እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ምፍታሕ እሱራት ሃይማኖት ይቕጽል
ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ምስ እምነትን ሃይምኖትን ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ተወሰኽቲ እሱራት ተፈቲሖም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ተታሒዞም ዝጸንሑ 13 ኣመንቲ ዝተፈላለያ ወንጌላውያን ቤተክርስትያናት ተፈቲሖም ኣለዉ።
እቶም ኣብ ቡሽካ ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ዝጸንሑ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ዜጋታት ናብ ገዛኦም ተፋንዮም ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ብዙሓት ተኸተልቲ ናይቲ ሃይማኖታትን ብኻልእ ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሰባትን ከምዝፈትሑ ይዝከር።
ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ብዘይ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን ንዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣስታት 100 ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተለቒቖም ነይሮም።
ኣብ ሚያዝያ 2024፡ ኣብ ዞባ-ጋሽ ባርካ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፡ ልዕሊ 30 ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ከተማታት ኣቑርደት፡ ባረንቱን ተሰነይን ካብ መንበሪ ገዛውቶም ተወሲዶም ተኣሲሮም ነይሮም።
ኣብታ ሃገር ኣስታት 10,000 እሱራት ከምዘለዉን፡ ኵሎም ብህጹጽ ክፍትሑን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።
እተን ብ'ጴንጠ ቆስጠ' ዝፍለጣ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ 2002 ብትእዛዝ ሓለፍቲ ጸጥታ ድሕሪ ምዕጻወን፡ ብዙሓት ሰዓብተንን መራሕተንን ኣብ ፈቖድኡ እናተሃድኑ ናብ ማሕዩር ክዳጎኑ ጸኒሖም'ዮም።
መራሕቲን ኣመንቲን ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን እስልምናን'ውን ካብ ፈለማ ናጽነት እታ ሃገር ኣትሒዙ ግዳይ ማእሰርቲ ክዀኑ ጸኒሖም እዮም።
ካብቶም ቀንዲ ንልዕሊ 21 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ፓስተር ሃይለ ናይዝጊን ይርከብዎም።
እቶም እሱራት ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ወግዓዊ ክሲ ከምዘየለን፡ ዛጊት ኣብ ዝዀነ ቤትፍርዲ ከምዘይቀረቡን ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይግልጹ።
ካልእ ምንጪ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እዞም ብሰኑይ ተፈቲሖም ዘለዉ ዜጋታት፡ ካብ ቡሹካ ናብ ከተማ ባረንቱ ድሕሪ ምውሳዶም ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ከተማ ካብ ገዛውቶም ተታሒዞም ዝተወስዱ ምንባሮም'ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ኣብታ ሕገ-መንግስቲ፡ ባይቶን ናጻ ቤትፍርድን ዘይብላ ኤርትራ፡ ሰብመዚ ጸጥታ ብዘይሕጋዊ ትእዛዝ ንዝደለይዎ ሰብ ኣብ ቀይዲ ብምእታው፡ ብዘይፍርዲ ኣብ ስዉርን ቅሉዕን ኣብያተ-ማእሰርቲ ከምዝሕዙ ይፍለጥ።
ኣብ ፈለማ ታሕሳስ፡ ንኣስታት 18 ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 13 ሰባት ተፈቲሖም ነይሮም።
እዞም ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሞያውያን ዝርከቡዎም እሱራት፡ ብ4 ታሕሳስ እዮም ናብ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ክኢሎም።
እቶም ግዳያት ማእሰርቲ፡ ንጉዳይ ክልተ ነጋዶ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግድ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ካብ ጥቅምቲ 2007 ኣትሒዞም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምዃኖም ይግለጽ።
ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተዉ ዝተሰወሩ 11 ኣባላት ካብቶም ብጕጅለ-15 ዝፍለጡ ቅዋማዊ ደሞክራሲ ክትከል፡ ተሓታትነት ክረጋገጽን ምርጫታት ክካየድን ዝጠለቡ ላዕለዎት ምኒስተራትን ጀነራላትን፡ ከምኡ'ውን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣባላት ባይቶን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።
ንዓኣቶም ስዒቦም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ኣዳለውትን ጋዜጣታት ብሕቲ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተሰዊሮም ይርከቡ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝግበር ዘሎ ምፍታሕ እሱራት ግን ንብዙሓት ስድራቤታት ተስፋ ዝሃበ ኰይኑ ኣሎ።