እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ሓንቲ ውልቀሰብ ቀቲሎም፤ ትራምፕ እንታይ ኢሉ?
ረኒ ኒኮል ጉድ ዝተብሃለት ውልቀሰብ ብወኪል ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ብጥይት ከምዝቐተለት ሰበስልጣን ገሊጾም።
እታ ግዳይ ጓል 37 ዓመት ክትከውን እንከላ፡ ዝርዝር ናይቲ ናብቲ ፍጻመ ዝመርሐ ኵነታት ግን ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ፌደራልን እታ ግዝኣትን ሰፊሕ ፍልልይ ፈጢሩ ኣሎ።
ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ፡ እታ ረኒ ኒኮል ጉድ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ልዕሊ ወከልቲ ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን (ICE) ክትሃድም ዝፈተነት "ናዕበኛ" ምዃና ገሊጾም።
ኣብ መንጎ እዚ ሓደ ወኪል ናብ መኪናኣ "መከላኸሊ ተኹሲ" ከፊቱ ኢሎም።
መራሕቲ እታ ከተማን ግዝኣታትን፡ ከምኡ'ውን ዲሞክራትስ ግን ነዚ ጸብጻብ ኣይተቐበልዎን።
ከንቲባ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ "እቲ ወኪል ብዘይግቡእ ሓይሊ ተጠቂሙ ከም ውጽኢቱ ድማ ሰብ ሞይቱ ኣሎ" ብምባል ንወከልቲ ኣይሲኢ ወቒሱ።
"ካብ ከተማና ውጹ" እውን ኢሉ።
ነቲ ፍጻመ ዝተዓዘቡ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሕዎም ቪድዮታት፡ እቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ህሞት ዘርእዩ ይመስሉ።
ሓንቲ ኤስዩቪ መኪና ኣብ ሚኒያፖሊስ ንሓደ መንበሪ ጎደና ክትዓጹ ትረአ። ተቓውሞ ዘስምዑ ዝመስሉ ዕስለ ሰባት ኣብቲ ናይ እግረኛ ከባቢ ተሰሪዖም ይረኣዩ።
ኣብ ቀረባ ብዙሓት መካይን ኣኽበርቲ ሕጊ ኣለዋ። ወከልቲ ኢሚግሬሽን ናብታ ኣብ ጽርግያ ደው ዝበለት መኪና ተጸጊዖም ነታ ኣብታ መኪና ዝነበረት ሰበይቲ ክትወርድ ይእዝዙ። ሓደ ካብቶም ወከልቲ ነቲ መኽፈቲ ማዕጾ ናይታ መኪና ይስሕብ።
ካልእ ወኪል ድማ ኣብ ቅድሚት እታ መኪና ደው ኢሉ ይርአ። ቢቢሲ ብቕጽበት ዝገምገሞም ቪድዮታት፡ እቲ ሓላፊ ኣበይ ደው ኢሉ ከምዝነበረ ኣየነጸሩን። እታ መኪና ክትንቀሳቐስ ምስ ፈተነት፡ እቲ ወኪል ተኹሲ ይኸፍት።
ሰለስተ ተዅሲ ይስማዕ፡ እታ መኪና ድማ ኣብቲ ጎደና ደው ኢላ ምስ ዝነበረት ጻዕዳ መኪና ክትጋጮ ትይርአ።
እዚ ቅትለት፡ ኣብ ሚኒያፖሊስ መንግስቲ ትራምፕ ዓቢ ናይ ኢሚግሬሽን ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።
ጸሓፊት ድሕነት ሃገር ኣመሪካ ክሪስቲ ኖኤም፡ ተግባራት እታ ዝሞተት ጓል ኣንስተይቲ "ዘቤታዊ ግብረሽበራ" ምዃኑ ገሊጻ።
ስርሒታት ኣይኢሲ እውን ኣብታ ከተማ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢራ።
ግብረመልሲ ትራምፕ
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓደ መኮነን ኣይሲኢ "ብኸቢድ" ከምዝተጎድአ ገሊጹ።
"ብህይወት ከምዘሎ ንምእማን ኣጸጋሚ'ዩ፡ ሕጂ ግን ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ኣሎ" ክብል ጽሒፉ።
እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፡ "ኣኽረርቲ ጸጋማውያን" ዝበሎም "ንኣኽበርቲ ሕግናን ወከልቲ ኣይሲኢን መዓልታዊ የፈራርሑ፡ የጥቅዑን ዒላማ ይገብሩብን" ኣለዉ ክብል ወቒሱ።
ጸሓፊት ድሕነት ሃገር ኖኤም ድሒራ ንፕረስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ሞት "ክተርፍ ዝኽእል" ከምዝነበረ ሓቢራ።
ንሳ ግን እቲ ወኪል ኣይሲኢ ንነብሱ ንምክልኻል ከምዝተኮሰትን እታ ጓል ኣንስተይቲ ድማ መኪናኣ ኣንጻር ወከልቲ ከም "ቀታሊ ኣጽዋር" ከምዝተጠቕመትን ብተደጋጋሚ ገሊጻ።
እቲ ዝርዝር ሓበሬታ መርመራ ኤፍ.ቢ.ኣይ ይጽበ ከምዘሎ ዝገለጸት ኖኤም፡ እቲ ዝተጎድአ ወኪል ኣብ ወርሒ ሰነ እውን ኣብ ስራሕ እንከሎ ብመኪና ተሃሪሙ ከምዝነበረ ኣዘኻኺራ።
ቤት ምኽሪ ከተማ ሚኒያፖሊስ ግን፡ እታ ግዳይ ብጥይት ተሃሪማ ክትቅተል ከላ "ንጎረባብታ ትከናኸን" ከም ዝነበረት እዩ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ቲም ዋልዝ እውን ነቲ ፍጻመ ንዝምልከት ፌደራላዊ ጸብጻባት ነጺጉ።
"ነዚ ናይ ፕሮፖጋንዳ ማሽን ኣይትእመኑ" ክብል ብዛዕባ እቲ ተኹሲ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ንዝሃቦ ጽሑፍ መልሲ ሂቡ።
"እታ ግዝኣት ተሓታትነትን ፍትሕን ንምርግጋጽ ምሉእ፡ ፍትሓውን ቅልጡፍን መርመራ ክተካይድ'ያ።" ኢሉ።
ዝተቖጥዑ ነበርቲ ሚኒያፖሊስ ነቲ ተኹሲ ብምኹናን ኣይሲኢ ክወጽኡ ይጽውዑ ኣለዉ። ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ከተማ ድማ ተቓውሞታት ተላዒሉ።
ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ እቲ ቀንዲ ተቓውሞ ኣብ ጥቓ እቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብኡ ኣብ በረድ፡ ሰልፈኛታት ጭርሖታትን መደረታት ኣብ ዘስምዑሉን እዋን፡ ዕምባባታትን ሽምዓታትን ዘርኢ ግዝያዊ ንቕሎ ተኻይዱ።
ካብ ሚኒያፖሊስ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት እውን ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ፤ ኣብ ኒው ኦርሊንስ፡ ሚያሚ፡ ሲያትልን ከተማ ኒውዮርክን እውን ተመሳሳሊ ነገር ትጽቢት ይግበር።
ኣይኢሲ ኣብ ሚኒያፖሊስ እንታይ ይገብር ኣሎ?
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ሚኒያፖሊስ ተወሳኺ 2000 ወከልቲ ፌደራል ዘዋፈረሉ ምኽንያት ብሰብኪ ኣብታ ግዝኣት ዝቐረበ ክሲ ምትላል ከምዝኾነ ምንጭታት ንሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።
ከንቲባ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ፡ ኣይሲኢ ነታ ከተማ ውሑስ ይገብራ ዘይምህላዉ ብምግላጽ "ስድራቤታት ይፈላልዩ ኣለዉ፡ ኣብ ጎደናታትና ህውከት ይዘርኡ ኣለዉ" ኢሉ።
እዚ ብሰንበት ዝጀመረ ወፍሪ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ 2025፡ ኣይሲኢ ሶማላውያን ዝርከብዎም ኣብ ሚኒያፖሊስ ዝርከቡ ክስጎጉ ዝተነግሮም ኣባላት ማሕበረሰብ ዒላማ ንምግባር ዝጀመረ ወፍሪ ምትግባር ኢሚግሬሽን እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እቲ ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ ብትራምፕ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። "ጓሓፋት" ከም'ውን "ኣይደልዮምን" ዝብሉ ቃላት እውን ክጥቀም ተሰሚዑ።
ምምሕዳር ትራምፕ ወከልቲ ኣይሲኢ ናብ ካልኦት ከተማታት እውን ልኢኹ ኣሎ፤ እዚ ኩሉ ኣካል ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘይሕጋዊ ስደት እዩ ዝበሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እዩ ዝኸውን ዘሎ።