ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኣዛዚ ሓለዋ ማዱሮ ንዝነበረ ጀነራል ኣባሪራ

ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ብሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ካራካስ ብዝተኻየደ ስርሒት ተታሒዙ ናብ ኒውዮርክ ተወሲዱ፣ ብኽሲ ናርኮ-ሽበራ ኣብ ፍርዲ ከም ዝቐረበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣዛዚ ሓለዋ ክብሪ እቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ጀነራል ጃቪየር ማርካኖ ታባታ ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ።

ሓለዋ ክብሪ ፕረዚደንት፡ ሓላፍነት ምክልኻል መራሕ ሃገር ሓላፍነት ዝወስዱ ኣሃዱታት ሓለዋ ዘዋፍር ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ።

መንግስቲ ቬነዝዌላ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሃዱታት ሓለዋ ዝወረደ ሓፈሻዊ ክሳራታት - ሞትን ማህረምትን - ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ካብቶም ኣብቲ ስርሒት ኣመሪካ ሞይቶም ዝበሃሉ ዘለዉ: ዓሰርተታት ኣባላት ሓለዋ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

በዚ ድማ፡ ንኣዛዚ ጀነራል ሓለዋ ማርካኖ ታባታ ንምትካእ ሓዳስ ግዝያዊት ፕረዚደንት እታ ሃገር ደልሲ ሮድሪገዝ ትእዛዝ ሂባ።

ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ነታ ሃገር ብግዝያዊነት ንምምራሕ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቅድሚ እቲ ብእሙናት መንግስቲ ከምዝዕብለል ዝንገር ሃገራዊ ባይቶ ቀሪባ ቃለ መሓላ ፈጺማ።

ምክትል ፕረዚደንት ማዱሮ ኰይና ከተገልግል ዝጸንሐት ደልሲ፡ ከም ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ማዱሮ እያ እትቝጸር።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምትሓዝ ማዱሮ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ንቬነዝዌላ "ከተመሓድር እያ" ብምባል ምስታ ሓዳስ መራሒት ይዘራረቡ ከምዘለዉን ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ደልሲ ሮድሪገዝ - እንተላይ እቲ ቬነዝዌላ እትፍለጠሉ ገዚፍ ሃብቲ ዕቝር ነዳዲ - ዘጠቓልል ጠለባት ኣመሪካ እንተዘይኣማሊኣ፡ ምናልባት'ውን ካብ ናይ ማዱሮ ዝኸፍአ ዕጫ ክገጥማ ከም ዝኽእል ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ብሰሉስ'ውን ትራምፕ፡ ቬነዝዌላ ክሳብ 50 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ንኣመሪካ ክትህብ ምዃና ገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ እታ ግዝያዊት መራሒት ግን ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን።

ሮድሪገዝ መራሒት ሃገር ኰይና ካብ እትምዘዝ ንደሓር፡ ቃናኣ ኣብ መንጎ ክልተ ጫፋት መኸተን ዕርቂን ኰይኑ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ምሓዝ ማዱሮ "ዘይሕጋዊ ጭውያ" ክትብል ብትሪ ክትኵንን እንከላ፡ ሓድሽ ምምሕዳራ ግን፡ ኣብ "ኣጀንዳ ምትሕብባር፡ ብሓባር ክሰርሕ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዓዲሙ" ምህላዉ'ውን ገሊጻ።

መራሒት ሃገር ኣብ ዝዀነትሉ እዋን ድማ፡ እንታይ ዓይነት መስመር ክትሕዝ ከም እትኽእልን ኣብ ምምሕዳራ ክህሉ ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ምፍንጫል ንምርኣይ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብቐረባ ትኵር ምክትታል እዩ ዝግበረላ ዘሎ።

ምእላይ ጀነራል ማርካኖ ታባታ እምበኣር ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬላ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝገበረቶ ቀዳማይ ለውጢ ኰይኑ'ሎ።

ጀነራል ማርካኖ ኣብ ርእሲ'ቲ ሓላፊ ሓለዋ ፕረዚደንት ምዃኑ፡ ንወተሃደራዊ ኣሃዱ ጸረ-ስለያ ቬነዝዌላ'ውን መሪሑ እዩ።

እዚ ኣሃዱ ንመንግስቲ ማዱሮ ዝቃወሙ ሰባት ኣብ ምዕፋን ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ብመሰረት ርኽበት ትካል 'ናጻ ተልእኾ እለሻ ሓቂ' ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሃዱ ጸረ-ስለያ ቬነዝዌላ፡ ካብ 2013 ኣትሒዙ ማእለያ ዘይብሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ እዩ።

እቶም ብጸረ-ስለያ ዝተኣስሩ ሰባት፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ኣሃዱ [DGCIM]ን ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ መርበባት ሕቡእ መዳጎኒ ማእከላትን "ምስርጣይ፡ ጾታዊ ዓመጽን/ወይ ካልእ ጨካን፡ ኢሰብኣዊ ወይ ዘዋርድ ኣተሓሕዛን" ከምዝተፈጸመሎም ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ከም ዝሰነደ፡ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ይዅን እምበር እቲ ንዕኡ ክትክኦ ዝመዘዘቶ በዓል ስልጣን፡ ተመሳሳሊ ክስታት ንዝቐርበሉ ትካል ኣገልግሎት ስለያ ይመርሕ ስለዝነበረ፡ምብራር ጀነራል ማርካኖ ምስቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ዝነበረ 'ዲጂሲኣይኤም' ዘካየዶ ዓፈና ዝተኣሳሰር ከም ዘይኰነ ይግመት።

ጉስታቮ ጎንዛለዝ ሎፔዝ ንነዊሕ ዓመታት ሓላፊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ ቬነዝዌላ - ሳቢን - ኰይኑ ዝጸንሐ እዩ።

ሳቢን፡ ነቲ ኣብ ካራካስ ዝርከብ ፍሉጥ ቤት ማእሰርቲ 'ሄሊኮይድ' ዘመሓድር ኰይኑ፣ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ "ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሰልፈኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን" ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ብሕቡራት ሃገራት ተሰኒዱ እዩ።

ስለዚ፡ ምእላይ ጀነራል ማርካኖ ታባታ፡ ምስ ፍሽለት ሓለዋ ክብሪ ፕረዚደንት ማዱሮ ኣብ እዋን'ቲ ስርሒት ዝተኣሳሰር ከም ዝኸውን ሓደ ቬነዝዌላዊ ተንታኒ ይገልጽ።

ንነዊሕ እዋን ንማዱሮ ናይ ጸጥታን ስለያን ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ናይ ቀረባ መሓዛ ቬነዝዌላ ዝዀነት ኩባ፡ ኣብቲ ኣመሪካ ዘካየደቶ ወፍሪ 32 ካብ ዜጋታታ ከምዝተቐትሉ ገሊጻ።

ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ሓለዋ ክብሪ ፕረዚደንት ተመዲቦም ከምዝነበሩ ይግመት።

ሰራዊት ቬነዝዌላ ኣብ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ሓሙሽተ ጀነራላት ዝርከብዎም 23 ኣባላቱ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ገለ ደገፍቲ መንግስቲ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንስርዓተ ምክልኻል ቬነዝዌላ ንሓለዋ ማዱሮን ብምስዓር ነቲ ድሒሩ፡ ክዳን እሱር ተኸዲኑ፡ ኣእዳዉ ተኣሲሩ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ዝተራእየ መራሒኦም ምሓዝ "ውርደት" ከምዝተሰምዖም ገሊጾም።

ንጀነራል ማርካኖ ታባታ ምትካእ፡ እታ ግዝያዊት ፕረዚደንት ካብ ካልእ ኣብ ልዕሊኣ ክወርድ ዝኽእል መጥቃዕቲ ኣመሪካ ብምስጋእ፡ ብእትኣምኖም ሰባት ክትከበብ ትገብሮ ዘላ ፈተነ ተባሂሉ ክግመት'ውን ይስማዕ እዩ።

ትራምፕ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ካልኣይ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዘዳለዉ ብምግላጽ፡ ንሕጂ ግን ኣድላዪ ከምዘይኰነ ተዛሪቡ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ዘይምትሕብባር እታ መራሒት - ደልሲ ሮድሪገዝ - "ኣዝዩ ዓቢ ዋጋ ክኸፍል እዩ" ክብል ብተደጋጋሚ ገሊጹ'ዩ።

ኣብ ካልኣይ ወፍሪ ግን ምናልባት ካብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንሳ ጥራይ ዒላማ ክትከውን ኣይትኽእልን።

ተሪር መርገጺ ከምዘለዎ ዝንገር ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቬነዝዌላ ዲዮስዳዶ ካቤሎ፡ ኣብ መስመሩ ክኣቱ ብምምሕዳር ትራምፕ ከምዝተነግሮ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ካቤሎ፡ ጸጋማውያን ሓይልታት ሓሽሽ ኮኬይን ናብ ኣመሪካ ከሰጋግሩ ክሕግዝ ጸኒሑ እዩ ብምባል፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ብ"ናርኮ-ውዲት" ክትከሶ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ጥሪ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንምትሓዙ ዝመርሕ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ ዝወሃብ ግንዖ ናብ 25 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ ነይሩ።