ትራምፕ፡ ኲባ 'ከይረፈደ ክትሰማማዕ ኣለዋ' ዝብሎ ዘሎ እንታይ'ዩ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኲባ ብቕልጡፍ ምስ ኣመሪካ "ውዕል ክትገብር" እንተዘይክኢላ፡ ዋሕዚ ነዳድን ገንዘብን ቬነዝዌላ ደው ክብል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ትራምፕ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንመራሒ ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ብ3 ጥሪ 2026 ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ብዘካየድዎ ስርሒት ካብ ዝሕዙ ንደሓር ኣቓልቦኡ ናብ ኲባ ክገብር ተራእዩ ኣሎ።

ንነዊሕ እዋን መሓዛ ኲባ ዝዀነት ቬነዝዌላ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 35 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ናብታ ደሴት ከም እትልእኽ ይእመን።

ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኲባ፡ ሃገሩ "ብዘይ ዝዀነ ኢድ ኣእታውነት" ነዳዲ ናይ ምውሳድ መሰላ ከም ዝዓቀበት ክገልጽ እንከሎ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ድማ "ብዛዕባ ክንገብሮ ዝግባእ ነገር ዝእዝዘና ሰብ የለን፡" ኢሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ እገዳ ዝተገብረለን መራኽብ ነዳዲ ቬነዝዌላ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ስዒቡ፡ ድሮ ኣብ ኲባ ቅልውላው ነዳድን ኤሌክትሪክን ከጋድድ ጀሚሩ ኣሎ።

ብዓርቢ፡ ካብ ቬነዝዌላ ዝተኣገደ ነዳዲ ጽዒና ዝተባህለት ሓምሸይቲ መርከብ ነዳዲ ተታሒዛ እያ።

ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ሶሻል ትሩዝ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኲባ ንነዊሕ ዓመታት፡ ብብዙሕ ነዳድን ገንዘብን ቬነዝዌላ እያ ክትናበር ጸኒሓ። ነቶም ዝሓለፉ ክልተ ውልቀመለኽቲ ቬነዝዌላ ድማ 'ኣገልግሎት ጸጥታ' ትህቦም ነይራ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን እዚ ኣይክህሉን እዩ!" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ድሕሪ ደጊም ናብ ኲባ ዝኸይድ ነዳዲ ይዅን ገንዘብ ኣይክህሉን'ዩ - ዜሮ! ከይረፈደ እንከሎ ውዕል ክገብሩ ኣትሪረ እላቦ፡" ይብል።

ትራምፕ ንውዕላት ናይቲ ስምምዕ ይዅን ኲባ ከጋጥማ ብዛዕባ ዝኽእል ሳዕቤን ኣይገለጸን።

ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኲባ ብሩኖ ሮድሪገዝ ግን፡ እታ ደሴት ካሪብያን ካብ ዝዀነ ፍቓደኛ ልኣኺ "ብዘይ ኢድ ኣእታውነት ወይ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወገን ዝውሰድ ኣስገዳድ ስጕምቲ፡ ነዳዲ ናይ ምእታው ፍጹም መሰል፡" ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ ኲባ ዘይከም ኣመሪካ "ንኻልኦት ሃገራት ንምጽላም ወይ ወተሃደራዊ ኣስገዳድ፡" ከም ዘይትገብር ገሊጹ።

ማዱሮን በዓልቲ ቤቱ ሲልያ ፍሎረስን፡ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ካልእ ክስታትን ይቐርበሎም ኣሎ።

ኲባ ንዓመታት ንማዱሮ ውልቃዊ ሓበሬታ ጸጥታ ከተቕርበሉ ጸኒሓ እያ።

መንግስቲ ኲባ፡ ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ቬነዝዌላ ካራካስ ኣብ ዘካየደቶ ስርሒት 32 ዜጋታቱ ከም ዝተቐትሉ ምግላጹ ይፍለጥ።

ትራምፕ፡ "መብዛሕትኦም እቶም ኲባውያን በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞይቶም እዮም፣ ቬነዝዌላ ድማ ድሕሪ ሕጂ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ጅሆ ሒዞምዋ ዝጸንሑ ሸፋቱ ሓለዋ ኣየድልያን'ዩ፡" ኢሉ።

"ቬነዝዌላ ሕጂ ኣብ ዓለም ዝሓየለ ወተሃደር ኣመሪካ (ብርሑቕ!) ኣለዋ - ክከላኸሉላ፣ ክንከላኸለሎም ድማ ኢና።"

ሮድሪገዝ ብወገኑ፡ ኲባ "ንዝዀነት ሃገር ብዝሃበቶ ኣገልግሎት ጸጥታ ገንዘባዊ ይዅን ንዋታዊ ካሕሳ ረኺባ ኣይትፈልጥን፡" ኢሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ ንኲባ ዝምልከት ንጹር መደባት'ኳ እንተዘይገለጸ፡ ቅድሚ ሕጂ እታ ሃገር "ክትወድቕ ድልውቲ" ስለ ዝዀነት ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ።

ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ኲባ ክጭነቑ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ፤ ንሱ ኣብ መንግስቲ ኲባ እንተዝህሉ ነይረ "ክሻቐል" ነይረ እየ ብምባል፡ መራሕቲ እታ ሃገር "ኣብ ብዙሕ ጸገም ከም ዘለዉ፡" ገሊጹ።

ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቢዮ - ኲባያዊ ኣመሪካዊ ሰነተር ፍሎሪዳ ነበርን ወዲ ኲባውያን ስደተኛታትን - ፕረዚደንት ኲባ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር መልእኽቲ ዳግማይ ኣስፊሩ ነይሩ።

ትራምፕ ነታ ጽሕፍቲ "ንዓይ ጽቡቕ ይመስል!" ምስ ዝብል ርእይቶ እዩ ኣካፊሉዋ።