ንኣፍሪቃውያን መራሕቲ 'ደለይቲ ስልጣን' ኢሉ ዝነቅፍ ሙሰቨኒ ንሻውዓይ እብረ ስልጣን የቋምት

ዩጋንዳ ካብ ህዝባ እቲ ሰለስተ ርብዒ ዕድመኡ ትሕቲ 40 ዓመት'ዩ፤ ኵሎም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዩጋንዳውያን ከኣ ሓደ ፕረዚደንት ጥራይ'ዮም ዝፈልጡ።

ዩወሪ ሙሰቨኒ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ 1986 ስልጣን ጨቢጡ። ሕጂ ወዲ 81 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እንከይተረፈ ካብታ መንበረ-ስልጣን ምንቕ ናይ ምባል መደብ ከምዘይብሉ'ዩ ዘርኢ ዘሎ።

ሙሰቨኒ ዝበዝሐ እዋን ስልጣኑ ኣብታ ሃገር ሰላም ኣብ ምስፋንን ብዘገምታ ደኣ ይዅን'ምበር ምዕባለ ኣብ ምውሓስን ስለዘሕለፎ ብብዙሓት ይውደስ።

እቶም ነቐፍቱ ከኣ ንዝተቓወምዎ ብምእላይን ነተን ነጻ ክዀና ዝግበአን መንግስታውያን ትካላት ብምዕፋን ናብ ረብሓኡ ብምውዓልን ይነቕፍዎ።

ሙሰቨኒ ንሓሙሻይ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ምስ ተመረጸ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት "ሓደ ፕረዚደንት ገደብ ግዜ ክህልዎ ኣለዎ ዝብል እምነት የብልናን" ኢሉ ነይሩ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ፡ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዕድመኡ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ሕጊ ኣልይዎ። እዚ ከኣ ንመዋእሉ ፕረዚደንት ንክኸውን ኢሉ ከምዝገበሮ ብዙሓት ይገልጹ።

ሙሰቨኒ ኣብ 1944 ኣብ ምዕራብ ዩጋንዳ ኣንኮለ ኣብ ዝበሃለ ቦታ ብመጓሰ ካብ ዝመሓደሩ ስደራ'ዩ ተወሊዱ።

እዋኑ ዩጋንዳውያን ኣንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ ቃልሲ ዘካይድሉ እዩ ነይሩ።

ብድሕሪ እዚ እቲ ዩጋንዳውያን ጸሊም ታሪኽ ኢሎም ዝዝክርዎ ዘበነ ሚልተን ኦበተን - ኢድ ኣሚን ዳዳን ስዒቡ።

ንነዊሕ ዓመታት ሙሰቨኒ ንዕለተ ልደቱ ከምዘይዝክሮ ኣብታ ንታሪኹ እተዘንቱ መጽሓፍ ጠቂስዎ ኣሎ።

"ብዙሕ ብድሆታት'ዩ ነይሩና፣ ስርቂን ቅትለትን ዝበዝሖ እዋን'ዩ ነይሩ፤ ኣብ ከምዚ እዋን መዓስ ተወሊድና ክንፈልጥ ኢልና እንጭነቀሉ ግዜ ኣይነበረናን" ይብል።

ኣብ 1967 ሙሰቨኒ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዳር ኤ ሰላም ንኽምሃር ናብ ታንዛንያ ኣምሪሑ።

ኣብኡ ከኣ ስነ ቝጠባን ፖለቲካን ብምጽናዕ ምስቶም ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ተምሃሮ ጥምረት ፈጢሩ።

ሙሰቨኒ ኣብ 1970ታት ኣብ ልዕሊ ኢድ ኣሚን ዕልዋ ምስ ተፈጸመ'ዩ ስሙ ክገንን ጀሚሩ።

ሙሰቨኒ ብታንዛንያ እናተደገፈ ንኢድ ኣሚን ንምዕላው ሓደ ወተሃገራዊ ግንባር ኣቝሙ ክቃለስ ምስ ጀመረ፡ ህዝቢ ዩጋንዳ ብተስፋ ክጽበዮ ጀሚሩ። ስሙ'ውን ዝያዳ ክገንን ጀመረ።

ኢድ ኣሚን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኤስያውያን ብምግፋዕን ብምስጓግን'ዩ ዝዝከር። ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ከኣ ብሓፈሻ 400 ሽሕ ሰባት ከምዝሃለቑ ሰነዳት ይሕብሩ።

ሙሰቨኒ፡ ንዓለምለኻውያን ማሕበር ህንዳውያን ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕተት ንኢድ ኣሚን "ኣካል ናይቲ ስርዓተ መግዛእቲ'ዩ ነይሩ፣ ኢድ ኣሚን ደንቆሮን ቅሩብ ከኣ ትምክሕተኛን'ዩ ነይሩ" ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ።

ኢድ ኣሚን ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ቅድሚኡ ፕረዚደንት ዝነበረ ሚልተን ኦቦተ ብሓፈሻዊ መረጻ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

እንተዀነ ሙሰቨኒ እቲ መረጻ ነጻን ፍትሓውን ኣይነበረን ብምባል ነቲ ውጽኢት ኣይተቐበሎን።

ኣብ 1981 ከኣ ደባይ ውግእ ጀሚሩ፤ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት እቲ 'ናሽናል ረዚስታንስ ሙቭመንት' ዝተሰመየ ደባይ ተዋጋኢ ሓይሊ ተዓዊቱ፡ ሙሰቨኒ ከኣ መራሒ ዩጋንዳ ኰይኑ።

ኣብ ቀዳሞት 10 ዓመታት ዘበነ ስልጣኑ፡ ቍጠባ ዩጋንዳ ጽቡቕ ገስጋስ ኣርእዩ፤ እታ ሃገር ዓመታዊ ልዕሊ 6 ሚእታዊት ዕብየት ተመዝግብ ነይራ።

ቍጽሪ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ብዕጽፊ ወሲኹ፣ ባዕሉ ዝመርሖ ዝነበረ ጐስጓስ ጸረ ኤችኣይቪ ይካየድ ስለዝነበረ ኸኣ መጠን መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ነክዩ።

ሙሰቨኒ ብምዕራባውያን ፍቱው ኰይኑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ 1998 ዩጋንዳን ሩዋንዳን ንመንግስቲ ንምውዳቕ ዝቃለሱ ዕጡቓት ብምድጋፍ ንጎረቤት ሃገር ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ምስ ወረራ ግን ዝናኡ ባይታ ክዘብጥ ጀሚሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ነቐፍቲ'ውን እቲ ፕረዚደንት ንተጻረርቲ ኣረኣእያታት ምጽውዋሩ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ የማርሩ ነይሮም። ስልጣን ናይ ምግዳፍ መደብ ከምዘይብሉ እውን ተረጋጊጹ።

ኣብ 1986 ኣብ ዘውጽኦ እኩብ ጽሑፋት፡ "ጸገም ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ዩጋንዳ፡ ህዝቢ ዘይኮነስ ኣብ ስልጣን ልዕሊ ዓቐን ክጸንሑ ዝደልዩ መራሕቲ'ዮም" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ 2005 ግን ኣረኣእያኡ ዝተቐየረ ይመስል፤ ቅዋም ዩጋንዳ ቀይርዎ። ሓደ ፕረዚደንት ክንደይ ዕድመ ከገልግል ከም ዝኽእል ዝብል ደረት ኣልጊስዎ።

ኣብ 2017፡ እቲ ዕድመ ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ዝሕጸዩ ተወዳደርቲ ዘመልክት ሕጊ'ውን ኣልይዎ።

እዚ ከኣ ኣባላት ባይቶ ኣብ ማእከል ኣኼባ ዕግርግር ክብሉን ሰድያታት ክሳብ ምድርባይ ክበጽሑን ገይርዎም።

እቲ ካልእ ንሙሰቨኒ ብምቅዋም ዝፍለጥ ውሩይ ደራፋይ ቦቢ ዋይን'ዩ።

እዚ ወዲ 43 ዓመት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ካብ መንእሰያት ዓቢ ደገፍ ኣለዎ።

ብዙሕ ግዜ ከኣ 'ሃገራዊ ክሕደት' ዝብል ዝርከቦ ክስታት ተመስሪትዎ ክእሰርን ክፍታሕን ጸኒሑ።

ኣብ 2021 ፖሊስ ንቦቢ ዋይን ብመንብዒ ጋዝ ብምትኳስ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ደገፍቱን ጥይት ቶኲሶም።

እቲ ምኽንያት ከኣ ቦቢ ዋይንን ደገፍቱን ንሕግታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስኩም ተባሂሎም'ዮም ተኸሲሶም።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ጎስጓሳት'ውን ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ዩጋንዳ ኣብ ልዕሊ ብሰለማዊ መንገዲ ንተቃወምቲ ደገፎም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባት ጥይት ከምዝተኰሱ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብዚ ሃዋህው፡ ሙሰቨኒ ንህዝቢ ንምፍርራሕ "ሓደ ወተሃደር 120 ጥይት'ዩ ዝሕዝ" ክብል ተሰሚዑ። እንተኾነ ፖሊስ ንደገፍቲ ተቓወምቲ ከይሃርሙን ኣብ ክንድኡ ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙን ኣዚዙ።

ደገፍቲ ሙሰቨኒ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ዓሰርተታት ዓመታት ዩጋንዳ ተዛማዲ ምርግጋእ ከምዝርኣየት'ዮም ዘመልክቱ።

ወሃቢ ቃል NRM ኣማኑኤል ሉማላ ዶምቦ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ኣብ ሃገራቶም ዘጋጠመ ኲናት ኣብ ዩጋንዳ ክዕቈቡ ከምዝኸኣሉ ብምግላጽ፡ እዚ ከኣ መርኣያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ርግኣት ምዃኑ ይሕብር።

ዶምቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቅድሚ ኣርብዓ ዓመታት፡ ካብተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ዩጋንዳ እታ ዝበዝሐ ህዝባ ዝስደዱ ዝነበረት ሃገራ'ያ፤ ኣብዚ እዋን ግን ዩጋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ኣአንጋዲ ስደተኛታት ኰይና ኣላ" ኢሉ።

ኣብ ቀረባ እዋናት'ውን መንግስቲ ሙሰቨኒ ንናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክፉት ዕድል ፈጢሩ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ። ምስ ብዓል ቻይና፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት'ውን ናይ ወፍሪ ውዕላት ከቲሙ።

ዩጋንዳ ኣብ 2040 ሓንቲ ካብተን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ክትከውን ይሰርሕ ምህላዉ'ዩ ዝገልጽ።

ሙሰቨኒ ንነብሱ ከም ሓደ ርጉእ መራሕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ሓደ ንመንእሰያት ዩጋንዳ ዝሕብሕብ ሰብ እዩ ዝሪኣ። ንመንእሰያት ሰዓብቱ ባዙኩሉ (ብቋንቋ ሉጋንዳ ደቂ ደቀይ ማለት'ዩ) ኢሉ ይጽውዖም፣ ንሶም ከኣ M7 ወይ Sevo [ሴቮ] ብዝብል ሳጓ ይጽውዕዎ።

ናብቲ ፍርቂ ዕድመ ሙሰቨኒ ዘለዎ ቦቢ ዋይን ምስ እንምለስ፡ ሓደ ካብቶም ሙሰቨኒ ብጎቦ ዓይኑ ዝጥምቶም'ዩ።

ኣብ 2020 ኣብ እዋን ዕጽዋ ምንቅስቓስ ኣካላት ንምትብባዕ ኣብ ውሽጢ ኦፊሱ ኰይኑ ፑሽ ኣፕ እናገበረ ብቪድዮ ኣብ ሃገራዊት ተለቪዥን ተራእዩ።

ብድሕሪኡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሓያለ ተምሃሮ ነቲ ኣለኹ ንምባል ዝጥቀመሉ ሜላታት ስፖርት ብዙሕ ግዜ ደጊሙዎ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንጥዕናኡ ኣመልኪቱ ክዛረብ ተሰሙዑ። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ "ኣብዚ ምሳኻትኩም ካብ ዝጸንሕ 40 ዓመታት ኣቑጺረ ኣለኹ። ኣብ ሆስፒታል ከም ዝኣተኹ ሰሚዕኩም ትፈልጡ'ዶ? ብዘይካ ን21 መዓልታት ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓሓዝኩሉ እዋን" ኢሉ።

ሙሰቨኒ ዕድመ እናደፍአ ኣብ ዝኸደሉ፡ ስልጣን ናብ ስድርኡ ናይ ምሕላፍ መደብ ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ።

ብዓልቲ ቤቱ ጃነት ምኒስተር ትምህርቲ'ያ፤ ወዱ ጀነራል ሙሃዚ ካይነሩጋባ ከኣ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር'ዩ።

ወዲ ወዱ'ውን ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ውትህድርና ተኸቲቡ፤ ናብ መሳልል ስልጣን ምድያቡ ኣይተርፎን'ዩ ዝብል ገምጋማት ኣሎ።

ብፍላይ እቲ ወዲ 51 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ወዱ ጀነራል ሙሃዚ እቲ ቀንዲ ተካኢ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ እቲ ቀንዲ ግምት።

እዚ እንተዀይኑ፡ ንሓድጊ ሙሰቨኒ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል እዩ።

ጀነራል ሙሃዚ ካይነሩጋባ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጀሃላይ ዘረባታት ብምፍናው'ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ኤክስ ካብ ዘስፈሮ ጽሑፋት፡ እንተደልዩ ንኬንያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክወራ ከምዝኽእልን ብምዝራቡ ንኬንያውያን ኣቘጢዑ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዝነበረ ምስሕሓብ ከኣ ንግብጺ ብምድጋፍ'ውን ንኢትዮጵያ ኣቐይሙ።

ብዘይካ'ዚ ንሓላዊ ቦቢ ዋይን ኣብ ትሕቲ ገዛኡ ኣብ ዝርከብ መእሰሪ ከምዝሓየሮ ኣሚኑ።

ሙሰቨኒ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ዳርጋ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ተመኵሮ ብምድላብ፡ ንሻብዓይ ግዜ ዓወት ከም ዘመዝግብ ርግጸኛ እዩ ዘሎ።

"ዩጋንዳ ውሕስነት ኣለዋ ወጺኹም ድምጽኹም ሃቡ" ክብል ንህዝቢ ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ተዛሪቡ።