ኢራን፡ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ገሊጾም
ኣብቲ ኣብ መላእ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይገልጹ።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ሃራና' ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ከምዝበሎ፡ ዛጊት 48 ናዕበኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ብወገን ሓይልታት ጸጥታ'ውን 14 ኣባላት ከምዝተቐትሉ እቲ ትካል ይጠቅስ።
ሓደ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ካልእ ማሕበር ሰባዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ 9 ቆልዑ ዝርከብዎም 51 ናዕበኛታት ተቐቲሎም ኢሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ዝርከብዎም ዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ናብታ ሃገር ክኣትዉ ስለዘይክኣሉ፡ ካብታ ሃገር ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝወጽእ ሓበሬታ'ዮም ክምርኮሱ ጸኒሖም።
እንተኾነ፡ ኢንተርነት ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ይርከብ። መንግስቲ ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ኢንርነት ክቋረጽ ከምዝወሰነ ብዓርቢ ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ቋንቋ ፋርሲ ግን ዛጊት 22 ካብ ናዕበኛታት ከምዝተቐትሉ'ዩ ኣረጋጊጹ ዘሎ።
ሰብመዚ ኢራን ብወገኖም፡ ሽዱሽተ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም ኣለዉ።