እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውሮጳዊ ሽልማት መሪሕነት ዝተጎናፀፈት ትግራወይቲ ሞዴል
ተዓዋቲት 'ዓለምለኸ መሪሕነት ደቂኣንስትዮ ኣውሮጳ 2025' (EWILA) ሞዴል ራህዋ ክንፈ፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ኣኽሱም እያ ተወሊዳ ዓብያ።
እዚ ሽልማት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝነጥፋ፤ ኣብ ምብቃዕ ደቂኣንስትዮን ማሕበረሰባዊ ፅልዋን ፀብለልታ ብምርኣይ ንዝተሓረያ ደቂኣንስትዮ በብዓመቱ ዝውፈ እዩ።
ናይዚ ዓመት ሽልማት ድማ ንራህዋ ሓዊሱ፡ ንሸሞንተ ደቂኣንስትዮ ዓለም ተዋሂቡ።
ሞዴል ራህዋ ንትግራይ-ኢትዮጵያ ወኪላ ዝቐረበት ኮይና፡ ካብ ሞሮኮ፣ ስሎቬንያ፣ ጀማይካ፣ ስሎቫክያ፣ ጥልያን፣ ክሮሽያን ኮንጎን ዝመፅኣ ካልኦት ሸውዓተ ደቂኣንስትዮ'ውን ኣፍልጦ ተዋሂብወን።
"ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝሰራሕናዮ ትግራይ ተኰር ስራሕቲ ብቕርበት ዝከታተሉ ብዝነበሩ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝሰርሑ ሰብሞያ እየ ተሓርየ" ትብል እታ ንትግራይ ወኪላ ከምዝቐረበት ትዛረብ ሞዴል።
"ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ፅባቐ ውድድራት፣ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ መተኣኻኸቢ እቶት ስለዝሳተፍ ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ዝተገበረን ሕዚ'ውን ዝግበር ዘሎን ንህዝቢ የፍልጥ ስለ ዝነበርኹ'የ" ብምባል፡ ብኸመይ ነዚ ሽልማት ከም ዝተሓረየት ተብርህ።
እዚ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ንራህዋ ዓብይ ትርጉም'ዩ ዘለዎ።
"ኣብቲ መድረኽ፡ ህዝበይ ዝርከበሉ ኩነታት ምዝራበይ ዓብይ ሓጎስ እዩ ፈጢሩለይ" ትብል።
ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን፣ መሰል ደቂኣንስትዮ ክሕሎን ክኽበርን ኣብ ዝገብሩ ስራሕቲ ንክትሳተፍ ዝያዳ ዘነቓቕሓ ሽልማት ከምዝኾነ ብምሕባር "ንቀፃሊ ትልምታተይ'ውን ሞራላዊ ምልዕዓል'ዩ ዝፈጥረለይ" ኢላ።
ተዓወትቲ ኣብ ዝነጥፋሎም ዓውድታት ንዘለዉ ስራሕቲ ዝያዳ ከላልያ፣ ምስ ብዙሓት ፅልዋ ፈጠርቲ ኣካላትን ትካላትን ክራኸባን፤ ምስ ሕሉፍን መፃእን ተሸለምቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክሰርሓ ዕድል ከም ዝፈጥረለን እውን ትገልፅ።
ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ፀላዊት ጓልኣንስተይቲ...
ሞዴል ራህዋ ክንፈ፡ ንባዕላ ኣብ ስደት ክትረኽቦ ሓሳባ ኣይነበረን። ነቲ ኣብ 2020 ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ስዒቡ ካብ ግዳያት እቶም ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተኣሰሩ ብዙሓት ተጋሩ ሓንቲ ምንባራ ትዛረብ።
ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሐት ነቲ ኣብ ህይወታ ተመንያቶ ዘይትፈልጥ ስደት ክትነብሮ ተገዲዳ። ኣብ መጋቢት 2022 ድማ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲታ።
ራህዋ ተማሂራ ቀዳማይ ዲግሪ ዝረኸበትሉ ዓውዲ ትምህርቲ 'ማርኬቲንግ ማንጅመንት' እኳ እንተኾነ፡ ሞዴሊን ግና ገና ካብ ግዘ ቁልዕነታ ጀሚራ እትብህጎ ዝነበረ ሞያ እዩ።
ናብ ስደት ቅድሚ ምውፅኣ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ውድድር ፅባቐን ምርኢት ፋሽንን ናይ ምስታፍ ዕድል ነይርዋ።
ኣብ ኣውሮጳ ናብራ ስደት ኣሃዱ ኢላ እንትትጅምር ብድሆታታ ስደት ቀለልቲ'ኳ እንተዘይነበሩ፡ ተሓሊኻ ነቲ እትፈትዎ ሞዴሊንግ ክተቐብፆ ግና ኣይመረፀትን።
ናብታ ሕዚ ትነብረላ ዘላ ቤልጂየም ኣብ መጋቢት 2022 ምስኣተወት፡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልኣ ነቲ ካብ ቁልዕነታ ጀሚራ ትብህጎን ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንከላ ትነጥፈሉ ዝነበረትን ሞያ ሞዴሊንግ ዓለምለኻዊ ደረጃ ክተትሕዞ ኣንቂዳ።
"ናብ ኣውሮጳ ምስ መፃእኹ ብውልቀ ፃዕረይ (ሞዴሊንግ) ብኸይዲ እናዕበኽዎ መፂአ። ዓለምለኻዊ ደረጃ ንክሕዝ'ውን ብዙሕ ፅዒረ እየ።" ትብል።
ፃዕርታታ፡ ብውድድር ፅባቐ፣ ፋሺን ሞዴሊን፣ ምስ ስሙያት ዓለምለኻዊ ትካላት መወዓውዒ ፍርያታቶም ክሳብ ምስራሕ ተሰንዩ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ክሳብ ምድማቕ ዝበፅሕ ፍረ ኣፍርዩ።
'ሚስ ብላክ ቤልጂየም፣ ሚስ ዳይመንድ ኣፍሪካ'፣ 'ኤራስመስ ፕሮግራም'፡ ራህዋ ህይወት ስደት እናነበረት፡ ዝተሳተፈትሎምን ዝደመቐትሎምን ዓበይቲ መድረኻት ኣውሮጳ እዮም።
ኣብቲ ኣብ 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተኻየደ ውድድር ፅባቐ 'ሚስ ብላክ ቤልጂየም'፡ ካልኣይቲ ኰይና'ያ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።
እዚ ውድድር ምስ ብዙሓት ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ስሙያት ትካላት ክትሰርሕ ኣፍደገ ዘርሓወላ እዩ።
"ራንወይ ፋሽን ሾው ሰሪሐ'የ፣ ምስ ከም 'ማክ ቢዩቲ' ዝኣመሰሉ ስሙያት ትካላትን ብዙሓት ዲዛይነራትን'ውን ሰሪሐ እየ" ክትብል ተረድእ።
ኣብ ከም ፓሪስ ማች፣ ሞይኣክትን ቤልቤልጂየምን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታትን መፅሄታትን ሽምን ፎቶን ሞዴል ራህዋ ብደሚቑ ተጋዊሖም።
ራህዋ ካብ ሞያ ሞዴሊንግ ብተወሳኺ ዲጂታል ክርኤተርን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን እያ።
ኣብ ሕድሕድ እትሳተፈትሎም መድረኻት ውድድር ፅባቐ ኮነ ፋሽን ሾው ወይ'ውን ካልኦት መድረኻት፡ ብዛዕባ ትግራይን ህዝቢ ዝነብረሉ ዘሎ ኩነታትን ንማሕበረሰብ ዓለም ከየፍለጥኻ ምሕላፍ ኣይትሓስቦን።
ካልኦት ኣብ ስደት ዝነብሩ'ኸ?
ራህዋ ኣብ ስደት እትነብር ክንሳ ኣብ ሓፂር ግዘ ካብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ፅባቐ ክሳብ ምስ ምስ ስሙያት ትካላት ካብ ምስራሕ ሰጊራ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ፅልዋ ብምፍጣር ተዓዋቲት 'ዓለምለኸ መሪሕነት ደቂኣንስትዮ ኣውሮጳ 2025' እኳ እንተኾነት፡ እቲ ጉዕዞ ግና ትግሃት ከም ዝሓትት ኣይሓበአትን።
"ስደት ከቢድ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ብምኽንያት ስእነት ሰላም ንዝተሰደድና ብዙሕ ፈተናታት'ዩ ዘለዎ" ትብል።
ኣብ ስደት ዘጋጥሙ ብድሆታት ሓሊፍካ ኣብቲ ትብህጎ ቦታ ምብፃሕ ይከኣል'ዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ድማ ኣለዋ።
"ዕላማኻ ምንፃር፣ ኣብ ሓድሽ ቦታን ኩነታትን እንታይ ትገድፍ፣ እንታይ ሒዝኻ ትኸይድ፣ ምስ መን ትቐርብ ዝብሉ በብግዚኡ ምፍታሽ ወሳኒ እዩ" ክትብል ትምዕድ።
ኣስዒባ "ዓወታትና እናደመርና፡ ካብ ውድቀታትና እናተምሃርና ኢና ንኸይድ እሞ፡ 'ውድቀት ንመፃኢ ዓወታትና እንመሃረሉ ዕድል'ዩ' " ኢላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ፃንሒት።
ከከም ዓዱ ዝፈላለይ'ኳ እንተኾነ ሰባት ኣብ ስደት ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ዕድላቶም ንምስፋሕ ሓበሬታታት ምስ ዝእክቡ፣ ናይ ቋንቋን ሞያን ክእለታቶም ምስዘዕብዩን ብቅልጡፍ ምስቲ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ እንትወሃሃዱን ዕውታት ምዃን ከም ዝኽእሉ ድማ ካብ ተሞክሮኣ ተካፍል።