እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንማዱሮ ዝሓዘትሉ... ሰለይቲ፡ ድሮናት፡ መሰርሰሪ መዓጹ...
ሰለይቲ ኣመሪካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሳት ፕረዚደንት ቬነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ክከታተልዎ ካብ ዝጅምሩ ኣዋርሕ ተቖጺሩ።
ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ቬነዝወላ ዝርከብ ሓደ ምንጪ ንኡስ ጉጅለ፡ ወዲ 63 ዓመት ማዱሮ ኣበይ ከም ዝድቅስ፡ እንታይ ከም ዝበልዕ፡ እንታይ ከም ዝኽደንን ክትዕዘብ ጸኒሓ እያ።
ድሕሪኡ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ፡ "ስርሒት ፍጹም ውሳነ" ብዝብል ዝተሰመየ ተልእኾ ተፈጺሙ። እዚ ውጽኢት ናይቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ጽፉፍ ውጥንን ልምምድን እዩ።
እቲ ልምምድ ድማ ፍሉይ ወተሃደራት ኣመሪካ ከምቲ ኣብ ካራካስ ዝርከብ ውሑስ መንበሪ ማዱሮ ኣምሲሎም ኣብ ዘዳለዉዎ መእተዊ ብኸመይ ከምዝኣትዉ ዘጠቓለለ ነይሩ።
እቲ ውጥን፡ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዘይተራእየ ኣመሪካ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝገበረቶ ፍሉይ ወተሃደራዊ ምትእትታው እዩ። ብሚስጥር እዩ ተሓልዩ።
ኮንግረስ ኣቐዲሙ ብዛዕባኡ ኣይተሓበረን ወይ ኣይተማኸረን።
ዝርዝራት እቲ ውጥን ምስ ተወድአ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ምቹእ ኵነታት ክሳብ ዝረኽቡ ክጽበዩ ጸኒሖም።
ሃንደበታዊ ባእታ ልዑል ክገብሩ ድሌት ከምዝነበሮም ሰበስልጣን ኣመሪካ ትማሊ ሰንበት ገሊጾም። ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ፕረዚደንት ትራምፕ ፍቓድ ምስ ሃበ ክጅመር ተፈቲኑ ነይሩ። እንተዀነ ግን ዝሓሸ ኵነታት ኣየርን ውሑድ ደበናን ክጽበዩ መሪጾም።
"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ሰራዊት ኣመሪካ ተዳልዮም፤ ቅኑዕ መመኽነይታን ትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕን ብትዕግስቲ ይጽበዩ ነይሮም" ክብል ጀነራል ዳን ኬይን፡ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
'ጽቡቕ ዕድል፡ የቕንዓልኩም!'
ኣብ መወዳእታ ዓርቢ ምሸት፡ እቲ ተልእኾ ክጅምር ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ትእዛዝ ተዋሂቡ።
"ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ነዚ ክንገብር እዩ ነይሩና፡ ድሓር ግን ሃንደበት ትእዛዝ መጺኡ። ንሕና ድማ፡ ተበገስ ኢልና" ክብል ትራምፕ ባዕሉ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ እቲ ለይቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣብ ዝነበራ ሰዓታት ንፎክስ ኤንድ ፍሬንድስ ሓቢሩ።
ጀነራል ኬይን ብወገኑ ትራምፕ 'ጽቡቕ ዕድል፡ የቕንዓልኩም!' ከምዝበሎምን ብትምኒቱ ናእዳ ከምዝተሰምዖምን ገሊጹ።
ትእዛዝ ትራምፕ ኣብ ካራካስ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ምዃኑ እዩ ተዋሂቡ። እቶም ወተሃደራት ድማ ብኣብዛሓ ኣብ ጸልማት ንኽንቀሳቐሱ ዕድል ሂብዎም።
ብድሕሪኡ ክልተ ሰዓትን ዕስራ ደቓይቕን ዝወሰደ ተልእኾ ብኣየር፡ መሬትን ባሕርን ተኻይዱ። እቲ ተልእኾ ንብዙሓት ዘደንጹ'ዩ ነይሩ።
ብመንጽር ስፍሓትን ትኽክለኛነትን ዳርጋ ተራእዩ ኣይፈልጥን።
ካብ ሓያሎ ዞባዊ ሓይልታት ድማ ቅጽበታዊ ውግዘት ኣስዒቡ።
ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ፡ መራሒ ቬነዝወላ ብዓመጽ ምሓዝ "ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ካልእ ኣዝዩ ሓደገኛ ቅድመ-ኩነት ዘለዎ'ዩ" ኢሉ።
ትራምፕ ነቲ ተልእኾ ኣብ ክፍሊ መከታተተሊ ዋይት ሃውስ ኣይኰነን ተዓዚብዎ። ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብታ ኣብ ፓልም ቢች፡ ፍሎሪዳ እትርከብ ክለቡ ማር-ኣ-ላጎ ብኣማኸርቱ ተኸቢቡ፡ ብዳይረክተር ሲኣይኤ ጆን ራትክሊፍን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ተሰንዩ ብቀጥታዊ መስመር ይከታተሎ ነይሩ።
"ንምእማኑ ዘጸግም ነገር እዩ ነይሩ" ኢሉ ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
"ቃል ብቓሉ ከም ፊልም እየ ተዓዚበዮ። እቲ ፍጥነት፡ እንተትርእዩ ነይርኩም.. በቃ፡ ዘገርም ነገር እዩ ነይሩ፡ እዞም ሰባት ዘገርም ስራሕ እዮም ፈጺሞም።"
ኣብታ ለይቲ ቦምባ ዝድርብያ ናይ ውግእን ዳህሳስ ዝርከብኦም ልዕሊ 150 ነፈርትን ከምዝተዋፈራ ሰበስልጣን ኣመሪካ ይገልጹ።
ኣብ ካራካስ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ 2፡00 ልዑል ድምጺ ዘለዎ ፍንጀራ ተሰሚዑ። ትኪ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ክዓርግ ተራእዩ።
ሪፖርተር ኣና ቫኔሳ ሄረሮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣዝዩ ልዑል ድምጺ ፍንጀራ ሰሚዐ" ኢላ። "ዅሎም መስኮታት ተነቓኒቖም። ብኡንብኡ ዳርጋ ንምርኣይ ክሳብ ዝጽግም ብትኪ ተዓፊኑ።"
"ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ኣብ መላእ ከተማ ይዞራ ነይረን" ትብል።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ ከባቢ ካራካስ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ፍንጀራ፣ ባርዕን ትክን ዘርእዩ ብርክት ዝበሉ ቪድዮታት ብምምርማር ኣየኖት ቦታታት ዒላማ ከምዝተገበሩ ብልክዕ ንምፍላጥ መርመራ ኣካይዱ።
ክሳብ ሕጂ፡ መዓስከር ኣየር ጀነራሊሲሞ ፍራንሲስኮ ደ ሚራንዳ፡ ብላ ካርሎታ ዝፍለጥ መዓርፎ ነፈርቲን ቀንዲ መተሓላለፊ ካራካስ ናብ ባሕሪ ካሪብያንን ዝዀነ ፖርት ላ ጓይራን ዒላማ ከምዝተገበሩ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
'ንመጽእ ከምዝነበርና ይፈልጡ ነይሮም'
ኣብ ከባቢ ካራካስ መጥቃዕትታት ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓይልታት ኣመሪካ ናብ መንገድታት እታ ከተማ ኣቕኒዖም።
እዚ ድማ ኣባላት ናይቲ ላዕለዋይ ኣሃዱ ፍሉይ ተልእኾ ሰራዊት ኣመሪካ ዝዀነ ደልታ ፎርስ ዘጠቓለለ ምዃኑ ምንጭታት ንሲቢኤስ ሓቢሮም።
ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ድማ ኣብቲ ማዱሮ ዝርከበሉ ቦታ ከምዝበጽሑ፡ ጀነራል ኬይን ሓቢሩ።
ትራምፕ ነቲ ውሑስ መንበሪ ማዱሮ ብሓይሊ ዝሕሎ ወተሃደራዊ "ዕርዲ" ክብል ገሊጽዎ። "ኣብ ድሉው ኵነታት ኰይኖም ይጽበዩና ነይሮም። ንመጽእ ከምዝነበርና ይፈልጡ ነይሮም" ኢሉ።
እቶም ወተሃደራት ምስ በጽሑ ተኹሲ ከፊቶም። ሓንቲ ካብተን ሄሊኮፕተራት ኣመሪካ ተሃሪማ ግን ስርሒታ ትቕጽል ነይራ።።
"እቲ ሓይሊ ናብ ቀጽሪ ማዱሮ ወሪዱ ብፍጥነት፡ ትኽክለኛነትን ብዲሲፕሊንን ይንቀሳቐስ ነይሩ" ይብል ጀነራል ኬይን።
በዓልቲ ቤት ማዱሮ ሲልያ ፍሎረስ እውን ተታሒዛ። ሽዑ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ስርሒት ንኣባላት ባይቶ ከፍልጥ ጀሚሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ስርሒት ኣብ ገለ ኣባላት ኮንግረስ ቁጥዐ ፈጢሩ።
ኣባል ሰኔት ኣመሪካ ቻክ ሹመር "ንጹር ክገብሮ፡ ማዱሮ ዘይሕጋዊ ውልቀ መላኺ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ብዘይ ፍቓድ ኮንግረስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምጅማር፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ነገር ብሸለልትነት ከም ምርኣይ'ዩ ዝቑጸር" ብምባል፡ ነቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኰኒንዎ።
ኣብ ቀጽሪ ማዱሮ፡ ፍሉይ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝዓብለሉሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ቬነዝወላ ናብ ውሑስ ክፍሊ ክሃድም ከምዝፈተነ ትራምፕ ገሊጹ።
"ናብ ውሑስ ክፍሊ ክበጽሕ ይፍትን ነይሩ፡ ግን ንሱ እውን ውሑስ ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ 47 ካልኢት እቲ ማዕጾ ምፈንጀርናዮ ነይርና።"
"ናብ ማዕጾ በጺሑ። ክዓጽዎ ግን ኣይከኣለን" ኢሉ ትራምፕ። "ኣዝዩ ብሓይሊ ይፍትን ስለዝነበረ ናብቲ [ክፍሊ] ኣይኣተወን።"
እቲ ኣብ 2013 ስልጣን ዝሓዘ ምልካዊ መራሒ ማዱሮ ንማእሰርቲ እንተዝቃወም ነይሩ፡ ኣመሪካ ክትቀትሎ ትኽእል ነይራ'ዶ ንዝብል ሕቶ፡ ትራምፕ፡ "ክኸውን ይኽእል ነይሩ" ኢሉ።
ብወገን ኣመሪካ "ሓደ ክልተ ወተሃደራት ተሃሪሞም" ብምባል ዝተቐተለ ከምዘየለ ሓቢሩ።
ሰብመዚ ቬነዝወላ ብዛዕባ ዘጋጠመ ጉድኣት ዛጊት ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ቅድም ክብል ኣመሪካ ንማዱሮ ንምእሳር ዝሕግዝ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 50 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክትህብ ምዃና ሓቢራ ነይራ።
እንተዀነ ብቀዳም ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 04፡20 ግን፡ ሄሊኮፕተራት ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ሒዘን ካብ መሬት ቬነዝወላ ወጺአን ናብ ኒውዮርክ ይጓዓዛ ነይረን። ኣብኡ ድማ ምስ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝተኣሳሰር ገበናዊ ክሲ ክቐርቦ ትጽቢት ይግበር።
ኣስታት ሓደ ሰዓት ድሒሩ ትራምፕ ብዛዕባ ምምራኹ ንዓለም ኣፍሊጡ። "ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ፍትሒ ኣመሪካ ክቐርቡ'ዮም" ኢሉ።