ትራምፕ፡ ኢራን ንተቓወምቲ ብሞት እንተቐጺዓ 'ሓያል ስጕምቲ' ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ

ፕረዚደንት ትራምፕ ንኢራናውያን ሓገዝ "ኣብ መገዲ ከም ዘሎ" ቃል ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኢራን ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ብዝተወስደ ስጕምቲ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓደ ጕጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ኣክቲቪስትስ ኒውስ ኤጀንሲ (HRANA) ኣብ ዝሓለፈ 17 መዓልታት ዋላ'ኳ ኢንተርነት እንተ ተዓጽወ 1850 ሰልፈኛታት፡ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎም 135 ሰባትን 9 ተሳትፎ ዘይብሎም ሲቪላውያን ከምኡ'ውን ትሽዓተ ህጻናት ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

ሓደ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ'ውን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 2000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብምግላጽ፡ ነዚ ተሓተትቲ ዝዀኑ ግን "ኣሸበርቲ" ምዃኖም ሓቢሩ።

ትራምፕ ብሰሉስ ምሸት ብዛዕባ ኢራን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፍ ምዃኑን፡ "ቅኑዕ " ኣሃዛት ሞት ክረክብ ቃል ኣትዩ'ሎ።

ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ቅትለት ኣገዳሲ ይመስል፣ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ብርግጽ ኣይንፈልጥን፡" ኢሉ። ኣሃዛት ምስ ተረኸበ "ብኡ መሰረት ስጕምቲ ክንወስድ ኢና፡" ኢሉ።

ኣቐዲሙ ብሰሉስ ትራምፕ ኣብ ሶሻል ትሩዝ፡ ሰበስልጣን ኢራን ነቲ ቅትለት "ዓቢ ዋጋ ክኸፍሉ እዮም፡" ክብል ጽሒፉ፤ ሰባት ድማ "ተቓውሞኦም ክቕጽሉ" ኣተሓሳሲቡ።

"ክሳብ እቲ ትርጕም ኣልቦ ቅትለት ሰልፈኛታት ደው ዝብል ምስ ሰበስልጣን ኢራን ዝግበር ርክባት ሰሪዘዮ ኣለኹ። ሓገዝ ኣብ መገዲ ኣሎ። ሚጋ!!!" ክብል ወሲኹ።

'ሚጋ'፡ እዚ፡ ኣሕጽሮተ ቃል ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተቓወምቲ ኢራን "ኢራን ዳግማይ ዓባይ ምግባር" ዝብል ጭርሖ እዩ።

'ሆስፒታላት፡ ዞባ ውግእ እየን ዝመስላ'

ትራምፕ፡ ኣብ ኢራን ንዝርአ ዘሎ ኵነታት ምላሽ ንምሃብ ወተሃደራውን ካልኦት ኣማራጺታትን ክመዝን ጸኒሑ'ዩ። ድሮ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ምስ ኢራን ንግዳዊ ዝምድና እትገብር ሃገር 25% ቀረጽ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ኣብ ኵለን 31 ዞባታት ኣብ ዝርከባ 180 ከተማታት ከም ዝተዘርግሐ ዝንገረሉ ተቓውሞታት፡ ብሰንኪ ምውራድ ባጤራ ኢራንን ዝቕባበ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቝሑን ዘስዓቦ ቍጥዐ እዩ።

እዚ ቀልጢፉ ናብ ጠለባት ፖለቲካዊ ለውጢ ክዓቢ እንከሎ፡ ድሕሪ 1979 እስላማዊ ሰውራ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ኰይኑ ይርከብ።

እቲ ተቓውሞ ዝሓለፈ ሓሙስ'ዩ ኣዝዩ ተጋዲዱ፤ ዳርጋ ፍጹም ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነትን መራኸቢታትን ከኣ ስዒቡ።

ሃራና፡ ብሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ናዕቢ ብውሕዱ 2003 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ፡ ካልኦት 779 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝገልጽ ጸብጻባት'ውን ይምርምር ከም ዘሎ ገሊጹ።

ምክትል ዳይረክተር ስካይላር ቶምፕሰን ንኣሶሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሰምቢድና ኣለና፡ እንተዀነ ሕጂ'ውን እዚ ቍጽሪ ከፊላዊ እዩ ኢልና ንሓስብ፡" ኢሉ።

ካልእ ጕጅለ፡ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ኢራን ሰብኣዊ መሰላት (IHR)፡ ብውሕዱ 734 ሰልፈኛታት ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

ዳይረክተር ማሕሙድ ኣሚሪ-ሞጋዳም ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣሃዛት "ካብ ትሕቲ ፍርቂ ዞባታት እታ ሃገርን ትሕቲ 10% ሆስፒታላት ኢራንን ኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ዝተመርኰሰ'ዩ፡" ኢሉ። ወሲኹ፡ "ሓቀኛ ኣሃዛት ናይቶም ዝሞቱ ብኣሽሓት ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

ሮይተርስ፡ እቲ ቍጽሪ ዝሞቱ ኣስታት 2 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ዝገለጸ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኢራናዊ በዓል ስልጣን፡ ነቲ ኣሃዝ ብዝርዝር ከም ዘይገለጸ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ብድሕሪ ሞት እዞም ሰልፈኛታትን ኣባላት ጸጥታን "ኣሸበርቲ" ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ቢቢሲ ከም ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ዜና፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ሪፖርት ክገብር ስለ ዘይክእል፡ ነዚ ብልክዕ ክኣምኖ ኣጸጋሚ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ብሰንበት ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት፡ ሰባት ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ማእከል ፎረንሲክ ካህሪዛክ ሬሳታት ዝፈትውዎም ሰባት ክደልዩ ከለዉ ዘርኢ እዩ።

ቢቢሲ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብውሕዱ 180 ዝተሸፈኑ ሬሳታትን ቦርሳታት ኣስክሬንን ቈጺሩ።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝተዘርግሐ ካልእ ቪድዮ ካብቲ መሳለጥያ ኣስታት 50 ሬሳታት ተራእዩ።

ሓደ ኣክቲቪስት ብሰኑይ ንቢቢሲ ፋርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዓርከይ ንሓዉ ክደሊ ናብኡ [ካህሪዛክ] ከይዱ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ፡ ከም ሳዳታባድ፡ ናዝያባድ፡ ሳታርካን ዝኣመሰሉ ሬሳታት ኣኪቦም። ስለዚ ኣብኡ ኬድካ ኢኻ ትደሊ። በዚ ድማ ደረጃ እቲ ዝተጠቐሙዎ ዓመጽ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን፡" ኢሉ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታላት እውን ብብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ከም ዝተጨናነቓ ይግለጽ።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ኢራናዊ ክኢላ መንሽሮ ፕሮፌሰር ሻህራም ኮርዳስቲ ብሰሉስ ንቢቢሲ ኒውስደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ሓደ ኣብ ቴህራን ዝርከብ መሳርሕቱ ዝረኸቦ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ፡ "መብዛሕትአን ሆስፒታላት፡ ናይ ውግእ ዞባ እየን ዝመስላ፤ ቀረብ ይሓጽረና፡ ደም ይሓጽረና፡" ኢሉ።

ካልኦት ሓካይም "ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሆስፒታላት" እውን ኣማኢት ዝቘሰሉ ወይ ዝሞቱ ሰባት ከም ዝሓከሙ ገሊጾም ነይሮም ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ካስፒያን ኣብ እትርከብ ራሽት ዝነብር ኢራናዊ፡ እታ ከተማ መልክዓ ከም ዝተቐየረ ገሊጹ።

"ኵሉ ቦታ ብሓዊ ተቓጺሉ ኣሎ፡"።

ሰበ ስልጣን ኢራንን ካልኦት ሃገራትን እንታይ ኢሎም?

ብሰኑይ ምሸት ሰበስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ትራምፕ ብዛዕባ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ ሚሳይላት፣ ስርሒታት ሳይበርን ምላሽ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጐስጓሳትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሕቡኣትን ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ሓበሬታ ከም ዝተዋህቦ ገሊጾም።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ንዲፕሎማሲ ድልውቲ ምዃና፡ እንተዀነ፡ "ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈተነቶ ወተሃደራዊ ኣማራጺ፡" ሓዊሱ ንኻልኦት ኣማራጺታት ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ።

ኣብ ሰነ፡ ኣመሪካ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ን12 መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ መሳለጢያታት ኒዩክለር ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ ነይራ።

ኣራግቺ ብተወሳኺ መንግስቲ ኢራን ምስ ሰልፈኛታት ክዘራረብ ጸኒሑ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝጐዓዙ "ዝሰልጠኑ ግብረሽበራውያን ጕጅለታት" ናብቲ ሰልፍታት ብምእታዎምን ንሓይልታት ጸጥታ ዒላማ ብምግባርን ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።

እዚ ርእይቶኡ ንናይ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ ብሰኑይ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ብመንግስቲ ዝተዳለወ ሰልፍታት ንደገፍቱ "ነቲ ብናይ ውሽጢ ሃገር ብዕሱባት ክፍጸም ዝተሓሰበ ውጥናት ናይ ወጻኢ ጸላእቲ ኣሊናዮ ኢና፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ ብሰሉስ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር፡ ነቲ "ዘስካሕክሕን ኣረሜናዊን ቅትለት ሰልፈኛታት ኢራን" ዝበለቶ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣምባሳደር ኢራን ተቓውሞኡ ከስምዕ ሓቲታ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰልፈኛታት ዝፍጸም ኵሉ ዓይነት ዓመጽን ዓፈናን ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣተሓሳሲቡ ክብል ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ንሱ ወሲኹ፡ ንዓመጽ ንምምኽናይ ሰልፈኛታት "ኣሸበርቲ" ዝብል ስያመ ምሃብ ቅቡል ከም ዘይኰነን፡ ሰበስልጣን ኢራን ብቕልጡፍ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክውሰድ ይኽእል እዩ ዝብል መግለጺታት ክህቡ ምርኣይ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ምዃኑን ገሊጹ።

ሓላፊ ስርዓት ፍርዲ ጎላምሆሴን ሞህሰኒ ኤጀይ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ሰባት "ብዕቱብን ብኸቢድን መገዲ ክትሓዙ እዮም፡" ኢሉ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ ገሊኦም ብ"ጽልኢ ኣንጻር ኣምላኽ" ክኽሰሱ ምዃኖም ገሊጾም፡ እዚ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ዝሓዘ ገበን ሃገራዊ ድሕነት እዩ ኢሎም።

ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ልዕሊ 16 ሽሕን 780 ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ኣክቲቪስትስ ኒውስ ኤጀንሲ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ተኣሲሩ ዝነበረ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ድሮ ንሞት ተፈሪዱ ከም ዘሎ ስድራኡን ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኩርዳውያን ሄንጋው ሓቢሮም።

ሓደ ዘመድ ስድራቤት ኤርፋን ሶልታኒ ንቢቢሲ ፐርሽያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ኣዝዩ ቅልጡፍ መስርሕ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ፡ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት ፍርዲ ኣውጺኡ፡ እቶም ስድራቤት ድማ ረቡዕ ክቕተል ምዃኑ ተነጊርዎም፡" ኢሉ።

ኣዋር ሸኪ ካብ ሄንጋው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሓደ ጉዳይ ብኸምዚ ብቕልጡፍ ክዓርግ ርኢና ኣይንፈልጥን። መንግስቲ ንሰባት ንምዕፋንን ክፈልሑ ንምግባርን ዝፈልጦ ኩሉ ሜላ ይጥቀም ኣሎ፡" ኢሉ።

ትራምፕ ድሒሩ ብሰሉስ ምስ መሻርኽቲ ዜና ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሰበስልጣን ኢራን ንሰልፈኛታት ክሰቕሉ እንተጀሚሮም ኣመሪካ "ኣዝዩ ሓያል ስጕምቲ" ክትወስድ እያ ኢሉ።

"እንተሰቒሎምዎም ገለ ነገራት ክትሪኢ ኢኻ... ከምዚ ዓይነት ነገር እንተገይሮም ኣዝዩ ሓያል ስጕምቲ ክንወስድ ኢና፡" ይብል።