ ክትግዛእ ምዃና ይግመት።

4. ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ፡ ጐረባብትን ኢራንን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሕነ ትፈዲ

ኣመሪካ ንኢራን እንተኣጥቂዓ፡ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ፡ ጐረባብታን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሕነ ክትፈዲ እትኽእለሉ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ኣመሪካ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ተሓንያ እያ።

"ኣጻብዕቲ ኢራን ኣብታ ቃታ እየን፡" ኢላ።

ኣያቶላህ ኻሜኒ ድማ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ ንሓይልታት ኣመሪካ "ከም ዝሃርሞም" ተሓንዩ ነይሩ።

ኢራን ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኣመሪካ መዳርግቲ ከምዘይብላ ንጹር እኳ እንተዀነ፡ በቲ ዘለዋ ኣጽዋር ባሊስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ግን ከተጥቅዕ ትኽእል እያ።

ብዙሓት ኣብ በዓትታት፡ ትሕቲ መሬት ወይ ኣብ ኣኽራናት እታ ሃገር ተሓቢኦም ኣለዉ።

ኣመሪካ፡ ብሸነኽ ወሽመጥ ዓረብ ብፍላይ ኣብ ባሕሬንን ቐጠርን ዝተዘርግሑ መደበራትን መሳለጥያታትን ኣለዋ።

ኢራን ግን እንተደልያ ንገለ ካብቲ ወሳኒ ትሕተ ቅርጺ ኣመሪካ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ኣብ ምጥቃም ተሓባባሪት እያ ኢላ ንእትግምታ ሃገር፡ ከም ዮርዳኖስ ወይ እስራኤል ዒላማ ክትገብር ትኽእል እያ።

ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ትካላት ፔትሮኬሚካል ስዑዲ ዓረብ ኣራምኮ ዝተፈጸመ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን፡ ምስቲ ኣብ ዒራቕ ብኢራን ዝድገፍ ሚሊሻ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ስዑዳውያን ንሚሳይላት ኢራን ክሳብ ክንደይ ተቓላዕቲ ምዃኖም ዘርኣየ እዩ ነይሩ።

ጐረባብቲ ዓረብ ወሽመጥ ዓረብ ኢራን ኩለን መሻርኽቲ ኣመሪካ ኰይነን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዝዀነ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊአን ክወርድ ምዃኑ ብምሕሳብ ይጥንቀቓ ከም ዘለዋ ርዱእ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ኣመሪካ ክሊ ኣየረን ንዝዀነ መጥቃዕቲ ክትጥቀመሉ ከም ዘየፍቅዳ ገሊጸን ነይረን። እዚ ግን ኢራን ክትፍጽሞ ካብ እትኽእል መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ዘይከድሕነን ይኽእል።

5. ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ቦምባታት ብምድርባይ ሕነ ትፈዲ

እዚ፡ ኢራን ካብቲ ኣብ 1980-88 ዝነበረ ኲናት ኢራንን ዒራቕን ንመገዲ መራኽብ ዒላማ ካብ ዝገበረትሉ እዋን ኣትሒዙ ንነዊሕ እዋን ንዓለምለኻዊ መራኽብን ቀረብ ነዳድን ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ኰይኑ ይረአ ነይሩ።

ኣብ መንጐ ኢራንን ዖማንን ዝርከብ መጻብቦ ሕርሙዝ ወሳኒ ቦታ እዩ።

እዚ ኣብ ዓመት ኣስታት 20% ካብ ሰደድ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ (LNG) ከምኡ'ውን ካብ 20-25% ካብ ጐድናዊ ፍርያት ነዳድን ጋዝን በዚ መጻብቦ ይሓልፍ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ጀኔቫ ዝርርብ ኣብ ዝካየዳሉ ዝነበራ እዋን፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ንገለ ሰዓታት ዓጽያ ቀጥታዊ ልምምድ ከተካይድ ተራእያ፤ እዚ ድሕሪ 1980ታት ንፈለማ እዋን ብምዕጻው መልእኽቲ ዝሰደደት ትመስል።

ብሓሙስ ኣብ ወሽመጥ ዖማንን ህንዳዊ ውቅያኖስን ምስ ሩስያውያን ባሕረኛታት ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዘካየደት ይግለጽ።

ከምኡ'ውን ብቕልጡፍ ነተጕቲ ባሕሪ ኣብ ምውፋር ልምምዳት ኣካይዳ'ያ።

ዳግማይ ከምኡ እንተገይራ፡ ኣብ ንግዲ ዓለምን ዋጋ ነዳድን ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ።

በዚ ተኽእሎ፡ ኣታዊኣ ኣብ ሰደድ ነዳዲ ስለ ዝምርኮስ፡ ኢራን እያ እቲ ዝዓበየ ክሳራ ክበጽሓ ዝኽእል፤ ከምኡ'ውን ኣብ ኤስያ ብፍላይ ድማ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ዓማዊላ ክጽለው ይኽእሉ።

6. ኢራን ንመራኽብ ውግእ ኣመሪካ ብምጥሓል ሕነ ትፈዲ

ሓደ እዋን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ እትርከብ መርከብ ውግእ ዝነበረ ካፕቴን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘጨንቘ ካብ ኢራን ዝመጽእ ስግኣታት "መጥቃዕቲ ባሕሪ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ቦታ እዚ ኢራን እቲ ናይ ቀረባ ምክልኻል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እውን ከይተረፈ ኣብ ግዚኡ ከጥፍኦም ዘይክእል ብዙሓት ልዑል ነታጒ ዘለወን ድሮናት ቅልጡፋት ቶርፒዶ ጀላቡን ኣብ ሓደ ወይ ብዙሕ ዕላማታት እተወንጭፈሉ ቦታ ኣለዋ።

ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝነበረ ልሙድ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ካብ ዝትክእ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ፤ ገለ ካብ ኣዘዝቱ ኣብ ግዜ ሻህ ኣብ ዳርትማውዝ ከይተረፈ ዝሰልጠኑ እዮም።

ሰራሕተኛታት ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ዝበዝሕ ስልጠናኦም ኣብ ዘይልምዳዊ ወይ "ክዝውተር ዘይጸንሐ ኣገባብ" ውግእ ዘተኰሩ ኰይኖም፡ ነቲ ቀንዲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዘለዎ ቴክኒካዊ ብልጫታት ዝብድህሉ ወይ ዝሓልፍሉ መገድታት ክርእዩ ይኽእሉ።

ምጥሓል መርከብ ውግእ ኣመሪካ፡ ኣብ መንጐ ሰራሕተኛታታ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ክማረኹ ዝኽእሉ ሰባት ተሰንዩ፡ ንኣመሪካ ዓቢ ውርደት ክኸውን እዩ።

እዚ ተርእዮ ዘይኽሰት ክመስል እንከሎ፡ እታ ቢልዮናት ዶላር ዝዋግኣ ኣዕናዊት መርከብ ዩኤስኤስ ኮል ኣብ 2000 ኣብ ወደብ ዓደን ብዘጋጠመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣልቓዒዳ ተጠቒዓ 17 ባሕረኛታት ኣመሪካውያን ሞይቶም'ዮም።

ቅድሚኡ ኣብ 1987 ሓደ ፓይለት ጀት ዒራቕ ብጌጋ ክልተ ኤክዞሴት ሚሳይላት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ናብ ዝነበረት መርከብ ውግእ ኣመሪካ ዩኤስኤስ ስታርክ ብምትኳስ 37 ባሕረኛታት ቀቲሉ።

ኣመሪካ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት እታ ኣብዚ እዋን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ትሓልፍ ዘላ መርከብ ውግእ ኣብ ዝመጸትሉ እዋን፡ ኣብቲ ዞባ መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ክልተ ጕጅለታት ከም ዝህልዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

7. ስርዓት ይወድቕ፤ ዕግርግር ይነግስ

እዚ ተገማቲ ርኡይ ሓደጋ ኰይኑ ሓደ ካብቲ ዓቢ ስክፍታ ከም በዓል ቐጠርን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት እዩ።

ከምኡ'ውን ከምቲ ኣብ ሶርያ፡ የመንን ሊብያን ዘጋጠማ ኲናት ሓድሕድ ክኽሰት ዝኽእል ተኽእሎታት ዓሌታዊ ወጥርን ጐነጻትን ክስዕብ ይኽእል።

መብዛሕትኡ ክፋል ማእከላይ ምብራቕ ብርግጽ፡ ስርዓት እታ ሃገር ተቐይሩ ክርኢ ይደሊ። በዚ ድማ ካብታ ኒዩክለሳዊ መደብ ኢራን የስግኣኒ'ዩ ንእትብል እስራኤል ንላዕሊ ዝሕጎስ ኣይክህሉን።

ብብዝሒ ህዝቢ እታ ዝዓበየት ሃገር ማእከላይ ምብራቕ - ኣስታት 93 ሚልዮን - ናብ ዕግርግር ኣትያ ሰብኣውን ቅልውላው ስደተኛታትን ክስዕብ ክርኢ ዝደሊ ሰብ ግን የለን።

ሕጂ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ሓያል ሓይሊ ናብ ዶባት ኢራን ኣጸጊዑዎ ኣሎ።

እዚ፡ መወዳእታኡ ንጹር ዘይኰነን ክትግምቶ ዝኸብድን ጐዳኢ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል።