ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት ኣለዋ' ክብል ዓለማዊ ትካል ኣጠንቂቝ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ናብ ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ወተሃደራዊ ምትፍናንን ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ ክብል ዓለምለኻዊ ትካል መጽናዕቲ ቅልውላዋት ኣጠንቂቝ።

ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ብረቡዕ 18 ለካቲት ዝዘርግሖ ሰነድ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥቃስ፡ እቲ ውዕል ንኲናት ትግራይ ዘብቅዐ'ኳ እንተዀነ፡ ብዅሉ ወገን ሓደገኛ ምንቅስቓሳት ይርአ ከምዘሎ የነጽር።

ብፍላይ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪን፡ ካብኡ ሰጊሩ ድማ ምስ ኤርትራ ክግበር ተዓንቂሩ ዘሎ ስግኣት ኲናት ከምዘተሓሳሰቦ ድማ ኣስፊሩ'ሎ።

ኣብ ሕመረት እዚ ሕጂ ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ልዑላዊ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ቅሉዕ ወፍሪ ምዃኑ ድማ ኣስሚሩሉ።

ኣቢይ፡ እታ ብመሬት ዝተኸበበት ሃገሩ፡ "እስርቲ ጂኦግራፊ" ኰይና ኣይክትነብርን እያ ብምባል፡ እንተስ ብሰላም እንተስ ብሓይሊ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይተርፍ ጉዳይ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተሓንዩ እዩ።

እዚ ብሓያለ ስበስልጣን እታ ሃገር'ውን ብዝተፈላለየ ኣቀራርባ፡ ግን ብሓደ ዓይነት ትሕዝቶ ዝቐጸለ ትረኻታት፡ ብወገን ኣስመራ ንወደብ ዓሰብ ንምሓዝ ዝመጽእ ዘሎ ወራር ዘመልክት እዩ ዝብል ስግኣት ኣበጊሱ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ክራይስስ ግሩፕ፡ ጂኦፖለቲካዊ መልክዕ እቲ ዞባ ካብ ዝሓለፈ ኲናት ጀሚሩ ኣመና ተቐይሩ እዩ።

ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ጥምረት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጽኑዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ኢትዮጵያ ንኤርትራ፤ ንዓለወኛታት (ተቓወምቲ) ፋኖ ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ትድግፍን ኣብ ርእሲኡ ድማ ዶብ እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ኣላ ብምባልን ትኸስስ ኣላ።

ብተወሳኺ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ከም ቀንዲ ጸላኢ እትርእዮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ንፌደራላዊ ሓይሊ ንምምካት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ምሕዝነት" ይፈጥር ኣሎ ክትብል'ውን ትጥቅን።

ውሽጣዊ ፖለቲካ ኵነታት ትግራይ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ሃዋሁ ነዳዲ ወሲኹሉ እዩ። ኣብ መጋቢት 2025 ብ "ነባር መሪሕነት" ህወሓት ኣብ ልዕሊ'ቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተፈጸመ "ዕልዋ"፡ ኣብታ ክልል ውድባዊ ምምቕቓል፡ ሓሓሊፉ ግጭታት መጥቃዕቲ ድሮን ፈደራል ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ኣስዒቡ እዩ።

እዚ ዘይምርግጋእ'ዚ፡ ምስቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ንከም በዓል ኢማራት፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ዞባዊ ሓይልታት ዝሰሓበ ግጭት፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ ኲናት ውክልናታት ቀይሩዎ ኣሎ።

ኵሎም ወገናት "ዘሰክፍ ሓደጋታት" ቅሉዕ ኲናት ይመጽእ ኣሎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ነዚ ኣብ ግምት ዘእተዉ ዞባዊ ተንተንቲ ድማ፡ ህጹጽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ክግበር ብምጽዋዕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ዞባዊ ሃገራት ክልሕም ዝኽእል ምትህልላኽ ንምውጋድ ክተግሁ ኣተሓሳሲቦም።