እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ሰልፈኛታት ምቕታል እንተቐጺላ ጣልቃ ክንኣቱ ኢና - ትራምፕ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰበስልጣን ኢራን ሰላማዊ ሰልፈኛታት ከይቅተሉ ኣጠንቂቑ።
ዋሽንግተን "ከተድሕኖም ክትመጽእ እያ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ጽሑፍ፡ "ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ። ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ዋሽንግተን "ከተድሕኖም ክትመጽእ እያ" ብምባል ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኢራን ምትእትታው ንምግባር ዝኣተዎ መብጽዓ "ሸለልትነትን ሓደገኛን" ክብል ገሊጽዎ።
ዓባስ ኣራግቺ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ዶባት ኣመሪካ ሃገራዊ ሓለዋ ምውፋሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሱ ልዕሊ ማንም ሰብ ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢ ዝፍጸም ገበናዊ መጥቃዕቲ ከምዘይጽወር ክፈልጥ ይግባእ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኢራን "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው ብሓይሊ ክትነጽጐ እያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ኢራን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት 27 ሕዳር 2025 ዝጀመረ ሰልፊታት ተቃውሞ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ። ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።
እዚ ብሰንኪ ቍጠባዊ ኵነታት ዝተላዕለ ተቓውሞታት ንኣስታት ሰሙን ቀጺሉ ይርከብ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ፡ ትራምፕ ጣልቃ እንተኣትዩ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ክህሉ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ብምምልካት "ክጥንቀቕ" ኣለዎ ብምባል መልሲ ሂቡ።
ገለ ሰልፈኛታት ምትእትታው ኣመሪካ ብእወታ እዮም ዝርእዩዎ።
ኣብ ቴህራን ተቓውሞኣ ዘስምዐት መንእሰይ፡ "ንሳቶም [ሓይልታት ጸጥታ] ትራምፕ ገለ ክብል ከሎ ወይ (ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን) ገለ ክብል ከሎ ይፈርሑ፤ ይናወጹ፡" ኢላ።
ንድሕነታ ስማ ከይግለጽ ዝሓተተት ኰይና፡ ሰልፈኛታት ንዓመታት ደገፍ ኣመሪካ ክሓቱ ከም ዝጸንሑን፡ ሓይልታት ጸጥታ "ትራምፕ ገለ እንተተዛሪቡ [ክገብሮ እዩ] ኢሎም፡" ስለ ዝኣምኑ "ዝዀነ ነገር እንተኣጋጢሙ ድማ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም፡" ኢላ።
እቲ ተቓውሞ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ቴህራን ዝጀመረ ኰይኑ፡ ዋጋ ባጤራ ኢራን ርያል ኣንጻር ዶላር ኣመሪካ ኣመና ምንቁልቋል ብምርኣዩ ብዝተቖጥዑ ወነንቲ ድኳናት እዩ ተላዒሉ።
ብሰሉስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተጸንቢሮምዎ፡ እቲ ተቓውሞታት ድማ ናብ ሓያሎ ከተማታት ተዘርጊሑ። ሰባት ኣንጻር መንፈሳውያን ገዛእቲ እታ ሃገር ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ሰልፈኛታት መንግስቲ ኻሚኒ ከብቅዕ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ገሊኦም ድማ ናብ ንግስነት ክምለሱ ከም ዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ።
"ኣብዚ ዝዀነ ዓይነት ናጽነት የብልናን" ክብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ሰልፈኛ ገሊጹ።
"መዓልታዊ ኢና ንቃለስ - መዓልታዊ ኣዝዩ ኣረሜናዊ ነገራት የጋጥመና። [እቲ ስርዓት] ከብቅዕ ንደሊ፡ ዋላ'ውን ብዋጋ ህይወትና፡ ካልእ ዋላ ሓንቲ የብልናን።"
ሕጂ፡ ኢራን ኣብ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ፡ "ትራምፕ ኣብዚ ውሽጣዊ ጕዳይ ምትእትታው ኣመሪካ ንመላእ እቲ ዞባ ምርግጋእን ረብሓታት ኣመሪካ ምጥፋእን ማለት ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ፡" ክብል ኣማኻሪ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ጽሒፉ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 2022 ብሞት ማሻ ኣሚኒ ዝተባህለት ፖሊስ ስነ-ምግባር ገጻ ዝሽፍን ኒቓብ ብግቡእ ከይተኸደነትን ብዝብል ተኣሲራ ኣብ ቀይዲ እንከላ ምስ ሞተት ድሕሪ ዝስዓበ ዓበይቲ ተቓውሞታት ከካየድ ጸኒሑ'ዩ።
ፕረዚደንት ማሱድ ፔዘሽክያን "ሕጋዊ ጠለባት" ሰልፈኛታት ክሰምዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር መሓመድ ሞቫህዲ-ኣዛድ ግን፡ ዝዀነ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ "ወሳኒ ምላሽ" ከም ዝወሃቦ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ሰነ፡ ኣመሪካ ብትእዛዝ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኒዩክለሳዊ ነቝጣታት ኢራን መጥቃዕቲ ፈጺማ ነይራ።
ድሒሮም ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ መጥቃዕቲ ቴህራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምህናጽ ዝነበረ ተስፋ ብዓቢኡ ከም ዘሰናኸሎ ሞጒቶም - ኢራን ነዚ ትነጽጐ።
ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝርከብ ዓቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ብሚሳይል መጥቃዕቲ ኣካይዳ።