እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ
ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንኣስታት 18 ዓመታት ብዘይፍርዲ ኣሲራቶም ዝጸንሐት 13 ምፍትሓ ዘተባብዕ ምዕባለ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ትማሊ 15 ታሕሳስ ዝወጽአ መግለጺ፡ "ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ነቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ መቝሕ ዝርከቡ ጕጅለ 11 [ካብ ጕጅለ 15] ሓዊሱ ኵሎም ብዘይፍርዲ ኣብ መላእ ኣብያት ማእሰርቲ ናይታ ሃገር ዝርከቡ እሱራት ብዘይቅድመ-ዅነት ክፍትሑ ንጽውዕ፡" ይብል።
ወሲኹ፡ "ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 10,000 ሰባት ተጨውዮም ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ዝግመት ኰይኑ፡ ካብዚኦም ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ካህናትን ተማሃሮን ይርከቡዎም፡" ይብል።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነጋዶ፡ ሰበስልጣን ፖሊስን ሞያውያንን ዝርከቡዎም ንኣስታት18 ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ማይስርዋ መቚሑዎም ዝነበረ 13 ሰባት ብ4 ታሕሳስ ከም ዝፈትሐ ይፍለጥ።
ብ1993 ዝተመስረተ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንዅነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክምርምር ካብ 2012 ስርሑ ካብ ዝጅምር፡ ኤርትራ፡ መጭወይቲ፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ስግረዶባዊ ምጽንጻንን ደው ከተብል ተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር፡ ብ16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ ነይሩ።
ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣህጉራዊ ግዴታታት ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ንኸተተግብር ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝገብሮ ጽምዶ ንምቕጻል ድልዊ ምህላዉ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እዞም 13 ሰባት፡ ኣብዚ ቅንያት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 98 ሰዓብቲ ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያን ከም ዝፈትሐ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ኣይርሳዕን።
ሓያሎ ካብቶም ዝተፈትሑ እሱራት ንኣስታት 5 ዓመት ኣብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ብዘይ ሕጋዊ ክስን ንቡር መስርሕ ቤትፍርድን ተኣሲሮም ዝጸንሑ እዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ብ2002 ብዘይካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ካቶሊኽን ከኒሻን ካልኦት ሃይማኖታት ክዕጸዋ ወሲኑን ምእመናን ንጥፈታት ሃይማኖቶም ከየካይዱ ከልኪሉን እዩ።
ስድራቤታትን ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ሃይማኖትን ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤትማሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ተስፋ ኣሕዲሮም ኣለዉ።
እቶም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ፓስተር ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ፡ ፓስተር ሚልዮን ገብረስላሰን ፓስተር ኪዳነ ወልዱን እዮም።
ካብ ጽባሕ ናጽነት - ካብ ፈለማ 1990ታት - ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ በብእዋኑ ሓያለ መሻይኽን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይፍለጥ ምኽንያታት ብብዝሒ ተኣሲሮምን ሃለዋቶም ጠፊኡን እዩ።
ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ እትርከብ ፍልጥቲ ማእከል 'ሕፍዚ ቍርኣን' ሃንደበት ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ኣካያድን ሸኽን እታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባን ተኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ይዅን ኵነታቶም ከም ዘይፍለጥ፡ መቕርቦም ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።
ኣብ ኤርትራ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝነበሩ ኣባላት ጕጅለ-15 ዝዀኑ 11 ሰባትን ካልኦት ብዙሓትን፣ ከምኡ'ውን ጋዜጠኛታት ብሕቲን ን24 ዓመታት ብዘይፍርዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ የሎን።
ኣብ ኤርትራ፡ ምኒስትሪ ፍትሒ ዘይፈልጦ ከም ማይስሩዋ፡ ዓዲኣቤቶ፡ ኣዳርሰር፡ ሓሽፈራይ፡ ፕሪማካንትሪ፡ መትከል ኣብዮት፡ ዊዓ፡ ዓላ፡ ማይድማ፡ ዒራዒሮ ወዘተ ዝኣመሰሉ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣስካሕካሕቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ከም ዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።