ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዛረበሉ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ?

ኤርትራ ናብቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝጋዋሕ ዘሎ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ክትዕደም ከምዘይትደሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ።

ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ኤርትራ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ምዃኑ ምስተሓተተ፡ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል ኣነኣኢስዎ።

"ኣዋጅ ኲናት ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ናይ ማያት ናይ ካልእ ዝብሃል መዳመቒ ዝቐርብ'ዩ።

"እዚ ኲናት'ዚ ዘይተኣወጀሉ የለን። ኲናት ናይ ማያት ኢልካ ምእዋጅ፡ ንመን? ንዓና ብቐጥታ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ገለ ኣይኰነን. . .ናይ ናይል ኲናት ኢኻ ትእውጅ ዘለኻ፣ ንመን ኢኻ ትእውጀሉ ዘሎኻ? ንመን'ዩ ዝምልከት እቲ ኣዋጅ ናይቲ ኲናት?

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ኣንጻር ትግራይን ኣምሓራን ካልኦት ወገናት እታ ሃገርን ኲናት ከምዝኣወጀ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ "ናብ ከምዚ ድኣመሰለ ቅልውላው ዘምርሕ ሰብ ሰነፍ፡ ነዳይ፡ ፈራሕ፡ ስሱዕ ጥራይ'ዩ" ክብል ወቒሱ።

እንተዀነ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናትን) ኣጽዋራትን ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

"መን'ዩ ዘምጽአን ዘሎ 'ተን ድሮናት? መን'ዩ ነዚ ዅሉ ኣጽዋር ካብ ደገ እናሸመተ ደምጽእ ዘሎ፡ መን'ዩ ነዚ ዅሉ ውዲታት እዚ ድምውል ደሎ? ካበይ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ገንዘብ ብምልኡ ናብዚ ድኸይድ ዘሎ? መን'ዩ እቲ ዝግዛእ ዘሎ ዕሱብ፡ ስለምንታይ'ዩ ዝግዛእ ዘሎ፡ እንታይ ክበልዕ ኢሉ ዝኣቱ ዘሎ?

"እዚ ጸወታ'ዚ ናይ ብልጽግና ኣጀንዳ ኣይኰነን። ናይ ካልኦት ኣጀንዳ'ዩ እዚ። እቶም ድምውልዎ ዘለዉ፡ እቶም ገንዘቦም ዝህቡ ዘለዉ፡ ምስቲ ኣቐዲመ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ናይ ሱዳን ኵነታት ካብኡ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኰነን" ክብል ተንቲኑ።

እቲ መግለጺ ናብ መን ዘነጻጸረ ምዃኑ'ኳ እቲ ፕረዚደንት ብንጹር እንተ ዘይጠቐሰ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ጉዳያት ብዝተሓሓዝ ንተራ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቒፉ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ብስም ኣፍደገ ባሕሪ ዝቃላሕ ዘሎ ጥሙሕ፡ ኢትዮጵያ ዘበገሰቶ ኣጀንዳ ከምዘይኮነ ብምምጓት "እቲ መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያ ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋራት ካብ ኢማራት ይመጽእ ምህላዉ ካብ ዓይኒ ዝተኸወለ ኣይኰነን" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ምስ ሱዳን ብዝተሓሓዝ'ው "ብግዜ ሸኽ ዛይድ ዝፈልጣ ኢማራት" ዝገልጽ ኣይኰነን ብምባል፡ "ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ሸኽ ዛይድ ዓቢይ ታሪኽ ዝነበራ ሃገር ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕንደራ ክትወድቕ ዘሕዝን እዩ፡" ብምባል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢዳ ተእቱ ምንባሩ'ዩ ኢሳይያስ ዝገልጽ።

ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ዝንገረላ ኢማራት ዓረብ ነቶም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብምድጋፍ ክትክሰስ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣቡ-ዳቢ ግን ነቲ ጸብጻባት ትነጽጎ'ያ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርቦም ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግባኣ ብምምጓት፡ ነቲ ኣብ 1993 ብወግዒ ዝተኣወጀ ናጽነትን ልኡላውነትን ኣብ ሕቶ ምልክት ክሳብ ምእታው ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሰ ኣብ ጥቅምቲ 2025፡ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ዓለማዊ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣፍደገ ባሕሪ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ" ከም ዝተመንዝዐት ተዛሪቡ።

"ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር እያ። ናይ መጻኢ ዕድላ ድማ ምስ ክልቲኡ ማያት ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ።

"ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ መንገዲን ህዝቢ ማእከል ብዘይገበረን ዘየሳተፈን ኣገባብ [ካብ ባሕሪ] ርሒቓ ጸኒሓ እያ።"

"ኢትዮጵያ ናብዞም ማያት ንኽትምለስን ናይ ፍትሓዊ ልምዓት ተጠቃሚት ንኽትከውንን መንግስቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡" ዝበለ እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ፡ "ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ማሕበረሰብ ዓለም ዝዛረበሉ ዛዕባን ሓሳብን ክኸውን ክኢሉ ኣሎ፡" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

"ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ መልከዓ-ምድሪ [ጂኦግራፊ] ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተሃልዩ፡ ብደው ዝሞተ 'ዩ" ዝብል እምነት ሒዙ ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ "ክእረም" ምዃኑ ክምጉት ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዝምድና ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ፡ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት'ውን ኣብ ዳርባ ቃላት ተጸሚዶም ምጽንሖም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን "ግዜኻ ኣይተጥፍእ" ብምባል "ኣብ ናታቶም መኣዲ ናይ ቆይቊ፡ መኣዲ ናይ ሓሶት፡ መኣዲ ናይ ምድንጋር ክንዕደም የብልናን፡ ስራሕና ክንገብር ክንክእል ኣለና።

"ዜና ናትና ከማን ክጠቕሶ የብሉን ክዛረበሉ ደይብሉ ጉዳይ'ዩ እዚ" ብምባል ኣነኣኢስዎ።

"ኲናት እንተኣዊጁልና፡ እምቧእ፡ ድሓን ብመዓልቱ ክንርኢ ኢና፡ ኣይመጽን'ዩ ኣይንብልን፡ ንሕና ግን ኲናት እንተዊጁ መሰልና ናይ ምክልኻል ንዝኾነ ወገን ንሓተሉ ምኽንያት የለን" ይብል።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሮም ኢዱ ብምእታው ንዕጡቓት ይድግፍ ኣሎ ብምባል ክኸሱዎ ጸኒሖም'ዮም።