እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን: ደቀንስትዮ ብዘይ ሒጃብ ክጐያ ዝፈቐዱ ኣዳለውቲ ማራቶን ኣሲራ
ሰብመዚ ኢራን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ መሸፈኒ ርእሲ ክጎያ ንዝፈቐዱ ክልተ ኣዳለውቲ ማራቶን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።
ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ሒጃብ ኣብ ውድድር ክጐያ ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ኢንተርነት ድሕሪ ምዝርግሖም'ዮም እቶም ኣዳለውቲ ተኣሲሮም።
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝተኻየደ ማራቶን ክልተ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ሽሕ ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፉሉ ኰይኖም፡ ገሊአን ቀይሕ ማልያ ተኸዲነን፤ መሸፈኒ ርእሲ ወይ መዐመሚ ኣይገበራን ነይረን።
እቲ ርእይቶታት ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ ኣስዒቡ ኣሎ።
ብዙሓት ደገፍቲ ለውጢ፡ ደቀንስትዮ ኢራን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ተሪር ሕጊ ኣከዳድና ከም ዘይቅበላ ዘርኢ ተወሳኺ መርትዖ'ዩ ክብሉ ነቲ ምስልታት ብምክፋል ንኢዶም።
ሰብመዚ ብወገኖም፡ 'ኣብዚ እዋን ተቐባልነት ዘይብሉ' ተግባር ብምባል ምላሽ ሂቦም።
ኣካላት ፍትሒ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዳለውቲ ተጓይዮም ስጕምቲ ወሲዶም።
ገለ ደቀንስትዮ ተወዳደርቲ ንሕግታት አከዳድና ምጥሓሰን ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ማራቶን ንባዕሉ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብመንፈሳዊ መሪሕነት እታ ሃገር ክኹነን ዝፀንሐ'ዩ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ብዙሓት ኢራናውያን ደቀንስትዮ ስፖርታዊ ክዳውንቲ ተኸዲነን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ህዝባዊ ፍፃመ ምክፋለን ከም ገበን እዩ ዝቑፀር ነይሩ።
እቲ ኣብ ክሽ ዝርከብ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቲ ውድድር ዝካየደሉ ዝነበረ ኣገባብ "ጥሕሰት ህዝባዊ ጭውነት" እዩ ኢሉ።
ጉዳይ ሒጃብ ኢራን ናበይ ገጻ ትኸይድ ኣላ ዝብል ክትዕ ኣገዳሲ ነጥቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
መንግስቲ ደቀንስትዮ ብዘይ ሒጃብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኽቐርባ ዝህቦ ምላሽ ዝተፈላለየ'ዩ።
ሓሓሊፉ እቲ ሕግታት ልሕሉሕ፡ ካልእ ግዜ ድማ ተሪር ይገብሮ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ማህሳ ኣማኒ ዝተባህለት ኢራናዊት መንእሰይ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሟታ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞታት ኣስዒቡ ንኢራን ኣናዊጹን ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ተቓውሞ ብሓይሊ ተዓፊኑ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ካብ ዝፍጸም ንደሓር፡ ገለ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ነቲ ሕጊ ምጥሓስ ቀፂለን ኣለዋ።
እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሰበስልጣን ቁጥዐ ኣስዒቡ ኣሎ።
ሓላፊ ፍትሒ፡ ኣብ ልዕሊ ሒጃብ ዘይኽደና ደቀንስትዮ ሓድሽ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ትካላት ስለያ ድማ፡ "ንስነ-ምግባር ዝጥሕስን ሒጃብ ዘይምኽዳን ዘተባብዕን ዝተወደበ ምንቅስቓሳት" ከለልዩን ክሕብሩን ተኣዚዞም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።
ኣከዳድና ደቀንስትዮ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢራንን ብዙሓት ዜጋታታን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጐ መንእሰያት ወለዶ መወዳእታ ዘይብሉ ዘይምርድዳእ ክፈጥር ጸኒሑ ኣሎ።