ህዝባዊ ተቓውሞ ኢራን፡ ትራምፕ "ኣመሪካ ንምሕጋዝ ድሉውቲ'ያ" ኢሉ

ኢራናዊያን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንዘውፅኦ ኣዋጅ ብምጥሓስ ብቐዳም ምሸት ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ተቓውሞታቶም ኣብ ዝቕፅልሉ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመሪካ ንምሕጋዝ ድሉውቲ'ያ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብውሕዱ 100 ሰባት ብኣካላት ፀጥታ ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ብዙሓት ከም ዝተጐድኡን ፀብፃባት ኣብ ዝሕብርሉ፡ ተቓውሞታት ግና ሕዚ'ውን ይቕፅሉ ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘረጋገፆም ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን መሰኻኽርን ከም ዘመልክትዎ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣንፃር ሰልፈኛታት ዝወስዶ ሓይላዊ ስጉምቲ ኣሐይሉ ይቕፅለሉ ኣሎ።

ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኢራን፡ ዝኾነ ናብዞም ተቓውሞታት ዝተፀንበረ ሰብ ከም "ፀላኢ ኣምላኽ ክቑፀር'ዩ" በዚ ገበን ድማ ብሞት ክቕፃዕ ይኽእል እዩ ብምባል ኣጠንቂቑ።

ኣኽባሪ ሕጊ ሞሓመድ ሞቫሄዲ ኣዛድ ብቐዳም ኣብ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ፡ ዝኾነ ይኹን ተቓዋሚ "ፀላኢ ኣምላኽ እዩ" እዚ ድማ ብሞት ዘቕፅዕ ገበን'ዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "ሰባት ምቕታል እንተጀሚሮም" ንኢራን ብትሪ ከም ዘጥቅዓ (ምናልባት ብወተሃደራዊ ሓይሊ) ኣፈራሪሑ።

ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንኢራን እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ወተሃደራዊ ነቑጣታት እስራኤል፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ወተሃደራውን ምስ መራኽብ ዝተኣሳሰሩ መሳለጥያታትን ኣመሪካ፡ ዒላማታት ሕነ ምፍዳይ ከም ዝኾኑ ኣጠንቂቑ።

እዚ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት ዝተበገሰ እንትኾን፡ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሓሊፉ ናብ ሕድሕድ ግዝኣታት ኢራን ብምልባዕ ኣብ ልዕሊ 100 ከተማታት ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ።

ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት ናብ ኣደባባያት ንተቓውሞ ዝወፅኡ እዞም ሰልፈኛታት፡ ክህነታዊ ምሕደራ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላሕ ዓሊ ኻሜኒ ደው ክብል ይፅውዑ ኣለዉ።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ ነቶም ሰልፈኛታት "ንትራምፕ ክጠቕሙ" ዝደልዩ "ፈጠርቲ ፀገም" ብምባል ነፂገምዎም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ ኢራን "ነፃነት ኣብ ትጠልብሉ ዘላ እዋን፡ ኣመሪካ "ክትሕግዝ ድልውቲ'ያ" ኢሉ።

ትራምፕ፡ "ኢራን ነፃነት ትጠልብ ኣላ። ምናልባት'ውን ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ። ኣመሪካ ክትሕግዝ ድልውቲ'ያ" ብምባል ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፁ።

ተቓውሞታት እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ቁፅሪ ዝሞቱን ዝተጐድኡን ኢራናውያን ይውስኽ ኣሎ።

ምንጭታት ቢቢሲን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሮም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራንን (HRANA) ፡ ንኣካላት ፀጥታ ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ገሊፆም።

ኣብ ሰለስተ ሆስፒታላት ዝሰርሑ ሰብሞያ፡ ብዝተጐድኡን ዝሞቱን ሰባት ከም ዝተጨናነቑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ፐርሽያ ከም ዘረጋገፆ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ከተማ ራሽት ናብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል 70 ሬሳታት ዝተወሰዱ እንትኾኑ፡ ሓደ በዓልሞያ ጥዕና ድማ፡ ናብ ሆስፒታል ቴህራን ካብ ዝመፅኡ ግዳያት ኣስታት 38 ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊፁ።

ኣብ ኢራን ብ28 ታሕሳስ ህዝባዊ ተቓውሞታት ካብ ዝጅምር ንነዘ ዛጊድ ልዕሊ 2500 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ።

መንግስቲ ኢራን ነዚ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምግታእ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣደስኪልዎ ይርከብ።

ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኢራን፡ ድሩትን ብመንግስቲ ልዑል ቁፅፅር ዝግበረሉን እዩ።

ሓደ ተንታኒ፡ እዚ ሕዚ ይካየድ ዘሎ ተቓውሞ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2022 ዝተርኣየ፡ "ደቂኣንስትዮ፣ ህይወት፣ ነፃነት" ዝተሰየመ ተቓውሞ ዝኸበደ ምዃኑ፡ ንቢቢሲ ፐርሽያ ገሊፁ።

በዓልሞያ መፅናዕቲ ኢንተርኔት ዓሊሬዛ ማናፊ፡ ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ኢንተርኔት "ሙሉእ ብሙሉእ ተቛሪፁ'ዩ" ኢሉ።

ኢራናውያን ምስ ዓለም ዝራኸብሉ ብሕታዊ መገዲ ስታርሊንክ ከም ዝኾነ ዝገልፅ እቲ በዓል ሞያ፡ ነዚ ዝጥቀሙ ሰባት ብመንግስቲ ክትትል ክግበረሎም ስለ ዝኽእል፡ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣገንዚቡ።

ቢቢሲን ካልኦት መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለምን ካብ ውሽጢ ኢራን ክፅብፅቡ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ሓበሬታት ምፅራይ ከቢድ ኰይኑ ኣሎ።

እንተኾነ ሓደሓደ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ልሒኾም ዝወፅኡ እንትኾኑ፡ ቢቢሲ ኣብ ውሽጢ ኢራን ንዘለዉ ሰባት ኣዛራሪቡ።

ብቐዳም ምሸት ዝተቐረፁን ቢቢሲ ዘረጋገፆምን ምስልታት፡ ተቓወምቲ ኣብ ቴህራን ጊሻ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንጐደናታት እንትቆፃፀሩ የርእዩ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ዘረጋገፆም ኣብዚ ቅነ ዝተቐረፁ ምስልታት ድማ፡ ኣብ ጐደና ቫኪል ኣባድ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ኣካላት ፀጥታን ጐንፂ ከም ዝተፈጠረ የርእዩ።

ንገፆም መሸፈኒ ዝገበሩ ተቓወምቲ ሓዊ ብምቅፃል ኣብ ድሕሪ ተሽከርካሪ ጐማ ኣብ ዘለዎም መአከቢ ጕሓፍ ተኸዊሎም ድምፆም የስምዑ።

ብዙሓት ኣካላት ፀጥታ ድማ ርሕቕ ኢሎም ብተጠንቀቕ ደው ኢሎም ይረኣዩ። ሓንቲ ኣውቶቡስ ብሓዊ እንክትባራዕ ይረአይ።

ብዙሕ ድምፂ ተኹሲ ዝስማዕ እንትኾን፡ ተቓወምቲ ብረድስቲን ባዴላን እናጋጨው ድምፂ የስምዑ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ዘረጋገፆ ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሕመረት ተቓውሞ ኣብ ዝኾነት ቴህራን ኣብ ኣደባባይ ፑናክ፡ ብዙሓት ተቓወምቲ ድምፆም እንተስምዑ የርእይ።

ካልእ ቢቢሲ ፐርሽያን ቢቢሲ ቨሪፋይን ዘረጋገፅዎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከኣ፡ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ቴህራን ሄራቪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ተቓመወቲ ናብ ጐደና ብምውፃእ ክህነታዊ ምሕደራ ኣያቶላህ ዓሌ ኻሜኒ ከብቅዕ እንትሓትቱ የርእይ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ " ሓይልታት ፀጥታ ሕጋዊ ዘይኰነን ብርቱዕ ሓይልን ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ንዘርእዩ ዝርብሹ ምስልታት" የፃርይ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።