ማምዳኒ፡ ከንቲባ ኒውዮርክ ኰይኑ ዝተመርጸ ኣፍሪቃ ዝመበቈሉ ኣስላማይ፡ እንታይ ይፅበዮ?

ዞህራን ክዋሜ ማምዳኒ ከንቲባ ኒውዮርክ ኰይኑ ተመሪጹ ወዲ 34 ዓመት እዩ። ንሱ፡ ኣብ ዓባይ ከተማ ኣመሪካ ኒውዮርክ ፈላማይ ኣስላማይ ከንቲባ ኰይኑ ብምምራጽ ታሪኽ ሰሪሑ ኣሎ። ዞህራን ማምዳኒ፡ ኣብቲ መረጻ ምስ ተዓወተ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ንስድራኡን በዓልቲ ቤቱን ከምኡ'ውን ንደገፍቱ ኣመስጊኑ።

ብሓፈሻኡ ብብዙሕ መዳያት ፍሉይ እዩ፤

ካብ 1892 ጀሚሩ፡ ብዕድመ ዝነኣሰ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ኣስላማይን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተወልደ ፈላማይ ከንቲባን ክኸውን እዩ።

ንሱ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድምጺ ብምርካብ ክዕወት እንከሎ፡ ካብ 1969 ጀሚሩ ክንድ'ዚ ዝኣክል ድምጺ ዝረኸበ ፈላሚ ሕጹይ እዩ። ብሓፈሻ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ነበርቲ ኒውዮርክ ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ እንከለው፡ እዚ ካብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ ብዕጽፊ ዝወሰኸ እዩ።

ማምዳኒ፡ ኣብቲ ንኣስታት 30 ደቓይቕ ዘስምዖ መደረ፡ ድምጾም ዝሃቡ ነበርቲ ኒውዮርክ ለውጢ ንኽመጽእ ድሌት ከም ዘርኣዩዎ ተዛሪቡ።

ዞህራን ከንቲባ እታ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣዝየን ክቡራት ካብ ዝዀና ከተማታት ሓንቲ ዝዀነት ከተማ ኒውዮርክ ከንቲባ ንክኸውን ድምጺ ንዝሃቡ ነበርቲ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ዝበሃል ስም ዘይነበሮ፣ ውሑድ ገንዘብን ዝዀነ ውድባዊ ደገፍን ከይረኸበ እዩ ናብቲ መድረኽ ኣትዩ።

ከምኡ ኰይኑ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሓዳሪ ነበር ኣንድሩ ኩሞን ሕጹይ ሪፓብሊካን ክርቲስ ሲልዋን ዝሓፈሶ ዓወት ዘደንቕ እዩ።

ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ነቲ ብዙሓት ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ንዓመታት ክምነዩዎ ዝጸንሑ ዓይነት ፖለቲከኛ ይመስል።

መንእሰይን በዓል ግርማ ሞገስን እዩ፤ ከም ሃገሩ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጡፍ እዩ።

ከም ፖለቲከኛ ድማ፡ ከም ነጻ ክንክን ህጻናት፡ ነጻ ህዝባዊ መጓዓዝያን መንግስታዊ ምትእትታው ኣብ ስርዓታት ነጻ ዕዳጋን ዝኣመሰሉን ኣተሓሳስባ 'ፀጋማዊ' ጸግዒታት፡ ኣፍልቡ ነፊሑ የሰጕም።

ማምዳኒ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ንዝረሐቑ፡ ሸቃሎ መረጽቲ፡ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዓይነት ቀንዲ ቍጠባዊ ጉዳያት'ውን ትዅረት ይህብ ኣሎ።

ነቐፍቲ ግን ከምዚ ዓይነት ሕጹይ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ኣመሪካ ከም ዘይምረጽ እዮም ዝዛረቡ።

ሪፓብሊካን ድማ ነቲ 'ደሞክራስያዊ ዴስነት' ዝብልዎ፡ ብኣተሓሳስባ ከም 'ርሑቕ-ጸጋማዊ ጸግዒ' ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዘሰጕም ገይሮም ይርእዩዎ።

ከምኡ ኰይኑ ግን ሰሉስ ምሸት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዓወት ሓፊሱ ኣሎ።

ዞህራን፡ ገዲም ፖለቲከኛን ከንቲባ ኒውዮርክ ነበርን ኣንድሪው ኩሞ ብምስዓር ሕጹይ ሰልፊ ዴሞክራት ምዃኑ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ፖለቲካ ኣገሪሙ እዩ። ጸጋማዊ ፖለቲከኛ፡ ተሓላቒ መሰላት ፍልስጤማውያን፡ ወዲ ስደተኛታትን ሙስሊምን ዝዀነ ዞህራን፡ ተመኵሮ ብዙሕ ዓመታትን፡ ድጋፍ ቢልየነራትን ንዘለዎ ኣንድሪው ኩሞ ክስዕር እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረን።

ጐስጓስ መረጻ ዞህራን፡ ልዕሊ 22 ሽሕ ወለንታውያን ከምኡ'ውን ድጋፍ ሰጐምቲ ፖለቲካ ኣመሪካ ዝበሃሉ ከም በዓል በርኒ ሳንድረስ፡ ኣሌክሳንድሪያ ኦካሲዮ ኮርትዝ ነይሩዎ።

ማምዳኒ ንከንቲባነት ዝገበሮ ጎስጓስ፡ ዋላ'ውን ንዓባይ ከተማ ኣመሪካ እንተዀነ፡ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ፡ ኣርእስተ ዜና ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኰይኑ ኣሎ።

ከም ከንቲባ መጠን፡ ዓወታቱ - ከምኡ'ውን ውድቀታቱ ፡ ኣብ ቃሉ ምጽንዑ፡ መዓልታዊ ክፍተሽ እዩ ማለት እዩ።

እዚ ማለት፡ ማምዳኒ ምስቲ ዘለዎ ድሩትነት፡ ከምኡ'ውን ምስቶም ዓበይቲ ትጽቢታት - ክቃለስ ክግደድ እዩ።

ካቲ ሆቹል ዝተባህለት ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ፡ ብጻያ ዲሞክራት፡ ነቲ ናይ ማምዳኒ ዓቢ ኣጀንዳ ንምምዋል ዘድሊ ዓይነት ግብሪ ምእካብ፡ ድሮ ከም እትቃወሞ ኣፍሊጣ ኣላ።

ማምዳኒ ብሓደ ወገን፡ ዋላ'ውን እኹል ገንዘብ እንተዝህልዎ፡ ነቶም መደባት ከተግብር ከጸግሞ እዩ።

ንሱ፡ ነቶም ንከተማ ኒውዮርክ መበቈሎም ዝገበሩ፡ ፋይናንሳዊ ርእሰ ከተማ ዓለም ዝገበሩን፡ ትካላትን ንግዳዊ ማሕበረሰብን ርሱን ነቓፊ ኰይኑ እዩ ጎስጓስ ኣካይዱ።

ብኣድማዒ መንገዲ ንምምሕዳር፡ ምናልባት ምስቶም ሰብ-ረብሓታት ገለ መልክዕ ዕርቂ ክገብር ክግደድ እዩ፡ ይዅን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳርጋ ጀሚሩዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኲናት ቓዛ፡ ንእስራኤል ብምኹናን ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ እግሩ እንተረጊጹ፡ ከም ገበነኛ ኲናት ክኣስሮ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እዚ መብጽዓ ኣብ ገለ እዋን ኣብ ስልጣኑ ክፍተን ይኽእል እዩ።

እቶም ዝተረፉ ግን ድሒሮም ዝቕልቀሉ ፀገማት እዮም፤ ንግዚኡ፡ ማምዳኒ ኣብ ህዝባዊ መድረኽ ንነብሱ ናይ ምልላይ ዕማም ክጅምር'ዩ።

ጐስጓሱ ሃገራዊ ኣቓልቦ ክፈጥር እንከሎ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣመሪካ ግን ምንም ማለት ኣይኰነን።

ኣብ ቀረባ እዋን ብሲቢኤስ ዝተገብረ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 46 ሚእታዊት ህዝቢ ኣመሪካ ንመረጻ ከንቲባ ኒውዮርክ፡ ብቐረባ ይከታተሎ ኣይነበረን። እዚ ንማምዳኒን ኣመሪካዊ ጸጋማዊ-ጸግዕታትን ዕድልን ብድሆን እዩ።

ካብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጀሚሩ፡ ዓቃባውያን ነቲ ሓድሽ ከንቲባ ከም ዴስነታዊ ስግኣት ክስእልዎ ክጽዕሩ እዮም።

ፖሊሲታቱን ቀዳምነታቱን ነታ ዝዓበየት ከተማ ኣመሪካ ዕንወት ዘምጽእን ብሓፈሻ ናብ ሃገር እንተሰፊሑ ድማ፡ ሓደጋ ዘስዕብን እዩ- ብዝብል።

ንነፍሲ ወከፍ ዕንቅፋት ከጕልሑን፡ ኣሉታዊ ቍጠባዊ መርኣዪ ወይ ስታቲስቲክስ ከቐምጡን እዮም።

ምስ ኒውዮርክ ውልቃዊ ምትእስሳራት ዘለዎ ትራምፕ፡ ንማምዳኒ ብፖለቲካዊ ምትህልላኽ ከም ዝቕበሎ ዝግመት ኰይኑ፡ ንህይወት ሓድሽ ከንቲባ ዘተሓላለኸሉ ብዙሕ መገድታት ክፈጥር እዩ።

ማምዳኒ ንወፍሪ ጐስጓሱ ደጊፎም ዘይፈልጡ፡ ከም በዓል ሰነተር ኒውዮርክን መራሒ ውሑዳት ሰኔትን ቻክ ሹመር ዝኣመሰሉ መራሕቲ ዲሞክራት ንምዕዋት ክሰርሕ እውን ጸቕጢ ክግበረሉ እዩ።

ንማምዳኒ ዝህቦ ዕድል ግን ኣሎ።

ኣብ እዋን ጐስጓስ፡ ፖለቲካውያን ተቓወምቱ ኣብ ልዕሊኡ ክብለጹሉ ዝፈተኑ ሕሉፍ ህይወቱ ኣይተሸመመን።

ኣብ ጥሪ ስይመት ምስተቐበለ፡ ካብ ባዶ ተላዒሉ ፖለቲካዊ ዝናኡ ክሃንጽ ዕድል ክረክብ እዩ።

ትራምፕ ምስኡ ቅርሕንቲ እንተገይሩ ድማ ንማምዳኒ ዝሰርሓሉ ዝዓበየ መድረኽ ጥራይ እዩ ዝፈጥረሉ።

ፖለቲካዊ ተውህቦኡን ዓቕሙን ኣብዚ ኣብጺሕዎ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ቅያ ኣይኮነን፤ ምስቲ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዝጽበዩዎ ፈተናታት ክነጻጸር ከሎ ግን፡ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን።

ነበርቲ ኒውዮርክ ከተማኦም ማእከል ዩኒቨርስ ገይሮም እዮም ዝርእዩዋ።

እንተዀነ ውድድር ከንቲባነት ትማሊ ሰሉስ ዝተኻየደ እንኮ ውድድር መረጻ ኣይነበረ። ኣብ ካልኦት ዓውድታት'ውን ውድድራት ነይሩ እዩ።

ብሓቂ ክርአ ከሎ ግን፡ ብዅሉ ተኽእሎታት፡ ዋላ'ውን እቲ ናይ ሰሉስ፡ ዝበለጸ ምልክት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ስምዒት መረጻ ኣይነበረን።

ቍጠባዊ መዋጽኦታት፡ ሕጂ'ውን፡ መረጽቲ ዝያዳ ዝግደሱሉ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ጸጋምን ማእከልን ዝርከቡ ዲሞክራት ብሰሉስ ኣብ ዝዕወቱሉ ዘለዉ እዋን፡ ነቶም ዲሞክራትስ ኣብ መጻኢ መረጻ ዓወት ንምርግጋጽ ክስጉሙዎ ዘለዎም ዓይነት ፖሊሲታትን ሕጹያትን ንምውሳን ብድሆ ክፈጥረሎም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ማምዳኒ ኣብቲ መድረኽ፡ ንዅሉ ዓይነት ኣረኣእያታት እኹል ቦታ ከምዘሎ ኣስሚሩሉ ነይሩ።

"እዚ ብጭቡጥ ኣመሪካውያን ንነብሶም ኣብኡ ክርእዩ ዘኽእሎም ውድብ ክኸውን ዘለዎ ይመስለኒ፤ እምበር ናይ ውሑዳት ኣብ ፖለቲካ ዝተዋፈሩ ሰባት ጥራይ ምስሊ ክኸውን የብሉን" ኢሉ።

"ንዓይ ንዅላትና ዘራኽበና ንመን ከነገልግል ንቃለስ ከምዘለና'ዩ፣ ንሱ ድማ ነቶም ርሂጸ በላዕ እዩ።"

እዚ ኣረኣእያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ፈተና ክኣቱ እዩ፣ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዲሞክራትስ ኣብ መፋርቕ መረጻ ኮንግረስ፡ ሕጹያቶም ንምምራጽ ክራኸቡ እዮም።

ወጥሪ ክፈጥር ንቡር ኰይኑ፡ ሱር ዝሰደዱ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ጐሊሖም ክወጹ ይኽእሉ እዮም።

ዋላ ንሓንቲ ለይቲ ትዅን ግን፡ ከም ውድብ ዲሞክራትስ ኣሐጒሱዎ ኣሎ።

ሓጺር ብዛዕባ ማምዳኒ

ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ ዝተወልደ ማምዳኒ፡ ወዲ 7 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ምስታ ኣብ ዓውዲ ፊልም ብዙሕ ሽልማታት ዝወሰደት ህንዳዊት ዳይሬክተር ፊልም ዝዀነት ኣደኡ ሚራ ናይርን፡ "ጉድ ሙስሊም ባድ ሙስሊም" ብዝብሉ መጽሓፍቱ ዝፍለጥ ዩጋንዳዊ ኣቦኡ ማሕሙድ ማምዳኒን ናብ ኒውዮርክ ግዒዙ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስነፍልጠት ብሮንክስ ተማሂሩ፣ ድሒሩ ድማ ናብ ኮለጅ ቦውዶይን ኣትዩ ብመጽናዕቲታት ኣፍሪቃ ዲግሪ ረኺቡ። ኣብኡ ድማ ምስ ብጾቱ፡ "ተምሃሮ ንፍትሒ ፍልስጤም" ዝብል ምንቅስቓስ መስሪቱ።

እዚ ንፈለማ እዋን ኣስላማይን መበቈል ደቡብ እስያን ዘለዎ ከንቲባ እታ ከተማ ክኸውን በቒዑ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ቪድዮ ጐስጓስ ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋ ኡርዱን ኣብ ክሊፓት ፊልም ቦሊዉድ ሓዋዊሱ ለጢፉ፤ ኣብ ካልእ ድማ ስጳኛ ክዛረብ ይስማዕ።

ማምዳኒን ብዓልቲቤቱ ራማ ዱዋጂን፡ ሂንጅ ብዝተባህለ መተግበሪ ሌላ ዕርክነት እዮም ተራኺቦም። ሰርብያዊት ስነጥበበኛ ራማ ዱዋጂ ጓል 27 ዓመት ኰይና ኣብ ብሩክሊን እያ እትነብር።

ኣደኡ ሚራ ናይር ፍልጥቲ ዳይረክተር ፊልም ክትከውን እንከላ፡ ኣቦኡ ፕሮፌሰር ማሕሙድ ማምዳኒ ድማ ኣብ ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ ይምህር። ክልቲኦም ወለዱ ተምሃሮ ሃርቫርድ ነበር እዮም።