'እንቋዕ ናብ 2976 ኣብጽሓኩም' - ንዓለም ብሓደ ሽሕ ዓመት ዝቕድሙ ህዝቢ

ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከቡ ህዝቢ ኣማዚግ ንዓመተ 2976 ብሓባር ከኽብሩ ብልዑል ሃንቀውታ ክጽበዩዋ ጸኒሖም።

ካብ 950 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝጅምር ኣቈጻጽራ ስለ ዝኽተሉ፡ ካብ መብዛሕትኡ ዓለም ዳርጋ ብሽሕ ዓመት ይቕድሙ።

እቲ 'የናየር' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ዓመት ኣማዚግ፡ ካብ 12 ክሳብ 14 ጥሪ ዝጅምር ኰይኑ - ከከምቲ ኣብ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ፡ ቱኒዝያን ሊብያን ዝነብሩሉ ከባቢ - ስድራቤታት ደጊሶም፡ ሓዊ ገይሮምን ባህላዊ ሙዚቃታት እናተጻወቱን የብዕሉዎ።

ደወላት "ኣሰጋስ ኣመጋዝ" ወይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዓድታትን ጽዑቕ ጐደናታት ከተማን ክድወል እንከሎ፡ ሰባት ብጥንቃቐ ዝተጠልፈ ባህላዊ ክዳውንቲ ተኸዲኖም እዮም ዝቕበሉዎ።

ኣማዚግ ("ናጻ ህዝቢ" ወይ "ክቡር ህዝቢ" ማለት እዩ)። ካብ መጀመርታ ታሪኾም ዝተመዝገበሉ ግዜ ጀሚሮም ነቲ ዞባ ዝሓዙ፡ መበቈላውያን ነበርቲ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ብሄራት እዮም።

ብሰንኪ ሕጽረት ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ልክዕ ብዝሒ ህዝቢ ኣይፍለጥን። ብመሰረት ግምታዊ ኣሃዛት ግን ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣማዚጋውያን ይነብሩ።

ኣልጀርያን ሞሮኮን ዝበዝሐ ህዝቢ ኣለወን - 40% ህዝቢ ሞሮኮ ኣማዚግ ከም ዝዀነ ይግመት።

'የናየር' ኣብ ምትእኽኻብ ስድራቤት፡ ምጽንባል ምሕዳስን ህዝቢ ኣማዚግ ብባህሊ ምስ ተፈጥሮ ዘለዎ ዓሚቝ ምትእስሳርን ዘማእከለ እዩ።

ኣማዚግ ዝተፈላለዩ ጕጅለ ስለ ዝዀኑ ባህላዊ መግቢ የናየር ካብ ሃገር ናብ ሃገርን ከባቢ ይፈላለ እዩ።

ኣብ ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ ሞሮኮ ዞባ ሃይ ኣትላስ፡ "ourkemen" ዝበሃል ሃብታም ምትሕውዋስ ኣእካል ፍረታት፡ ቀመማትን ምሉእ እኽልን፡ እቲ ኣመና ዝፍቶ መግቢ እዩ።

ብዙሓት ስድራቤታት ኣልጀርያ ድሕሪ እቲ ቀንዲ መግቢ፡ "ትሬዝ" ዝበሃል ምቍራት ነገራትን ደረቕ ፍረታትን የስተማቕሩ። እዚ ምቍር መግቢ ሓሓሊፉ ምልክት ብልጽግና ተገይሩ ስለ ዝውሰድ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ቈልዓ ቀስ ኢቢልካ ይድርበ።

የናየር ግን ናይ ስድራቤት ነገር ጥራይ ኣይኰነን። ምስ ሰፊሕ ማሕበረሰብ እውን ክበዓል ይኽእል እዩ - ሰልፍታት፡ ኮንሰርታትን ካርኒቫላትን ክካየዱ ይኽእሉ።

ብፍላይ እቲ ሕብረተሰብ ናይ ምጕናይ ነዊሕ ታሪኽ ስለ ዘለዎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘኹርዕ ምርኢት ባህሊ ኣማዚግ ዓቢይ ትርጕም ዘለዎ እዩ።

ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን፡ ወረርቲ ዓረብ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርግሑሉ ዝነበሩ እዋን፡ ቋንቋኦምን እስላማዊ ሃይማኖትን ሒዞም መጹ።

እዚኦም፡ ንቋንቋታትን ባህልን ኣማዚግ ብምጭፍላቕ ብወግዒ ተቐባልነት ረኺቦም።

ንኣብነት ኣብ ግዜ ምሕደራ ኮሎኔል ሙዓመር ቓዛፊ ኣብ ሊብያ ቋንቋ ኣማዚግ ዝዀነ ታማዚት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተኣጊዱ ወለዲ ንደቆም ኣማዚግ ዝብል ስም እኳ ክህቡ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ሳላ እቲ ደለይቲ ፍትሒ ኣማዚግ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጐስጓስ፡ ባህሎምን ቋንቋኦምን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝያዳ ኣፍልጦ ረኺቡ።

ኣብ 2011 ሞሮኮ ንታማዚት ከም ወግዓዊ ቋንቋ ኣፍልጦ ሂባቶ።

ኣልጀርያን ሞሮኮን እውን፡ ኣብ 2017ን 2023ን የናየር ህዝባዊ በዓል ኰይኑ ክበዓል ኣዊጀን።

ስለዚ የናየር ንህዝቢ ኣማዚግ ዓወት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ - ኣብ 2976 - ዘብጽሖ ንዘመናት ዝቐጸለ ቃልሲ ዘዘኻኽር እዩ።