ንማዱሮ ሒዙ ናብ ኣመሪካ ዝወሰዶ ፍሉይ ሓይሊ 'ደልታ ፎርስ' እንታይ ንፈልጥ?

ኣመሪካ ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ንምሓዝ ንኣዋርሕ ክትዳለው ጸኒሓ እያ። ኣብቲ ስርሒት ብሉጻት ነፈርቲ፡ ሄሊኮፕተራት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ወተሃደራትን ኣዋፊራ።

ነዳዲ ኣብ ዘለዎ ቦታ ስማ ዝለዓል ኣመሪካ፡ ሕጂ ነታ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዕቝር ነዳዲ ዘለዋ ቬነዝወላ "ክመርሓ'የ" ኢላ አላ።

ቅድሚ ሕጂ መሻርኽታ ኣተሓባቢራ ኣብ ዒራቕ ንሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ኣውሪዳቶ እያ።

ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሊብያ ንዝፍጠር ውሽጣዊ ተቓውሞ ደጊፋ፡ ምስ መሻርኽታ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሙዓመር ቓዛፊ ብተቓወምቱ ክሳብ ዝቕተል ኣዳኺማቶ እያ።

ሕጂ ድማ ንቬነዝወላ ንዓሰርተታት ዓመታት ብተደጋጋሚ ዕልዋ መንግስቲ ክትፈታተና ጸኒሓ፣ ብቅሉዕ ወራር ንማዱሮ ካብ መደቀሲኡ፡ ብመቑሕ ኣሲራ ናብ ኒውዮርክ ወሲዳቶ ኣላ። ዕጫ ማዱሮ ካብ ናይ ሳዳምን ቓዛፊን ዝተፈልየ ክኸውን ድዩ ኣይክኸውንን ኣብ መጻኢ ዝርአ ክኸውን እዩ።

ኣመሪካ ንኣዋርሕ ክትዳለወሉ ዝጸንሐት ወፍሪ ቬነዝወላ፡ ካብ መሬት፡ ኣየር፡ ህዋ፡ ባሕርን ክትትል ክግበረሉ ዝጸንሐ ኰይኑ ዕውት ንክኸውን ኵሉ ኣድላዪ ነገር ቀሪቡሉ እዩ።

ፕረዚደንትን ሰበስልጣን ኣመሪካን ምሉእ ለይቲ ብቐረባ ይከታተልዎ ነይሮም።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ስርሒት ነቲ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ብገበን ሓሽሽን ኣጽዋርን ዝኸሰሰቶን ዘፈራርሓቶን ፕረዚደንት ቬነዝወላ ንምሓዝ እዩ ነይሩ። ኵሎም ሓይልታት ኣመሪካ ኣብቲ ተልእኾ ተራ እኳ እንተተጻወቱ፡ እቲ ቀንዲ ዕማም ግን ብደልታ ፎርስ ዝተባህለት ፍልይቲ ጋንታ ኮማንዶ እዩ ተፈጺሙ።

ደልታ ፎርስ እንታይ እዩ?

ደልታ ፎርስ ኣብ 1977 ዝተመስረተ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ኮማንዶ እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሓያላትን ምስጢራውያንን ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ሓደ እዩ። ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ፎርት ብራግ፡ ሰሜን ካሮላይና ኣመሪካ ይርከብ።

ደልታ ፎርስ ኣብ ትሕቲ እዚ ፍሉይ ስርሒታት ሰራዊት ኣመሪካ ኰይኑ፡ ብሓባራዊ ፍሉይ ስርሒታት ሰራዊት ይእዘዝ። እዚ ኣሃዱ፡ ብዘይካ ደልታ ፎርስ፡ 'ፈረስት ስፔሻል ፎርስስ ኦፐሬሽናል ዲታችመንት-ደልታ' ተባሂሉ'ውን ይፍለጥ።

እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ ብኮሎኔል ቻርለስ ቤክዊት ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ኣብ ኣቃውማ ክፍለ ሰራዊት መበል 22 ፍሉይ ኣገልግሎት ኣየር እንግሊዝ ዝተመርኮሰ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣዝዩ ምስጢራዊ ስርሒታትን ጠለቡን፡ ደልታ ፎርስ ከከም ኵነታቱን ተልእኾኡን ዝተፈላለየ ኣስማት ክወሃቦ ጸኒሑ እዩ።

ቀንዲ ንጥፈት ደልታ ፎርስ

እቲ ጕጅለ ኣብ ልዑል ጉድኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ ተልእኾታት ኣተኲሩ ይነጥፍ። ቀንዲ ሓላፍነታቱ ድማ ስርሒታት ጸረ-ሽበራ፡ ምድሓን ጅሆ፡ ምውጋድን ምምራኽን ኣሸበርቲ፡ ከምኡ'ውን ፍሉይ ዳህሳስ የጠቓልል።

ኣባላት ደልታ ፎርስ፡ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ምክልኻል፡ ኣብ ዘይስሩዕ ውግእ ብኣድማዒ መንገዲ ምስታፍ፡ ነታጒ ምጥቃም፡ ኣብ ሓደ ቦታ ምእታውን ስናይፐር ምዃንን ዝሰልጠኑ እዮም።

እቶም ኮማንዶታት ኣብ ዝዀነ ቦታን ኵነታትን ንኽዋፈሩ ኵለመዳያዊ ስልጠና ይወሃቦም። እዚ ማለት ኣብ ነፈርቲ፡ ባቡራት፡ መራኽብን መካይንን ንዝፍጸሙ ንጥፈታት ንምሕላው ዝሰልጠኑ እዮም።

እቶም ኣባላት ጋንታ ኣብ ዝተፈላለየ ተራታት ተመዲቦም ክሰርሑ ይኽእሉ። ከም ወተሃደራት፡ ከም ስናይፐር፡ ከም ስለያ ወይ ሓበሬታ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ዕላማ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ካልእን ብቐጥታ ብናይ ምውጋእ ክእለቶም ይፍለጡ።

ቀንዲ ተልእኾታት

ደልታ ፎርስ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዘካየዶ ስርሒታት መብዛሕትኡ ምስጢራዊ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ካብቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርግሑ ውሑዳት ጥራይ እዮም ምስ ግዜ ንህዝቢ ተገሊጾም።

ክንዮ እቲ ሰበስልጣን ብዛዕባ እቲ ስርሒታት ዝህብዎ ሓጺር ሓበሬታ ግን፡ መብዛሕትኡ ዝተረፈ ብጥብቂ ምስጢራዊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንህዝቢ ካብ ዘውጽኦም ዓበይቲ ስርሒታት ደልታ ፎርስ እዞም ዝስዕቡ ይርከቡ።

'ኦፕሬሽን ኤግል ክሎው' ኣብ ኢራን ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣመሪካውያን ሓራ ንምውጻእ ዝዓለመ ስርሒት እዩ። ሸሞንተ ኣመሪካውያን ዝተቐተሉሉ ስርሒት ስለዝነበረ ግን ከም ፍሹል ተልእኾ ተቘጺሩ።

'ኦፕሬሽን አርጀንት ፍዩሪ' ኣብ ካሪብያን ደሴት ግሬናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሪችሞንድ ሂል ዝተኣስሩ ሰባት ነጻ ንምውጻእ ዝተፈጸመ ተልእኾ እዩ።

'ኦፕሬሽን ጀስት ኮዝ' እቲ ተልእኾ ንፓናማ ንምውራርን ንፕረዚደንት ጀነራል ማኑኤል ኑሬጋ ንምሓዝን ድሕነት 35 ሽሕ ኣመሪካውያን ንምሕላውን እዩ ተኻይዱ።

'ኲናት ወሽመጥ' ንዒራቕ ብምውራር ንሰራዊት ሳዳምን መሻርኽቱን ብምስዓር ንኩወይት ሓራ ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት እዩ።

'ኦፕሬሽን ጎቲክ ሰርፐንት' እዚ ስርሒት ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ሄሊኮፕተራት ኣመሪካ ተሃሪመን ምስ ወደቓ ዝተጀመረ እዩ።

'ኲናት ቶራ ቦራ' ንኦሳማ ቢንላደን ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተኻየደ ስርሒት እዩ።

'ኦፕሬሽን ሬድ ዶውን' መሕብኢ ሳዳም ሑሴን ንምልላይን ንምሓዝን ዝተኻየደ ስርሒት እዩ።

'ኦፕሬሽን ጁፒተር ሺልድ' ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኣመሪካ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣመሪካውያን ንምድሓን ዝተኻየደ ስርሒት'ዩ።

'ኦፕሬሽን ብላክ ስዋን' ንመራሒ ካርተል ዕጸፋርስ ሲናሎኣ ዝዀነ ጆኣኪን 'ኤል ቻፖ' ጉዝማን ንዝሓዘ ዝተኻየደ ስርሒት'ዩ።

'ኦፕሬሽን ካይላ ሙለር' ኣብ ሶርያ መራሒ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣልባቕዳዲ ዝቐተለሉ ስርሒት እዩ።

ኣባላት ደልታ ፎርስ ዝዀኑ መን እዮም?

ብቑዓትን ጽኑዕ ፈተና ዝሓልፉን ጥራይ እዮም ናብ ደልታ ፎርስ ዝምልመሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝምልምሎም ሓምላይ ቆቢዕ ብዝብል ዝጽውዑ መበል 75 ክፍለ ሰራዊት ሬንጀርን እዩ።

ኣባል ደልታ ፎርስ ክኸውን ዝደሊ ወተሃደር ክሳብ ኣርባዕተ ሰሙን ዝጸንሕ መስርሕ መረጻ ክሓልፍ ኣለዎ።

መስርሕ ምልመላ ኣዝዩ ዕሙቕ ዝበለን ዝርዝርን ስለዝዀነ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ሕጹያት ጥራይ እዮም ናብ ስልጠና ዝሓልፉ።

እቲ መስርሕ ምልመላ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ ናይ ኣካላዊ ብቕዓት ፈተና ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ልዕሊ 15 ኪሎ ግራም ጽዕነት ተሰኪምካ ኣብ ልዕሊ ኣጸጋሚ መሬት 60 ኪሎ ሜተር ናይ ለይቲ ጕዕዞ የጠቓልል።

ነዚን ካልእ ጽኑዕ ናይ ምልመላ ረቛሒታት ዝሓልፉ ሕጹያት፡ ኣብ መሬት፡ ኣብ ኣየር፡ ኣብ ባሕርን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ጽኑዕ ስልጠና ምስ ወድኡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ኣዝዩ ሓደገኛ ተልእኾታት ይዳለዉ።