ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሩስያን ቻይናን ንግሪንላንድ 'ክትውንን' ኣለዋ - ትራምፕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ንግሪንላንድ "ክትውንን" ከምዘለዋ ደጊሙ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ሩስያን ቻይናን ንግሪንላንድ ቅድሚ ምውናነን ኣመሪካ ክትቅድመን ከምዘለዋ እዩ ኣአንፊቱ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቬነዝዌላ ድሕሪ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ቀጻሊ ዒላማ ትራምፕ ዝዀና ሃገራት ኣየኖት ዝብል ከዘራርብ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።

ካልኣይ እብረ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ልዑል ህርፋን ብዝርኣዮ ፖሊሲ ወጻኢ ይቕረጽ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ቬንዝወላ ንዝተፈጸመ ምፍርራሕ ተኸቲሉ፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገርን በዓልቲ ቤቱን ካብቲ ብብዝሒ ዕርድታት ዘለዎ ቀጽሪ ካራካስ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝተኻየደ ቅጽበታዊ ስርሒት ከም ዝተሓዝ ገይሩ'ሎ።

እቲ ስርሒት፡ ነቲ ብ1823 ዝነበረ "ዶክትሪን ሞንሮ" ብምቕያር "ዶክትሪን ዶንሪ" ክኸውን ገይሩ'ዩ ክብሃል ይክኣል።

እዚ ስጕምቲ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፤ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣንጻር ካልኦት ሃገራት'ውን መጠንቀቕታታት ክህብ ተሰሚዑ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብቲ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሃገራት ዋንነት ክህልወን ኣለዎ ንስኻትኩም ድማ ዋንነት ክትከላኸሉ ኣለኹም፡ ንሊዝ ኣይትከላኸሉን ኢኹም። ንሕና ድማ ንግሪንላንድ ክንከላኸል ክንግደድ ኢና" ክብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ።

"በዚ ኮይኑ በቲ" ክንገብሮ ኢና ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ነታ ናይ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ዴንማርክ ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ግሪንላን ክቆጻጸር ድሌት ከምዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። እዚ ድማ ብሓይሊ ክገብሮ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ ብግልጺ ከይነጸገ እዩ ጸኒሑ።

ብወገን ዴንማርክን ግሪንላንድን ዝተወሃበ ግብረ መልሲ፡ እቲ መሬት ንመሸጣ ዝቐርብ ከምዘይኰነ ይጠቅስ። ዴንማርክ፡ ኣመሪካ እትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ነቲ ስግረ-ኣትላንቲክ ዝነበረ ምሕዝነት ምክልኻል ከምዘብቅዖ ገሊጻ'ያ።

ግሪንላንድ ኣብ መንጎ ሰሜን ኣመሪካን ኣርክቲክን ምህላዋ፡ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ኣመሪካ ስርዓታት ምክልኻል ኣብ መጠንቀቕታ ክተእቱ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ መራኽብ ንምክትታል ጽቡቕ ተመራጺ ቦታ ይገብራ።

ትራምፕ፡ ግሪንላንድ "ኣብ ኩሉ ቦታ ብመራኽብ ሩስያን ቻይናን ተኸቢባ" ከምዘላ ብዘይ መርትዖ ብምግላጽ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኣገዳሲት ምዃና ብተደጋጋሚ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።

ኣመሪካ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ - መደበር ህዋ ፒቱፊክ ይብሃል። ድሮ ልዕሊ 100 ወተሃደራዊ ኣባላት ኣብኡ ሰፊሮም ይርከቡ።

ብመሰረት እቲ ምስ ዴንማርክ ዝጸንሐ ስምምዓት፡ ኣመሪካ ክንዲ ዝደለየቶ ሰራዊት ናብ ግሪንላንድ ናይ ምምጻእ ሓይሊ ኣለዋ።

ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ስምምዕ ሊዝ ጥራይ እኹል ከምዘይኰነ እዩ ገሊጹ። ንሱ ዝደልዮ ምሉእ ደሴት እዩ።

"ሃገራት ናይ ትሽዓተ ዓመት ውዕላት ወይ'ውን ናይ 100 ዓመት ውዕል ክገብራ ኣይክእላን እየን" ብምባል ዋንነት ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ንህዝቢ ቻይና ይፈትዎም እየ። ንህዝቢ ሩስያ ይፈትዎም እየ" ኢሉ። "ግን ጎረባብቲ ግሪንላንድ ንክኾኑ ኣይደልዮምን እየ፡ እዚ ክኸውን ኣይኽእልን።"

"ኔቶ ነዚ ክርዳእ ኣለዎ" ክብል ትራምፕ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዓበይቲ ሃገራት ኤውሮጳን ከምኡ'ውን ካናዳን ዝርከብአን ናይ ዴንማርክ መሻርኽቲ ሃገራት ኔቶ፡ "ዴንማርክን ግሪንላንድን ጥራይ እየን ኣብ ዝምድናታተን ዝምልከት ጉዳያት ክውስና ዝኽእላ" ዝብል መግለጺታት ብምሃብ ክድግፋኣ ድልዋት ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ከም ኣመሪካ ኣብ ድሕነት ኣርክቲክ ተገዳስነት ከምዘለወን ብምግላጽ፡ እዚ ግን ኣመሪካ ሓዊሱ ብመሻርኽቲ ሃገራት "ብሓባር" ክዕወት ከምዘለዎ ሓቢረን።

ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2019፡ ነታ ደሴት ንምግዛእ ዕድመ ኣቕሪቡ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ግሪንላንድ ከምዘይትሽየጥ እዩ ተነጊርዎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ምስ ዴንማርክ ዘተ ከካይድ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ በረዳ እናመኸኸ ምስ ከደ፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ግሪንላንድ - ብርቂ ማዕድናት መሬት ፡ ዩራንየምን ሓጺንን ሓዊሱ - ተገዳስነት እናወሰኸ መጺኡ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ርኡይ ዕቑር ነዳድን ጋዝን እውን ክህሉ ከምዝኽእል ይግምቱ።

ተቓወምቲን መራሕቲ ሰልፍታት ግሪንላንድ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ኣመሪካ ንሃገርና ዝገበረቶ ሸለልትነት ከብቅዕ" ደጊሞም ጻዊዖም እዮም።

"ኣመሪካውያን ክንከውን ኣይንደልን፡ ደንማርካውያን ክንከውን ኣይንደልን፡ ግሪንላንዳውያን ክንከውን ኢና ንደሊ። መጻኢ ግሪንላንድ ብህዝቢ ግሪንላንድ ክውሰን ኣለዎ" ኢሎም።