ትራምፕ፡ ሶማላውያን 'ኣብ ሃገርና ክህልዉ ኣይደልዮምን እየ' ይብል

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ክህልዉ ድላይ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

"ናብ ዝመጽእሉ ቦታ ክምለሱ፡" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ "ሃገሮም ብገለ ምኽንያት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት የላን፡" ኢሉ።

ብሰሉስ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብቕንዕና ክዛረብ፡ ኣብ ሃገርና ክህልዉ ኣይደልዮምን እየ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ጓሓፍ ኣብ ሃገርና ምእካብ እንተ ቀጺልና፡ [ኣመሪካ] ናብ ጌጋ መንገዲ ክትከይድ እያ፡" ኢሉ።

እዚ ብናይ ምንእኣስ ቃና ዘውጽኦ ዘረባ፡ ሰብመዚ ኢምግረይሽን ብብዝሒ ሶማላውያን ኣብ ዝርከቡላ ሚነሶታ ስጕምቲ ክወስዱ ኣብ ምድላው ከም ዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ሰበስልጣን እታ ግዝኣት ነቲ ውጥን ኰኒኖሞ ኣለዉ። እቲ ውጥን ካብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝመጽኡ'ሞ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዘለዎም ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ክኣሊ ከም ዝኽእል ይምጕቱ።

ማንታ ከተማታት ተባሂለን ዝፍለጣ ሚኒያፖሊስን ሴንት ፓወልን፡ ብደረጃ ዓለም ኮነ ኣመሪካ ሶማላውያን ብብዝሒ ዝነብሩለን ከተማታት እየን።

ትራምፕ፡ ድሕሪ'ቲ ንሰዓታት ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት፡ "ኣብ ሃገርና ክህልዉ ኣይደልዮምን እየ - ብቕንዕና ክዛረብ እየ። ሓደ ሰብ 'እዚ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ቅኑዕ [ዘረባ] ኣይኰነን' ክብል ይኽእል'ዩ። ኣነ ግን ኣይግድሰንን እዩ፣ ኣብ ሃገርና ክህልዉ ኣይደልዮምን እየ፡" ኢሉ።

"ትፈልጡዶ፡ ሶማልያ ዳርጋ ሃገር ኣይኰነትን። ዋላ ሓንቲ የብሎምን። ሓድሕዶም ጥራይ እዮም ዝቃተሉ፡ ስርዓት የሎን፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ ንኢልሃን ዑመር ናብ ምንቃፍ ኣትዩ። ኢልሃን ንሰልፊ ደሞክራሲ ወኪላ ንፈለማ እዋን ኣባል ኮንግረስ ዝዀነት ሶማላዊት ኣመሪካዊት እያ።

"ኵሉ ግዜ እየ ዝከታተላ" ዝበለ ትራምፕ፡ "ንዅሉ ሰብ እያ ትጸልእ። ዓቕሚ ዘይብላ ሰብ ኰይና እያ ትስምዓኒ፡" ኢሉ።

ኢልሃን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ኵቱር ግዳሰ ቅፍፍ ዘብል እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ "እቲ እምብዛ ዘድልዮ ዘሎ ክንክን ክረክብ ተስፋ እገብር፡" ኢላ።

ብዓልመዚ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ኣብ ከተማታት ሚኒያፖሊስን ሴንት ፓወልን ንዝርከቡ ሰነድ ዘይብሎም ሶማላያውን ስደተኛታት ዒላማ ክገብር ብምምሕዳር ትራምፕ መምርሒ ከም ዝተዋህቦ፡ ነቲ ውጥን ዝፈልጥ ሓደ ሰብ ንሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሰሙን ስርሒት ኣብ ዝጅመረሉ እዋን፡ ኣማኢት ሰባት ዒላማ ክዀኑ ትጽቢት ከም ዝግበር እቲ ብዓል ስልጣን ገሊጹ። ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ድማ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ስርሒት ጸብጺባ።

ወሃቢት-ቃል ናይቲ ንኣይሲኢ ዝከታተል ክፍሊ ድሕነት ሃገር፡ ብዛዕባ'ቲ ውጥን ርእይቶ ክትህብ ኣይደለየትን። ዝዀነ ህዝቢ ዓሌት መሰረት ብዝገበረ መንገዲ ዒላማ ከም ዘይግበር ድማ ገሊጻ።

ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ትሪሻ ማክላውሊን፡ እቲ ክፍሊ ኢምግረይሽንን ግምሩክን፡ "ዕለታዊ እዩ ሕግታት ሃገር ኣብ ተግባር ዘውዕል፡" ኢላ።

"ንሓደ ሰብ ዒላማ ዝገብሮ፡ ዓሌቱ ወይ ብሄሩ ዘይኰነስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ምህላዉ'ዩ፡" ትብል።

ከንቲባ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብኣይሲኢ ዝካየድ ስርሒት፡ "ንግቡእ መስርሕ ምጥሓስ ማለት'ዩ፡" ኢሉ።

ነቲ ከባቢ ዝመርሑ ኣካላት ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣስታት 80,000 ሶማልያዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ኣብኡ ይነብሩ፣ ብኣብዝሓ ድማ ዜጋታት ኣመሪካ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኣፍጋናዊ ብዝተኮሶ ጥይት ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ድሕሪ ምህራሙ፡ ብዓልመዚ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ ዝወስዶ ስጕምቲታት ኣሐይልዎ ኣሎ።

ሶማልያ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሓ ስያድ ባረ ድሕሪ ምማቱ እታ ሃገር ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኣትያ፣ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ናብ ኣመሪካ ኣትዮም።

ኣብ ሚነሶታ ዝርከቡ መራሕቲ ንውጥን ትራምፕ ኰኒኖሞ ኣለዉ።