እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሬሳ ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር ዝያድ ባረ ንምጕዓዝ ዝተገብረ ምስጢራዊ ተልእኾ
ከም ሎሚ ልክዕ ቅድሚ 31 ዓመት፡ ክልተ ኬንያውያን ኣብረርቲ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዊልሰን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዘይተጸበይዎ ጋሻ ተቐቢሎም።
እቶም ኣብረርቲ ሑሴን መሓመድ ኣንሹርን መሓመድ ኣዳንን እዮም።
እቲ ጋሻ ናይጀርያዊ ዲፕሎማት እዩ። እቲ ዘቕረበሎም ተሃዋስን ምስጢራውን ተልእኾ ድማ ሬሳ ገዛኢ ሶማልያ ነበር ዝያድ ባረ ናብ ሃገሩ ክምለስ ምግባር እዩ ነይሩ።
ዝያድ ባረ ኣብ መበል 80 ዓመቱ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ስደት እዩ ሞይቱ። እቲ ተልእኾ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ኣብ ዓዱ ንኽቕበር እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኬንያ ካፕቴን ዝነበሩ ኣንሹርን ኣዳንን መሻርኽቲ ብሉበርድ ኣቬሽን እዮም። እዚ ድማ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዘቖምዎ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኬንያ እዩ።
ኣንሹር ብዛዕባ እቲ ተልእኾ ንፈለማ እዋን ንማዕከናት ዜና ተዛሪቡ። ንሱ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ናይጀርያዊ ዲፕሎማት "ትኽ ኢሉ ናብቲ ቅውምነገር" ከምዝኣተወ ገሊጹ።
"ነፋሪት ክካረዩን ነቲ ሬሳ ብሕቡእ ከጓዕዙን" ሓቲቱ - ካብ ቀንዲ ከተማ ናይጀርያ ሌጎስ፡ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ባረ ዝዓበየላ ከተማ ጋርባሃረይ።
ኣንሹርን ኣዳንን በቲ ሕቶ ተደናጊሮም፤ "እዚ ንቡር ክራይ ነፋሪት ከምዘይኮነ ብኡ ንብኡ ፈሊጥናዮ" ይብል ኣንሹር።
ባረ ብሓይልታት ምልሻ ድሕሪ ምውዳቑ ብ28 ጥሪ 1991 ካብ ሶማል ሃዲሙ ስለዝነበረ፡ ሬሳኡ ምምላስ ብፖለቲካዊ መዳይ ዝተሸፈነ ኰይኑ፡ ብዙሓት መንግስታት፡ ድኹም ዞባዊ ዝምድናታትን ሓደጋ ዲፕሎማስያዊ ውድቀትን ዘጠቓለለ እዩ።
እቲ ዲፕሎማት እቲ በረራ ካብ ንቡር ኣሰራርሓ ወጻኢ ክውደብ ስለዝሓተተ፡ ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን ከምዘሰግኦም ኣንሹር ይዛረብ።
"ሰበስልጣን ኬንያ እንተዝፈልጡ፡ ከቢድ ጸገም ከስዕብ ይኽእል ነይሩ" ይብል።
እቶም ኣብረርቲ ነቲ ሕቶ ንምቕባል ወይ ንምንጻግ ዝተወሰነ መዓልታት ተኻቲዖም። ብፍላይ እቲ ሽዑ ብፕረዚደንት ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኬንያ እንታይ ክገብሩ ከምዝሓሰቡ እንተፈሊጡ ክህሉ ዝኽእል ሓደጋታት ብጥንቃቐ መዚኖም።
ባረ ኣብ 1969 ደም ብዘየፍሰሰ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ስልጣን ሒዙ። ደገፍቱ፡ ከም ወፍሪ ኣንጻር ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰሉ ዕላማታት ዝድግፍ ፓን-ኣፍሪቃዊ ይርእይዎ።
ነቐፍቱ፡ ክሳብ ካብ ስልጣን ዝባረር ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸመ ውልቀ መላኺ እዩ ይብሉ።
ባረ ፈለማ ናብ ኬንያ እዩ ሃዲሙ። መንግስቲ ሞይ ንባረ ብምእንጋዱ ግን ካብ ባይቶን ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ብርቱዕ ጸቕጢ ኣጋጢምዎ።
ድሕሪኡ ናይጀርያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሂባቶ። ሽዑ ባረ ምስ ሕማም ሽኮር ብዝተኣሳሰር ክሳብ ዝመውት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ገዛኢ ዝነበረ ጀነራል ኢብራሂም ባባንጊዳ ኣብ ሌጎስ ተቐሚጡ።
ተሃዋስነት ናይቲ ተልእኾ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቶም ኣብረርቲ ነቲ ናይጀርያዊ ዲፕሎማት ንኽሓስቡሉ ተወሳኺ ሓንቲ መዓልቲ ክህቦም ሓቲቶምዎ። ልክዕ መጠን ገንዘብ ክገልጹ'ኳ እንተዘይደለዩ፡ እቲ ስራሕ ጽቡቕ ኣታዊ ዘለዎ እዩ ነይሩ። ብኡ መጠን፡ እቲ ሓደጋታት እውን ርኡይ እዩ ነይሩ።
"መጀመርታ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ናይጀርያ ክጥቀም መኺርናዮ፡ ንሱ ግን ኣብዩ" ክብል ኣንሹር የዘንቱ። እቲ ዲፕሎማት፡ "እቲ ስርሒት ኣዝዩ ተሃዋሲ ምዃኑን ንመንግስቲ ኬንያ ክሕበር ከምዘይብሉን ገሊጹ" ይብል።
ብተወሳኺ ንፈለማ እዋን ብዛዕባ እቲ ተልእኾ ንማዕከናት ዜና ዝተዛረበ ወዲ ገዛኢ ሶማል ነበር ኣያኣንለ መሓመድ ዝያድ ባረ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ምስጢር ዘይሕጋዊ ዝኾነ ነገር ንምሕባእ ኣይነበረን" ኢሉ።
ንሱ፡ እስላማዊ ትውፊት ቀብሪ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክካየድ ከምዝጠልብን፡ ስለዚ ድማ ገለ መንግስታት ብዛዕባ እቲ ውጥን ኣፍልጦ እኳ እንተነበሮም፡ ንቡር ኣገባባት ከምዝተኸልከለን ገሊጹ።
"ግዜ ኣንጻርና እዩ ነይሩ" ኢሉ። "ኵሉ ሰነዳት እንተነዳሉ ነይርና፡ ንቀብሪ ምደንጐና ነይርና።"
ንሱ፡ መጉየይ ነፋሪት ጋርባሃረይ ንወተሃደራዊ ነፋሪት "ኣዝዩ ንእሽቶ" ምዃኑ ሰበስልጣን ናይጀርያ ከምዝነገርዎም ወሲኹ ገሊጹ።
"ስለዚ'ዩ ድማ ብሉበርድ ኣቬሽን ዝተመረጸ" ኢሉ።
እቶም ኣብረርቲ ኣብቲ እዋን ምስ ስድራቤት ባረ ዝኾነ ርክብ ከምዘይነበሮምን፡ ውሳነኦም ድማ ብ10 ጥሪ 1995 ነቲ ናይጀርያዊ ዲፕሎማት ከምዘፍለጡን ኣንሹር ገሊጹ።
"ቀሊል ምርጫ ኣይነበረን" ክብል ኣንሹር ተዘኪሩ። "እቲ ጕዕዞ ንምፍጻም ግን ሓላፍነት ተሰሚዑና።"
እዚ ምስቲ ፕረዚደንት ነበር ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ምትእስሳር ኣይኰነን።
ባረን ስድራኡን ካብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ምስ ሃደሙ፡ ኣብታ ምስ ጋርባሃረይ እትርከብ ዞባ ቡርዱቦ በጺሖም።
ኣብቲ እዋን እቶም ኣብረርቲ ንስድራቤት ባረ ዝኸውን ከም መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ቀረብ ናብ ቡርዱቦ ወሲዶም ነይሮም።
እቶም ፓይለታት ግን ሬሳ ባረ ቅድሚ ምጓዓዞም፡ ካብ መንግስቲ ናይጀርያ ውሕስነት ክወሃቦም ሓቲቶም።
"ብፖለቲካዊ መዳይ ዝዀነ ጌጋ እንተኣጋጢሙ፡ ናይጀርያ ሓላፍነት ክትወስድ ነይርዋ" ይብል ኣንሹር። "ክልተ ሓለፍቲ ኤምባሲ ድማ ኣብታ ነፋሪት ክሳፈሩ ደሊና።"
ናይጀርያ እውን ተሰማሚዓ። ብድሕሪኡ እቶም ኣብረርቲ ተልእኾኦም ምስጢር ኰይኑ ንኽቕጽል ውጥን ሓንጺጾም፣ ተዓዊቶም ድማ።
ልክዕ ድሕሪ ሰዓት ሰለስተ ብዕለት 11 ጥሪ፡ ኣንሹር፡ እታ ቢችክራፍት ኪንግ ኤር ቢ200 ዝተበሃለት ንእሽቶ ነፋሪቶም፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዊልሰን ከምዝተበገሰት ገሊጹ።
እቶም ኣብረርቲ፡ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ናብ ወሰን ቀላይ እትርከብ ከተማ ኪሱሙ ከምዝበሩ ገይሮም ኣፍሊጦም።
"እዚ ኣብ ወረቐት ጥራይ እዩ ነይሩ" ይብል ኣንሹር። "ናብ ኪሱሙ ምስ ቀረብና፡ ራዳር ኣጥፊእና፡ ናብ ዩጋንዳ ናብ ዝርከብ ኢንተበ ኣቕኒዕና።"
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እቲ ዞባ ዝነበረ ሽፋን ራዳር ድሩት እዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ እቶም ፓይለታት ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ዝፈልጥዎ ክፍተት እዩ።
እቶም ኣብረርቲ ኣብ ኢንተበ ምስ ዓለቡ፡ እታ ነፋሪት ካብ ኪሱሙ ከም ዝመጸት ንሰበስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ሓቢሮም። እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ክልተ ናይጀርያውያን ሰበስልጣን ከጽቅጡን ካብታ ነፋሪት ከይወርዱን መምርሒ ተዋሂብዎም።
እታ ነፋሪት ነዳዲ መሊኣ፡ ኣብ ካሜሩን እትርከብ ያውንደ ድማ ቀጻሊ መዕረፊት ኰይና፤ ኣብኡ ነቲ ስርሒት ንምውህሃድ ዝሕግዙ ናይጀርያውያን ዲፕሎማሰኛታት ይጽበዩ ከምዝነበሩ ኣንሹር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ድሕሪ ሓጺር ደውታ፡ እታ ነፋሪት ናብ ሌጎስ ኣቕኒዓ። መንግስቲ ናይጀርያ ቅድሚ ናብ ክሊ ኣየር ናይጀርያ ምእታዎም፡ ነቶም ኣብረርቲ ዝዀነ ይዅን ጥርጣረ ንኸይፍጠር "WT 001" ዝብል ምልክት ጻውዒት ሓይሊ ኣየር ናይጀርያ ክጥቀሙ መምርሒ ሂቡ።
"እቲ ዝርዝር ኣገዳሲ እዩ ነይሩ" ይብል ኣንሹር። "ብዘይ እዚ ምናልባት ኣብ ሕቶ ምኣተና ነይርና።"
ብዕለት 11 ጥሪ ከባቢ ሰዓት ሓደ ኣብታ ስድራቤት ባረ ዝጽበዩላ ዝነበሩ ሌጎስ በጺሖም።
እቶም ፓይለታት ንዝተረፈ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዶም። ብድሕሪኡ ንመወዳእታ ናይቲ ጕዕዞ ተዳልዮም።
ብ12 ጥሪ 1995 እቲ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ሳንዱቑ ሬሳ ኣብ ልዕሊ እታ ነፋሪት ተጻዒኑ። እዞም ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ናይጀርያ እውን ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም።
ኣብዚ እዋን'ዚ ወዱ ኣያንለ መሓመድ ዝያድ ባረ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኣባላት እታ ስድራቤት እውን ሓቢሮም ተሳፊሮም።
ብዓይኒ እቶም ፓይለታት እቲ ምስጢር ኣገዳሲ ኰይኑ ቀጺሉ።
"ኣብ ዝዀነ እዋን ንሰበስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ካሜሩን፡ ዩጋንዳ ወይ ኬንያ ሬሳ ሒዝና ከምዘለና ኣይነገርናዮምን" ይብል ኣንሹር፤ "እዚ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ እዩ ነይሩ።"
እታ ነፋሪት መስመራ ዳግማይ ብምስዓብ፡ ኣብ ያውንደ ንሓጺር እዋን ደው ኢላ ናብ ኢንተበ ኣቕኒዓ። ኣብኡ ድማ ነዳዲ መሊኣ። ንሰበስልጣን ዩጋንዳ፡ እቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ዝርከብ ኪሱሙ ምዃኑ ተነጊርዎም።
ናብ ኪሱሙ እናቐረቡ ምስ ከዱ፡ እቶም ፓይለታት ኣንፈቶም ቀይሮም፡ ብቐጥታ ናብ ጋርባሃረይ በረሩ።
ኣንሹር፡ ነቲ ሳንዱቕ ሬሳ ኣብጺሖም፡ ንሱን ተሓጋጋዚ ፓይሎቱን ኣብቲ ቀብሪ ከምዝተሳተፉን ድሕሪኡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዊልሰን ከምዝተበገሱን ገሊጹ። እቶም ክልተ ሰበስልጣን ናይጀርያ እውን ኣብታ ነፋሪት ነይሮም።
እዚ ኣብ ምሉእ መገሻኦም "እቲ ዝያዳ ውጥረት ዝመልኦ" ክፋል ከምዝነበረ ይዛረብ።
"'ኣብዚ ቦታ ንተሓዝ'ዶ ይመስለካ'" ኢሎም ደጋጊሞም ይሓቱ ነይሮም ኢሉ።
እቶም ፓይለታት ከይትሓዙ ብምስጋእ፡ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ካብ እትርከብ ማንዴራ ከም ዝመጹ ንመቈጻጸሪ ትራፊክ ኣየር ንዊልሰን ብምሕባር ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ ምዃኑ ምዃኑ ሂቦም።
"ዝሓተተ ሰብ ኣይነበረን" ይብል ኣንሹር። "ሽዑ ኢና ውሑስ ምዃንና ፈሊጥና።"
ብኸምዚ ድማ እቲ ተልእኾ ተዛዚሙ።
ዳግማይ ከምኡ ክገብር ይኽእል'ዶ ንዝብል ሕቶ፡ ኣንሹር፡ "ሕጂ ወዲ 65 ዓመት ኰይነ ኣይገብሮን፣ ቴክኖሎጂ ኣቬሽን ኣዝዩ ስለ ዝተመሓየሸ፡ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኣህጉር ኣፍሪቃ እኹል ሽፋን ራዳር ትራፊክ ኣየር ስለዘሎ፡ ሎሚ ተመሳሳሊ ተልእኾ ኣይምፈጸምኩን" ክብል መሊሱ።