እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩጋንዳ፡ ስለ ምንታይ ካብ ዓለም ዕሉላት ደገፍቲ ኣርሰናል ክህልውዋ ክኢሎም?
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ደገፍቲ ኣርሰናል፡ ድሕሪ'ቲ ጋንትኦም ኣብ ልዕሊ ርያል ማድሪድ ዘመዝገበቶ ዘደንቕ ዓወት፡ ውዕዉዕ ጽምብል ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብ ሰሜን ለንደን ዝመደበራ ጋንታ፡ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ርብዒ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ኣብ ሜድኣ 3 ብ 0 ከም ዝተዓወተት ይዝከር።
ኣርሰናል ክትጻወት እንተዀይና ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዙሓት ክከታተሉዎ ግድን'ዩ። ጐድኒ ጐድኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ድማ ሓንቲ ካብተን ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ደገፍቲ ዘለወን ጋንታታት ፕረምየር ሊግ እንግሊዝ እያ።
ቅድሚ ዓበይቲ ጸወታታት ብቐይሕን ጻዕዳን ዝሕበሩ ማልያ 'ጋነርስ' ዝተሰለሙ ደገፍቲ ዝተመልአ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ምርኣይ ልሙድ'ዩ። ሓድሓደ ግዜ መለኮታዊ ሓገዝ ዘድልያ ጋንታ ክትመስል ንኽትዕወት ጸሎት ይግበረላ።
ፍቕሪ ኣርሰናልን ካልኦት ክለባት እንግሊዝን ኣብ ኡጋንዳ ንብዙሕ ዓውድታት ዕድል ዝፈጥር ኰይኑ'ሎ። ድኳናት ብመሸጣ ማልያ ክጨናነቑ ከለዉ ዓበይቲ ኩባንያታት ድማ ንውጽኢታውነት እታ ጋንታ ንመወዓውዒ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይጥቀምሉ። ንናይ ስፖርታዊ ውርርድ (በቲን] ኩባንያታት ድማ ዓቢይ ንግዲ እዩ።
ገዲም ጋዜጠኛ ስፖርት ኢሳቕ ሙመማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘተኰረ ጸብጻባት ሰሪሐ እየ። ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ ሃረርታ (ብርቱዕ ስምዒት) ኩዕሶ እግሪ ግን ኣብ ካልእ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ብዘይጥርጥር ክነግረኩም እኽእል እየ፡" ኢሉ።
ቢቢሲ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝረኸቦ መካኒክ ስዋለ ሱሌማን፡ ሕሩር ደጋፊ ማንቸስተር ዩናይትድ እዩ። ግጥማት ፕረምየር ሊግ እንግሊዝ ብንሕንሕ ዝተሰነዩ፡ ኣዘናጋዕትን ሓድሓደ ግዜ ድማ ውጽኢቶም ዘይግመትን ብምዃኖም ፍናን ከም ዝፈጥሩ ይዛረብ። ዋላ'ውን "ንእሽቶ ጋንታ ክትዕወት ትኽእል እያ፡" ይብል።
ንዅለን ላዕለዎት ጋንታታት እንግሊዝ ዝድግፋ ማሕበራት ኣብ ኡጋንዳ ተጣይሸን ኣለዋ። ጕጅለታት ዋትስኣፕ ከኣ ነቲ ክትዓት ኪኖ ኣደራሻትን ባራትን የጓሃህርኦ።
ደገፍቲ ኣርሰናል ግን ነዚ ናብ ካልእ ደረጃ ዘብጽሑዎ ይመስሉ። ገሊኦም ኣብ ዓበይቲ ጸወታታት ንዝተረኸበ ዓወት ስዒቡ ብዘካየዱዎ ሰልፊ ክሳብ ማእሰርቲ ይበጽሑ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ዓይነት ክቱር ድጋፍ ናብ ካልእ ሰናይ ዘይኰነ ደረጃ ዝሰጋገረሉ ኵነታት እውን ኣሎ። ፍቕሪ ናይቲ ጸወታ እንሓንሳእ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ደገፍቲ ቍጥዐ ኣልዒሉ ናብ ቀታሊ ዓመጽ ይሰጋገር።
ኣቦ መንበር ማሕበር ኣሰልጠንቲ ኩዕሶ እግሪ ኡጋንዳ ስቶን ኪያምባደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ህዝብና ብተፈጥሮኡ ብምሉእ ልቡ እዩ ምስ ሓደ ነገር ዝተኣሳሰር፣ ኡጋንዳውያን ንኹዕሶ እግሪ ካብ ልቦም እዮም ዝፈትዉዎ፡" ኢሉ።
"እዚ ናይ ኩዕሶ እግሪ ኵቱር ስምዒት ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝያዳ ሓያል ኰይኑ'ሎ። ምኽንያቱ፡ ንፕረምየር ሊግ እንግሊዝ ካብ ዝዀነ ቦታ ክከታተሉ ስለ ዝኽእሉ፡" ክብል ወሲኹ።
ብተለፎኖም ነጥቢ ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም። ብቐንዱ ግን ናይ ሓባር ፍጻመ ኰይኑ፡ ዋላ እታ ኣዝያ ርሕቕቲ ዝዀነት ቍሸት ደገፍቲ ንጸወታታት ክርእዩ ዝእከቡሎም ግዝያዊ ኣደራሻት ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ግን ኣብ ጥቓ ቀላይ ቪክቶርያ ዝነበሩ ደቂ ዓዲ፡ ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘመዝገበቶ ዓወት ኣብ ዝጸምበልሉ እዋን ብጥይት ንዝተቐትለ ወዲ 30 ዓመት ብዓልሞያ ጽርበት ዕንጸይቲ ክቐብሩ ተገዲዶም ነይሮም።
ነቲ ጸወታ ኣብ ከተማ ሉካያ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ቪድዮ ክከታተሎ ጸኒሑ - ድሕሪኡ ናይ መወዳእታ ፊስካ ጸዋታ ምስ ተነፍሐ ካብ ደገፍቲ ኣርሰናል ድንገታዊ ዕልልታ ተሰሚዑ። እዚ ንሓደ ሓላዊ ጸጥታ ሓዊሱ ንተጻረርቶም ስለ ዘቘጥዖም ድማ ጐንጺ ኣስዒቡ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት፡ ኣስታት 300 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከባቢ ካባሌ፡ ደጋፊ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረ በንጃሚን ንድያሙሃኪ ብደገፍቲ ኣርሰናል ተወጊኡ ተቐቲሉ። ክልቲኦም ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ዝተኻየደ ጸዋታ ኣብ ዝኸፈቱዎ ክትዕ ግጭት ስለ ዘስዓበ ብደጋፊ ኣርሰናል ብኻራ ተቐቲሉ።
ኣብ 2023 ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ምስ ፕረምየር ሊግ ዝተኣሳሰሩ ኣርባዕተ ሞት ኣጋጢሙዎም። ክልተ ደገፍቲ ኣርሰናል ብደገፍቲ ማን ዩናይትድ ተቐቲሎም። ማን ዩናይትድ ብሊቨርፑል 7 ብ 0 ኣብ ዝተሰዓረትሉ ግጥም ድማ ካልእ ደጋፊ ብምስጢራዊ ኵነታት ተቐቲሉ። ኣርሰናል ብማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ጣልቃ ክኣቱ ዝፈተነ ካልእ ውልቀሰብ ድማ ብኻራ ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ሞይቱ።
ኣብ ኡጋንዳ ዝፍጸም ዓመጽ ኩዕሶ እግሪ ካብ 1980ታት ዝጅምር ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝካየዱ ዝነበሩ ጸወታታት ኣብ መንጎ መተሃላልኽቲ ደገፍቲ ብዝፍጸሙ እምኒ ምድርባይን ባእስታትን ዝልለዩ ነበሩ።
ብዓልሞያ ስፖርት ሉምቡየ ልኒካ፡ "እተን ክልተ ቀንዲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጋንታታት ኡጋንዳ ዝዀና ኤክስፕረስን ኤስ.ሲ ቪላን [Express FC and SC Villa ] ዓቢይ ደርቢ ኣብ ዝገብራሉ እዋን ኵሉ ግዜ ጐንጽታት ይለዓል ነይሩ፡" ይብል።
ነገራት ግን ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ዝኸኣለ ብቝማር ዝነደደ ክቱር ደጋፍነት ኣብ ዝጠጥዓሉ ከም ዝዀነ ክኢላታት ይዛረቡ። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ውርርድ ብምግባር መነባብሮኦም ክመርሑ ይፍትኑ።
ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ሓደ ሰብኣይ ገንዘቡ ብውርርድ ምስ ተበልዐ ብመርዚ ነብሰ-ቕትለት ከም ዝፈጸመ ፖሊስ ይሕብር።
ምስ ምዕባለ ናይ 'ኦንላይን' ቁማር ተታሓሒዙ፡ ብመንገዲ መተግበሪታት (ኣፕሊኬሽናት) ኣብ ስልክኻ ውርርድ ምግባር ካልኢታት ጥራሕ ዝወስድ ተግባር'ዩ።
ኩባንያታት ቁማር እውን ነቲ ኡጋንዳውያን ኣብ ግጥማት ፕረምየር ሊግ እንግሊዝ ዘለዎም ክቱር ፍቕሪ ክብለጻሉ ይረኣያ። ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ግጥማት እናረኣዩ ውርርድ ዝገብርሉ ማእከላት የጣይሻ ኣለዋ።
ኣብዚ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸገም ዝፍጠር። ተሃላለኽቲ ደገፍቲ ንውርርድ ዘእተውዎ ገንዘቦም ምስ ዝብልዑ ነንሓድሕዶም ክደኣኣሉ ይጅምሩ።
"ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ጸቢብ ዕድላት ስራሕ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ከም ቅልጡፍ ገንዘብ መርከቢ ኣማራጺ ናብ ውርርድ ይኣትዉ፡" ይብል ማልያ ማን ዩናይትድ ተኸዲኑ ኣብ ሓደ ጐደና ካምፓላ ቢቢሲ ዝረኸቦ ኣሞስ ካልዌጊራ።
ኣብ ሓደ ካብ ኩባንያታት ውርርድ ኡጋንዳ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝዀነ ኮሊንስ ቦንጎሚን ግን፡ እቲ ኢንዱስትሪ ብዓመጽ ኩዕሶ እግሪ ክውቀስ ከም ዘይበሉ ይምጕት።
"ሰባት ንትጽቢታትን ቍጥዐን ኣብ ምቍጽጻር እኹል ግንዛበ የብሎምን፡" ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሓቢሩ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 2,000 ድኳናት ውርርድ ብምህላወን፡ መንግስቲ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቁማር ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ግብሪ ክእክብ ከም ዝኸኣለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብተን ትካላት ቍጽጽር ካብ ምግባር ክዕቀብ ይኽእል።
ኣብ ኡጋንዳ ሓላፊ ማሕበር ደገፍቲ ኣርሰናል ሰሎሞን ኩተሳ፡ ባህሊ መስተ እታ ሃገር ቀንዲ መንቀሊ ናይቲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘጋጥም ዓመጽ ከም ዝዀነ ይኣምን።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ "ገለ ደገፍቲ ነቲ ጸወታታት ሰኺሮም እዮም ዝከታተሉ። ጋንታታቶም ምስ ዝስዓራ ድማ ንምቍጽጻሮም ኣጸጋሚ ይኸውን፡" ኢሉ።
ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ንደገፍቲ ካብ ባራት ኣውጺእኻ ናብ ስታድዩማት ምምላስ ነቲ ዝፍጠር ጸገማት ክገትኦ ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ንፕረምየር ሊግ ኡጋንዳ'ውን ዳግማይ ንምሕያል ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ኣብ 1978 ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ መዛዘሚ ጸወታ ምስ ዝበጽሐት ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ቶም ልዋንጋ በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
"ስታድዩማት ኣብ ዝመልኣሉ እዋን ንጻወት ስለ ዝነበርና ኢና ፍሉጣት ዝዀንና። ናብቲ ዘመን ተመሊስና ብኹዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ንዝፍጠር ናዕቢ ክንቈጻጸር ኣለና፡" ክብል ርእይትኡ ሂቡ።
ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ ብወገኖም ንሕጽረት ቀጥታዊ ፈነወ ተለቪዥን ንውድቀት ሊግ ኡጋንዳ ከም ምኽንያት ይጠቕሱ።