ኣስታት 40 ሰባት ዝቐተለ ባርዕ ሓዊ ስዊዘርላንድ

ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ትማሊ ለይቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓድሽ ዓመት ከብዕሉ ዝተኣኻኸቡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

እቲ ባርዕ ኣብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዝርከብ ፍሉጥ ማእከል ምንሽርታት በረድ ዘሎ ቤት-መስተ እዩ ኣጋጢሙ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ንምንጭታት ፖሊስ ስዊስ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣስታት 40 ሰባት በቲ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ።

ኣብቲ 'ለ-ኮንስታሌሽን' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መዘናግዒ ባር ዘጋጠመ ሓደጋ ልዕሊ 100 ካልኦት ከቢድን ፈኲስን ጉድኣት ወሪድዎም ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብሰብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘይኮነ ሰብመዚ ገሊጾም።

ገለ መሰኻኽር ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ዝበርህ ዝነበረ ሽምዓ ንናሕሲ ናይቲ ኣደራሽ ብምንዳዱ ዝተላዕለ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

እቶም ግዳያት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ምዃኖም'ውን ሓበሬታ ናይቶም ሰብመዚ የመልክት። ሬሳኦም ብሓዊ ኣዝዩ ስለዝነደደ መንነቶም ንምፍላጥ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል'ዮም ሰብመዚ ዝገልጹ ዘለዉ።

ዝበዝሑ ካብቶም ቆሲሎም ናብ ሆስፒታላት ተወሲዶም ዘለዉ፡ ከቢድ ምንዳድ ኣካላት ዘጋጠሞም ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ሰብመዚ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ 10 ሄለኮፕተራት፡ 40 ኣምቡላንሳትን150 ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋን ናብቲ ቦታ ኣዋፊሮም ኣለዉ።

እቲ ባር፡ ናኣሽቱ መንእሰያት ብብዝሒ ዘዘውትርዎ ፍሉጥ መዘናግዒ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘለዋ ሆስፒታላት ዝርከብ ክፍሊታት ጽኑዕ ክንክን ከምዝመልአ ዝገለጹ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተወሳኺ ጸቕጢ ከይፈጥሩ ጥንቃቐ ክገብሩ ተማሕጺኖም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆላንድ (ነዘርላንድስ) ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ጎነጽ ከምዝተራእየ ፖሊሲ ገሊጾም።

ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ዝተሃንጸ፡ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነ ቤተክርስትያን ኣምስተርዳም ብሓዊ ከምዝተቓጸለ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ካልእ ከባቢ እታ ሃገር'ውን ወዲ 17 ዓመትን ወዲ 38 ዓመትን ብሰንኪ ዝተተኮሰ ሪቺታት ሓድሽ ዓመት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ፖሊስ ግዳያት መጥቃዕቲ ሪቺታትን ካልእ ነትጒቲን ኮይኖም ምሕዳሮም'ውን ሓላፊት ማሕበር ፖሊስ እታ ሃገር ናይን ኩይማን ገሊጻ። ኣብታ ሃገር "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ጎነጽ ምንባሩ'ውን ጠቒሳ።

ነዘርላንድስ ንዘይወግዓዊ ሪቺታት ንምቁጽጻር ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ኣብ 2026 ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበር።