እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜርካ ኣብ ቬነዝዌላ ከውፍሩ ዘቕረቦ ሕቶ ንምንታይ ተቐባልነት ዘይረኸበ?
ፕረዚደንት ኣሜርካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜርካ ኣብ ኢንዳስትሪ ነዳዲ ቬነዝዌላ፡ ብውሕዱ 100 ቢልየን ዳላር ፈሰስ ክገብሩ (ከውፍሩ) ሕቶ ኣቕሪቡ።
ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜርካ ግና፡ እታ ደቡብ ኣሜርካዊት ሃገር ንምውፋር ኣብዚ እዋን ውሕስቲ ኣይኰነትን ብምባል፡ ንሕቶ እቲ ፕረዚደንት ዝሑል ምላሽ ሂቦምሉ።
ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜርካ ንገዚፍ ዕቑር ነዳዲ ቬነዝዌላ ኣፍልጦ ብምሃብ ብዙሕ ትርፊ ክርከቦ ከምዝኽእል ዝተሰማምዑ'ኳ እንተኾኑ፡ ኣብታ ብዙሕ ፀገማት ዘለዋ ሃገር ርኡይ ለውጥታት እንከይተገበረ ቢልየናት ፈሰስ ምግባር ግና ውሑስ ከም ዘይኾነ ኣጠንቂቖም።
እቶም ኩባንያታት፡ ቬነዝዌላ ኣብዚ እዋን "ወፍሪ ዝግበረላ ሃገር ኣይኰነትን" ኢሎም።
ሓይልታት ኣሜርካ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካራካስ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ስዒቡ፡ ትራምፕ ነዳዲ ቬነዝዌላ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከም ዝለቅቖ ምግላፁ ይዝከር።
ትራምፕ ኣብቲ ምስ ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ኩባንያታት ነዳዲ ዘካየዶ ኣኼባ፡ "ኣሜርካ ካብዚ ትረኽቦ ረብሓ፡ ትሑት ቀረብ ፀዓት'ዩ" ኢሉ።
እንተኾነ፡ ኣካየድቲ ስራሕ ኩባንያታት ነዳዲ እታ ሃገር፡ እዚ ጉዳይ ብጥንቃቐ ክረኣይ ከም ዝግባእ እዮም ገሊፆም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤክሶን ዳረን ዉድስ፡ "ክልተ ግዘ ንብረትና ተወሪሱና'ዩ። ንሳልሳይ እዋን ንምእታው፡ ዓብይ ለውጢ ኢና ንደልይ። ሕዚ ብዘሎ ኩነታት፡ እታ ሃገር ወፍሪ ዝግበረላ ኣይኰነትን" ኢሉ።
ቼቭሮን፡ ኣብታ ደቡብ አሜርካዊት ሃገር ቬነዝዌላ ዝንቀሳቐስ ብሕታዊ ኣሜርካዊ ትካል ነዳዲ እዩ።
ኣካየድቲ ስራሕ ናይቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ቬነዝዌላ ዝሰርሑ ዘለዉ ትካላት ነዳዲ ስፔናዊ ሬፕሶልንን ጣልያናዊ ኢኒን'ውን ኣብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ትራምፕ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሳቲፎም እዮም።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቬነዝዌላ ንዝንቀሳቐስ ዝኾነ ይኹን ትካል ፍቓድ ዝህብ፡ ናህቱ መንግስቲ ምዃኑ'ዩ ተዛሪቡ።
"ምሳና ኡኹም ክትሰርሑ። ምስ ቬነዝዌላ ኣይኰነን።ምስ ቬነዝዌላ ክትሰርሑ ኣይንደልን" ኢሉ።
ዋይት ሃውስ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ ቬነዝዌላ ዝተነበሩ ማዕቐባት "በብቑሩብ" ከልዕል'ዩ።
ሰብመዚ ኣሜርካ፡ ኣብዚ እዋን ንቬነዝዌላ ትመርሕ ምስ ዘላ ምክትል ማዱሮ ዝነበረት ዴልሲ ሮድሪጌዝ ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም'ዮም ኣፍሊጦም።
ኣሜርካ ኣብዚ ሰሙን፡ ማዕቐብ ዝተነበራ ነዳዲ ዝፀዓነት መርከብ ኣብ ካሪብያን ከም ዝሓዘት ይፍለጥ።
ካብ መሸጣ እቲ ነዳዲ ዝርከብ ገንዘብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣሜርካ ናብ ዘሎ መዝገብ ሒሳብ ከም ዝኣትው'ዩ ተገሊፁ።
ትራምፕ ብዓርቢ ዝኸተሞ (ዝፈረሞ) ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣሜርካ ነዳዲ ቬነዝዌላ ብምሻጥ ዝርከብ ገንዘብ ከይንቀሳቐስ ንከይእግዳ የገድድ።
ፍርያት ነዳዲ ቬንዝዌላ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ ትሑት ኢንቨስትመንትን ማዕቐብ ኣሜርካን፡ ኣዝዩ ኣንቆልቂሉ'ዩ።
እዛ ኣብ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ዕቑር ነዳዲ ዘለዋ ቬንዝዌላ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚልየን በርሚል ነዳዲ'ያ እተፍርይ። እዚ ምስ ቀረብ ዓለም እንትነፃፀር፡ ሓደ ሚእታዊት ጥራሕ እዩ።
ፕረዚደንት ኣማኻሪ ፀዓት ጎልድዊን ግሎባል ዴቪድ ጎልድዊን፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜርካ ዝኾኑ ኤክሶንን ሼልን፡ ኣብ ቬነዝዌላ ዘሎ ኩነታት ደሕንነት እንተዘይተሓልዩን ሕጋዊ ውሕስና እንተዘይሃልዩን፡ "ኣይኰነን ብ10 ቢልየናት ሓደ ቢልየን'ውን ኣየውፉርን" ይብል።