ኤርትራ፡ ን21 ዓመታት ዝተኣስሩ መንፈሳውያን መራሕቲ በዓል መን እዮም?

እታ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነታ ኣትሒዛ ናጽነት እምነትን ሃይማኖትን ብምድራትን፣ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖታት ብዝወሰደቶ ማእሰርቲታትን ዝተፈላለየ ግህሰታት መሰላትን ክትንቀፍ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ብዘይ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን ንዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 98 ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እኳ እንተ ተፈትሑ፡ ኣብታ ሃገር ግን ገና ኣስታት 10ሽሕ እሱራት ከምዘለዉን፡ ኵሎም ብህጹጽ ንኽፍትሑ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ'ሎ።

እዞም ብዘይ ዝዀነ ወግዓዊ ክሲ ኣብ ማእሰርቲ ዘለው፡ ንኽፍትሑ ድማ - ኤርትራውያ፡ ኣህጉራዊ ትካላት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሒ ዝጠልቡሎም ዘለው ሰባት ግን በዓል መን እዮም?

እቲ ኢፍትሓዊ ማእሰርቶምከ ኣብ ስድራ ቤቶም ይዅን ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ? ብዝብል ቢቢሲ ንስድራ ቤቶምን ፈለጥቶምን ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ድሕሪ 2000 ዓ.ም ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትከልን መሰረታዊ ጽገናዊ ለውጢታት ክትግበር ሕቶታት ዘልዓሉሉ መድረኽ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ ነዚ ሕቶታት ዝነጸገ መንግስቲ ነቶም ሕቶታት ዘልዓሉ ብጕጅለ-15 ዝፍለጡ ዝነበሩ ሰበስልጣንን ነጻ ጋዜጠኛታት ብሕትን ብምእሳር እዩ ምላሽ ሂቡ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ሰላማዊ ዘተ ክካየድ፡ ዕርቂ ኣሕዋት ክፍጸምን ዝመኸሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተበግሶታቶም ብጽቡቕ ዓይኒ ከምዘይተራእየ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ግንቦት 2002 ኣብያተ ክርስትያናት ጴንጠ ቆስጠ ተዓጽየን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተሓቢኦም ስርዓተ ኣምልኾ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰዓብተን ድማ ክህደኑ ጀሚሮም።

ገለ ካብቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋዉ ተጨውዮም ዝተወስዱ፡ ን21 ዓመታት ሃለዋቶምን ኵነታቶምን ዘይፍለጥ ኣቦታት ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ፓስተር ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ቀሺ ዶክተር ተኽልኣብ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘገልገሉ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰበ-ሞያ ሕክምና፡ መምህራን ዩኒቨርስቲ፡ ሰራሕተኛታት ባንክን መምህራንን እዮም ነይሮም።

ገሊኦም ብትምህርትን መገሻን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ነይሮም ክንሶም፡ እቲ ሓደጋ እናተራእዮም ሃይማኖታዊ ግቡኦም ክፍጽሙን ምእመናኖም ክጓስዩን ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ነዚ ዕጫ ክቕበሉ ከምዝተገደዱ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተገልጸ ታሪኾም ይነግር።

እዞም ዜጋታት ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎምን፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን እዩ ዝፍለጥ። ዘለዉሉ ቦታን ኵነታት ጥዕናኦምን ብዓቢኡ ብዛዕባ ህላወኦምን እውን ዝፍለጥ የለን።

ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ፕሮፌሰር ማተማቲክስ፣ ኣብ ርእሲኡ ናይታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣስመራ ምሉእ ወንጌል እትብሃል ቤተክርስትያን ፓስተር ዝነበሩ እዮም።

ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝተማህሩ ዶር ክፍሉ ማተማቲክስን ስታትስቲክስን ምሂሮም፤ ከምኡ'ውን "ምህናጽ ሞራላዊ ሰረት ኤርትራ" እትብል ሰፊሕ ዝርግሐን ተነባብነትን ዝረኸበት መጽሓፍ ደሪሶም።

ኣብ 2005 ዝተኣስሩ ፓስተር ኪዳነ ወልዱ እውን፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ፓስተራት ቤተክርስትያን ምሉእ ወንጌል ኰይኖም ናይ ካልኣይ ደረጃ መምህር እዮም ነይሮም። ካብታ ዝተኣስሩላ ዕለት ክሳብ ሕጂ ከኣ ደሃይ የብሎምን።

ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ እውን ቅድሚ ማእሰርቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ንግዳዊ ባንኪ ኤርትራ ይሰርሑ ነይሮም።

ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ እውን ሓኪም ስነ-ኣእምሮን ሓላፊ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ሕሙማን ስነ-ኣእምሮን እዮም ኔሮም። ናይ ቀደም መሳርሕቶም፡ ንዅሉ ሰብ ብማዕረ ዝርእዩ፡ ምቕሉል መምህርን ኣቦን፡ ንመሰል ስንኩላን ዝጣበቑ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝነበሩ ይገልጽዎም።

ብሞያ ሕክምና ዝሰልጠኑ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ከም ሓኪምን ቀሺን ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። መሳርሕቶም፡ ብፍላይ ኣብ ሆስፒታል ሓዝሓዝ ኣብ ክንክን ሕማም ሽኮር ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም ይምስክሩ።

ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊ ሰሚናሪ ዝሰልጠኑ ቀሺ ገብረመድህን ኣርኣያ እውን ንመንእሰያትን ማሕበራዊ ደገፍ ኣብ ምሃብን፡ ብፍላይ ብኤች-ኣይ-ቪ ምስ ዝተለኽፉ ወገናት ብምስራሕ ዝፍለጡ ሓብሓቢ ምንባሮም ይዝንቶ።

እዞም ሞያኦምን ተወፋይነቶምን ብኽብሪ ዝዝከር፡ ብዓለማውን መንፈሳውን ትምህርቲ ዝጸገቡ መማህራን እምነትን ስነ ምግባርን ሊቃውንቲ ግብረ ገብነት (ስነ-ምግባራዊን ሲቪካዊን) ኣብ ሕብረተሰቦምን ሰዓብቲ እምነታቶምን ዕዙዝ ተራ ከምዝነበሮም ብዙሓት ይገልጹ።

እዞም ኣቕሽሽትን ፓስተራትን፡ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ፡ ብእሩም ስነ ምግባር ንሃገሮምን ህዝቦምን ብፍቓደኝነት ከገልግሉ፡ ንዝደኸሙ ክድግፉ ንዝሸምገሉ ክናብዩን ክኣልዩን ኣብ ሆስፒታላት ከይዶም ደም ክልግሱን ን ሕሙማንን ክከናኸኑን ከጸናንዑን ይመኽሩ ከምዝነበሩ ምእመናኖም ይምስክሩ።

እዚ ኰይኑ ግን መንግስቲ ኤርትራ ብምንታይ ከምዝኣሰሮምን መዓስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቦምን ካልእን ዝምልከት ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ ኣይህብን እዩ።

ማእሰርቶም እውን ኣብ ስድራ ቤቶም ከቢድ ሃስያን ዕንወትን ኣኸቲሉ እዩ። እቶም ፍቕሪ ወለዶም ከስተማቕሩ ዕድል ዘይገበሩ ደቆም ንልዕሊ 20 ዓመታት ወለዶም ዝፍትሑላ ዕለት ሃረር ክብሉ ዕድመ በሊዖም።

ንኽልተ ካብኦም ኣንስቶም ገጾም ከይረኣያ ብሞት ተፈልየን። ብህይወት እንተሃልዮም ኣብ ቀብረን ክሳተፉ እውን ኣይተፈቕደሎምን።

"እዚ ጨካን ተግባር ንውልቀ-ስድራቤታት ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ሕብረተሰብ እዩ ሃስዩ" ዝበሉ ተመሃሮም "ሰዓብቲ እምነቶም ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ፍልጠትን ኣገልግሎትን ከሲሮም" ይብሉ።

ገለ ደገፍቲ መንግስቲን እዞም መራሕቲ ሃይማኖት በዲሎም ከም ዝተኣስሩ እዮም ዝዛረቡ። ቤተሶም ይዅን ደለይቲ ፍትሒ ብሕጊ ዝተመስረተ ክሲን ፍርዲን ክሳብ ዘይሃለወ ነዚ ኣበሃህላ ይነጽግዎ።

ሓደ ናይ ቀደም መሳርሕቶም "ገበን ተፈጺሙ እንተዝኸውን፡ መስርሕ ፍርዲ ምሃለወ ነይሩ" ይብል፤ "ትምህርታቶም ወትሩ ንቕንዕና፣ ንሕጊ ምኽባርን ንሃገር ምግልጋልን ዘተባብዕ እዩ ነይሩ፡" ከኣ ይብል።

ንዅነታት ጥዕናኦም ዝምልከት ዝፍለጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘየለ፡ ገሊኦም ኣብ መጀመርታ ማእሰርቶም ሕዱር ሕማማት ከም ዘማዕበሉ ይዝረብ እዩ፤ መን እንታይ ኣጋጢሙዎ ግን ዝፍለጥ የለን። ኣብዚ እዋን ድማ ኵሎም ብዕድመ ደፊኦም እዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሓያሎ ኣመንቲ ድሕሪ ምፍትሑ ስድራ ቤታት እዞም ግዳያትን ቤተሰቦምን፡ ተመሃሮምን ብሓፈሻ ፍትሒ ዝጠልቡ ኤርትራውያንን ንሶም እውን ተፈቲሖም ናብ ስድራ ቤታቶም ክጽምበሩ ትጽቢት ይገብሩ።