ንቕድድም ብሽክለታ ትግራይ ዓብሊላቶ ዘላ ጽገ ካሕሳይ

ጽገ ካሕሳይ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዓዲ ጉዶም ኣብ ዝብሃል ዓዲ ጓል 11 ዓመት እንከላ'ያ፡ ንሓሙሽተ ደቂቕ ብሓደ ብር ብሽክለታ እናተኻረየት ብሽክለታ ተላሚዳ።

እታ ሽዕኡ ዝተላመደታ ብሽክለታ፡ ካብን ናብን ዱኳን ናይ ሓፍታ ኣስቤዛ ኣብ ምምልላስ ጥራይ ግን ኣይደረተታን።

ካብ ዓዲ ግዶም ናብ መቐለ፡ ካብ መቐለ ናብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ርዋንዳን ሽማ፡ ሽም ሃገራን ከተጸውዓላ ክኢላ።

እዚ ኵሉ ገና ዕድሚኣ 18 ከይመለአ'ዩ።

መጀመርታ ውድድራ ኣብ ዓዲ ግዶም ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ማውንተይን ባይክ'ያ ፈዊናቶ። ነቲ ውድድራራት ከኣ ብዘይጽገም ትዕወተሉ ነበረት።

ካብ ወለዳ ምሉእ ደገፍ ይግበረላ ስለዝነበረ፡ ሓደ ካብቲ ኣበርቲዓ ንኽትሰርሕ ዓንዲ ሕቆ ዝዀና ባእታ ምዃኑ'ውን ትሕብር።

ጽገ ካብ ዓዲ ግዶም ናብ መቐለ ብምኻድ ምስታ ዓይና ዘንበረትላ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ተጠርኒፋ ንብሽክለታ ምሉእ ሃማን ቀልባን ሂባ ክትሰርሓሉ ጀመረት።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ጁንየር ውድድራት ክትዕወት ኣብ ዝጀመረትሉ ግን ኵናት ትግራይ ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ኮረሻ ብሽክለታ ወሪዳ፡ ዳርጋ ከም ኵሉ ህዝቢ ትግራይ ህይወታ ኣብ ምድሓን ኣትያ።

ካብ ብሱል ጥረ ኮይና ከኣ ነቲ ሓርጎጽጎጽ ብህይወት ሓሊፋቶ።

ድሕሪ ኵናት ትግራይ፡ ኣብ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኢትዮጵያ ብምስታፍ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ጽርግያን ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ቀዳማይቲ ብምዃን ዘውዲ ቻምፕዮን መላእ ኢትዮጵያ ደፊኣ።

ጽገ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ካብ ኩለን ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብክወን ዓወታት እታ ዝልዓለ ክብሪ ዝህባን ኣብ ቅድሚት ዝሰርዓን ዓወት'ያ፡ ምክንያቱ ዝዀነ ዓይነት ምድላዋት ከይገበርኩ ኣትየ'የ ተዓዊተ" ኢላ።

ጽገ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ነቲ ተሰሪዑ ዝነበረ 15 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት 37.3 ኪሎሜተር እናዘወረት ኣብ 24 ደቂቐን 8 ንኡስ ካልኢትን'ያ ወዲኣቶ።

ነታ ካልኣይቲ ኮይና ብሩር መዳልያ ዝዓተረት ቅሳነት ግርማይ ከኣ ናይ ደቂቕን ፈረቓን ፍልልይ'ያ ኣንጺጻትላ።

ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር'ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ተሰሪዑ ዝነበረ 72 ኪሎ ሜተር ብክልተ ሰዓትን 8 ደቂቕን ዛዚማቶ።

ነታ ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ዝዛመት መብርሂት ተኽላይ ከኣ ብክልተ ደቂቕ ማሕዲጋትላ ውድድራ ዛዚማ።

ካብ ሓሙሽተ መድረኻት ኣብ ኣርባዕተ ቀዳመይቲ

ጽገ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሽተ መድረኻት ዝነበሮ 'ዙር ትግራይ' ናይ ጁንየር፡ ካብቲ ሓሙሽተ መድረኻት ኣብ ኣርባዕተ መድረኻት ቀዳመይቲ ብምውጻእ፡ ኣብ ሓንቲ መድረኽ ከኣ ካልኣይቲ ብምውጻእ፡ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ሰለስተ ሽልማታት [ናይ ዓቐበት፡ ናይ ቅጽበታዊ ውድድርን ናይ ግዜን] ብዓብላሊ ፍልልይ ክትዕወተሉ ክኢላ።

ጋንታኣ መስፍን ኢንዳስትራይል ኢንጂነሪንግ'ውን ብጋንታ ቀዳማይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።

እቲ ውድድር ኣብ ሸራሮ ጀሚሩ ልዕሊ 400 ኪሎ ሜተር ብምሽፋን ሓሙሻይ መድረኽ ኣብ መቐለ'ዩ ተዛዚሙ።

ኣብ ርዋንዳ ዝመደበሩ፡ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ምምልማል ዝሰርሕ 'ኣፍሪካን ራይዚን ሳይክሊን' ኣብ ገጻቱ ንጽገ ዘለዎ ኣድናቖት ብምግላጽ "ካብተን ስም ኣፍሪቃ ከጸውዓ ዝኽእላ ተቐዳደምቲ" ኢሉ ገሊጽዋ።

ንዓወታታ'ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታቱ ኣድናቖት ኣሰንዩ ኣቓሊሕዎ።

ጽገ ናብዚ ውድድር እዚ ቅድሚ ምእታዋ፡ ኣብ ርዋንዳን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ነናይ ክልተ ሰሙን ናይ ዩሲኣይ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺባ ነይራ'ያ።

ኣብ ርዋንዳን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ጎኒ ጎኒ እቲ ስልጠና ኣብ ዝግበር ዝነበረ ውድድራት'ውን ክልተ ግዜ ቀዳማይቲ ወጺአ ነይራ።

ጽገ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተካየድ ውድድራት ብተደጋጋሚ ኣብ ፖድዮም ክትድይብ ተራእያ'ያ።

ብዓቢኡ ኣብ 2024 ሻምፕዮን መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ጽርግያን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ቀዳመይቲ ኰይና'ያ ውድድራ ዛዚማ።

እዚ ከኣ ኣብ 2024 ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንኽትውክል ኣኽኢልዋ።

እዚ ካብ ሃገራ ክትወጽእን ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ክትውክልን ናይ ፈለማያ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ውድድር'ውን ጥራይ ኢዳ ኣይወጽአትን፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሰይቲ ብምውጻእ ተሸላሚት ነሓስ መዳልያ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ከኣ ራብዓይቲ ብምውጻእ ዓቕማ ኣርእያ።

ጽገ "ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ 'ክሮነሜተር' ሳልሳይቲ ኣብ ናይ ጽርግይ ከኣ ራብዓይቲ ምውጸአይ ሕጉስቲ ኣይኰንኩን ልዕሊኡ ዓወት ከመዝግብ'የ ናብቲ ቦታ ከይደ፡" ትብል።

እቲ ዝሓሰበቶ ዓወት ዘይረኸበትሉ ምኽንያት ክትገልጽ እንከላ ከኣ፡ ናብታ ውድድር ዝተኻየደላ ከተማ ኤልዶረት ኣብ ድሮ እቲ ውድድር ብምእታዎም ንቅርጺ መሬት ናይቲ ውድድር ብዝግባእ ክርእይዎ ዕድል ከምዘይነበሮም ትሕብር።

ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኢትዮጵያ ንኸምዚ ዓይነት ውድድራት እኹል ምድላዋት ገይሩ፡ ከምተን ካልኦት ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ እዋኑ ናብቲ ናይ ውድድር ቦታ ክሰዶም ተማሕጺና።

"ነቲ ናይ ውድድር ቦታ ኣቐዲመ ስለዘይረኣኽዎ፡ ብኢደይ በዚ ድዩ እቲ መንገዲ፡ በዚ ድዩ እቲ መጥወዩ ኢለ እናሓተትኩ'የ ዝዝውር ነይረ፡" ትብል።

ነዚ፡ ኣብ ሻምፕዮና ኣፍሪቃ ጸብጻብ ንምድላው ናብቲ ቦታ ዝተለኣኸ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ብዓይኒ ክዕዞበ ክኢሉ'ዩ።

ንኣሰልጠንትን ንተቐዳዳምትን እታ ሃገራዊት ጋንታ ብምዝራብ'ውን 'ፌደሬሽን ነዚ ውድድር ኣይተገደሰሉን' ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቪድዮ ጸብጻብ ኣዳልዩ ነይሩ።

ጽገ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ርዋንዳን ማህደረ ትምህርቲ ድሕሪ ምስልጣን፡ ኣብ ፈረንሳ ተወሳኺ ስልጠና ንምውሳድ ዕድል ረኺባ፡ ቪዛ ንኽትሓትት ካብ ዓዲ ግዶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ፈረንሳ ኣምሪሓ።

"ዕድሜኺ 18 ስለ ዘይመለአ፡ ንኸሰንይኹ ኣቦኺ ወይ ኣዴኺ ፓስፖርቶም ሒዞም ይምጽኡ ቪዛ ክንህበኩም፡" ተባሂለ ተመሊሰ ትብል።

"ኣቦይ ፓስፖርት የብሉን፡ ኣብ ዝመጽእ ምያዝያ ዕድመይ 18 ስለ ዝመልእ ግን ድሕሪ ወርሒ ናብ ፈረንሳ ክኸይድ'የ፡" ትብል።

ጽገ ዙር ትግራይ፡ መስካሪ ዘየድልዮ ዓብላልነት'ያ ኣርእያ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ተቐዳደምቲ እታ ዝበለጽኩ ኣነ'የዶ ትብሊ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናላ።

"ኣብቲ ውድድር ካብ ኬንያ ዝመጽአት ጋንታ ኣማኒ'ውን ተሳቲፋ ነይራ'ያ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብ ዝነበራ ጋንታታት'ውን ጋንታ ትራንስ፡ መቐለ 70 ከምኡ ከኣ ናትና ጋንታ ተሳቲፈን፡ ሓያላት ተወዳደርቲ'ውን ነይረን'የን፡ ካብ ኩለን ጸብለል ኢለ ካብ ወጻእኩ ጕራ [ጃህራ] ከይመስል'ምበር መልሰይ እወ'ዩ፡" ኢላ።

ዓቢ ሕልሚ...ቀዳማይቲ ኣፍሪቃዊት ተዓዋቲት ዙር ፈረንሳ

ጽገ፡ ዓወታታ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ተሓጺሩ ክተርፍ ድላይ የብላን።

ኪኖ እዚ ዝኸደ ሕልሚ'ዩ ዘለዋ።

"ሕልመይ፡ ከምቲ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀዳማይ ብምውጻእ ነቲ ክብሪ ዝበቐዐ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዝዀነ፡ ኣነ ከኣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተዓወተት ቀዳማይቲ ኣፍሪቃዊት ክኸውን'ዩ ሕልመይ፡" ትብል።

ቻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2025፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መሬት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ'ዩ ክካየድ።

ጽገ ከኣ ምስ ጋንታ ናይ ዩሲኣይ ብምዃን ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝካየድ ቻምፕዮና ዓለም ክትሳተፍ ምዃና ብዩሲኣይ ተነጊርዋ ኣሎ።

"እቲ ውድድር ዓቢ'ዩ፡ ከቢድ ክኸውን ምዃኑ'ውን ርዱእ'ዩ፡ እንተዀነ ኩልና ማዕረ ዕድል ስለ ዘለና፡ እታ ተዓዋቲት ካብተን ንወዳደር እያ ክትከውን፡ እታ ተዓዋቲት ኣነ ክኸውን ከኣ ኣበርቲዐ ክጽዕር'የ፡" ብምባል ዘለዉዋ ዓበይቲ ሕልምታት ኣካፊላትና።

ሰናይ ዕድል!