እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ዳታ ቈጣቢ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ ዝያዳ ንምፍላጥ
እዚ፡ ውሑድ ዳታ ዝጥቀም፡ ጽሑፍ ጥራይ ዝንበቦ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ግን ምሉእ ጽሑፋዊ ትሕዝቶ ኵሎም ዓንቀጻት ከምዘለዎ ክንበብ ዝከኣል ምዃኑ እዩ።
ዕላማና፡ ገጻትን ትሕዝቶኦምን ኣብ ሓጺር ግዜን ብውሱን መጠን ዳታን ብቐሊሉ ንኣንበብቲ ክኽፈቱ ከምዝኽእሉ ንምግባር እዩ። ተጠቀምቲ ዜናታት ኣገልግሎት ቢቢሲ ብሓፈሻ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ኰይኖም፡ ተጠቃምነት ከከም ሃገራቱ፡ ብመንጽር ተበጻሕነትን ዋጋን ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ዓይነታት መሳርሒን ዝጽሎ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ገጽ ዜናታትን ጽሑፋትን ቢቢሲ ትግርኛ ቅልጡፍን ቀሊልን ንምግባሩ፡ ዝተፈላለዩ ፕሮግራም ፋይላት ከም ዝእለዩ ጌርና ኣሎና።
እዚ ማለት፡ ኣብዚ ብውሑድ ዳታ ዝኽፈት ገጽ፡ ኣሳእልን ቪድዮታትን ከምዝእለዩ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ክኸውን እንከሎ ግን፡ ጽሑፋዊ ትሕዝቶ ነፍስወከፍ ዓንቀጽ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ዘሎ ከይተቐየረ ክንበብ ይከኣል እዩ። ከከም ምርጫ ኣንበብቲ ድማ ናብቶም ገጻት ድማ በዚ መላግቦ [...] ኣቢልካ ክብጻሕ ይከኣል።
እዚ ቈጣቢ ዳታ መርበብ ሓበሬታ ሓድሽ ተመኵሮ ኰይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ምምዕባልን ምምሕያሽን እዩ ዝርከብ። እዚ ኣገባብ ነቶም ብድኹምን ክቡርን ኣገልግሎት ኢንተርነት ክሽገሩ ዝጸንሑ ተኸታተልትና ሩፍታ ዝፈጥር ክኸውን ተስፋ ንገብር።