ኢትዮጵያን ቻይናን ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪን ናጽነት ታይዋንን እንታይ ተሰማሚዐን?

ኢትዮጵያ "ታይዋን ዘይትፍለ መሬት ቻይና እያ" ክትብል ከተረጋግጽ እንከላ፡ ቻይና ብወገና ብዛዕባ ድሌት "ኣፍደገ ባሕሪ" ኢትዮጵያ ኣልዒላ ተዛሪባ።

ኣብ 2026 ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ "ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ቅንዕናን" ብዘኽበረ መስርሕ፡ ዞባዊ ሃገራት "ምትእስሳር ሎጂስቲክስ ባሕሪ ንምሕያል" ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ከምእትድግፍ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ "ወደብ ባሕሪ ምርካብ" ሓደ ካብቶም ምትእስሳር ሎጂስቲክስ ባሕሪ ንምሕያል ዝሕግዙ ንጥፈታት ምዃኑ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ብወገና "ታይዋን ዘይትፍለ ኣካል መሬት ቻይና እያ" ብምባል ን"ሓንቲ ቻይና" ዝብል መትከል ዘለዋ ተወፋይነት ኣረጋጊጻ።

ዋንግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ጊዴዎን ጢሞቴዎስን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዘተ ከምዘካየደ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ምስ ኣብይን ጊዴዎንን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ዘጠቓለለ ዘተ ከምዘካየዱ ትማሊ ዓርቢ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ የመልክት።

እቲ መግለጺ ክልቲአን ሃገራት ኣብ "ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ልምዓትን" ምውህሃድ ንምሕያልን ኣብ "ምምሕዳር መንግስቲ" ተመኩሮ ምልውዋጥ "ንምትብባዕን" ከምዝተሰማምዐን ይሕብር።

ቻይና "ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊ ኵነታቱ ዝሰማማዕ መንገዲ ልምዓት ንምኽታል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ብጽኑዕ" ከምእትድግፍ እያ ገሊጻ።

ኣብ ኢትዮጵያ "ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት" እውን ከምእትቃወም እቲ መግለጺ የመልክት።

ኣብዚ መግለጺ ቻይና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣስሚሩሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ወደብ ባሕሪ፡ ምስ ዞባዊ ውህደት ከም ዝተኣሳሰር ጠቒሳ።

ዞባዊ ሃገራት "ምትሕብባር ርክብን ውህደት ኣፍሪቃን" ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንምጥንኻር ስጕምትታት ክወስዳ ከምእተተባብዕ እውን ኣፍሊጣ።

ምትእስሳር ንምሕያል ካብ ዝተጠቕሱ ጉዳያት ሓደ ምምዕባል "ሎጂስቲክስ ባሕሪ" እዩ። ቻይና ነዚ ንምዕዋት ሓደ መንገዲ "ወደብ ባሕሪ ምርካብ" ምዃኑ ጠቒሳ።

ሎጂስቲክስ ባሕሪ "ኣብቲ ዞባ ሰላም፡ ምርግጋእን ብልጽግናን" ንምድንፋዕ ክውዕል ከምዘለዎ ዝገለጸት ቻይና፡ እዚ ድማ "ብዘተን ዲፕሎማስን" ክፍጸም ከምዘለዎ'ውን ከይጠቐሰት ኣይሓለፈትን።

ምስ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዎም ንጥፈታት "ኣብ ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዝምልከቶም ሃገራት" ከምኡ'ውን "ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ሕግን" ዝተመርኮሱ ክዀኑ ኣለዎም ኢላ።

ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ጉዳይ ታይዋን ንቻይና ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ቻይና ነታ ልኡላዊት ሃገር እየ እትብል ታይዋን ከም ኣካል ግዝኣታ እያ ትቘጽራ። ቻይና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ታይዋን ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ በይጂን ኣብታ ደሴት ኲናት ከተካይድ ትኽእል እያ ዝብል ስክፍታታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኣብዚ ወጥሪ'ዚ ኣብ ዘለወሉ ኵነታት እዩ፡ ኢትዮጵያ "ንመትከል ሓንቲ ቻይና ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊማ ኣረጋጊጻ" ዘላ።

"ኣብ ዓለም ሓንቲ ቻይና ጥራይ ከምዘላን፡ ታይዋን ድማ ዘይትፍለ ኣካል መሬት ቻይና ምዃና" ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ንዝዀነ ምንቅስቓስ 'ናጽነት ታይዋን' ብጽኑዕ ይቃወም" ይብል።

ኣብ መንጎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዝተገብረ ዘተ ስዒቡ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ታይዋን ንቻይና ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

"ታይዋን ዘይትፍለ ክፋል መሬት ቻይና እያ" ይብል እቲ መግለጺ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ ኣመሪካ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ብዝምልከት ድማ፡"ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኵለን ሃገራት ምኽባር" ከምዘድሊ ብምግላጽ ቻይናን ሕብረት ኣፍሪቃን "ስክፍታ" ከምዘለዎም ተጠቒሱ ኣሎ።

"መሰረታዊ መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ሕግን ክኽበር ኣለዎ" ክብል እቲ መግለጺ የስምር።