ስልጣንን ልዕልና ቤተሰብን ፕረዝዳንት ሙሴቪኒ ዝሕሉ ፍሉይ ሓይሊ

ኣባላት እዚ ፍሉይ ሓይሊ ዩጋንዳ፡ ገዘፍቲ ብረት ዓጢቘም፡ ገጾም ተሸፊኖም ኣብ ጐደናታት እታ ሃገር ይንቀሳቐሱ።

እዚ፡ ፍሉይ ወተሃደራዊ ክንፊ ዩጋንዳ እዩ። ቀንዲ ልኡኽቱኡ ድማ፡ ንወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቪንን ቤተሰኑን ምሕላው ከም ዝዀነ ይእመን።

ብ1986 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ስልጣን ዝሓዘ ሙሴቪኒ ክሳብ ሕጂ ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ። ኣርባዕተ ግዜ ኣብ መረጻ ተወዳዲሩ ተዓዊቱ። እንተዀነ፡ ኣብቶም መረጻታት ምትላል ተፈጺሙ'ዩ ዝብል ተደጋጋሚ ክሲ ይቐርብ።

ዩጋንዳ፡ ብ1962 ናጽነታ ክትረክብ እንከላ፡ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ኢድ ዓመጽትን ወተሃደራትን እዩ ጸኒሑ።

ሙሴቪኒ፡ ኣብቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት - 2026 - ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከም ዝወዳደር'ዉን ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ፍሉይ ሓይሊ እታ ሃገር (Special Forces Command ወይ SFC) ተቓወምቲ ጐስጓስ መረጻ ንከይገብሩ ክእግድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ድማ ኣሎ።

እዚ ፍሉይ ሓይሊ፡ ብ2021፡ ጐስጓስ መረጻ ንከይካየድ ኸልኪሉ ነይሩ።

እቲ ሓይሊ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብወዲ ሙሴቪኒ ጀነራል ሙሆዚ ካኒሩግባ እዩ ዝምራሕ።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነቐፍቲ መንግስቲ ብምጭፍላቕ፡ ተቓወምትን ተሓለቕቲ መሰላትን ብምቕታል ይኽሰስ። እንተዀነ እቲ እዚ፡ ነዞም ክስታት ይነጽጐም።

ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ቢቢሲ፡ እቲ እዚ "ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዩ ዘሎ፤ ካብቲ ፕረዚደንትን ወዱን ጥራሕ ክኣ ትእዛዝ ይቕበል። እቲ ሰራዊት ጸላዊ እናዀነ ምምጽኡ ንላዕለዎት ጀነራላት የቘጥዖም'ዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

ወዲ 51 ዓመት ጀነራልሙሆዚ ካኒሩግባ፡ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር እዩ። ከም ኣቡኡ ፕረዚደንት ከም ዝኸዉን ድማ ይዛረብ።

ንነዊሕ ዓመታት ንዘገልገሉ ጀነራላት 'ሃላያት' ኢሉ ምድሃሉ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።

እቲ ዘረባ፡ ንወተሃደራትን ፖለቲከኛታት እኳ እንተኣቀየሞም፡ መንግስቲ ዩጋንዳ "ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ቀልዲ'ዩ" ብምባል ነቲ ጕዳይ ከዘሓሕሎ ፈቲኑ እዩ።

እቲ ወዲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዮም ኣካታዕቲ ርእይቶታት ብምሃብ እዩ ዝፍለጥ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንኬንያ ክወርር እየ ምባሉ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ፤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ዝተፈላለያ ሃገራት ርእይቶ ብምሃብ ክትዓት ክለዓል ይገብር።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ እናጠንከረ ብምምጽኡ፡ ንሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ክነሓንሖ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ሙሴቪኒ ናብ ስልጣን ንክመጽእ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዘካየደ ይፍለጥ።

እቲ ፍሉይ ወተሃደራዊ እዚ፡ ሓደ መዓልቲ ምስቲ ሰራዊት ክራጸም እዩ ዝብል ስግኣት ተንተንቲ ፖለቲካ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ዘለው ክልተ ተነሓናሕቲ ሰራዊታት፡ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዘእትውዋ እነሆ ዓመታት ተቈጺሮም።

እዚ ፍሉይ ሓይሊ ዩጋንዳ፡ ሙሴቪኒ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እዩ ተመስሪቱ።

ኣብ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ዮርክ ዝምህር ትውልደ ዩጋንዳዊ ዶ/ር ጄራል ባርቤ፡ "እቲ እዚ ኣብ ዩጋንዳ ዝጠንከረ ሓይሊ እዩ። ብዝለዓለ ደረጃ ዝሰልጠነን ልዑል ገንዘብ ወጻኢ ዝተገብረሉን እዩ። ተኣማኒ ከም ምዃን ዝመስል ነገር የለን ዝብል መሪሕ ጭርሖ'ዉን ኣለዎ፡" ይብል።

ቢቢሲ፡ ሰራዊት ምክልኻልን እዚ ፍሉይ ሓይሊን ዩጋንዳ ርእይቶ ክህቡ እኳ እንተሓተተ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

ሙሴቪኒ፡ እቲ እዚ፡ ንዩጋንዳውያን ተባሂሉ እዩ ቘይሙ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ንዩጋንዳ ሰናይ ዝምነዩ ድማ፡ ነቲ እዚ ከም ዝድግፉዎ ገሊጹ። ተቓወምቲ ግን፡ ካብዚ ዝተፈለየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም።

ሙሴቪኒ፡ ዩጋንዳ ንብረት ቤተሰቡ'ዩ ገይሩዋ ክብሉ ይኸሱ።

በዓልቲ ቤቱ ጃኔት ሚኒስትሪ ትምህርቲ እያ። ወዱ ኣዛዚ ሰራዊት እዩ። ወዲ ወዱ ንሙሴቪኒ ናብ ሰራዊት ተጸንቢሩ ኣሎ። መንበር ስልጣን እቲ ስድራ ከም ዝርከብ ድማ ይንገር።

ወዲ እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ክልተ ግዜ መሪሑ እዩ። እዚ ፍሉይ ሓይሊ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣባላት ከም ዘለውዎ ይእመን። ስሩዕ ሰራዊት፡ 40 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ።

ጀነራል ሙሆዚ ካብ ማእከል እቲ እዚ ኰይኑ፡ ትእዛዝ የመሓላልፍ። እቲ ህንጻ ብሽም ኣቡኡ እዩ ተሰይሙ። ካብ ኢንተቤ 34 ኪሎ ሜትር ርሒቍ ይርከብ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፡ እቲ ዝዓጠቝ ብረት ዘመናዊ ምዃኑ ይጠቅስ። ቀንዲ መዓርፎ ነፈርትን መፍረዪ ነዳዲ ዝዀኑ ቦታታትን ይሕሉ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ናብ ዶብ ኬንያ ብምእታው፡ ተነሓናሒ ሙሴቪኒ ንዝዀነ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ኪዛ ቤሲጄን ወሲዶምዎ።

እቲ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ውልቀ ሓኪም ሙሴቪኒ እዩ ነይሩ። ካብ ኬንያ ምስ ተወስደ ድማ ብክሕደት ሃገር ተኸሲሱ።

ዓቃቢ ሕጊ ምክልኻል ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ፡ ነቲ ፖለቲከኛ ከም ዝሓዙዎ ገሊጹ።

ዶ/ር ጄራልድ፡ እቲ እዚ፡ ቀጻሊ ምምሕዳር ሙሴቪኒ እዩ ዘረጋግጽ፤ ካብ ተቓወምቲ ካብ ዝመጽእ ንሕንሕ ብዝሰገረ ወተሃደራዊ መራሕቲ ንምምሕዳር እቲ ፕረዚደንት ከይፈታተኑዎ ይከላኸል ይብል።

"ውሽጣውን ግዳማውን ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት የምክን፡" ክብል የረድእ።

እቲ እዚ፡ ኣብ ጭውያን ሰብኣዊ ምዝመዛን ኢዱ ኣለዎ እዩ ንዝብሉ ክስታት ይነጽግ።

ወዲ 32 ዓመት ኣባል እቲ እዚ፡ ሰለስተ ሰባት ብምቕታል፡ ቈልዓ ሓደ ዓመት ሓዊሱ ክልተ ሰባት ብምቝሳል፡ ሞት ተፈሪዱዎ ይርከብ።

ሓደ መራሒ ሞተር ሳይክል፡ ብኣባላት እቲ እዚ ምስርጣይ በጺሑዎ እዩ ዝብል ሓበሬታ ምውጽኡ ስዒቡ፡ መርመራ ከም ዝግበር ተገሊጹ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ነፍሰ ጾር በዓልቲ ቤቱ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝወስደሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ንመዓልታት ጠፊኡ ዝነበረ ሓለዋ ሓደ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ በቲ እዚ ከም ዝተትሓዘ ወዲ እቲ ፕረዚደንት ምስ ተዛረበ፡ ቍጥዐ ተላዒሉ።

"ናተይ ቈልዑ ንኤድዋርድ ሴቦፉ ሒዞምዎ ኣለው። ኣብ ትሕቲ ገዛይ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ኣሎ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፉ።

ሓላዊ እቲ ፖለቲከኛ፡ ጸጕሩ ተላጽዩ ዘርኢ ስእሊ'ዉን ጠቂዑ።

"ናተይ ቈልዑ ስለ ዝዀኑ ዝላጸዩዎ፡ ኣጥዒምሉ ኣሎ፡" ክብል'ዉን ተላጊጹ።

ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ እታ ሃገር፡ ካብቲ ሓለዋ ብተወሳኺ ካልኦት ሰባት'ዉን በዚ ሰራዊት እዚ ተታሒዞም ምህላዎም ይገልጽ።

"እቲ እዚ፡ ስልታዊ ብዝዀነ መገዲ ድምጺታት ተቓውሞ ንምዕፋን እዩ ዝንቀሳቐስ። ተስፋ ናጽነት ዝናፍቕ ህዝቢ እዩ ዘቕህም፡" ኢሉ።

ማእሰርቲ ሓላዊ እቲ ፖለቲከኛ ድማ፡ "ሓደገኛ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጭቈና ከም ዘሎ እዩ ዘርኢ፡" ክብል እቲ ማሕበር ገሊጹ።

እቲ እዚ፡ ሚስጥራዊ ምንቅስቓስ ምግባሩ፡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንክቐርቡ ምኽንያት ኰይኑ እዩ፤ ምስረታኡ እውን ዘይሕጋዊ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ይቐርብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ባይቶ እታ ሃገር ዘጽደቘ መምርሒ፡ እቲ እዚ ካብቶም ኣርባዕተ ወተሃደራዊ ክንፊታት ዩጋንዳ ሓደ ምዃኑ ይድንግግ።

ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ ነቲ ውሳነ ነቒፎም። እቲ እዚ ዝተዋህቦ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንክለዓል'ዉን ሓቲቶም።

ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ሴሙጃ ንጉንዳ፡ "ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝንቀሳቐስ እዚ፡ ሕጋዊ መልክዕ ንክህልዎ ዝገብር ውሳነ እዩ፡" ኢሉ።

ዶ/ር ጄራልድ፡ እቲ እዚ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምርካቡ፡ "ነቲ ዘለዎ ልዕልና ዘጠናኽር እዩ፡" ኢሉ።

ዩጋንዳዊ ተንታኒ ጎድበር ቱሜሼቤ፡ "ሕጂ ኲናት ስለ ዘየለ እዮም ነገራት ሰላማዊ ዝመስሉ፡" ብምባል ስግኣቱ ገሊጹ።

ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ እዚ እናተጠናኸረ ብምምጽኡ እቲ ስሩዕ ሰራዊት ሕጕስ ኣይኰነን።

ኣብ ውሽጢ እቲ እዚ ዘለው ኣባላት መብዛሕትኦም፡ ካብ ዓሌት ሙሴቪኒ ምዃኖም ምንጪታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ካብ 2007 ጀሚሩ፡ ቀንዲ ኣመራርሓ ካብ መንጐ ዝነበሩ ሽዱሽተ መኮንናት እቲ ሓደ ጥራይ ካብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር መጺኡ።

ድሕሪ ሙሴቪኒ ኣብ ዝህሉ ታሪኽ እታ ሃገር እውን፡ ኣብ መንጐ እቲ ሰራዊትን እቲ ፍሉይ ሓይልን ውጥጥ ክህሉ እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ተቓዋሚ ፖለቲከኛ እታ ሃገር፡ "እቲ ዓብዪ ስግኣተይ፡ ድሕሪ ሙሴቪኒ እንታይ ከም ዝፍጠር ዘይምፍላጥና እዩ፡" ይብል።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ዝፍጠር ጐንጺ ድማ ናብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምርሕ እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ወዲ እቲ ፕረዚደንት ነቲ እዚ ሙሉእ ንሙሉእ ብምቁጽጻር፡ ንምምሕዳር ሙሴቪኒ ከቐጽሎ እዩ ኢሎም ዝካትዑ ኣለው። እዚ ግን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ዝቕበሉዎ ኣይኰነን።

ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ቦቢ ዋይን (ሮበርት ኪጉላኒ) ንወዲ ሙሴቪኒ ብቕለት ከም ዘፈራርሖ ይዝከር።

እዚ ግን "ዋዛ እዩ ነይሩ" ብምባል እቲ ጽሑፍ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣልዩዎ፤ ግን ቍጥዐ ተላዒሉ እዩ።

ቦቢ ዋይን፡ እዚ ፍሉይ ሓይሊ ክብተን ኣለዎ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ዝገብሮ ዘሎ እዚ ፍሉይ ሓይሊ እዩ፤ ዘይሕጋዊ እዩ። ነቲ ፕረዚደንትን ወዱን እዮም ዝሕልው፡" ኢሉ።