እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተመሪዙ ከይኸውን ዝተሰግአ ጸባ ህጻናት ነስል ካብ ዕዳጋታት ዓለም ይሰሓብ ኣሎ
ንህጻናት ዘገልግል ጸባ ዘፍሪ ትካል 'ነስል' (Nestle) ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ጸባ ዕሸላትን ቆልዑን መርዛም ነገር ከይህልዎ ብምፍራሕ ክሰሓብ ኣዚዙ።
እቲ ዓርሞሸሽ ትካል መግብን መስተን፡ 'ኤስ-ኤም-ኤ' (SMA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዕሸላትን ህጻናትን ዝወሃብ ጸባ ውሑስ ከምዘይኮነ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ጸባ ዘሎ 'ሰሮላይድ' (cereulide,) ዝተባህለ መርዛም ባእታ ዕግርግርን ተምላስን ከስዕብ ይኽእል'ዩ።
ዛጊት ዘስዓቦ ሕማም ምህላዉ'ኳ ከረጋግጽ እንተዘይክኣለ፡ ውሕስነት ንምርካብ ነቲ ድሮ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ተኸፋፊሉ ዘሎ ፍርያት ጸባ ህጻናት ክምለስ ከምዝኣዘዘ ይገልጽ።
"ውሕስነትን ድሕነትን ህጻናት ቀንዲ ቀዳምነትና እዩ" ዝበለ ነስል፡ "ንወለዲ፡ ኣለይቲን ዓማዊልን ንዝፈጠረሎም ዝኾነ ሻቕሎትን ገልታዕታዕን ካብ ልቢ ይቕሬታ ንሓትት" ብምባል ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ መብርሂ ሂቡ።
ነቲ ፍርያት ንምስሓብ ዝተወስደ ውሳነ ንመላእ ዓለም ዝምልከት ምዃኑ'ውን እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
በቲ መርዚ ዝተጸልወ ፍርያት ናይቲ ትካል ድሮ ኣብ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኦስትርያ፡ ደንማርክ፡ ኢጣልያን ሽወደንን ዝርከብአን ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝተሸጠ ይፍለጥ።
ኩሉ ክምለስ ዘይተወሰነሉ ፍርያት ነስል ውሑስ ምዃኑ ግን እቲ ትካል ኣመልኪቱ'ሎ።
ንዓማዊሉ ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ብምግላጽ ድማ፡ እቲ ጸገም በቲ ካብ ሓደ መሻርኽቱ ዝመጸ ቀመም ዝሰዓበ ምዃኑ የረድእ።
ነስል ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ቅድመ-ምክልኻል ንምግባር ብወለንታ" ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ 'ጊጎዝ (Guigoz) ከምኡ'ውን 'ኒዳል' (Nidal) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዕሸላት ዝወሃብ ጸባ ከምዝሰሓበ ሓቢሩ።
እቶም ፍርያት፡ ኣብ ጀርመን 'ቤባ' (Beba) ከምኡ'ውን 'ኣልፋሚኖ' (Alfamino) ዝብል መጸውዒ ዘለዎም እዮም።
ዝርዝር ናይቶም በቲ ኩነታት ተጸልዮም ዘለዉ ፍርያት ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታ ነስል ብሪጣንያ ብሪጣንያ ወይ ድማ ትካል ምቁጽጻር ውሕስነት መግቢ ብሪጣንያ ክርከብ ይኽእል።
'ሰሮላይድ' (Cereulide,) ዝተባህለ መርዚ በቲ 'ባሲለስ ሰረዩስ' (Bacillus cereus ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባክተሪያ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ናይ ምምራዝ ምልክታት ብምስዓብ ቀልጢፉ ናብ ተምላስን ቅርጸት ከብዲን ከምርሕ ይኽእል።
እቲ መርዚ፡ ጸባ ዕሸላት ብማይ ውዑይ ኣብ እነዳልወሉ ብቐሊሉ ክመክን ወይ ብምብሳል ክዓኑ ዘይክል ምዃኑ ትካል ውሕስነት መግቢ ብሪጣንያ (FSA) የጠንቅቕ።
ሓላፊት ህጹጽ ፍጻመታት ኤፍ-ኤስ-ኤ፡ ጄን ራውሊንግ ከምዝበለቶ፡ ወለዲ፡ መጒዚታትን ኣለይትን ነቲ ዝብሃል ዘሎ ፍርያት ንህጻናት ክምግቡ የብሎምን።
"ጥንቃቐ ንምግባር፡ ንኹሉ እቲ በቲ ኩነታት ዝተጸልወ ፍርያት ካብ ዕዳጋ ንምእላይ ህጹጽ ስጉምቲ ንወስድ ከምዘለና ንወለዲ፡ መጒዚታትን ኣለይትን ከረጋግጸሎም እድሊ"።
ንነበርቲ እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፈቶ ምሕጽንታ፡ "እዞም ዝብሃሉ ዘለዉ ፍርያት ንህጻናት መጊብኩም እንተ ኣለኹም፡ እሞ ብዛዕባ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤናት ጥዕና ሻቕሎት እንተ ሓዲርኩም፡ ንሓኪምኩም ወይ ኤን-ኤች-ኤስ (NHS) 111 ብምድዋል ካብ ሞያ ጥዕና ምኽሪ ክትረኽቡ ኣለኩም" ክትብል ምዒዳ።