እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ክርስትና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰልፍታትን ጸሎትን ክካየድ ን22 ነሓሰ ይጽውዓ ኣለዋ።
እቶም ኣቕሽሽትን ፓስተራትን ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶን ወንጌላውያንን ኰይኖም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ካብቶም ሸውዓተ እሱራት፡ እቶም ሽዱሽተ ካብ 2004 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ "ዘስካሕክሕ" ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ኣብ 2005 ካልእ ሓደ ሰብ ከም ዝተጸንበሮምን እቶም ተጣበቕቲ ጕጅለታት ይገልጹ።
ካብቲ ግዜ'ቲ ኣትሒዞም ድማ ኣብቲ ኮምሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ (USCIRF)፡ ሓደ ካብ "ኣረሜናዊ" ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ኢሉ ዝገለጾ "ወንጀል መርመራ" ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስን ቀሺ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስትኣብን ካብ ሕዳር 2004 ኣትሒዞም ካብ ዝእሰሩ ናብ ቤትፍርዲ ኰነ ጠበቓ ኣይቀረቡን።
ኣብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ እቲ እንኮ 'ሳይካትሪስት' ዝነበረ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ኣቦ ሓደ ውሉድ ኰይኑ፡ ሰበይቱ ሓሚማትሉ ኣብ ዝነበረት ክርእያ ይዅን ኣብ ቀብራ ክርከብ ኣይተፈቕደሉን። ከምኡ'ውን፡ ብዓልቲ-ቤት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ክኢላ ስነመለኮትን ሓላፊ ትምህርትታት ሰንበትን ዝነበረ ቀሺ ገብረመድህን ሰለስተ ውሉዳት ሓዲጋ ብሰነ 2022 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።
ብዓልቲ-ቤት ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ዝዀነት ውቤ ካሕሳይ ምስ ደቁ ሃና፡ ሰሳይትን ረድኤትን ምእንቲ ድሕነተን ክብላ ካብ ሃገር ወጺአን ኣብ ወጻኢ ይርከባ። ኣቦአን ክእሰር እንከሎ ዕድመአን 6፡ 4ን 1ን ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብ2002 ብዘይካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ሮማዊ ካቶሊኽን ከኒሻን ካልኦት ሃይማኖታት ክዕጸዋ ወሲኑን ምእመናን ንጥፈታት ሃይማኖቶም ከየካይዱ ከልኪሉን።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ብዘይክሲ ተኣሲሮምን ብዘይፍርዲ ንዓመታት ተመቚሖምን እዮም።
ፓስተር ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል ኣቦ-መንበር ናይታ ንኣስታት 150 ኣብያተ ክርስትያን ሓቚፋ ዝነበረት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እዩ ነይሩ። እዚ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያን ብመምርሒ መንግስቲ ኤርትራ ክዕጾ ከሎ፡ ኣብ ግንቦት 2004 ድማ ተኣሲሩ። ክሳዕ እዚ እዋን'ዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ይርከብ።
ዶ/ር ክፍሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ፕሮፌሰር 'ማተማቲክስ' ዝነበረ ኰይኑ፡ ምስ ብዓልቲ-ቤቱ ኤልሳ ኣርባዕተ ውሉዳት ኣለውዎም።
ብሓንሳብ ምስ ዶ/ር ክፍሉ ዝተኣስረ ኣቦ-መንበር ምሉእ ወንጌል ቤተክርስትያን ዝነበረ ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ ኣብ ግንቦት 2004 ድሕሪ ምእሳሩ፡ ክሳዕ እዚ እዋን'ዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ይርከብ።
ኣደ ፓስተር ናይዝጊ ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ግዜ ብኸቢድ ሓሚመን እኳ እንተ ነበራ፡ ቅድሚ ሙማተን ወደን ክሰናበታ ኣይተፈቕደለንን። ብዓልቲ-ቤቱ ራሄልን ሰለስተ ደቆም - ሻሎም፡ ዮኤልን ናሄርን - ካብታ ሃገር ክወጽኣ ተገዲደን ኣብ ኣመሪካ ዕቝባ ሓቲተን ይነብራ ኣለዋ።
ሚልዮን ገብረስላሴ (ሜሮን ብዝብል'ውን ይጽዋዕ) ኣብ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ሬማ ምጽዋዕ ፓስተርን ክኢላ መደንዘዚ ኣብ ሆስፒታል ምጽዋዕን ዝነበረ ኰይኑ፡ ካብ ሰነ 2004 ኣትሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
ፓስተር ኪዳነ ወልዱ ብ18 መጋቢት 2005 ካብ ጐደናታት ኣስመራ ተጨውዩ ከም ዝተወስደ እዩ ዝግለጽ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ 'ወንጀል መርመራ' ክህሉ ከም ዝኽእል ይግመት። ፓስተር ኪዳን ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ኰይኑ፡ ፍሉጥ ሰባኽን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ጊዴዎን ኢንተርናሽናል ኣብ ኤርትራን ነይሩ።
ተወጢኑ ዘሎ መደብ እንታይ እዩ?
ከም ኣካል ናይቲ ናይ ሃይማኖታዊ ሓርነትን ምሕዝነትን ጐስጓስ ድምጽታት ንፍትሒ (#Voices4justice)፡ ተጣባቒ ጕጅለ 21 ዊልበርፎርስን ካልኦት ጕጅለታትን፡ Set My People Free and Christian Freedom International ሓዊሱ፡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰልፊ ብምክያድ ድምጾም ከስምዑ መደብ ኣውጺኦም ከም ዘለዉ ገሊጾም።
እቲ ሰዓት 11 ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ዱፓንት ሰርክል ፋውንቴን ጀሚሩ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ዋሽንግተን ዲሲ ክግበር ተወጢኑ ዘሎ መደብ፡ ንሓሙስ 21 ነሓሰ ተቘጺሩ ከም ዘሎ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ኣብቲ ኤምባሲ ብምብጻሕ ጸሎት ክገብሩ፡ እቶም ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ክሓቱ ከምኡ'ውን ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ንዝበሉዎ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ክዅንኑ እዮም።
ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያን ሶሊዳሪቲ ዎርልድዋይድ ዝተባህለ፡ ሓሙስ 21 ነሓሰ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ - ለንደን - ተኣኪቦም ሰለማዊ ተቓውሞ ንምክያድ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ። ኣብ ብራዚል ድማ MAIS ዝተባህለ ብኢንተርነት ናይ ጸሎት መደብ ከዳሉ ምዃኑ ሓቢሩ።
ዓርቢ 22 ነሓሰ፡ ህ.መ.ክ ስዊዘርላንድ (Hilfe für Mensch und Kirche) ኣብ ኣፍ-ደገ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀነቫ ሰላማዊ ተቓውሞ ኣዳልዩ ይርከብ። ሃገራዊ ክርስትያናዊ ወንጌላዊ ኪዳን ሲሪላንካ ኣብ ኮሎምቦ'ውን ብኢንተርነት ናይ ጸሎት መደብ ሰሪዑ።
ካልኦት ናይ ኦንላይን ጸሎት መደባት ኣብ ናይጀርያ ብCSW Nigeria ኣብ ቴክሳስ ድማ ብFreedom Seekers International መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ።