እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስቕታ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሶማሊላንድን እንታይ ይእምት?
ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ መበል ካልኣይቲ ዝዓበየት ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ዳርጋ ምስ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዶብ ትራኸብ እያ - ብዘይካ ምስ ዩጋንዳ። ብፍላይ ምስ ሶማልያ ዘለዋ ዶባት ካብቲ ምስተን ካልኦት ጎረባብቲ ዘለዋ ዝነውሐ እዩ።
እንተኾነ ኣብቲ ዞባ ዓበይቲ ምዕባለታት ወይ ቅልውላዋት ኣብ ዝፍጠርሉ መብዛትኡ እዋን ስቕታ እያ ክትመርጽ ትርአ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ነታ ናጽነታ ባዕላ ብምእዋጅ ርእሰ-ምምሕዳር መስሪታ ክትከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም "ናጻን ልኡላዊትን ሃገር" ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ ስቕታ ኣዲስ ኣበባ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።
እታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓየለን ዝማዕበለን ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዘለዋ ዝንገረላ እስራኤል፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበት እንኮን ፈላሚትን ሃገር ኮይና ኣላ።
ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ግብጽን ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራትን ውድባትን ዓለም ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ዝተወስደ ስጉምቲ ዘለወን ተቓውሞታት ይገልጻ ኣለዋ።
በቲ ሃንደበታዊ ስጉምቲ ዝተቖጥዐ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ'ውን ነቲ ስጉምቲ ብትሪ ኮኒንዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ውሳነ እስራኤል ንምርግጋእ ሶማልያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘስግእ ምዃኑ'ዩ ኣጠንቂቑ።
እቲ "ዒሮ" (ሸያቦ) ብዝብል ዝፍለጥ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ግን እቲ "ታሪኻዊ" ክብል ዝገለጾ ውሳነ እስራኤል፡ ነቲ ሶማሊላንድ ክትጠልቦ ዝጸንሐት ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘደንፍዕን "ሃገር ንክትከውን ዘለዋ ታሪኻዊ፡ ሕጋዊን ሞራላዊን መሰል ዘረጋግጽ'ዩ" ብምባል'ዩ ንኢድዎ።
ስለምንታይ ኢትዮጵያ ስቕታ መሪጻ?
ኣብ ቀረባን ርሑቑን ዘለዋ ሃገራት ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ መርገጺታተን ኣብ ዘፍልጣሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣዲስ ኣበባ ትም መሪጻ ትርከብ።
ብወገን መራሕቲ እታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ'ውን ነቲ ዓለም ትዛረበሉ ዘላ ጉዳይ ሸፈነ ከምዘይሃብኦ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንንግዳዊን ወተሃደራዊን ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ስምምዕ ምፍራማ ካብ ሞቓድሾ፡ እቲ ዞባን ኪኖኡን ተቓውሞታትን መጠንቀቕታታትን ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ዝፈጠሮ ከይኮነ ኣይተርፍን፡ እቲ ስምምዕ ክሳብ ሎሚ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።
ተንታኒ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ናጋራ ጉዳታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ስቕታ ኢትዮጵያ መልሲ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።
"ከምዝመስለኒ፡ ንመርገጺኣ ዘነጽር እዩ" ብምባል እወታዊ ትርጉም ከምዘለዎ ይምጉት።
"ሓድሽ ጉዳይ ብምዃኑ፡ ነገራት ናበይ ኣንፈት ከምዘብሉ ንምፍላጥ ህድእ ምባል ኣገዳሲ'ዩ"።
መርገጺ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሃገራዊ፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ረብሓታታ ዝጋጮ ስለዘይኮነ ስቕታ ክትመርጽ ከምእትኽእል'ውን የረድእ።
ኤርትራዊ ተንታኒ ፖለቲካን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ዝኾነ ዘርኣስላሰ ረድኢ ሽከር ብወገኑ፡ ኣዲስ ኣበባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከበላ ብምዃና እቲ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ተኣፋፍነት ኣለዎ ይብል። እቲ ሕብረት ንኣፍልጦ እስራኤል ተቓዊሙዎ ምህላዉ ይፍለጥ።
"ኣቢይ ቀልጢፉ ኣሰር እስራኤል እንተስዒቡ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ወይ ደቡብ ኣፍሪቃ ክግዕዝ ጠለባት ክቐርብ ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ነበር።
ኢትዮጵያ ኣመሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክወስድኦ ንዝኽእላ መርገጺታት ምጽባይ መሪጻ ክትከውን ከምእትኽእል'ውን ዘርኣስላሰ ይእምት።
ድሮ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝነበራ መርገጺ ከምዘይተቐየረ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሃበቶ መብርሂ ኣነጺሩ ኣሎ።
"እቲ ሳልሳይ ምኽንያት፡ ዞባዊ ረቛሒ እዩ። ነቲ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ኤርትራን ክፈጥርኦ ዝኽእላ ልፍንቲ ብምስጋእ ዝወሰዶ ግብራዊ" ክኸውን ከምዝኽል ዘርኣስላሰ የመልክት።
ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ እቲ ምስታ ርእሰ-ምምሕዳር ዝፈረመቶ ስምምዕ ምስ ሞቓድሾ ተፈጢሩ ዝነበረ ምትፍናን ብመንጎኝነት ናይታ ምስ ክልቲአን ሃገራት ጸጥታዊን ቁጠባዊን ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ'ዩ ተፈቲሑ።
ድሕሪ ስምምዕ ኣንካራ'ውን፡ እቲ ናብ ኣስመራ ክመላለስ ዝርአ ዝነበረ መራሒ ሶማልያ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣንፈቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተደጋጋሚ ርክብ ክገብር ጸኒሑ።
እስራኤል ብ26 ታሕሳስ ንውሳነ ሶማሊላንድ ብወግዒ ቅድሚ ምፍላጣ'ውን፡ መራሒ ሶማልያ ብ19 ታሕሳስ ምስ ኣቢይ ተዘራሪቡ ተመሊሱ ነይሩ።
ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ ዝህልዎ ትርጉም
ኣፍልጦ እስራኤል፡ ምትእትታው ግብጺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናዓበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ተኸሲቱ ዘሎ።
ካይሮ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ጎስጓስ ብዘየወላውል መንገዲ'ያ ትቃወሞ ዘላ።
ኣብ 2023 ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማን ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግብኣን ድሕሪ ምግላጻ፡ መራሕቲ ግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ "ስሉሳዊ ዋዕላ" ምክያዶም ይዝከር።
እቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘአንገዶን ግብጻዊ መዘናኡ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ዝፈረምሉን ስምምዕ ናብ ኢትዮጵያ ዘነጻጸረ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ እዋን ካይሮ ናብ ሶማልያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትልእኽን ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ኣንጻር ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዝቃለስ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ክትከውን ምውሳናን ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ግብጺ ምስ ጂቡቲ ዝፈረመቶ ቁጠባዊን ንግዳዊን ስምምዓት'ውን ካብ ዓይኒ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸወለ ኣይኮነን።
ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ካምል ኢል-ዋዚር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ጂቡቲ ሓድሽ "ንኹሉ-ዕላማ" ዘገልግል ወደብ ንምህናጽ ወይ ምሕዳስ፡ ሶላራዊ ጸዓትን ንምምዕባልን ዘኽእል ወፍሪ ንምግባር ምስ ሰብመዚ ወደባት እታ ሃገር ተፈራሪሙ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ወተሃደራዊ ዘጠቓለለ ምዃኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ይወጽእ'ኳ እንተሎ ብወገን ክልቲአን ሃገራት ይኹን ናጻ ኣካል ወግዓዊ መርትዖ ኣይተረኽበን።
ሓደ ነቲ ዞባ ብቐረባ ዝከታተሎ ተንታኒ ከምዝብሎ፡ ጂቡቲ ዝኾነ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ክትዕድማ ከምዘይትኽእል'ዩ ዝምጉት።
ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ቁጠባዊ ዝምድና ክትከስር ስለዘይትደሊ፡ ጂቡቲ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ግብጺ ከምዘይተፍቅድ'ዩ እቲ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ተንታኒ ዘረድእ።
"ኢትዮጵያ ሕሉባን ንጹፋን እያ፡ ስለዚ ስለምንታይ ከተቐይማ ክትደሊ? ኣስታት 70 ሚእታዊት ሓፈሻዊ እቶት ጂቡቲ ካብ ሎጀስቲክስ ዝምንጩ እዩ፡ እዚ ድማ ዳርጋ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያ እዩ"።
ብወገን ካይሮ ነቲ ስምምዕ ዝፈረመ ሌ/ጀነራል ኢል-ዋዚር፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ህንጻን ምህንድስናን ሰራዊት ግብጺ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ከም ሚኒስተር ኢንዱስትሪያዊ ልምዓት፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ እዩ።
ንውሳነ እስራኤል ብምቅዋም ተቓውሞኣ ኣነጺራ ዘላ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከይትወስድ በዚ ስምምዕ መልእኽቲ ንምሕላፍ'ውን ካልእ ተኽእሎ'ዩ።
ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ብሰንኪ ህንጸት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክሰሓሓባ ምስጽንሐን'ውን ምዝካር የድሊ።
በቲ ኮይኑ በቲ ግን፡ ውሳነ እስራኤል ንፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ዘጣጥሕ ከይኮነ ኣይተርፍን። ስለዚ ድማ'ዩ ዓይኒን እዝንን ብዙሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምቕናዕ ዝጽበያ ዘለዋ።
ዝምድና ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ካበይ ናበይ?
ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ ጸግዕን ኣፍደገን ናይታ ካብ 1991 ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ።
ጸጥታዊን ንግዳዊን ርክባተን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እናሰፍሐን እናሓየለን ክኸይድ ጸኒሑ።
ክልቲአን ወገናት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ርእሰከተማ ሃርጌሳን ቆንስላዊ ኣብያት ጽሕፈት ኣለወን።
ካብ ከባቢ 2001 ኣትሒዛ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ክልቲአን ርእሰከተማታት በረራታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ፡ ዋላ'ኳ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ተቛሪጹ እንተነበረ።
ኣብ 2024 ኣዲስ ኣበባ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ ኣፍደገባሕሪ ብዝተሓሓዝ ሰብመዚ ሞቓድሾ ናብ ሃገርጌሳ ዝግበር በረራታት ናይቲ መገዲ ኣየር ከምዝቋረጽ ገይሮም ነይሮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ነበር ሙሰ ብሂን ዝፈረምዎ ምርድዳእ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕርን ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ክትረክብ፡ ኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባን ዝብል'ዩ ነይሩ።
ሞቓድሾ፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ዝርከብአን ሃገራት ተቓውሞታት ድሕሪ ምስምዖም ግን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይክኣለን።
ኣቢይ፡ ሃገሩ "ብዝኾነ ዋጋ" ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ከምዘለዋ ክጉስጉስ ምጽንሑ ይፍለጥ።
"ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ናይ ሓባር ረብሓን ዝምድናን ኣለወን። ምናልባት ሶማሊላንድ ነዚ ዝምድና ተጠቂማ ኣፍልጦ ክትረክብ ትኽእል እያ። ሶማሊላንድ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍልጦ ክትረክብ ምስ ጀመረት ነዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ከተእቱ ትጽቢት እገብር" ክብል ክኢላ ሕጊ ሶማሊላንድን ተንታኒ ፖለቲካን ጉሌድ ዳፋቅ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ 2004 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ምስ ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ ሎርድ ዴቪድ ትሪስማን ኣብ ዝገበሮ ወግዒ፡ "ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ዝሃበት ቀዳመይቲ ሃገር ኣይክትከውንን እያ። ግን ድማ ሳልሳይ እውን ኣይክትከውንን እያ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
መለስ ነዚ ከምዝበለ፡ ትሪስማን ኣብ 2010 ኣብ ቻታም ሃውስ (ለንደን) ኣብ ዘስምዖ መደረ እዩ ዕላዊ ገይሩ። ነፍስሄር መለስ፡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ዝሃበት ካልአይቲ ሃገር ንምግባር መደብ ከምዝነበሮ ዘመልክት እዩ።
ኢትዮጵያ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶማሊላንድ "ኣዝያ ኣገዳሲትን ኣፍልጦ ክትህብ እትኽእልን" ምዃና ጉሌድ ይጠቅስ።
ብኻልእ ወገን ድማ በዓል ስልጣን ሶማልያ ነበርን ተንታኒ ፖለቲካን መሓመድ ሙኽታር እቲ ኵነታት ንሶማልያ ሓደገኛ እዩ ይብል።
"ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ንሶማልያ ዓቢ ስግኣት'ዩ።"
እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝዀነ መግለጺ ዘይምሃባ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ።