እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕርዲታት ንዩክለር ኢራን ከዕኑ ይኽእል'ዩ ዝተባህለ ፍሉይ ቦምባ ኣመሪካ
ኢራን ትሕቲ ምድሪ ዝሃነጸቶም መደበራት ንዩክለር ክሃርም ዝኽእል መሳርሒ፡ ሓደ ጥራይ እዩ።
እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ ቦምባ ኣብ ኢድ ኣመሪካ እዩ ዘሎ።
እስራኤል ክትጥቀመሉ ክሳብ ሕጂ ፍቓድ ኣመሪካ ኣይረኸበትን።
እዚ ጂቢዩ-57ኤ/ቢ (GBU-57A/B) ዝተባህለ መሬት ሰርሲሩ ክኣቱ ዝኽእል ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዘይንዩክለሳዊ "ዕርዲ ዘፍርስ ቦምባ ብኣመሪካ ዝውነን እዩ።
እዚ 13,600 ኪሎ ግራም ዝምዘን ቦምባ፡ ዒላምኡ ኣይስሕትን።
ልዑል ነታጒ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ትካል ንዩክለር ኢራን ዝዀነ ፎርዶ ከዕንዎ ይኽእል'ዩ።
ፎርዶ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ኣኽራን ዝተሃንጸ መሳለጥያ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር እዩ።
እዚ ትሕቲ መሬት ኣትዩ ዘዕኑ ቦምባ እንታይ እዩ? እንታይ ብድሆታት ኣለውዎ? ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል ድዩ?
መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዝብሎ፡ ጂቢዩ-57ኤ/ቢ (GBU-57A/B) "ብዕምቈት ዝተቐብረን ዝተደላደለን ጐዳጕዲን ገለሪያታትን ሰንጢቑ ክኣቱ ዝኽእል ኣጽዋር" እዩ።
እቲ ሽዱሽተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ቦምባ ቅድሚ ምፍንጃሩ ኣስታት 61 ሜትሮ ክኣቱ ከም ዝኽእል ይእመን።
ብዙሓት ቦምባታት እውን ከውድቕ ይኽእል እዩ፣ ምስ ነፍሲ ወከፍ ፍንጀራ ድማ ብዕምቆት ክኣቱ ይኽእል።
እቲ ብቦይንግ ዝተሰርሐ ቦምባ ኤምኦፒ- MOP- ኣብ ውግእ ውዒሉ ኣይፈልጥን።
ኣብ ኒው ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ መመርመሪ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ግን ተፈቲኑ'ሎ።
ካብቲ ኣብ 2017 ኣብ ኲናት ኣፍጋኒስታን ዝተጠቕመሉን "ኣደ ኵሉ ቦምባታት" ተባሂሉ ዝፍለጥን 9,800 ኪሎ ግራም ዝምዘን 'ማሲቭ ኦርድናንስ ኤየር ብላስት' (MOAB) ቦምባ ዝሓየለ እዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብራድፎርድ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሰላም ፖል ሮጀርስ፡ "ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ምስ ኤምኦፒ ዝመሳሰሉ ኣጽዋር ንምምዕባል ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ነታጒ ግን ኣብ ኣዝዩ ጽኑዕ መትሓዚ ብረት እዩ ተቐሚጡ።
ውጽኢቱ ድማ ጂቢዩ-57ኤ/ቢ - GBU-57A/B እዩ ይብል።
ኣብዚ እዋን ንኤምኦፒ ክትስከም ፕሮግራም ዝተገብረላ ናይ ኣመሪካ B-2 Spirit ወይ Stealth Bomber ዝተባህለት ነፋሪት ጥራይ እያ።
እዛ መብዛሕትኡ ግዜ ቢ-2 ተባሂላ እትጽዋዕ ነፋሪት፡ ብኖርዝሮፕ ግሩማን ዝተሰርሐት ኰይና፡ ኣብ ኣጽዋር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ካብ ዘለዋ ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ሓንቲ እያ።
ብመሰረት እቲ ኣፍራዪ፡ ቢ-2 ክሳብ 18 ሽሕ ኪሎ ግራም ክትስከም ትኽእል።
ይዅን እምበር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ቢ-2 ብድምር 27,200 ኪሎ ግራም ዝምዘና ክልተ GBU-57A/B ቦምባታት ሒዛ ብዓወት ከም ዝበረረት ጸብጺቡ።
እዛ ከቢድ ቦምባ እትስከም ነፋሪት፡ ነዳዲ ከይመላእካ ክሳብ 11,000 ኪሎሜተር ክትጕዓዝ ትኽእል።
ኣብ በረራ ድማ 18,500 ኪሎሜተር ርሕቀት፡ ሓደ ግዜ ነዳዲ ክትመልእ ትኽእል።
ብመሰረት ጸብጻብ ኖርዝሮፕ ግሩማን፡ እዛ ነፋሪት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ናብ ዝዀነ ቦታ ዓለም ክትበጽሕ ትኽእል እያ።
ፕሮፌሰር ሮጀርስ፡ እቲ ኤምኦፒ ኣንጻር ከም ኢራን ዝኣመሰለ ምዕቡል ምክልኻል ኣየር ዘለወን ጸላእቲ ሃገራት ኣብ ጥቕሚ እንተውዒሉ፡ ቦምባ ዝድርብያ ቢ-2 ፈርቲ ምስ ካልኦት ነፈርቲ ክጸምዳ ከም ዝኽእላ ገሊጹ።
ንኣብነት፡ ኤፍ-22 ስቱል ስትራይከርስ ዓቕሚ ምክልኻል ጸላኢ ንምድራት ክውዕላ ይኽእላ እየን፣ ድሮናት ድማ ብድሕሪት ስዒበን ነቲ ዕንወት ንምግምጋምን ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣድላዪ ድዩ ኣይኰነን ንምፍላጥን ክሕግዛ ይኽእላ።
ኣመሪካ ውሱን ዕቝር ኤምኦፒ ከም ዘለዋ ይግምት።
ብድምር "10 ወይ 20 ቦምባታት ክህልዎም ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ኣንጻር ኢራን ክውዕል ይኽእል ድዩ?
ፕሮፌሰር ሮጀርስ ወሲኹ፡ "ብሓቂ ኣብቲ ትራምፕ ንእስራኤላውያን ንምሕጋዝ ዝህቦ ምሉእ ደገፍ'ዩ ዝምርኰስ" ኢሉ።
ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ፡ ዋሽንግተን ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ክትኣቱ እንታይ ከም ዘድልያ ምስ ተሓተተ ትራምፕ "ብዛዕባ'ዚ ክዛረብ ኣይደልን እየ" ኢሉ ነይሩ።
ኣምባሳደር ሌይተር ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፎርዶ ኣብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክትሳተፍ እንተዀይና ምስ ተሓተተት እስራኤል ንኣመሪካ ናይ ምክልኻል ሓገዝ ጥራይ ከም ዝሓተተት ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ "ንፎርዶ ዝምክት ብዙሕ መሐለውታ ኣለና፡" ኢሉ።
ኢራን ወትሩ ንዩክለሳዊ መደባ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ምዃኑን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ዝዀነ ድልየት ከም ዘይብላን ትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA)፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ኢራን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝነበራ ግዴታ ከም ዝጠሓሰት ኣዊጁ።
'ቀያሪ ጸወታ'
እስራኤል ኣብ ቀረባ ኣብ ልዕሊ ትካላት ንዩክሌር ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ እኳ እንተገበረት፡ ፕሮፌሰር ሮጀርስ ግን "እስራኤል ብዝዀነ ይዅን መገዲ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዓሚቕ መሬት ዝተቐብረ ንዩክለሳዊ ትካላት ኢራን ከተጥፍኦ ክኢላ'ያ፡" ኢሉ ከም ዘይኣምን ይዛረብ።
"ብመሰረቱ ባዕሎም ክገብርዎ ዘይክእሉ ንኽገብሩ፡ ከም ኤምኦፒ ዝኣመሰለ ነገር እዮም ዝደልዩ።"
ዳይረክተር ፖሊሲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ምቍጽጻር ኣጽዋር ኬልሲ ዳቨንፖርት፡ "ፎርዶ ኣብ ስራሕ ክሳብ ዝሃለወ፡ ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ዩራንየም ከተማዕብል ትኽእል እያ" ኢላ።
"ቴህራን ኣብዚ መሳለጥያ ዩራንየም ብደረጃ ኣጽዋር ከተዕብዮ ወይ ነቲ ዩራንየም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከተግዕዞ ኣማራጺ ኣለዋ፡" ትብል።
ግን ዋላ ኤምኦፒ ኣብ ጥቕሚ እንተዝውዕል፡ ዕምቆትን ድሕነትን ቦታታት ኢራን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተዓዋትነት ምርግጋጽ ኣይክኣልን ይብል ፕሮፌሰር ሮጀርስ።
"እዚ ፍሉይ ኣጽዋር፡ ሕጂ ካብ ዘለው ኣጽዋራት ንላዕሊ፡ ዓቕሚ ኒዩክሌር ኢራን ንምዕናው ዘኽእል ብሉጽ ዕድል'ዩ፤ ግን ከምኡ ክገብር ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዛጊት ኣይተፈልጠን።"